ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧

መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧

መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧

“ንጐይታና ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ . . . ተመላለሱ።”​—ኤፌ. 5:10

1, 2. (ሀ) የሆዋ ባህ ኢሉና ኽንነብር ከም ዚደልየና ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንምዝንጋዕ እነሕልፎ ግዜ፡ “ውህበት ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ እንታይ ንኽንገብር ኢና እንድረኽ፧

ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ፡ ክንነብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንሕጐስ እውን ከም ዚደልየና ዚሕብር ሓሳባት ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ መዝሙር 104:14, 15፡ የሆዋ፡ “ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ” ኸም ዜውጽእ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ፡ ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ዘርኢ ኣብቊሉ፡ እኽልን ዘይትን ወይንን የፍርየልና እዩ። ወይኒ ብህይወት ንምንባር ግድን ዜድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ‘ንልቢ ሰብ የሐጕሶ’ እዩ። (መክ. 9:7፣ 10:19) እወ፡ የሆዋ ንልብና ‘ብሓጐስ’ ኬጽግቦ እዩ ዚደሊ።​—ግብ. 14:16, 17

2 ስለዚ እምበኣር፡ ሓሓሊፍና ‘ነዕዋፍ ሰማይን ንዕምባባታት መሮርን ምእንቲ ኽንምልከት’ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ንህይወትና ባህ ዜብልን ዜበልጽግን ንጥፈታት ምእንቲ ኽንካፈል ግዜ እንተ መዲብና፡ ቅር ክብለና የብሉን። (ማቴ. 6:26, 28፣ መዝ. 8:3, 4) ጥዕና ዝመልኦ ህይወት፡ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ። (መክ. 3:12, 13) ንምዝንጋዕ እነሕልፎ ግዜ ኽፍሊ እቲ ውህበት እቲ ኸም ዝዀነ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ነቲ ወሃቢኡ ብዜሐጕስ መገዲ ንኽንጥቀመሉ ኽንድረኽ ኢና።

እተፈላለየ ዓይነትን ደረትን ዘለዎ መዘናግዒ

3. እተፈላለየ ዓይነት መዘናግዒ ኸም ዘሎ ኽንግንዘብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 እቶም ብዛዕባ መዘናግዒ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ እተፈላለየ ዓይነት መዘናግዒ ኸም ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ደረት ኪገብሩሉ ኸም ዘለዎም እውን ይግንዘቡ እዮም። ስለምንታይ፧ ነዚ ንምምላስ፡ ንመዘናግዒ ምስ ምግቢ ነመሳስሎ። ኣብ እተፈላለየ ሃገራት እተፈላለየ ባህላዊ ምግቢ እዩ ዘሎ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚፍቶ ምግቢ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ኣይፍቶን ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ንዚነብሩ ክርስትያናት ዜሐጕስ መዘናግዒ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚነብሩ ክርስትያናት ዘይስሕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚነብሩ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ እተፈላለየ መዘናግዒ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ጽቡቕ መጽሓፍ ምንባብ ንሓደ ሰብ ዜሐጕስ ኪኸውን ከሎ፡ ንኻልእ ግና ዜሰልኪ ይኸውን፣ ወይ ከኣ ከም ብሽክለታ ምዝዋር ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ንሓደ ሰብ የሐጕሶ ይኸውን፡ ንኻልእ ግና ኣድካሚ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ስለዚ እምበኣር፡ ሰባት ዚፈትውዎ ምግቢ ኺመርጹ ዚኽእሉ ኻብ ኰኑ፡ ዚፈትውዎ ዓይነት መዘናግዒ እውን ኪመርጹ ይኽእሉ እዮም።​—ሮሜ 14:2-4

4. ነቲ እንመርጾ ዓይነት መዘናግዒ ደረት ክንገብረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ መረዳእታ ሃብ።

