ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብሪ ኽትከፍል ይግባእዶ፧

ግብሪ ኽትከፍል ይግባእዶ፧

ግብሪ ኽትከፍል ይግባእዶ፧

ብዙሓት ሰባት ግብሪ ምኽፋል ኣይፈትዉን እዮም። እቲ ዚኸፍልዎ ገንዘብ፡ ብግቡእ ዘይተሓዝ፡ ኣብ ጥቕሚ ውልቀ ሰብ ዚውዕል፡ ወይ ዚስረቕ ኰይኑ ይስምዖም። ገሊኣቶም ግና፡ ነቲ በቲ ገንዘብ ዚግበር ዘይስነ ምግባራዊ ነገራት ስለ ዘይፈትውዎ እዮም ግብሪ ምኽፋል ዚኣብዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ተቐማጦ፡ ግብሪ ንኸይከፍሉ ብዛዕባ ዝወሰኑሉ ምኽንያት ኪገልጹ ኸለዉ፡ “ደቅና ንዚቕተሉሉ ጥይት ዚኸውን ገንዘብ ኣይንህብን ኢና” በሉ።

ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ፍሉይ ወይ ሓድሽ ኣይኰነን። እቲ መራሒ ሂንዱ ዝነበረ ሞሃንደስ ከይ. ጋንዲ፡ ሕልናኡ ግብሪ ንኸይከፍል ዚኽልክሎ ስለምንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብወተሃደራዊ ኣገባብ ንእተወደበ መንግስቲ ዚድግፍ ሰብ፡ ተኻፋሊ እቲ ሓጢኣት እዩ ዚኸውን። ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ንመንግስቲ ግብሪ ብምኽፋል ዚድግፍ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ኢዱ የእቱ ኣሎ ማለት እዩ።”

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሄንሪ ዴቪድ ተሮ ዝስሙ ፈላስፋ፡ ንውግእ ንምድጋፍ ዚውዕል ግብሪ ዘይከፍለሉ ስነ ምግባራዊ ምኽንያት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነበረ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ሓተተ፦ “ሓደ ዜጋ ንእተወሰነ ህሞት እውን እንተ ዀነ ብሕልናኡ ዘይኰነስ ብሕልና ሓጋግ ሕጊ ዚጥቀም እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እሞ ሕልና ኺህሉ ኣድለየ፧”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ኣብ ኵሉ ጕዳያት ጽሩይ ሕልና ኺህልዎም ከም ዚግባእ ብንጹር ስለ ዚምህር፡ ጕዳይ ግብሪ ንክርስትያናት እውን ይምልከቶም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:3) ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰበ ስልጣን ንግብሪ ናይ ምእካብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይገልጽ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ [ንሰብኣዊ መንግስቲ] ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ . . . ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ።”​—ሮሜ 13:1, 5-7

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዋላ እኳ ገሊኡ ዚኸፍልዎ ገንዘብ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ እንተ ወዓለ፡ ብፍታው እዮም ግብሪ ዚኸፍሉ። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። * እቲ ግብሪ ኣብቲ ንሳቶም ዘይድግፍዎ ተግባራት ዚውዕል ክነሱ፡ ግብሪ ዚኸፍሉ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ክርስትያን ሕልናኡ ጥሒሱ ድዩ ግብሪ ኪኸፍል ዘለዎ፧

ግብርን ሕልናን

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዚኸፍልዎ ዝነበሩ ግብሪ፡ ኣብ ውትህድርና ዚውዕል እኳ እንተ ነበረ፡ ክርስትያናት ንጹህ ሕልና ምእንቲ ኺህልዎም ኢሎም ግብሪ ይኸፍሉ ነበሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ጋንድን ተሮን ንጹህ ሕልና ምእንቲ ኺህልዎም፡ እቲ ዚኸፈል ግብሪ መብዛሕትኡ ኣብ ውትህድርና ስለ ዚውዕል፡ ግብሪ ኪኸፍሉ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም ነበረ።

ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 13 ዘሎ ትእዛዝ፡ ካብ መቕጻዕቲ ንምህዳም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ስለ ሕሊና” ኢሎም ከም ዘኽበርዎ ኣስተብህል። (ሮሜ 13:5) ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ነቲ ብዝኸፈሎ ገንዘብ ዚግበር ተግባር እኳ እንተ ዘይደገፎ፡ ሕልናኡ ግና ግብሪ ንኪኸፍል ይደፋፍኦ እዩ። ነዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ሓሳብ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ እቲ ንዝወሰድናዮ ስጕምቲ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ኢሉ ዚፈርድ ሕልናና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክንግንዘብ ኣሎና።

ከምቲ ተሮ ዝገለጾ፡ ኵሉ ሰብ ሕልና እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትውክልቲ ኺግበሮ ይከኣል እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ሕልናና ምስ ስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ኺሰማማዕ ኣለዎ። ሓሳብ የሆዋ ኻብ ናትና ኣዝዩ ስለ ዚበልጽ፡ ኣተሓሳስባና ወይ ኣረኣእያና ምስ ናይ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ መብዛሕትኡ እዋን ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና። (መዝሙር 19:7) ስለዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰብኣውያን መንግስትታት ዘለዎ ኣረኣእያ ንኽንርድኦ ኽንጽዕር ኣሎና። እሞኸ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰበ ስልጣን፡ “ገላዉ ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ሮሜ 13:6) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ስርዓት ንኺሰፍን ከም ዚጽዕሩን ንሕብረተሰብ ዚኸውን ጠቓሚ ነገራት ከም ዚገብሩን እዩ ዚሕብር ነይሩ። ኣመና ብልሹዋት መንግስትታት እውን እንተ ዀና፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣገልግሎት ፖስታን ህዝባዊ ትምህርትን ይህባ፡ መጥፋእቲ ሓዊ የቝማ፡ ሕጊ ኸም ዚኽበር ከኣ ይገብራ እየን። ኣምላኽ ንጕድለት ሰበ ስልጣን ይፈልጦ እኳ እንተ ዀነ፡ ንእተወሰነ እዋን ኪጸንሑን ንደቂ ሰብ ኪገዝኡን ፈቒዱሎም እዩ፣ ነዚ መሰናድዎ እዚ ኻብ ዘሎና ኣኽብሮት እተላዕለ ግብሪ ኽንከፍል ከኣ ኣዚዙና እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ንግዜኡ እየን ዚገዝኣ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኺትክአን እዩ፣ ንዅሉ እቲ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘውረዶ ጕድኣት ከኣ ኬዕርዮ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ክርስትያናት፡ ግብሪ ብዘይምኽፋል ወይ ብኻልእ መገዲ ኣብ ሲቭላዊ ዕልወት ኪሳተፉ ኣይተፈቕደሎምን።

ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከም ጋንዲ፡ እቲ እትኸፍሎ ግብሪ ንውግእ ስለ ዚውዕል፡ ሓጢኣት እትገብር ዘለኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ልክዕ ከምቲ ናብ ልዕል ዝበለ ቦታ ምስ ደየብና ንኸባቢና ብዝሓሸ ኽንርኢ እንኽእል፡ ሓሳባት ኣምላኽ ካብ ናትና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚበልጽ ብምስትንታን እውን፡ ብዝያዳ ምትዕርራይ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” በለ።​—ኢሳይያስ 55:8, 9

ደረት ዘይብሉ ስልጣን ድዩ ዘለዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ ዚምህር እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ተገዛእተን ደረት ዘይብሉ ስልጣን ከም ዘለወን ግና ኣይምህርን እዩ። የሱስ፡ ኣምላኽ ነተን መንግስትታት እቲኣተን እተወሰነ ስልጣን ጥራይ ከም ዝሃበን ምሂሩ እዩ። ንመንግስቲ ሮሜ ግብሪ ምኽፋል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግቡእ እንተ ዀይኑ ምስ ተሓትተ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ዚብል ዜደንቕ መልሲ ሃበ።​—ማርቆስ 12:13-17

