ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧ ካልኣይ ክፋል

ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧ ካልኣይ ክፋል

ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧ ካልኣይ ክፋል

ሰነዳት ካይላ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

እዛ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ነቲ ጥንታዊት የሩሳሌም ብመጀመርታ ዝጠፍኣትሉ ዕለት ብዚምልከት ምሁራት ንዜበግስዎ ሕቶታት ንምምላስ ተባሂላ ብተኸታታሊ ዝወጸት ካልአይቲ ኽፋል እያ። እዘን ክልተ ኽፋላት እዚኣተን ነቲ ንብዙሓት ኣንበብቲ ግድል ኰይንዎም ዝጸንሐ ሕቶታት ዓሚቝ ምርምር እተገብረሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን መልሲ ይህባ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝጐልሐ ነጥብታት፦

▪ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ይገልጹ። *

▪ ጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ይገልጽ።

▪ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብ ጽሑፋት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ኣብ ቀኖና ቶሎሚን ተመርኲሶም እዮም ሓሳባት ዚህቡ።

▪ ገሊኡ ጽሑፋት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ርኡይ ጌጋታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ኣብ ጽላታት ካይላ ዘሎ መዝገብ ዘይሰማማዕ ነጥብታት እውን ኣለዎ። *

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም እተማረኹ ኣይሁድ፡ ‘እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልኣ’ ኣብ ባቢሎን ኪጸንሑ ምዃኖም ይገልጽ። መዓስከ እዮም ሓራ ወጺኦም፧ ኣብ “መጀመርታ ዓመቱ [ዓመት ንግስነቱ] ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ” እዩ። (2 ዜና መዋእል 36:21, 22) እተን ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝጸንሑለን ዓመታት፡ ቂሮስ ንባቢሎን ስዒሩ ንኣይሁድ ሓራ ምስ ኣውጽኦም ከም ዘብቅዓ፡ እዚ ድማ ብ537 ቅ.ክ. ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ኸም እተፈጸመ፡ መጽሓፍ ቅዱሳውን ዓለማውን ታሪኽ ይሰማማዕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ምርኮ ን70 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ኣነጺሩ ስለ ዚገልጽ፡ እቲ ምርኮ ብ607 ቅ.ክ. ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ምሁራት፡ የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት እዮም ዚገልጹ። በዚ መሰረት እዚ እንተ ጸብጺብና፡ እቲ ምርኮ 50 ዓመት ጥራይ እዩ ጸኒሑ ማለት እዩ። ምሁራት ከምኡ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብቲ ብዛዕባ ነቡካድነጻር ዳግማይን ብዛዕባ እቶም ብድሕሪኡ ዝነገሱ ነገስታትን ዝርዝር ሓሳባት ዚህብ ጥንታዊ ሰነዳት ኲኒፎርም ተመርኲሶም እዮም ዚጽብጽቡ።1 መብዛሕትኡ እዚ ሰነዳት እዚ፡ በቶም የሩሳሌም ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋናት ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እዩ ተጻሒፉ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ናብ 587 ቅ.ክ. ዚሕብር ጸብጻብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ርጡብ፧ እዚ ሰነዳት እዚ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ነቲ ምሁራት መብዛሕትኡ ግዜ ዚምርኰሱሉ እዚ ዚስዕብ ሰለስተ ዓይነት ሰነዳት እስከ ንርአ፦ (1) ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን፡ (2) ቍጠባዊ ጽላታት፡ (3) ኣስትሮኖምያዊ ጽላታት።

ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን።

እዚ እንታይ እዩ፧ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ኣብ ታሪኽ ባቢሎን ንእተፈጸመ ቐንዲ ፍጻመታት ዝሓዘ ተኸታታሊ ጽላታት እዩ።2

ክኢላታት እንታይ ይብሉ፧ ኣብ ሰነዳት ኲኒፎርም መሪሕ ግደ ዘለዎ ሮናልድ ኤች. ሳክ፡ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ብዛዕባ ኣገዳሲ ፍጻመታት ዘይተማልአ መዝገብ ከም ዝሓዘ ገለጸ። * እዚ ምሁር እዚ፡ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ብሓቂ እንታይ ከም እተፈጸመ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ . . . ካልኣዊ ምንጭታት” ኪምርምር ከም ዘለዎ ገለጸ።

