ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኦሊቬታን “ትሑትን ንእሽቶን ተርጓሚ” መጽሓፍ ቅዱስ ፈረንሳይኛ

ኦሊቬታን “ትሑትን ንእሽቶን ተርጓሚ” መጽሓፍ ቅዱስ ፈረንሳይኛ

ኦሊቬታን “ትሑትን ንእሽቶን ተርጓሚ” መጽሓፍ ቅዱስ ፈረንሳይኛ

እዋኑ 13 መስከረም 1540 እዩ ነይሩ። ፖሊስ ንቤት ኮላን ፔላንክ ኪፍትሽዎ ጀመሩ። ኣብ ሓንቲ ምስጢራዊት ቤት ከኣ፡ እተወሰነ ዚጥርጠር ሰነዳትን ሓደ ዓብዪ መጽሓፍን ረኸቡ። ኣብ ካልኣይ ገጽ እቲ መጽሓፍ፡ “ፒ. ሮበርት ኦሊቬተነስ፡ ትሑትን ንእሽቶን ተርጓሚ” ዚብል ቃላት ተጻሒፉ ነበረ። እቲ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዋልደንሳውያን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኮላን ፔላንክ ተኣስረ፣ መናፍቕ ከም ዝዀነ ጌርካ ተኸሲሱ ኸኣ ብህይወቱ ኸሎ ብሓዊ ተቓጸለ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፋላት ኤውሮጳ ዚግበር ዝነበረ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ተሓድሶ ኺግበር ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት እናሃደነት፡ ነቲ “ሰላሕታዊ” ሰረተ እምነቶም ከተጥፍኦ ትጽዕር ነበረት። ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ተሓድሶ እጃም ዝነበሮም ሰባት፡ እቲ ዉዕዉዕ ስምዒት ዝነበሮ ጊዮም ፋረል ነበረ፣ ነተን ፈረንሳይኛ ዚዛረባ ዓድታት ንኣረኣእያ እቲ ቐንዲ መራሒ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ዝዀነ ማርቲን ሉተር ከም ዚቕበላ ኺገብረን ከኣ ቈሪጹ ነበረ። ወዲ እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ እትርከብ ኣውራጃ ዶፊነ እዩ፣ ንኣረኣእያ ሰባት ኣብ ምቕያር፡ ጽሑፍ ኣገዳሲ ተራ ኸም ዘለዎ ድማ ይፈልጥ ነበረ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ፡ ፓምፍለታትን ጽሑፋትን መጽሓፍ ቅዱስን የድልዮ ነበረ። ነዚ ዕዮ እዚ ኺምውሎ ዚኽእል ግና መን እዩ፧ ፋረል ነቶም ብርእሶም ዚመሓደሩን ኣብ ስብከት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጥፈት ዚካፈሉን ዋልደንሳውያን ዚበሃሉ ጕጅለ ሃይማኖት ኪሓትቶም ወሰነ።

ኣብ ሻንፎራን እተገብረ ኣኼባ

ኣብ መፋርቕ መስከረም 1532፡ ባርብ (ኣቕሽሽቲ) ዋልደንሳውያን ኣብታ ኣብ ጥቓ ቱሪን፡ ኢጣልያ እትርከብ ሻንፎራን እትበሃል ንእሽቶ ቝሸት ኣኼባ ገበሩ። ዋልደንሳውያንን መራሕቲ ተሓድሶን ንነዊሕ ዓመታት፡ ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ስለ ዝነበሩ፡ ፋረልን ካልኦት ሰባትን ናብቲ ኣኼባ ተዓደሙ። ዋልደንሳውያን፡ ሰረተ እምነቶም ምስቲ ሉተርን ደቀ መዛሙርቱን ዚሰብክዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ይሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ ደልዮም ነበሩ። *

ፋረል ኣብ ሻንፎራን እተጠቕመሉ ኽእለታዊ ኣዘራርባ፡ ዜእምን እዩ ነይሩ። ባርብ ዋልደንሳውያን ንፋረል፡ ነቲ ብኢድ እተጻሕፈን ብላህጃኦም እተዳለወን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣርኣይዎ፡ ፋረል ነቲ ብፈረንሳይኛ ኺዳሎ ዝደለዮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምውልዎ ኣእመኖም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ብ1523 ብለፈቭረ ዴታፕለ ኣብ ላቲን ተመርኲስካ እተዳለወ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈልየ መገዲ፡ ካብ እብራይስጥን ግሪኽኛን ኪትርጐም እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንኸምዚ ዝበለ ዕዮ ኺዓዪ ዚኽእል መን እዩ ነይሩ፧