4 ኰይኑ ግና፡ እተፈላለየ መዘናግዒታት ክንመርጽ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ኵሉ ዝመረጽናዮ ዓይነት መዘናግዒ ኽንጥሕል የብልናን። ሕጂ እውን ንምግቢ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እተፈላለየ ዓይነት ምግቢ ኽንበልዕ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ኰነ ኢልና እተበላሸወ ምግቢ ኣይንበልዕን ኢና። ከመይሲ፡ ንጥዕናና ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ብእተፈላለየ ጥዑይ መዘናግዒ ኽንዘናጋዕ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ንህይወትና ኣብ ሓደጋ ብዜውድቕ፡ ብዓመጽ ወይ ብርኹስ ተግባራት ክንዘናጋዕ ኣይንደልን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኣካላውን ንመንፈሳውን ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ እዩ። ዚጠቕመናን ንየሆዋ ዜሐጕሶን መዘናግዒ ምእንቲ ኽንመርጽ፡ ኣቐዲምና ብጥንቃቐ ኽንሓስበሉ ኣሎና። (ኤፌ. 5:10) ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧

5. መዘናግዒታትና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

5 መዘናግዒ ምእንቲ ኺጠቕመናን ንየሆዋ ዜሐጕስ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ስርዓታት ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 86:11) መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር፡ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። እቲ ነጥብታት እቲ፡ እንታይ፧ መዓስ፧ መን፧ ዚብል ሕቶታት ይሓቍፍ። ነዘን ሕቶታት እዚኣተን በብሓደ ንመርምረን።

ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ፧

6. እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኢና ፈጺምና ኽንመርጽ ዘይብልና፡ ስለምንታይከ፧

6 ብሓደ መዘናግዒ ቕድሚ ምዝንጋዕካ፡ ብመጀመርታ፡ ‘እቲ መዘናግዒ ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ብመሰረቱ፡ ክልተ ዓይነት መዘናግዒ ኸም ዘሎ ኣይትረስዕ። እቲ ቐዳማይ፡ ፈጺምና ኽንገብሮ ዘይግብኣና ነገራት ዚሓቍፍ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግና፡ ኣብ ውሳነና እተመርኰሰ ነገራት ዚሓቍፍ እዩ። እቲ ቐዳማይ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ እክይቲ ዓለም፡ መብዛሕትኡ መዘናግዒታት፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ንሕግታት ኣምላኽ ዚጥሕስ ንጥፈታት ዝሓዘ እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒታት ፈጺሞም ኪመርጽዎ የብሎምን። እዚ መዘናግዒ እዚ፡ ኣጋንንታዊ ተግባራት፡ ግብረ ሰዶም፡ ስእለ ጽዩፍ፡ ወይ ዓመጽ ዚረኣየሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንባህታ ኢሎም ንኻልኦት ዜሳቕዩ ሰባት ዚርኣዩሉ ምርኢት፡ ወይ ንርኹስ ተግባራት ከም ቅቡል ገይሩ ዜቕርብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ምርኢት ዜጠቓልል እዩ። (1 ቈረ. 6:9, 10፣ ራእይ 21:8 ኣንብብ።) ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ኽንነጽጎ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ‘ንኽፍኣት ከም እንፍንፍኖ’ ንየሆዋ ኸነርእዮ ንኽእል።​—ሮሜ 12:9፣ 1 ዮሃ. 1:5, 6

7, 8. ንትሕዝቶ ሓደ መዘናግዒ ብኸመይ ክንግምግሞ ንኽእል፧ ምሳሌ ሃብ።

7 እቲ ኻልእ ዓይነት መዘናግዒ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ዘይተዀነነ ተግባራት ዚረኣየሉ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ነቲ መዘናግዒ ቕድሚ ምምራጽና፡ ነቲ ንጥፈታት እቲ ምስቲ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ንንጹህ ነገራት ዚምልከት ኣረኣእያ የሆዋ ተጠንቂቕና ኸነነጻጽሮ ኣሎና። (ምሳ. 4:10, 11) ድሕርዚ፡ ንጹህ ሕልና ዜፍርየልና ብሕታዊ ውሳነ ኽንገብር ይግባእ። (ገላ. 6:5፣ 1 ጢሞ. 1:19) ብኸመይ፧ ሕጂ እውን ብዛዕባ ምግቢ እሞ ንሕሰብ። በሊዕናዮ ዘይንፈልጥ ምግቢ ቕድሚ ምብላዕና፡ እቲ ምግቢ ኻብ ምንታይ ከም እተሰርሐ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ብሓደ መዘናግዒ ቕድሚ ምዝንጋዕና፡ እቲ መዘናግዒ እንታይ ትሕዝቶ ኸም ዘለዎ ኽንፈልጥ ኣሎና።​—ኤፌ. 5:17

