ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቦታት ምስ ኣወዳቶም ብዝያዳ ኺቀራረቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣቦታት ምስ ኣወዳቶም ብዝያዳ ኺቀራረቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣቦታት ምስ ኣወዳቶም ብዝያዳ ኺቀራረቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

“ባባ፡ ከመይ ጌርካ ነዚ ዅሉ ኽትፈልጦ ኽኢልካ፧” ወድኻ ኸይተጸበኻዮ ኸምዚ ኢሉ ሓቲቱካ ይፈልጥዶ፧ ሽዑ፡ ኣቦ ብምዃንካ ተሓቢንካ ትኸውን። ወድኻ ነቲ ዝሃብካዮ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ሳላ ዘውዓሎ ኺጥቀም ከሎ ምስ እትርኢ እሞ ኸኣ፡ ልብኻ ብሓጐስ ፍንጭሕ እዩ ዚብል። *​—ምሳሌ 23:15, 24

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ወድኻ ንዓኻ ዘለዎ ኣድንቖት ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ድዩ ዘሎ፡ ወይስ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ይንኪ እዩ ዘሎ፧ ወድኻ ናብ ብጽሕና ገጹ ኣብ ዚኸደሉ እዋን፡ ብዝያዳ ምስኡ ኽትቀራረብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብቐዳምነት፡ ገለ ኻብቲ ንኣቦታት ዜጋጥሞም ብድሆታት እስከ ንርአ።

ንኣቦታት ዜጋጥሞም ሰለስተ ብድሆታት

1. ግዜ ምስኣን፦ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ መብዛሕትኡ እዋን ድራር ዕለት ንምምእራር ላዕልን ታሕትን ዚብሉ፡ ኣቦታት እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ደገ እዮም ዚውዕሉ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ኣቦታት ምስ ደቆም ኣመና ሒደት ግዜ እዮም ዜሕልፉ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣቦታት ምስ ደቆም ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ትሕቲ 12 ደቒቕ እዮም ዜሕልፉ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምስ ወድኻ ኽንደይ ግዜ ኢኻ እተሕልፍ፧ ኣብ ዚቕጽል ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ መዓልቲ ምስኡ ኽንደይ ግዜ ኸም ዘሕለፍካ ንምንታይ ዘይትጽሕፎ፧ እቲ ኣሃዝ የገርመካ ይኸውን።

2. ጽቡቕ ኣርኣያ ዘይምርካብ፦ ገሊኣቶም ሰብኡት፡ ምስ ኣቦኦም ጥብቂ ርክብ ከይሃለዎም ዓብዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዣ-ማሪ፡ “ምስ ኣቦይ ድልዱል ርክብ ኣይነበረንን” በለ። እዚ ንዣ-ማሪ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሉ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ጸገም ኣምጽኣለይ። ንኣብነት፡ ምስ ደቀይ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ከዕልል ይኸብደኒ እዩ” በለ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ገሊኣቶም ሰብኡት ንኣቦኦም ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኣይነበሮምን ይኸውን። ወዲ 43 ዓመት ዝዀነ ፊሊፐ፡ “ኣቦይ ፍቕሩ ኺገልጸለይ ይኸብዶ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንወደይ ብዝያዳ ፍቕረይ ምእንቲ ኽገልጸሉ፡ ኣበርቲዐ ኽዓዪ ነበረኒ” በለ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምስ ኣቦኻ ዝነበረካ ርክብ፡ ነቲ ንወድኻ እትሕዘሉ መገዲ ዚጸልዎ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ፡ ኣርኣያ ኣቦኻ እትስዕብ ዘለኻዶ ይመስለካ፧ ብኸመይ፧

