ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ድዩ፧

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ድዩ፧

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ድዩ፧

“ጓል ዓሰርተ ዓመት ከለኹ እየ ምስ ኣወዳት ክቀራረብ ጀሚረ። ኣብ ፈለማ፡ ኢድና ንተሓሓዝን ንሰዓዓምን ነበርና። ደሓር ግና፡ ጾታዊ ኽፍሊ ኣካላትና ኽንተናኸፍን እተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ክንፍጽምን ጀመርና። ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ስራሕ ጀመርኩ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ምሳይ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ዚደልዩ ደቂ ተባዕትዮ ምስኦም ክድቅስ ኪሓትቱኒ ጀመሩ። ኵሉ ነገር ክፍትን እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ መሳርሕተይ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኸለዉ፡ እሓብሮም ነበርኩ። ብእኦም ተቐባልነት ክረክብ ዝነበረኒ ድሌት፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመጸ ብዝያዳ ፋሉል ከም ዝኸውን ገበረኒ።”​—ሳራ፡ * ኣውስትራልያ።

ሳራ፡ ሃይማኖተኛ ኣብ ዝዀነ ስድራ ቤት ከም ዝዓበየት እንተ ትፈልጥሲ ኣይምተገረምካንዶ፧ ወለዳ፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትስዕብ ገይሮም ኬዕብይዋ ጽዒሮም እዮም። ንሳ ግና እተፈልየ መገዲ ሰዓበት።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ሳራ ዝገበረቶ ምርጫ ይሰማምዑሉ እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብሓደ ሸነኽ ሃይማኖተኛ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ፋሉል ኴንካ ምንባር፡ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም።

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚምህሮ ትምህርቲ ኽትፈልጦን ብእኡ ኽትምራሕን ኣገዳሲ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘መንፈስ ዝነፈሶን ንትምህርቲ ዚጠቅምን እዩ።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዝፈጠሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኸም ዝዀነ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ነቲ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚገልጾ ሓሳብ ምምርማርካ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚምህሮ ትምህርቲ ብንጹር ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ተደናጊሮም እዮም ዘለዉ። ከመይሲ፡ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜኽብርዎ ዚዛረቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንሓድሕዱ ዚጋጮ ትምህርቲ እዮም ዚምህሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እሞ ኸኣ፡ እዚ ጕዳይ እዚ ንዓበይቲ ሃይማኖታት ይኸፋፍለን እዩ ዘሎ።

ይኹን እምበር፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚህብዎ ርእይቶ ኻብ እትውከል፡ ንምንታይ ነዚ ጕዳይ እዚ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዚምልከት ብተደጋጋሚ ዚሕተት ዓሰርተ ሕቶታት ክትምልስ እያ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ እተመርኰሰ ንጹር መልስታት ከኣ ክትህብ እያ። እታ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ድማ፡ እቲ እንገብሮ ምርጫ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 2 ስም ተቐዪሩ እዩ።