ሰነዳት እንታይ ይሕብር፧ ኣብ ጸብጻብ ባቢሎን ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ሃጓፋት ኣለዎ።3 (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ርአ።) ስለዚ እምበኣር፡ ‘ኣብዚ ዘይተማልአ ጸብጻብ ተመርኲስካ ዚግበር ቀመር፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧’ ዚብል ርትዓዊ ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ።

ቍጠባዊ ጽላታት።

እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረ መብዛሕትኡ ቝጠባዊ ጽላታት፡ ንሕጋዊ ቕብሊት የመልክት። እቲ ኣብቲ ጽላት ዚምዝገብ ዝነበረ መዓልትን ወርሕን ዓመትን፡ ካብቲ እቲ ንጉስ ኪገዝእ ዝጀመረሉ እዋን መሰረት ብምግባር እዩ ዚምዝገብ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጽላት ኣብ “ኒሳን፡ መበል 27 መዓልቲ፡ መበል 11 ዓመቱ ንንጉስ ነቡካድ[ነ]ጻር [ነቡካድነጻር ዳግማይ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ] ንጉስ ባቢሎን” ቍጠባዊ ልውውጥ ከም እተገብረ ይሕብር።4

እቲ ንጉስ ምስ ሞተ ወይ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ሓድሽ ንጉስ ከኣ ኣብ ዝፋኑ ምስ ደየበ፡ እተን ዝተረፋ ኣዋርሕ እታ “ዓመት ንግስነት፡” እቲ ሓድሽ ንጉስ ከም ዝነገሰ ንምሕባር ዘይኰነስ፡ ነታ እቲ ንጉስ “ኣብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት” ንምምልካት እየን ዚውዕላ ነይረን። *5 ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ስልጣን ካብ ሓደ ንጉስ ናብ ካልእ ንጉስ ዚሰጋገር፡ ብዓውደ ኣዋርሕ ባቢሎናውያን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት እዚ እምበኣር፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት፡ ካብታ እቲ ኻብ ስልጣን ዝወረደ ንጉስ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ወርሒ ንነጀው ካብ ዘሎ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብቲ ጽላታት ኪምዝገብ ነይርዎ ማለት እዩ።

ክኢላታት እንታይ ይብሉ፧ ሮናልድ ኤች. ሳክ ኣብ እዋን ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ንዝነበረ ሓያሎ ቝጠባዊ ጽላታት መርሚሩ እዩ። ብ1972፡ ሳክ ኣብቲ ኣብ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዝረኸቦ ኣብ ሕትመት ዘይቀረበ ሓድሽ ጽሑፍ፡ ነቲ ስልጣን ነቡካድነጻር ዳግማይ ናብ ወዱ ኣሜል-ማርዱክ (ኤዊል-መሮዳክ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ) እተገብረ ስግረት ብዚምልከት ኣቐዲሙ እተዋህበ ሓሳባት “ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይበቅዕ ገበሮ” ብምባል ጸሓፈ።6 ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ሳክ፡ ነቡካድነጻር ዳግማይ ክሳዕ ሻድሸይቲ ወርሒ እታ ናይ መወዳእታ (መበል 43) ዓመቱ ይገዝእ ከም ዝነበረ፡ እቲ ጽላታት ዚሕብር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና እዚ ጽላታት እዚ፡ ንጉስ ኣሜል-ማርዱክ ኣብ ስልጣን ዝደየበሉ ዓመት፡ ኣብ ራብዐይቲ ኸምኡውን ሓምሸይቲ ወርሒ እታ ዓመት እቲኣ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብር።7 እዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ምዃኑ ንጹር እዩ።

ሰነዳት እንታይ ይሕብር፧ ስልጣን ካብ ሓደ ንጉስ ናብ ካልእ ንጉስ ብዛዕባ ምስግጋር ካልእ ተወሳኺ ምግጫው እውን ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰነድ ነቡካድነጻር ዳግማይ ኣብ መበል ዓስረይቲ ወርሑ ይገዝእ ከም ዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እቲ ንዕኡ ዝተክአ ንጉስ ኪገዝእ ካብ ዝጀመረላ ወርሒ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ።8 ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ኣሜል-ማርዱክ ብኔሪግሊሳር እተተክኣሉ ግዜያት እውን ምግጫው ተራእዩ እዩ።9

እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ እቲ ብጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን እተመዝገበ ሃጓፋት ዘለዎ ታሪኽ፡ ዘይተቛረጸ ምሉእ ጸብጻብ ፍጻመታት ኪህልወና ኸም ዘይክእል ይሕብር።10 ኣብ መንጎ እቲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ዚገዝእሉ ዝነበሩ እዋናት፡ ካልኦት ነገስታት ነይሮም ደዀን ይዀኑ፧ እንተ ነይሮም፡ ኣብ እዋን እቲ ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ተወሳኺ ዓመታት ኪውሰኽ ነይርዎ ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ኰነ ቝጠባዊ ጽላታት፡ የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ዚሕብር ድልዱል መርትዖ ኬቕርብ ኣይክእልን እዩ። *

ኣስትሮኖምያዊ ጽላታት

እዚ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ኣቀማምጣ ጸሓይን ወርሕን ፕላነታትን ከዋኽብትን ዚሕብር መግለጺ ኸምኡውን ብዛዕባ ዓመት ንግስነት ሓደ ንጉስ ዚሕብር ታሪኻዊ ሓበሬታት ዝሓዘ ጽላታት ኲኒፎርም እዩ። ንኣብነት፡ እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርአ ዘሎ ኣስተሮኖምያዊ መዝገበ ዕለት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንግስነት ንጉስ ሙኪን-ዘሪ፡ ግርደት ወርሒ ኸም እተራእየ ተመዝጊቡ ኣሎ።11

ክኢላታት እንታይ ይብሉ፧ ባቢሎናውያን ግርደት መዓስ ከም ዚፍጸም ንምትንባይ መዛግብቲ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ኽኢላታት ይሰማምዑሉ እዮም።12

ኰይኑ ግና፡ ባቢሎናውያን ኣብ ዝሓለፈ ግርደት መዓስ ከም እተፈጸመ ንምፍላጥ ንድሕሪት ኪቘጽሩ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም፧ ፕሮፌሰር ጆን ስቲል፡ “ገሊኡ ጥንታዊ ትንቢታት፡ እቲ ጽሑፍ ምስ ተጠርነፈ ነቲ ዲያግራም ንድሕሪት ከም ዚቘጽር ብምግባር ኪዕየየሉ ዚከኣል” ምዃኑ ገለጸ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)13 ኣስትሮኖምያዊ ሰሌዳታት ነቲ እተመዝገበ ፍጻመታት ቀቅድሚ ምፍጻሙ ንእተነግረ ትንቢት ከም ዜጠቓልል ዚኣምን ፕሮፌሰር ዴቪድ ብራውን፡ እቲ ብትንቢት ከም እተነግረሉ ዚቝጸር ገሊኡ ዕለታት፡ ጸኒሑ ብጸሓፍቲ እተጸብጸበ ዕለታት ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ።14 እዚ ዕለታት እዚ፡ ጸኒሑ ብጸሓፍቲ እተጸብጸበ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንዕኡ ዚድግፍ ተወሳኺ መርትዖ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዜተኣማመን መርትዖ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣልዶ፧

ግርደት ኣብ ሓደ እተወሰነ ዕለት እንተ ተፈጸመ እውን፡ እቲ ጸሓፊ እቲ ጽላታት ምስቲ ዕለት እቲ ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ታሪኻዊ ሓበሬታ ቕኑዕ እዩ ማለት ድዩ፧ ግድን ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሮባርቱስ ጀይ ቫን ዴር ስፔክ እተባህለ ምሁር፡ “እቶም ኣዳለውቲ እቲ ጽሑፍ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ደኣ እምበር ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣይኰኑን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ገሊኡ ኽፋላት እቲ ጽላታት ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ጸብጻብ ዝሓዘ ምዃኑን ታሪኻውነቱ ግድን ቅኑዕ ማለት ከም ዘይኰነን ሓበረ።15

