ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ሓዊ ዚተፍእ ከረን

ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ሓዊ ዚተፍእ ከረን

ካብ ኮንጎ (ኪንሻሳ) እተላእከት ደብዳበ

ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ሓዊ ዚተፍእ ከረን

ጸሓይ ኣብ ከተማ ጎማ ኽትበርቕ ከላ፡ ሰማይ ብሊላን ብብርቱኻናይን ሕብሪ እዩ ዚስለም። በብመዓልቱ ድማ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ንጡፋት እሳተ ጎመራ ዝዀነ ኸረን ንይራጎንጎ እናረኣና ኢና እንትንስእ። ኵሉ ግዜ ኻብ ኣፍ እቲ እሳተ ጎመራ፡ ትኪ ይወጽእ እዩ። ኪመሲ ኸሎ፡ እቲ ትኪ ነቲ ኣብ ኣፍ እቲ እሳተ ጎመራ ዘሎ ላቫ ስለ ዜንጸባርቖ፡ ቀይሕ ይኸውን።

እቲ ኸረን ብስዋሂሊ፡ ሙሊማ ያ ሞቶ እዩ ዚበሃል፣ እዚ፡ ሓዊ ዚተፍእ ከረን ማለት እዩ። ብ2002 ከረን ንይራጎንጎ ብሓይሊ ነቲጉ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ጐረባብትናን ፈተውትናን ንብረቶም ስኢኖም እዮም። ኣብቲ ኣነን ሰብኣየይን እንሰብከሉ ገሊኡ ኸባቢ፡ ብልዕሊ እቲ ዝነቐጸ ላቫ ኽንከይድ ከለና፡ ኣብ ወርሒ ብእግርኻ ምኻድ እንታይ ኪመስል ከም ዚኽእል እሓስብ። እቶም ህዝቢ ግና፡ ከምቲ ነቒጹ ዝተረረ ላቫ ኣይኰኑን። ነቲ ንሕና እንሰብኮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበል ልቢ ዘለዎምን ሕጉሳትን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ሓዊ ዚተፍእ ከረን ምግልጋል ዜሐጕሰና።

ቀዳም ንግሆ ብህንጥዮት ካብ ድቃስ ተበራበርኩ። ኣነን ሰብኣየይን ምስ ፈተውትናን ምስ ካልኦት ሚስዮናውያንን ኴንና፡ ኣብቲ ብምዕራባዊ ሸነኽ ከተማ ሙጉንጋ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ምሉእ መዓልቲ ኽንሰብኽ መዲብና ነበርና። ብዙሓት ኣብዚ ሰፈር እዚ ዚነብሩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ዓዶም ዘጋጠሞም ብርቱዕ መጥቃዕቲ ሃዲሞም እዮም መጺኦም።

ንማኪናና ብፈረንሳይኛን ብኪስዋሂሊን ብኪንያሩዋንዳን እተዳለወ ጽሑፋት መሊእና፡ ጕዕዞና ጀመርና። በቲ ሩት ሴክ ዚበሃል ሓባጥ ጐባጥ መገዲ ኽንጐዓዝ ከለና፡ እታ ኸተማ ንጥፈታታ ጀመረት። መንእሰያት ነቲ ብዙሕ ጽዕነት ዝሓዘ ቹኩዱስ (ጽዕነት ንምምልላስ ዚሕግዝ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ዓረብያ) ይደፍኡ ነበሩ። ደሚቕ ዚሕብሩ ኽዳን እተኸድና ኣንስቲ እውን፡ ኣብ ርእሰን ዓብዪ መጠምጠምያ ገይረን ብወሰና ወሰን እቲ መገዲ ብምዕራገ ይኸዳ ነበራ። እተን ከም ታክሲ ዀይነን ዜገልግላ ሞተር ብሽክለታ ኸኣ፡ ንሰባት ናብ ስራሕን ናብ ዕዳጋን የመላልሳ ነበራ። ሓሓሊፉ ኸኣ ቡናውን ጸሊምን ዚሕብሩን ጫፍ ጫፉ ብሰማያዊ ሕብሪ እተለኽየን ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ኣባይቲ ይርአ ነበረ።

ኣብቲ ኣብ ንዶሾ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጻሕና፡ ምስቶም ምሳና ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት ዜገልግሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ተራኸብና። ንኣሽቱ ቘልዑን መበለታትን ዘኽታማትን ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎምን ኣሕዋት ምስ ረኣኹ፡ ልበይ ተተንከፈ። መብዛሕትኦም ከቢድ መከራ ዘሕለፉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕቡ ስለ ዝመረጹ ግና፡ ህይወቶም ተመሓይሹ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኣብ ልቦም ከም ጓህሪ ስለ ዚነድድ፡ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ይህንጠዩ እዮም። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ኬተባብዖም ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ምዃኑ ምስ ተመያየጥና፡ 130 እንኸውን ሰባት ብሓሙሽተ ሚኒባስን ብሓንቲ ፎር-ዊል-ድራይቭ ዝዓይነታ ማኪናን ጌርና ኸድና።