ፋረል፡ ነቲ ዕዮ ኺዓዮ ዚኽእል ሰብ ይፈልጥ ነበረ። ስም እቲ ሰብ እቲ፡ ፒየር ሮበርት ኰይኑ፡ ኦሊቬታን * ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነበረ። ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ፔከርዲ ዚበሃል ከባቢ እተወልደ መንእሰይ መምህር ከኣ እዩ ነይሩ። ኦሊቬታን፡ ዘመድ ጆን ካልቪን ከምኡውን ሓደ ኻብቶም ኣብ ተሓድሶ እጃም ዝነበሮም ቀዳሞት ሰባትን እሙን ሰብኣይን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት ንምጽናዕ፡ ኣብ ስትራዝቡርግ ንሓያሎ ዓመታት ተቐሚጡ እዩ።

ኦሊቬታን ልክዕ ከም ፋረልን ካልኦት ሰባትን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ ተዓቚቡ ነይሩ። ኣዕሩኹ ኸኣ፡ ነቲ ዕዮ ትርጕም ኪቕበሎ ለመንዎ። ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ንለመናኦም እንተ ነጸጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመሰረት ቋንቋ እብራይስጥን ግሪኽኛን ናብ ፈረንሳይኛ” ኺትርጕሞ ፍቓደኛ ዀነ። ዋልደንሳውያን ከኣ፡ ንመሕተሚ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢሎም፡ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ሃቡ።

ኳዅን ዑፍ ያሬድን

ኣብ መጀመርታ 1534፡ ኦሊቬታን ናብ ኣልፕስ ንበይኑ ኸይዱ፡ በቶም ‘ድምጺ ዘይብሎም መምህራኑ፡’ ማለት ብመጻሕፍቱ ተኸቢቡ ስራሑ ጀመረ። ቤተ መጻሕፍቱ፡ ሎሚ ንዘለዉ ምሁራት ዜቕንእ እዩ ነይሩ። ብቛንቋ ሱርስትን ግሪኽኛን ላቲንን እተዳለወ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብረቢታት እተዋህበ ርእይቶታት ዝሓዘ ጽሑፋት፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍቲ ሰዋስው፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ መጻሕፍቲ ነበሮ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ካብ በዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ ተተርጒሙ ኣብ ቨኒስ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ነበሮ።

ኦሊቬታን ነቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕም ከሎ፡ ነቲ ብለፈቭረ ዴታፕለ ብፈረንሳይኛ እተዳለወ ጽሑፍ ይጥቀም ነበረ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ በቲ ኢራስመስ ዚበሃል ሆላንዳዊ ምሁር እተዳለወ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ እውን ብተደጋጋሚ ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ። እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ቓላት፡ ንእምነት ካቶሊክ ዘይድግፍ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ “ኣቡን፡” “ሓላዊ” ኸምኡውን ኣብ ክንዲ “ቤተ ክርስትያን፡” “ጉባኤ” ዚብል ቃላት ይጥቀም ነበረ።

ኦሊቬታን ነቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚበሃል ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕም ከሎ፡ ካብ በዅሪ እብራይስጢ ቓል ብቓሉ ኺትርጕም እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ካብ እብራይስጢ ናብ ፈረንሳይኛ ብዛዕባ ምትርጓም ብዋዛ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ “ንሓንቲ ጥዑም መዝሙር እትዝምር ዑፍ ያሬድ፡ ናይ ሓደ ላሕታት ኳዅ መዝሙር ክትዝምር ከም ምምሃር እዩ” በለ።

ኦሊቬታን ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ፡ ንመለኮታዊ ስም፡ ኣሽሓት ግዜ ብመልክዕ ቴትራግራማተን ተጻሒፉ ረኺቡ እዩ። “ዘለኣለማዊ” ኢሉ ድማ እዩ ተርጒምዎ፣ ኣብቲ ጸኒሑ እተዳለወ ናይ ፕሮተስታንት መጽሓፍ ቅዱሳት ፈረንሳይኛ እውን፡ እዛ ቓል እዚኣ ልምድቲ ዀነት። ኣብ ሓያሎ ጥቕስታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘጸኣት 6:3 ግና፡ ነታ “የሆዋ” እትብል ስም ተጠቕመ።