ሰነዳት እንታይ ይሕብር፧ ንኣብነት፡ VAT 4956 ንርአ። እቲ ጽላት ኣብ መእተዊኡ፡ “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን መበል 37 ዓመቱ” ይብል።16 ቀጺሉ ኸኣ፡ ወርሕን ፕላነታትን ብመንጽር ከዋኽብቲ ኺረኣዩ ኸለዉ እንታይ ዓይነት ኣቀማምጣ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ዝርዝር መግለጺታት ሒዙ ኣሎ። ሓደ ግርደት ወርሒ እውን ተመዝጊቡ ኣሎ። ምሁራት፡ ኵሉ እዚ ኣቀማምጣ እዚ ብ568/567 ቅ.ክ. ከም እተፈጸመ እሞ፡ መበል 18 ዓመቱ ንነቡካድነጻር ዳግማይ ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝዀነ፡ ንሱ ድማ ንየሩሳሌም ኣብዚ ዓመት እዚ ኸም ዘጥፍኣ እዮም ዚገልጹ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኣስትሮኖምያዊ መወከሲታት እዚ፡ ብዜተኣማምን መገዲ ናብ 568/567 ቅ.ክ. ጥራይ ድዩ ዚሕብር፧

ኣብቲ ጽላት ከም እተሓበረ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ብኣቈጻጽራ ባቢሎናውያን ሳልሰይቲ ወርሒ ዝዀነት ሲማኑ፡ ግርደት ወርሒ ኸም እተራእየ ተጸብጺቡ ኣሎ። ግርደት ወርሒ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ማለት ኣብ 4 ሓምለ (ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ) 568 ቅ.ክ. ከም እተራእየ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ 20 ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ኣብ 15 ሓምለ 588 ቅ.ክ. እውን ግርደት ተራእዩ እዩ።17

ንነቡካድነጻር ዳግማይ መበል 37 ዓመቱ ብ588 ቅ.ክ. እንተ ዀይኑ፡ መበል 18 ዓመቱ ብ607 ቅ.ክ. ኪኸውን ኣለዎ። ብመሰረት ጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ የሩሳሌም ኣብዛ ዓመት እዚኣ እያ ጠፊኣ። (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰሌዳ ግዜ ርአ።) ኰይኑ ግና፡ VAT 4956 እቲ ጥፍኣት ብ607 ቅ.ክ. ከም እተፈጸመ ዚሕብር ካልእ መርትዖ ይርከቦ ድዩ፧

ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቐሰ ግርደት፡ ኣብቲ ጽላት 13 ዓይነት ኣቀማምጣ ወርሕን 15 ዓይነት ኣቀማምጣ ፕላነታትን ተራእዩ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ወርሒ ወይ ፕላነታት ብመንጽር ከዋኽብቲ ዘለወን ኣቀማምጣ ዚገልጽ እዩ።18 ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ ምውጻእን ምእታውን ጸሓይን ወርሕን ሸሞንተ ሳዕ ዚኸውን ምንጋው ኣሎ።18a

ተመራመርቲ ንኣቀማምጣ ወርሒ ኣመና ስለ ዚተኣማመኑሉ፡ ነዚ 13 ዓይነት ኣቀማምጣ ወርሒ ኣብ VAT 4956 ብጥንቃቐ መርሚሮምዎ እዮም። ነቲ ጸብጻብ ብሓገዝ እቲ ኣቀማምጣ ገሊኡ ሰማያዊ ኣካላት ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣበየናይ ዕለት ከም ዝነበረ ኼርኢ ዚኽእል ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም፡ መርሚሮምዎ እዮም።19 መርመራኦምከ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ካብዚ 13 ዓይነት ኣቀማምጣ ወርሒ ምስ 568/567 ቅ.ክ. ዚገጥም እተወሰነ ጥራይ ኪኸውን ከሎ፡ 13ቲኡ ግና ምስቲ 20 ዓመት ኣቐዲሙ ዝነበረ ዕለት፡ ማለት ምስ 588/587 ቅ.ክ. ገጢሙ እዩ።