ን30 ደቒቕ ዚኸውን ምስ ተጐዓዝና፡ ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት በጻሕና። ኣብቲ ዝነቐጸ ላቫ እተተኽለ ብኣማእታት ዚቝጸር ጻዕዳ ዝሕብሩ ንኣሽቱ ቴንዳታት ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ ሰፈር፡ ብመስርዕ እተሰርሐ ህዝባዊ ሽቓቓትን ንመሕጸብ ክዳውንቲ ዚኸውን ቦታታትን ኣሎ። ዚሓጽቡን ምግቢ ዚሰርሑን ፋጆሊ ዚቐርፉን ኣፍ ደገ ቴንዳኦም ዚዅስትሩን ሰባት እውን ይርኣዩ ነበሩ።

ንእተወሰነ ኽፋል እቲ ሰፈር ብሓላፍነት ምስ ዚቈጻጸር ፓፓ ዣክ ዚበሃል ሰብኣይ ተራኸብና። ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን፡ ቈልዑ ብኸመይ ከተዕቢ ኸም ዚከኣል ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ነታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ሃብናዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ነታ መጽሓፍ ከም ዜንብባን ንእተወሰኑ ጕጅለ ኣኪቡ ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ኸም ዚነግሮምን ከኣ ሓበረና።

ቍሩብ ምስ ተጐዓዝና፡ ምስ ሓንቲ ማማ ቢትሪስ እትበሃል ሰበይቲ ተራኸብና። ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ኸኣ ሓተተትና። ኣምላኽ ዚቐጽዓ ዘሎ ዀይኑ ኸም ዚስምዓ ነገረትና። ሰብኣያ ኣብ ውግእ ተቐትለ፡ ጓላ ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት ንበይና ዀይና ቘልዓ ተዕቢ ኣላ። ወዳ ቕድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ተጨውየ፡ ኣበይ ከም ዝኣተወ ድማ ኣይተፈልጠን።

ማማ ቢትሪስ መረረታ ኽትነግረና ኸላ፡ እዮብ ነቲ ሕማቕ ዜና ምስ ሰምዐ ኸመይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሰብኩ። ጠንቂ መከራ እንታይ ምዃኑ ነገርናያ፡ ኣምላኽ ይቐጽዓ ኸም ዘየለ ኸኣ ኣረጋገጽናላ። (እዮብ 34:10-12፣ ያእቆብ 1:14, 15) ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብመንግስቱ ኣቢሉ ብዛዕባ ዜምጽኦ ለውጢ እውን ነገርናያ። ድሕሪኡ ፍሽኽ ክትብል ጀመረት፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምግባር ከም ዘይተቋርጽን ምእንቲ ኺሕግዛ ናብ ኣምላኽ ከም እትጽልን ድማ ነገረትና።

ኣብታ ጕጅለ ዝነበርና ዅላትና ተሓጒስና ኢና ውዒልና፣ ኵልና ኸኣ የሆዋ ነቶም ዝረኸብናዮም ሰባት ንኸነተስፍዎምን ንኸነተባብዖምን ዝሓገዘና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና። ካብቲ ሰፈር ክንወጽእ ከለና፡ ብዙሓት ተቐማጦ፡ ትራክትታቶምን መጽሔታቶምን መጻሕፍቶምን እናኣወዛወዙ ተሰናበቱና።

ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍናዮ መዓልቲ ነስተንትን ነበርና። ብምኽንያት እታ ዘሕለፍክዋ ፍልይቲ መዓልቲ፡ ልበይ ብሓጐስ መልአ። ፓፓ ዣክ ዘርኣይዎ ሞሳ፡ ኣብ ገጽ ማማ ቢትሪስ ዚንበብ ዝነበረ ራህዋ፡ ከምኡውን ምስ ሓንቲ ብፍሽኽታ ጥራይ እተዘራርበኒ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ዝገበርክዎ ባህ ዜብል ሰላምታ፡ ትዝ በለኒ። ነቶም ምስትውዓል ዝመልኦ ሕቶታት ዚሓትቱን ልዕሊ ዕድሚኦም ዝዀነ ብስለት ዜርእዩን ዝነበሩ መእሰያት እውን ዘከርክዎም። እቶም ሰባት፡ ኪግመት ዘይከኣል መከራ እናኣጋጠሞም ክነሱ ፍሽኽ ኪብሉን ኪስሕቁን ምርኣየይ፡ በቲ ጽንዓቶም ከም ዝግረም ገበረኒ።

ኣብዚ ኽፋል ዓለም እዚ፡ ነቶም መከራ ዚወርዶም ሰባት ንምሕጋዝ ዚጽዕሩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ንሰባት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይረ፡ ጸገማቶም ነባሪ ፍታሕ ከም ዚረክብ ክነግሮም ብምኽኣለይን ኣብቲ ንሰባት መንፈሳዊ መስተርሆ ንምምጻእ ዚግበር ጻዕሪ እጃመይ ብምብርካተይን ተሓጒሰ እየ።