ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓባር ኴንኩም መንፈሳውነትኩም ኣማዕብሉ

ብሓባር ኴንኩም መንፈሳውነትኩም ኣማዕብሉ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ብሓባር ኴንኩም መንፈሳውነትኩም ኣማዕብሉ

ፍረድሪክ፦ * “መጀመርታ ምስ ተመርዓና፡ ኣነን ሰበይተይን ብሓባር ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከም ዘሎና ኣትሪረ እዛረብ ነበርኩ። ኣብ እነጽንዓሉ እዋን፡ ሰበይተይ ኣብቲ መጽናዕቲ ኸተተኵር ከም ዘለዋ እየ ዝኣምን ነይረ። ሊን ግና፡ ስቕ ኢላ ኾፍ ክትብል ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ሕቶታት ክሓትታ ኸለኹ ኸኣ፡ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይኰነን’ ኢላ ጥራይ እያ እትምልሰለይ ነይራ። እቲ እትህበኒ ዝነበረት መልሲ፡ ምስቲ ዝሓሰብክዎ ዓይነት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰማምዓለይ ኣይከኣለን።”

ሊን፦ “ንፍረድሪክ ክምርዓዎ ኸለኹ፡ ጓል 18 ዓመት እየ ነይረ። ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ እኳ እንተ ነበርና፡ ፍረድሪክ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ጌጋታተይን ብዛዕባ ኸም ሰበይቲ መጠን ከመሓይሾ ዘሎኒ ነገራትን እዩ ዚነግረኒ ነይሩ። እዚ ኸኣ ተስፋ ኣቝሪጹንን ንስምዒተይ ጐዲእዎን እዩ።”

ኣብ መንጎ ፍረድሪክን ሊንን እንታይ ዓይነት ጸገም ዝነበረ ይመስለካ፧ ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ መደብ እዩ ነይርዎም። ክልቲኦም ከኣ ንኣምላኽ የፍቅርዎ እዮም። ብሓባር ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸም ዘለዎም እውን ተገንዚቦም ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንሓድነቶም ኬደልድሎ ዚኽእል ንጥፈት፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረሎም እዩ ዚመስል። ዋላ እኳ ብሓባር የጽንዑ እንተ ነበሩ፡ መንፈሳውነቶም ግና ኣይተመሓየሸን።

መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሰብ ሓዳር ኬማዕብልዎ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዩ፧ ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ እንታይ ብድሆታት ኬጋጥሞም ይኽእል፧ ብኸመይከ ኺሰግርዎ ይኽእሉ፧

መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧

እታ “መንፈሳውነት” እትብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንህይወት ንዘሎካ ኣረኣእያ ወይ ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ነገራት ንእትሕዘሉ መገዲ እያ እተመልክት። (ይሁዳ 18, 19) ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ሰብን ኣብ መንጎ ስጋዊ ሰብን ዘሎ ፍልልይ ኣጕሊሑ ነበረ። ከምቲ ጳውሎስ ዝሓበሮ፡ እቶም ስጋዊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ካልኦት ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ኣብ ገዛእ ርእሶም እዮም ዜተኵሩ። ኣብ ክንዲ ብስርዓታት ኣምላኽ ዚምርሑ፡ ቅኑዕ መሲሉ ብእተራእዮም መገዲ እዮም ዚኸዱ።​—1 ቈረንቶስ 2:14፣ ገላትያ 5:19, 20

ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ፈታዊኦም ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ንባህርያቱ ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም። (ኤፌሶን 5:1ትርጕም 1990) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ ፍቕርን ሕያውነትን ልእመትን የንጸባርቑ እዮም። (ዘጸኣት 34:6) ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ይእዘዝዎ እዮም። (መዝሙር 15:1, 4) ኣብ ካናዳ ዚነብርን ካብ ዚምርዖ 35 ዓመት ዝገበረን ዳረን፡ “ንዓይ ከም ዚመስለኒ፡ መንፈሳዊ ሰብ፡ ዘረባኡን ተግባሩን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ዕርክነት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ወትሩ ይሓስብ እዩ” በለ። ጂን ሰበይቱ ኸኣ፡ “ሓንቲ ሰበይቲ፡ መንፈሳዊት ክትበሃል እትኽእል፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንፍረ መንፈስ ኣምላኽ ክፍሊ ባህርያታ ኽትገብሮ ትጽዕር እንተ ዀይና እያ” በለት።​—ገላትያ 5:22, 23

ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንኼማዕብል፡ ናይ ግድን ኪምርዖ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃርን ንዕኡ ኺመስሎን ከም ዘለዎ እዩ ዚምህር።​—ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27

ብሓባር ኴንኩም መንፈሳውነትኩም ከተማዕብሉ ዘሎኩም ስለምንታይ ኢኹም፧

ሰብ ሓዳር ብሓባር ኰይኖም መንፈሳውነቶም ኬማዕብሉ ዘለዎም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ክልተ ኣታኽልተኛታት፡ ኣሕምልቲ ዜፍርዩሉ ቦታ ኣለዎም ንበል። እቲ ሓደ ኣታኽልተኛ፡ ኣብ እተወሰነ ኽፍለ ዓመት ዘርኢ ኺዘርእ እኳ እንተ ወሰነ፡ እቲ ኻልኣይ ግና፡ ኣብ ካልእ እዋን ኪዝራእ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። እቲ ሓደ ኣታኽልተኛ፡ እተወሰነ ዓይነት ድዅዒ ኺጥቀም እኳ እንተ ደለየ፡ እቲ ኻልኣይ ግና፡ ነዚ ተቓወሞ፣ እቲ ኣትክልቲ ዋላ ሓንቲ ድዅዒ ኸም ዘየድልዮ ኸኣ ገለጸ። እቲ ሓደ በብመዓልቱ እኳ እንተ ዓየየ፡ እቲ ኻልኣይ ግና ኮፍ ኢሉ እዩ ምህርቲ ዚጽበ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እታ ስፍራ ኣታኽልቲ እተወሰነ ምህርቲ ምሃባ ኣይተርፍን እዩ፣ ክልቲኦም እቶም ኣታኽልተኛታት እንተ ዚሰማምዑን ብሓባር እንተ ዚዓዩን ግና፡ ብዙሕ መፍረየት።

ሰብኣይን ሰበይትን ምስዞም ኣታኽልተኛታት ኪመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። ሓዲኦም ጥራይ ንመንፈሳውነቱ ዜማዕብሎ እንተ ዀይኑ፡ ምናልባት ርክቦም ይመሓየሽ ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ኰይኑ ግና፡ ክልቲኦም ብስርዓታት ኣምላኽ ኪምርሑ ኸም ዘለዎም እንተ ተሰማሚዖምን ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ዚጽዕሩ እንተ ዀይኖምን፡ ዝሓሸ ውጽኢት እዮም ዚረኽቡ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ኢሉ ነበረ። ስለምንታይ፧ “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ።”​—መክብብ 4:9, 10

ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንካ መንፈሳውነትካ ኸተማዕብል ትህንጠ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከም ምክንኻን ኣታኽልቲ፡ ድሌት ጥራይ ፍረ ኣየምጽእን እዩ። ቀጺልና እስከ ኽልተ ብድሆታትን ፍታሑን ንርአ።

ብድሆ 1፦ ግዜ የብልናን። ካብ እትምርዖ ነዊሕ እዋን ዘይገበረት ሱው፡ “ሰብኣየይ ሰዓት 7 ናይ ምሸት እዩ ኻብ ስራሐይ ዚማልኣኒ። ገዛ ምስ በጻሕና፡ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዚጽበየና። ኵሉ ግዜ፡ ኣእምሮናን ኣካልናን ምስ ተቓለሱ እዮም፣ ኣእምሮና፡ ብሓባር ኴንና መንፈሳውነትና ኸነማዕብል ከም ዘሎና ይነግረና፣ ኣካልና ከኣ፡ ከነዕርፍ ከም ዘሎና ይነግረና” በለት።

