ብሓሶት ተኸስሰ
ንመንእሰያት
ብሓሶት ተኸስሰ
ዮሴፍ—2ይ ክፋል
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።
ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ዮሴፍ፡ ጶጢፋር፡ ሰበይቲ ጶጢፋር
ጽማቝ፦ ዮሴፍ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስረ፡ የሆዋ ግና ምስኡ ነበረ።
1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 39:7, 10-23 ኣንብብ።
ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ብሓሶት ክትከስሶ ኸላ፡ ኣብ ድምጻ እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧
_______
እቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።
______
ዮሴፍ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ፡ እንታይ ኵነታት ዜሕልፍ ዝነበረ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ መዝሙር 105:17, 18 ርአ።)
_______
2 ዝያዳ ምርምር ግበር።
እምነት ዮሴፍ ድኽምቲ እንተ ትኸውን ነይራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ኣብ ምንታይ ግጉይ መደምደምታ እዩ ኺበጽሕ ዚኽእል ነይሩ፧ (ኣፋፍኖት፦ እዮብ 30:20, 21 ርአ።)
_______
ዮሴፍ ብምኽንያት እቲ ዝወረዶ መከራ ንየሆዋ ኸም ዘይወቐሶ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ኣፋፍኖት፦ ዘፍጥረት 40:8፣ 41:15, 16 ርአ።)
_______
ዮሴፍ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስረ፡ ንኺጸንዕ ዝሓገዞ ባህርያት እንታይ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ኣንቢብካ ኣስተንትነሉ፦ ሚክያስ 7:7፣ ሉቃስ 14:11፣ ያእቆብ 1:4 ርአ።)
_______
ዘፍጥረት 39:21-23፣ 41:38-43 ርአ።)
ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ እንታይ ስልጠና እዩ ረኺቡ፧ እዚ ስልጠና እዚ ኣብ ህይወቱ ዝጠቐሞኸ ብኸመይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦_______
3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
እቶም ዚጸንዑ ሰባት ብዛዕባ ዚረኽብዎ ጥቕምታት።
_______
መከራ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ብዛዕባ እትረኽቦ ስልጠና።
_______
የሆዋ ኣብ ግዜ ፈተና ብዛዕባ ዚህቦ ደገፍ።
_______
ተወሳኺ ኣወዓዕላ።
እተጨነቕካን እተገለልካን ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሽዑ የሆዋ ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ 1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንቢብካ ኣስተንትን።)
_______
4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
_______
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