8 ንኣብነት፡ ስፖርት ትፈቱ ትኸውን፡ ምፍታውካ ድማ ኣየገርምን እዩ። ስፖርት ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኡ ዓይነት ስፖርት ባእሲ ዘለዎ፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዜውርድ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሞት ዜስዕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ኸኣ፡ ሰባት ቀይዲ በተኽ ጽምብላት ዚገብሩሉን ሃገራዊ ስምዒቶም ዚገልጹሉን እዩ። ከምዚ ዓይነት ነገራት ዚንጸባረቐሉ ስፖርት ትፈቱ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ንትሕዝቶኡ ድሕሪ ምምርማርካ፡ እዚ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋን ምስቲ ንሰባት እንሰብኮ መልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ከም ዚጋጮ ትድምድም ትኸውን። (ኢሳ. 61:1፣ ገላ. 5:19-21) ብኣንጻሩ ግና፡ ትሕዝቶ ገሊኡ መዘናግዒ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ጥዑይ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መዘናግዒ ኺጠቕመካን ኬሐጕሰካን እዩ።​—ገላ. 5:22, 23፣ ፊልጲ 4:8 ኣንብብ

መዓስ እየ ዝዘናጋዕ፧

9. ነታ፡ ‘መዓስ እየ ዝዘናጋዕ፧’ እትብል ሕቶ እንህቦ መልሲ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

9 ሕጂ ኸኣ፡ ‘መዓስ እየ ዝዘናጋዕ፧ ክንደይ ዝኣክል ግዜ እየ ኸሕልፍ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኻልአይቲ ሕቶ ሕተታ። ነታ እንታይ እትብል ቀዳመይቲ ሕቶ እንህቦ መልሲ፡ እንታይ ዓይነት ዝንባለ ኸም ዘሎና፡ ማለት ተቐባልነት ንዘለዎን ተቐባልነት ንዘይብሉን ነገራት ብኸመይ ከም እንርእዮ ዚገልጽ እዩ። ነታ መዓስ እትብል ሕቶ እንህቦ መልሲ ግና፡ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት እንታይ ምዃኑ፡ ማለት ኣገዳስነት ንዘለዎን ኣገዳስነት ንዘይብሉን ነገራት ብኸመይ ከም እንርእዮ ዚሕብር እዩ። መዘናግዒ ኣብ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብኸመይ ክንውስን ንኽእል፧

10, 11. እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ኣብ መዘናግዒ ኽንደይ ግዜ ኸነሕልፍ ከም ዘሎና ንኽንውስን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ክርስቶስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” በለ። (ማር. 12:30) ስለዚ፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እዩ ዚወሃቦ። ነዚ ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ፡ ነቲ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዚብል ምዕዶ የሱስ ብምስዓብ እዩ። (ማቴ. 6:33) ቃላት የሱስ ንምዝንጋዕ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽንርእዮ፡ ክንደይ ግዜ ኸነሕልፈሉ ኸም ዘሎና ድማ ብጥበባዊ መገዲ ንኽንውስን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

11 ነቲ፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’ ዚብል ምዕዶ የሱስ እሞ ኣቕልበሉ። የሱስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ክንደሊ’ ኣይኰነን ነጊሩና። ከመይሲ፡ ብዙሕ ካልእ ነገራት ከም ዜድልየና እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገዛ፡ ምግቢ፡ ክዳን፡ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ምዝንጋዕ ኰነ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት የድልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። (1 ቈረ. 7:29-31) እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ነቲ ንምዝንጋዕ እውን ዚሓቍፍ ካልኣይ ቦታ ዚወሃቦ ንጥፈታትና፡ ነቲ ምስ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ቐዳምነት ዚወሃቦ ዕዮና ኽንፍጽሞ ብዜኽእለና መገዲ ንኽንጥቀመሉ ኺድርኸና ይግባእ። ከምዚ እንተ ጌርና ምዝንጋዕ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