እተን ብ“ቄሳር” ተመሲለን ዘለዋ መንግስትታት፡ ገንዘብ የዳልዋ እየን። ስለዚ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ኪርአ ኸሎ፡ መንግስትታት ነቲ ገንዘብ ብመልክዕ ግብሪ ንኪኽፈለን ኪሓትታ መሰለን እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ፡ “ናይ ኣምላኽ፡” ማለት ህይወትናን ኣምልኾናን ንሰብኣውያን መንግስትታት ክንህብ ከም ዘይንኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሰብኣዊ ሕግታት ምስ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ዚጋጨወሉ እዋን፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ገለ ኻብቲ ዚኸፍልዎ ግብሪ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዚውዕል ኪርእዩ ኸለዉ ይጕህዩ ይዀኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ንተግባር መንግስቲ ብምጽራር ወይ ግብሪ ብዘይምኽፋል፡ ጽልዋ ኼሕድሩ ወይ ኢዶም ኬእትዉ ኣይፍትኑን እዮም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ ኢሉ ዜምጽኦ መፍትሒ ኸም ዘይተኣማመኑ እዮም ዜርእዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ፡ በቲ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዝበለ ወዱ የሱስ ኣቢሉ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ኽሳዕ ዜእቱ፡ ብትዕግስቲ ኺጽበዩ ኣለዎም።—ዮሃንስ 18:36

ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ዜምጽኦ ጥቕሚ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ ዚምህሮ ትምህርቲ ብምስዓብ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ነቶም መፍረስቲ ሕጊ ዚወርዶም መቕጻዕቲ ተምልጥ፣ ከይትተሓዝ ከኣ ኣይትፈርህን። (ሮሜ 13:3-5) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ኺህልወካ እዩ፣ ብኣኻይዳኻ ድማ ንኣምላኽ ከተኽብሮ ኢኻ። ምስቶም ግብሪ ብግቡእ ዘይከፍሉ ወይ ምእንቲ ኸይከፍሉ ዜደናግሩ ሰባት ኪወዳደር ከሎ፡ ክስራን የጋጥመካ ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልግልቱ ኸም ዚከናኸኖም ኣብ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽትውከል ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዳዊት፡ “ንእሽቶ ነበርኩ፡ አሪገ ኸኣ እኔኹ፡ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፡ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” በለ።​—መዝሙር 37:25

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ ዚህቦ ትእዛዝ ምርዳእን ምስዓብን፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኬምጽኣልካ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ኣካረይትኻ ብኽራይ ገዛ ተጠቒሞም ብዚገብርዎ ነገራት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘይትሕተት፡ ኣምላኽ እውን፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ በቲ ንስኻ ዝኸፈልካዮ ግብሪ ተጠቒሞም ብዚገብርዎ ነገራት ተሓታቲ ኣይገብረካን እዩ። ስተልቪዮ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ኣብ ደቡባዊ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽእ ንነዊሕ ዓመታት ጽዒሩ እዩ። ስለምንታይ ከም ዘቋረጾ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ፡ ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን ኬስፍን ከም ዘይክእል ኣመንኩ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ፍሉይን ዝሓሸን ሕብረተሰብ ክትፈጥር እትኽእል” በለ።

ንስኻ እውን ከም ስተልቪዮ ብተኣማንነት ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ትህብ’ እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ነቲ ብሰንኪ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ዝወረደ ጕድኣትን ግፍዕን ኣወጊዱ፡ ንመላእ ምድሪ ብጽድቂ ኺገዝኣ ኸሎ ኽትርኢ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከፈልቲ ግብሪ ምዃኖም ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15፡ ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 17፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓሳብ የሆዋ ኻብ ናትና ስለ ዚበልጽ፡ ኣረኣእያና ምስ ናይ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ክርስትያናት ብተኣዛዝነት ግብሪ ብምኽፋል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ይህልዎም፣ የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ዘለዎም ምትእምማን ከኣ የርእዩ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእልታት]

“ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ”

[ምንጪ ስእሊ]

Copyright British Museum