ብ12 ለካቲት 1535፡ ማለት ሓደ ዓመት ዚኸውን ምስ ሓለፈ፡ ኦሊቬታን ዕዮ ትርጕሙ ዛዘመ። ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ ‘ንነዊሕ ዓመታት ንበይኑ ዀይኑ ነቲ ኣርዑት ትርጕም ተሰኪምዎ’ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ 1534/1535 እተገብረ ዕዮ፡ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ዝጸንሐን ሓያል ጻዕሪ ናይ እተገብረሉን መስርሕ መዛዘሚ እዩ ነይሩ። እቲ ተርጓሚ ብዛዕባ ዕዮኡ ብትሕትና ኺዛረብ ከሎ፡ “ዝከኣለኒ እየ ገይረ” በለ። ድሕርዚ፡ ነቲ ንበዅሪ ቛንቋታት ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ እተተርጐመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ፈረንሳይኛ ምሕታም እዩ ተሪፉ ነይሩ።

ኣብ ቤት ዕዮ ፒሮ

እቲ ፒሮ ፒካር እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ፒየር ደ ቨንገል፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምድላው ዕዮ ኣተወ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ዓርኪ ፋረልን ሓታምን ኰይኑ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ተሓድሶ እጃም ዝነበሮም ሰባት እዩ ነይሩ። ብቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ካብ ልዮን ምስ ተሰጕጐ፡ ብ1533 ኣብ ኑሽቴል፡ ስዊዘርላንድ፡ ኪነብር ጀመረ። በቲ ዋልደንሳውያን ዚህብዎ ዝነበሩ ገንዘብ ገይሩ ኸኣ፡ “ናዕቢ ዜለዓዕል” ጽሑፋት ብብዝሒ ይሓትም ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ቤት ዕዮኡ፡ ንቕዳሰ ዚዅንን ጽሑፋት ኣዳልዩ ነበረ፣ ገለ ኻብቲ ጽሑፋት ከኣ ናብቲ ንጉስ ፈረንሳን ሰዓቢ እምነት ካቶሊክን ዝነበረ ፍራንስስ ቀዳማይ በጽሐ።

ብድሕርዚ ግና፡ ደ ቨንገል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ኪሸባሸብ ጀመረ። ነቲ ዕዮ ብፍጥነት ንምዕያይ ከኣ፡ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ዝሓቘፈ ጕጅለ ኣብ ክልተ ሓተምቲ ማካይን ይሰርሕ ነበረ፣ ገሊኣቶም ነቲ ጽሑፍ ንሕትመት ከም ዚኸውን ገይሮም ኪሰርዕዎ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ይሓትምዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ“4 ሰነ 1535፡” ደ ቨንገል ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኦሊቬታን ዚርከብ ብዛዕባ ሓታሚ ዚገልጽ ገጽ፡ ክታሙ ኣንበረ። ኦሊቬታን ኣብ መቕድም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ መዘከርታ እቶም ብ“ዘይረብሕ ልምድታት” “ዚጽቀጡን ዚጭቈኑን” መሳኪን ሰባት ከም ዝዀነ ጸሓፈ።

እቲ ኦሊቬታን ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሉ ዘማልአ እዩ ነይሩ። እቲ ኽልተ ዓምዲ ዝነበሮን ብምዕራፋትን ብሕጡብ ጽሑፍን እተኸፋፈለን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ርእሲ ጽባቐኡን ዘይተሓላለኸ ምዃኑን፡ ንጹርን ምልኩዕን ውቁብን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሕድጋት ዚርከብ ሓሳባት ከኣ፡ ኦሊቬታን ክሳዕ ክንደይ ምሁር ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ ነይሩ። መእተዊ ሓሳባት፡ መመላእታ ጽሑፋት፡ ሰሌዳታት፡ ከምኡውን ግጥምታት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኣወቂብዎ ነበረ። ኣብ መወዳእታ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፈለምቲ ፊደላት ብሓደ ጌርካ ብምንባብ ዚርከብ፡ “እቶም ወንጌል ዚሰብኩ ዋልደንሳውያን፡ እዚ ኽቡር መዝገብ እዚ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኸም ዚኣቱ ገበሩ” ዚብል ጽሑፍ ነበረ።