3. ሚዛናዊ ምኽሪ ዘይምርካብ፦ ገሊኡ ባህልታት፡ ነቲ ኣቦ ንውሉዳት ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ግደ ኣትሒቱ እዩ ዚርእዮ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ዝዓበየ ሉካ፡ “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት፡ ንቘልዑ ምዕባይ፡ ከም ስራሕ ሰበይቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ” በለ። ኣብ ካልእ ባህልታት ከኣ፡ ኣቦታት፡ ተረርትን ቀጻዕትን ኪዀኑ እዮም ዚተባብዑ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝዓበየ ዦርዥ፡ “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ፡ ኣቦታት ምስ ደቆም ኣይጻወቱን እዮም፣ ከምኡ እንተ ገይሮም እተዋረዱ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ብሰንኪ እዚ፡ ምስ ደቀይ ምጽዋት ይኸብደኒ እዩ” በለ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ማሕበረሰብካ፡ ኣቦታት እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧ ቈልዑ ምዕባይ ከም ስራሕ ሰበይቲ ጌርካ ድዩ ዚርአ፧ ኣቦታት ንኣወዳቶም ፍቕሮም ኪገልጹሎም ድዮም ዚተባብዑ ወይስ እዚ ሓሳብ እዚ ተቐባልነት የብሉን፧

ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብድሆታት ዜጋጥመካ ኣቦ እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ክትዕወት ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እስከ ርአ።

ንወድኻ ብንእስነቱ ኸሎ ቕረቦ

ኣወዳት ንኣቦኦም ኪመስሉ እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ወድኻ ገና ንእሽቶ ኸሎ፡ ነቲ ድሌት ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ብኸመይ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧ መዓስ ኢኻኸ ምስኡ ግዜ ኸተሕልፍ እትኽእል፧

ብእተኻእለካ መጠን፡ ንወድኻ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኣሳትፎ። ንኣብነት፡ ዕዮ ቤት ትዓዪ እንተ ኣሊኻ፡ ከም ዚሕግዘካ ግበር። ንእሽቶ መዀስተር ወይ ንእሽቶ መዅዓቲ ሃቦ። ኣብ ጐድኒ እቲ ኸም ጅግናን ከም ኣርኣያን ገይሩ ዚርእዮ ሰብ፡ ማለት ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ብምዕያዩ ኸም ዚሕጐስ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ዕዮ ንምዝዛም ዝያዳ ግዜ ይወስደልካ ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ምስ ወድኻ ዘሎካ ርክብ ከተደልድሎ፡ ንዕኡ ኸኣ ጻዕረኛ ንኪኸውን ክትምህሮ ኢኻ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣቦታት፡ ንደቆም ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኬሳትፍዎምን ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ምስ ደቆም ኪዘራረቡን ኪምህርዎምን ኣተባቢዕዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 6:6-9) እዚ ምኽሪ እዚ፡ ሕጂ እውን ይዓዪ እዩ።

ምስ ወድኻ ዄንካ ኣብ ርእሲ ምዕያይካ፡ ምስኡ ንምጽዋት እውን ግዜ ኽትምድብ ኣሎካ። ምስ ወድኻ ኽትጻወት ከለኻ፡ ጽቡቕ ግዜ ጥራይ ኣይኰነካን እተሕልፍ። የግዳስ፡ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ኣቦታት ምስ ንኣሽቱ ደቆም ኪጻወቱ ኸለዉ፡ ንደቆም ደፋራትን ተባዓትን ንኪዀኑ እዮም ዜተባብዕዎም።

ኣቦን ወድን ዚጻወትዎ ጸወታ፡ ካልእ ኣገዳሲ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። ሚሸል ፊትዝ ዝስሙ ተመራማሪ፡ “ሓደ ወዲ ምስ ኣቦኡ ብዝያዳ ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጥ ዚኽእል፡ ብሓባር ኪጻወቱ ኸለዉ እዩ” በለ። ከመይሲ፡ ብሓባር ኰይኖም ኪጻወቱ ኸለዉ፡ ኣቦ ንወዱ ብቓላትን ብተግባርን ፍቕሩ ኺገልጸሉ ይኽእል እዩ። እቲ ወዱ ኸኣ፡ ብኸመይ ፍቕሩ ኺገልጽ ከም ዘለዎ ይመሃር። ኣብ ጀርመን ዚነብር ኣንድሬ ዝስሙ ኣቦ፡ “ወደይ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ምስኡ እጻወትን እሓቝፎን ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሱ እውን ፍቕሩ ኺገልጸለይ ከም ዘለዎ ተማህረ” በለ።