12. እቲ ኣብ ሉቃስ 14:28 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብ መዘናግዒ ኺዕየየሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ስለዚ፡ ንምዝንጋዕ ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ከለና፡ ኣቐዲምና ጥቕሙን ክሳራኡን ክንጽብጽብ የድሊ። (ሉቃ. 14:28) ከምቲ ገሊኡ ነገራት ብገንዘብ ዚዕደግ፡ መዘናግዒ ኸኣ ብግዜ እዩ ዚዕደግ። ስለዚ ድማ፡ ሓደ መዘናግዒ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዚወስደልና ኽንፈልጥ ኣሎና። ንናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንኣኼባታት ጉባኤ፡ ወይ ንስብከት ዚኸውን ግዜ ኺወስደልና የብሉን። (ማር. 8:36) መዘናግዒ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እናኣቐደምና ንኽንቅጽል ዜተባብዕና እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ኣብኡ እነሕልፎ ግዜ ኸም ዚጠቕመና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

ምስ መን እየ ዝዘናጋዕ፧

13. ነቶም ምሳና ኺዘናግዑ እንደልዮም ሰባት ተጠንቂቕና ኽንመርጾም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ቀጺልካ፡ ‘ምስ መን ኰይነ እየ ኽዘናጋዕ ዝደሊ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሳልሰይቲ ሕቶ ሕተታ። ነዛ ሕቶ እዚኣ እንህቦ መልሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ መዋዕልትና ነቲ እንገብሮ ምርጫታት ጽልዋ ይገብሩሉ እዮም። ልክዕ ከምቲ ምስ ፈተውትና ዄንና ምግቢ ኽንምገብ ከለና ዝያዳ ባህ ዜብለና፡ ምስ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኴንና ኽንዘናጋዕ ከለና ድማ ዝያዳ እዩ ዜሐጕሰና። ስለዚ እምበኣር፡ መብዛሕትና፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ምስ ካልኦት ኴንና ኽንዘናጋዕ ባህ እዩ ዚብለና። ይኹን እምበር፡ ሓደ መዘናግዒ ምእንቲ ኺጠቕመና፡ ነቶም ምሳና ኺዘናግዑ እንደልዮም ሰባት ተጠንቂቕና ኽንመርጾም ኣሎና።​—2 ዜና 19:2፣ ምሳሌ 13:20 ኣንብብ፣ ያእ. 4:4

14, 15. (ሀ) የሱስ ጥዑያት ኣዕሩኽ ብምምራጽ፡ እንታይ ኣብነት እዩ ሰሪዑ፧ (ለ) ብዛዕባ ኣዕሩኽና ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

14 ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከለና ኣብነት የሱስ ምስዓብና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። የሱስ ንደቂ ሰብ፡ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዙ የፍቅሮም ነበረ። (ምሳ. 8:31) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ንዅሎም ሰባት ኣፍቂርዎም እዩ። (ማቴ. 15:29-37) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ መንጎ ሕዉስ ምዃንን ናይ ቀረባ ፈታዊ ምዃንን ፍልልይ ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምስ ሰባት ብሓፈሻ ሕዉስ እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ ቀረባ ፈታዊ ዝነበረ ግና ነቶም ፍሉይ ብቕዓታት ዜማልኡ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ እዩ። ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” በሎም። (ዮሃ. 15:14፣ ዮሃንስ 13:27, 30 እውን ርአ።) የሱስ ነቶም ዚስዕብዎን ንየሆዋ ዜገልግልዎን ዝነበሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኣዕሩኹ ዝገበሮም።