ፍታሕ፦ ተዓጻጻፍን ተሓባባርን ኩን። ሱው፡ “ኣነን ሰብኣየይን፡ ኣንጊህና ኽንትንስእን ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻድና ንእተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ኽንመያየጠሉን ወሰንና። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ብሓባር ኴንና ግዜ ምእንቲ ኸነሕልፍ፡ ሰብኣየይ ኣብ ገሊኡ ዕዮ ገዛ ይሕግዘኒ እዩ” በለት። እሞኸ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ተዓዊቶምዶ፧ ኤድ ሰብኣይ ሱው፡ “ኣነን ሱውን ኣዘውቲርና ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ክንመያየጥ ከለና፡ ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ብቐሊሉ ኢና ንሰግሮ፡ ጭንቀትና ኸኣ ይንኪ” በለ።

ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጡ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ በብመዓልቱ ንሒደት ደቓይቕ ብሓባር ኴንኩም ክትጽልዩ እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብኸመይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧ ካብ ዚምርዖ 16 ዓመት ዝገበረ ራያን፡ “ቅድሚ እተወሰነ እዋን፡ ኣነን ሰበይተይን ኣብ ሓዳርና ጸገም ኣጋጢሙና እኳ እንተ ነበረ፡ ምሸት ምሸት ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ጕዳያት ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነካፍሎ፡ ግዜ መደብና። ብሓባር ኴንና ምጽላይና፡ ንጸገማትና ንኽንፈትሖን ሓዳርና እንደገና ሓጐስ ዝሰፈኖ ንኪኸውንን ዝሓገዘና ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ ምሸት ምሸት ብዛዕባ ንኽልቴኹም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመኩም ንኣምላኽ ንኸተመስግንዎ ኺድርኸኩም ዚኽእል ጽቡቕ ነገራት ምእንቲ ኽትዘራረቡ፡ ግዜ መድቡ። ብዛዕባ ዘጋጠመኩም ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ክትሰግርዎ ዘይትኽእሉ ጕዳያት ተዘራረቡ። መጠንቀቕታ፦ ነዚ ግዜ እዚ፡ ጕድለታት መጻምድትኻ ንምዝርዛር ኣይትጠቐመሉ። የግዳስ፡ ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ነቲ ብሓባር ኴንኩም ክትዓይዩሉ ዘሎኩም ጕዳያት ጥራይ ጥቐስ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ፡ ምስ ጸሎትካ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ውሰድ።

ብድሆ 2፦ እተፈላለየ ኽእለት እዩ ዘሎና። ቶኒ፡ “ኮፍ ኢለ መጽሓፍ ከንብብ ኣይክእልን እየ” በለ። ናታሊ ሰበይቱ ኸኣ፡ “ምንባብ ክፈቱ መዓት እየ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ ምዝራብ እውን ባህ እዩ ዜብለኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓሳባት ክንዘራረብ ከለና፡ ቶኒ ዚሽቝረር ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ፍታሕ፦ ንመጻምድትኻ ደግፎ ደኣ እምበር፡ ምስኡ ኽትወዳደር ወይ ክትፈርዶ ኣይትፈትን። ስለቲ ጽቡቕ ጐድኑ ንኣዶ፣ ንኪቕጽለሉ ኸኣ ኣተባብዓዮ። ቶኒ ኸምዚ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ በቲ ሰበይተይ ዘለዋ ብዛዕባ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምይያጥ ሓያል ባህጊ እሽቝረር ስለ ዝነበርኩ፡ ምስኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት እንተ ዘይንዘራረብ እየ ዝመርጽ ነይረ። ናታሊ ግና፡ ትድግፈኒ ነበረት። ሕጂ ብሓባር ኴንና ወትሩ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ንመያየጥ ኢና፡ ዜፍርህ ነገር ከም ዘይብሉ ኸኣ ተገንዚበ እየ። ምስኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ምዝርራብ ባህ እዩ ዜብለኒ። ፍዅስ ከም ዚብለናን ኣብ መንጎና ሰላም ከም ዚሰፍንን እዩ ገይሩ።”

ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብሓባር ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ዚኸውን ግዜ ሳላ ዝመደቡ፡ ርክቦም ተመሓይሹ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ኽትጥንቀቑሉ ኣሎኩም፦ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸተንብቡ ኸለኹም፡ ነቲ ምኽሪ ብኸመይ ባዕልኹም ከም እትትግብርዎ ደኣ እምበር፡ መጻምድትኹም ብኸመይ ኪትግብሮ ኸም ዚኽእል ኣይትሕሰቡ። (ገላትያ 6:4) ብዘይካዚ፡ ኬሰሓሕበኩም ዚኽእል ንሓዳር ዚምልከት ጕዳያት፡ ኣብ ካልእ እዋን ደኣ እምበር፡ ኣብ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትመያየጡሉ። ስለምንታይ፧

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ምስ ስድራ ቤትካ እናተመገብካ ኸለኻ፡ ዝረኸሰ ቝስሊ ምሓከምካዶ፧ ኣይፋልካን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሸውሃት ኵሉ ሰብ ኢኻ እትዓጹ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገልጽ ትምህርትን ነቲ ንዕኡ ንምፍጻም ዚግበር ጻዕርን ምስ ምግቢ ምብላዕ ኣመሳሲልዎ ነበረ። (ማቴዎስ 4:4፣ ዮሃንስ 4:34) ምስ መጻምድትኻ ዄንካ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመያየጠሉ እዋን፡ ወትሩ ብዛዕባ ስምዒታዊ ቝስልኻ ትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ንመንፈሳዊ ሸውሃት መጻምድትኻ ኽትዓጽዎ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ጸገማት ክትዘራረብ ከም ዘሎካ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኣብቲ እተመደበሉ እዋን ጥራይ ግበሮ።—ምሳሌ 10:19፣ 15:23

ነዚ ፈትኖ፦ ካብቲ ኣኽቢርካ እትርእዮ ናይ መጻምድትኻ ባህርይ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣብ ወረቐት ጽሓፍ። ምስዚ ባህርያት እዚ ዚተሓሓዝ መንፈሳዊ ምይይጥ ክትገብሩ ኸለኹም፡ ንመጻምድትኻ፡ ነቲ ባህርያት ዜንጸባርቐሉ መገዲ ኸም እተማስወሉ ንገሮ።

ዝዘራእካዮ ኢኻ እትዓጽድ

ብሓባር ኴንኩም መንፈሳውነትኩም እንተ ኣማዕቢልኩም፡ ኣብ መወዳእታኡ ሰላማውን ዜዕግብን ሓዳር ኪህልወኩም እዩ። ከመይሲ፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ።”​—ገላትያ 6:7

እቶም ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ፍረድሪክን ሊንን፡ ንሓቅነት እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተመኪሮምዎ እዮም። ሕጂ ኻብ ዚምርዓዉ 45 ዓመት ገይሮም ኣለዉ፣ ደኺመ ኸይበሉ ንመንፈሳውነቶም ኬመሓይሹ ስለ ዝጸዓሩ ኸኣ፡ ተኻሒሶም እዮም። ፍረድሪክ፡ “ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ዘይከኣልና፡ ብሰንኪ ሰበይተይ ይመስለኒ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣነ እውን ጻዕሪ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ” በለ። ሊን ከኣ፡ “ክልቴና ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ፡ ነቲ ኣጸጋሚ እዋናት ንኽንሰግሮ ሓጊዙና እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዘይምቝራጽ ብሓባር ኴንና ኣጽኒዕናን ጸሊናን ኢና። ፍረድሪክ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኼንጸባርቕ ኪጽዕር ከሎ፡ ንኸፍቅሮ ኣዝዩ እዩ ዚቐለኒ” በለት።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

▪ ብሓባር ኴንና ኻብ እንጽሊ ኽንደይ ጌርና ኣለና፧

▪ መጻምድተይ ምሳይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ብናጽነት ምእንቲ ኺዛረብ፡ ብኸመይ ከተባብዖ እኽእል፧