እዋን ድቃስ እውን፡ ሓደ ኻብቲ ኣቦታት ምስ ኣወዳቶም ዘለዎም ርክብ ዜደልድሉሉ እዋን እዩ። ስለዚ፡ ንወድኻ ኣዘውቲርካ ዛንታ ኣንብበሉ፣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዜሐጕስን ዜጕህን ነገራት ኪዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እናዓበየ ኣብ ዚኸደሉ እዋን፡ ምሳኻ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እናቐለሎ ኪኸይድ እዩ።

ክልቴኹም እትሕጐሱሉ ነገራት ግበር

ገሊኣቶም ኰተቴታት፡ ነቲ ኣቦኦም ምስኣቶም ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ብዙሕ ኣይግደሱሉን ይዀኑ። ወድኻ ንሕቶታትካ ምስ ዚጐስዮ፡ ኬዘራርበካ ኸም ዘይደሊ ጌርካ ኣይትደምድም። ነቲ ምስኡ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ መገዲ እንተ ኣተዓራሪኻዮ፡ ምናልባት ልቡ ኸፊቱ የዘራርበካ ይኸውን።

ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዣክ ዚስሙ ኣቦ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ዠሮም ዚበሃል ወዱ ምዝርራብ ይኸብዶ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ንወዱ ዜገድዶ፡ ምትዕርራይ ገበረ፣ ምስ ወዱ ኸኣ ኵዕሶ እግሪ ኺጻወት ጀመረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ድሕሪ እቲ ጸወታ፡ ኣብ ሳዕሪ ኾፍ ኢልና ነዕርፍ ነበርና። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ ወደይ ናይ ልቡ ኺዛረብ ይጅምር። ብሓባር ኴንና ግዜ ምሕላፍና፡ ኣብ መንጎና ፍሉይ ርክብ ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ።”

ወድኻ ስፖርት ዘይፈቱ እንተ ዀይኑኸ፧ ኣንድሬ ነቲ ምስ ወዱ ብሓባር ኰይኖም ከዋኽብቲ ዚርእዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣጸቢቑ እዩ ዚዝክሮ። ከምዚ በለ፦ “ምሸት ወንበር ኣብ ደገ ኣውጺእና ኾፍ ንብል። ረጒድ ክዳን ተኸዲንናን ሻሂ እናሰተናን ከኣ፡ ናብ ሰማይ ንጥምት። ብዛዕባ እቲ ንኸዋኽብቲ ዝፈጠረ ኣካል፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ጕዳያት፡ ኰታስ ብዛዕባ ዅሉ ነገራት ንዘራረብ ነበርና።”—ኢሳይያስ 40:25, 26

ይኹን እምበር፡ ነቲ ገሊኡ ወድኻ ዚፈትዎ ነገራት ዘይትፈትዎ እንተ ዄንካኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንውልቃዊ ምርጫኻ ኽትሓድጎ ኣሎካ። (ፊልጲ 2:4) ኢያን ዝስሙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ኣነ ስፖርት እፈቱ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ቮን ወደይ ግና ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበሮን። ነፈርትን ኮምፕዩተራትን እዩ ዚፈቱ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኽግደስ ጀመርኩ፣ ንወደይ ናብ ምርኢት ነፈርቲ እወስዶን ምስኡ ዀይነ ኣብ ኮምፕዩተር ዚጽወት ጸወታ እጻወትን ነበርኩ። ብሓባር ኴንና ዜሐጕስ ነገራት ሳላ ዝገበርና፡ ቮን ብናጽነት ኬዘራርበኒ ኸኣለ።”

ንወድኻ፡ ርእሰ ምትእምማን ከም ዚሓድሮ ግበር

ወድኻ ንሓደ ነገር ኣጸቢቑ ምስ ከኣሎ፡ “ባባ፡ ርኣየኒ ኽኢለዮ!” ኢሉካዶ ይፈልጥ፧ ኰተቴ ምስ ኰነኸ ከምኡ ይብለካዶ፧ ምናልባት ኣይብለካን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓላፍነት ዚስምዖ በጽሒ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ናይ ግድን ደገፍካ የድልዮ እዩ።