15 ንሓደ ሰብ ናይ ቀረባ ፈታዊ ኪዀነካ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ንቓላት የሱስ እንተ ዘከርካ ዝሓሸ እዩ። ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እዚ ሰብ እዚ፡ ትእዛዝ የሆዋን የሱስን ከም ዚሕሉ ብቓላቱ ዀነ ብተግባራቱ የርኢ ድዩ፧ ከማይ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ዚምራሕ፧ ምስቲ ሰብ እቲ ምቅርራበይ ኣብ ህይወተይ መንግስቲ ኣምላኽ ንከቐድምን እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ንክኸውንን የተባብዓኒ ድዩ፧’ ንዅለን እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣፍካ መሊእካ ‘እወ’ ኽትብል እንተ ኽኢልካ፡ ምሳኻ ሓቢሩ ኺዘናጋዕ ዚኽእል ጥዑይ ዓርኪ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት እዩ።​—መዝሙር 119:63 ኣንብብ፣ 2 ቈረ. 6:14፣ 2 ጢሞ. 2:22

መዘናግዒና ብቑዕ ድዩ፧

16. ብዛዕባ መዘናግዒ እንታይ ኢና ኸነጻሪ ዘሎና፧

16 ንሰለስተ መዳያት መዘናግዒ—ዓይነት፡ ብዝሒ፡ መዋዕልቲ—ተመያይጥናሉ ኢና። መዘናግዒና ጠቓሚ ንኪኸውን፡ ብሰለስቲኡ መዳያት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰማማዕ ኣለዎ። ስለዚ እምበኣር፡ ብሓደ መዘናግዒ ቕድሚ ምዝንጋዕና፡ ከነጻሪ ኣሎና። ብዛዕባ ዓይነት ከነጻሪ ኸለና፡ ‘እንታይ እዩ ዚሓቍፍ፧ ጥዑይ ድዩ ብልሹው፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። (ምሳ. 4:20-27) ብዛዕባ ብዝሒ ኽንሓስብ ከለና፡ ‘ክንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ኸሕልፈሉ፧ እቲ ዚጠፍእ ግዜ ጠቓሚ ድዩ ጐዳኢ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። (1 ጢሞ. 4:8) ብዛዕባ መዋዕልቲ ኸኣ፡ ‘ምስ መን እየ ዝዘናጋዕ፧ እቶም ሰባት ጥዑያት ኣዕሩኽ ድዮም ወይስ ሕማቓት፧’ ኢልና ንሕተት።​—መክ. 9:18፣ 1 ቈረ. 15:33

17, 18. (ሀ) መዘናግዒና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ መዘናግዒኻ እንታይ ውሳነ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

17 ሓደ መዘናግዒ ኻብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሰለስተ መዳያት መዘናግዒ፡ ብሓዲኡ እውን እንተ ዀነ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ ብቑዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ግና፡ መዘናግዒና ብሰለስቲኡ መዳያት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተሰማሚዑ፡ ንየሆዋ የኽብሮ፡ ንዓና ኸኣ ይጠቕመና።​—መዝ. 119:33-35

18 ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ መዘናግዒ ኽንሓስብ ከለና፡ እቲ መዘናግዒ ጥዑይ ምዃኑ፡ ቀዳምነት ንዚወሃቦ ነገራት ዚኸውን ግዜ ዘይወስድ ምዃኑ፡ ከምኡውን እቶም ምሳና ዚዘናግዑ ሰባት ጥዑያት ምዃኖም ኣቐዲምና ኸነረጋግጽ ኣሎና። እወ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ፡ “እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ልባዊ ባህጊ ነሕድር።​—1 ቈረ. 10:31

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ብዛዕባ መዘናግዒ ነቲ ኣብዚ ዚስዕብ ዚርከብ ጥቕስታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል፧

ፊልጲ 4:8

ማቴዎስ 6:33

ምሳሌ 13:20

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

(For fully formatted text, see publication)

እንታይ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

(For fully formatted text, see publication)

መዓስ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

(For fully formatted text, see publication)

መን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣዕሩኽናን መዘናግዒናን ክንመርጽ ከለና ንኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