ዕዳጋ ዘይረኸበ ብሉጽ ትርጕም

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዚነዓቕ ዝነበረ ኦሊቬታን ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ ኸም ብሉጽ ትርጕም ጌርካ እዩ ዚርአ ዘሎ። ብዘይካዚ፡ ንሰለስተ ዘመን ዚኸውን ነቲ ፕሮተስታንት ዘዳለውዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም መሰረት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ቅዳሕ እቲ ናይ ኦሊቬታን መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ተዳለወ፡ ብዙሕ ግና ኣይተሸጠን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝርጋሓሉ ብቑዕ መገዲ ስለ ዘይነበረን ፈረንሳይኛ ቕልጡፍ ለውጢ ይገብር ስለ ዝነበረን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሓሙሽተ ኪሎ ግራም ዚኽብደቱ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰኪምካ ኽትሰብኽ ወይ ተሓቢእካ ኸተንብብ ከቢድ እዩ ነይሩ።

ዋላ እኳ ኸምቲ ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮ፡ ሓንቲ ቕዳሕ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ኮላን ፔላንክ እንተ በጽሐት፡ ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ግና፡ ኦሊቬታን ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕዳጋ ኣይረኸበን። ብ1670፡ ማለት ድሕሪ ሓደ ዘመንን መንፈቕን ኣቢሉ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ጀኒቫ ዚርከብ መደብር መጻሕፍቲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሸጦ ነበረ።

“ስሙን ዝመጸሉን ዘይፍለጥ”

ኦሊቬታን ዕዮኡ ምስ ዛዘመ፡ ናብ ዝኣተዎ ኸይተፈልጠ ጠፍአ። ብናይ ብርዒ ስም እናተጠቕመ ኸኣ፡ ንሓድሽ ኪዳንን ንእተወሰነ ኽፋል ብሉይ ኪዳንን ከለሶ። ኣብቲ ዚፈትዎ ዕዮ ኣስተምህሮ እውን ይካፈል ነበረ። ኣስተውዓሊ መምህር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ንቘልዑ ዚኸውን መምርሒ ዚበሃል መጽሓፉ እንደገና ኣሰናደዎ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንቘልዑ ዚኸውን ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ ዝሓዘን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ተመርኲሱ ብዛዕባ ፈረንሳይኛ ዚምህርን እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ኦሊቬታን ዚጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ብርዒ ስም፡ በሊሰም ደ በሊማኮም ዚብል ሓረግ ኰይኑ፡ “ስሙን ዝመጸሉን ዘይፍለጥ” ማለት እዩ።

ኦሊቬታን ብ1538 ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኡ ኣብ ሮማ ኸሎ ሞይቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኻብ ፔከርዲ ዚበሃል ከባቢ ዝመጸ መንእሰይ ምሁር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፈረንሳይኛ ኣብ ምዝርጋሕ ብዛዕባ ዝነበሮ ኣገዳሲ ግደ ዚፈልጡ ሰባት ሒደት እዮም። ሳሕቲ እዩ ስሙ ኣብ መዝገበ ቓላት ዚጥቀስ። እምበኣር፡ እቲ ኦሊቬታን እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ልዊ ሮበርት፡ “ትሑትን ንእሽቶን ተርጓሚ” ኺበሃል ይበቅዕ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 ዋልደንሳውያን ብኸመይ በቲ ተሓድሶ ኸም እተዋሕጡ ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 20-23 ርአ

^ ሕ.ጽ. 7 ኪውለድ ከሎ እተዋህቦ ስም፡ ልዊ ሮበርት እኳ እንተ ነበረ፡ ፒየር ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነበረ። እቲ ኦሊቬታን ዚብል ቅጽል ስሙ፡ ነቲ ንነዊሕ ሰዓታት ኪሰርሕ ከሎ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ብዙሕ ዘይቲ ኣውልዕ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Archives de la Ville de Neuchâtel, Suisse /Photo: Stefano Iori

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Left photo: Alain Leprince - La Piscine-musée, Roubaix / Courtesy of the former Bouchard Museum, Paris

Center and right: Société de l’Histoire du Protestantisme Français, Paris

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Société de l’Histoire du Protestantisme Français, Paris