የሆዋ ኣምላኽ ምስ ሓደ ኻብቶም ደቁ ኣብ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ኺጅምር ከሎ፡ ኣምላኽ ብዛዕባኡ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብምባል ፍቕሩ ገለጸሉ። (ማቴዎስ 3:17፣ 5:48) ንወድኻ ኽትግስጾን ክትምህሮን ከም ዘሎካ ዚከሓድ ኣይኰነን። (ኤፌሶን 6:4) ይኹን እምበር፡ ንወድኻ ስለቲ ዝገበሮ ወይ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ትንእዶ ዲኻ፧

ገሊኣቶም ሰብኡት፡ ፍቕርን ናእዳን ኪገልጹ የሸግሮም እዩ። ምናልባት ካብ ኣብ ዓወት፡ ኣብ ጌጋታት ምስ እተተኵር ስድራ ቤት ዓብዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዓበኻሉ ዅነታት ምስዚ ዚመሳሰል እንተ ዀይኑ፡ ንወድኻ ርእሰ ምትእምማን ምእንቲ ኸተሕድረሉ፡ ኣጸቢቕካ ኽትጽዕር ኣሎካ። ብኸመይ፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሉካ፡ ምስቲ ማኑወል ዝስሙ ወዲ 15 ዓመት ወዱ፡ ዕዮ ገዛ ኣዘውቲሩ ይዓዪ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ ንማኑወል፡ ንሓደ ስራሕ ባዕሉ ኺጅምሮ እሞ፡ ሓገዝ እንተ ደልዩ ኺጽውዓኒ ኸም ዚኽእል እነግሮ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ነቲ ስራሕ ብዘይ ሓገዝ እዩ ዚሰርሖ። እዚ ኸኣ፡ ዕግበት ከም ዚረክብን ርእሰ ምትእምማን ከም ዚሓድሮን ገበረ። ኪዕወት ከሎ እንእዶ እየ። ከምቲ ዝሓሰቦ ኸይኰነሉ ኺተርፍ ከሎ እውን እንተ ዀነ፡ ንጻዕሩ ኣኽቢረ ኸም ዚርእዮ እነግሮ እየ።”

ንስኻ እውን፡ ወድኻ ሸቶታቱ ንኺወቅዕ ብምሕጋዝ፡ ንርእሰ ተኣማንነቱ ኸተደልድለሉ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ወድኻ በቲ ንስኻ እትደልዮ ፍጥነት ንሸቶኡ ዘይወቕዖ እንተ ዀይኑኸ፧ ወይ ከኣ ሸቶታቱ ሕማቕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከምቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮ እንተ ዘይኰይኑኸ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንትጽቢታትካ እንደገና ኽትሓስበሉ ኣሎካ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዣክ፡ “ወደይ፡ ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶታት ንኼውጽእ እሕግዞ እየ። እቲ ሸቶታት ናቱ ደኣ እምበር፡ ናተይ ከይከውን እውን እጥንቀቕ እየ። ድሕሪኡ፡ በቲ ናቱ ፍጥነት ንሸቶኡ ኺወቅዕ ከም ዘለዎ ንርእሰይ አዘኻኽራ” በለ። ንርእይቶ ወድኻ ትሰምዖ፡ ንኣወንታዊ ጐድኑ ትንእዶ፡ ከምኡውን ንድኽመታቱ ኺዋጽኣሉ ተተባብዖ እንተ ዄንካ፡ ሸቶኡ ንኺወቅዕ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ።

ሓቂ እዩ፡ እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ወድኻን ዘሎ ርክብ፡ ወትሩ ጽቡቕ ይኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ወድኻ ምሳኻ ብዝያዳ ኺቀራረብ እዩ። ምስ ሓደ ንኺዕወት ዚሕግዞ ሰብ ብዝያዳ ኺቀራረብ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 2 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ፍሉይ ርክብ ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን ዘሎ ርክብ እውን ዚውዕል እዩ።