ሓደ ኻብቲ ኣቀማምጣ ወርሒ ኻብ 568 ቅ.ክ. ብዝያዳ ምስ 588 ቅ.ክ. ዚገጥም ምዃኑ ዚሕብር ቦታታት ኣብዚ ገጻት እዚ ኣብ ዘሎ ጽላት ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ 3ይቲ መስመር እቲ ጽላት፡ ወርሒ ኣብ “መበል 9ይቲ [ኒሳኑ] ኣብ እዋን ለይቲ” ፍሉይ ኣቀማምጣ ኸም ዝነበራ ተገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ፈለማ ነቲ ፍጻመ ብ568 ቅ.ክ. ከም ዝዀነ ዝገለጹ ምሁራት፡ ብ568 ቅ.ክ. (ኣስትሮኖምያዊ -567) ወርሒ እዚ ዓይነት ኣቀማምጣ እዚ ዝነበራ “ብ8ይቲ ኒሳን ደኣ እምበር፡ ብ9ይቲ ኒሳን ከም ዘይኰነ” ተኣሚኖም እዮም። ነቲ ኣብቲ ጽላት ተሓቢሩ ዘሎ ዕለት 568 ቅ.ክ. ንምድጋፍ ኢሎም ግና፡ እቲ ጸሓፊ ኣብ ክንዲ “8” ብጌጋ “9” ከም ዝጸሓፈ ሓሳብ ኣቕረቡ።20 ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ 3ይቲ መስመር ተሓቢሩ ዘሎ ኣቀማምጣ ወርሒ፡ ምስ 9 ኒሳኑ 588 ቅ.ክ. እዩ ብትኽክል ዚገጥም።21

እምበኣር፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ VAT 4956 ዚርከብ ኣስትሮኖምያዊ ጸብጻባት ምስታ ንነቡካድነጻር ዳግማይ መበል 37 ዓመቱ ዝዀነት 588 ቅ.ክ. እዩ ዚሰማማዕ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮ፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት የረጋግጽ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ መብዛሕትኦም ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት እዮም ዚኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ ኤርምያስን ዳንኤልን፡ ኣይሁድ ን50 ዓመት ዘይኰነስ ን70 ዓመት ከም እተማረኹ ኣነጺሮም ገሊጾም እዮም። (ኤርምያስ 25:1, 2, 11፣ ዳንኤል 9:2) እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት እዩ ዚሕብር። ኣብ ላዕሊ እተራእየ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ብዓለማዊ ምንጭታት እውን ዚድገፍ እዩ።

ዓለማውያን ክኢላታት ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጠራጠሩሉ ብተደጋጋሚ ኺገልጹ ጸኒሖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዝያዳ መርትዖ ብእተረኽበ መጠን፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትኽክል ምዃኑ ብዙሕ ሳዕ ተረጋጊጹ እዩ። * እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኣምኑ ሰባት፡ ከም ዚኣምኑ ዚገብሮም ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብታሪኻዊ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ ዀነ ብትንቢታዊ መገዲ ልክዕ ምዃኑ ኣብ ዚገልጽ መርትዖ ተመርኲሶም እዮም ሓሳብ ዚህቡ። እቲ መርትዖ እቲ ድማ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ከም ዚኣምኑሉ እዩ ዚገብሮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እሞኸ ነቲ መርትዖ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ ከምዚ እንተ ጌርካ ንስኻ እውን ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 ዕለት ዚሕበረሉ እተፈላለየ መገድታት እዩ ዘሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቅ.ክ. ኪበሃል ከሎ፡ “ቅድሚ ክርስቶስ” ማለት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታምና ዝወጸት፡ “ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧—ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እተረኽበ መርትዖ እንታይ ይሕብር፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣስተብህል፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓለማውያን ክኢላታት፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ኣይኣምኑሉን እዮም።

^ ሕ.ጽ. 18 እታ ሓደ ንጉስ “ናብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት”፡ ምስቲ እቲ ንጉስ ዝገዝኣሉ ዓመታት ኣይትድመርን እያ፣ እኳ ደኣስ ነቲ እቲ ሓድሽ ንጉስ ወግዓዊ ንግስነቱ ኽሳዕ ዚጅምር ንዘለዋ ኣዋርሕ እያ እተመልክት፣ ወግዓዊ ንግስነቱ ዚጅምር ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ እታ ቐጺላ ዘላ ዓመት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 21 ቍጠባዊ ጽላታት ኣብ ኵሉ እቲ ነገስታት ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝገዝኡሉ ዓመታት ነይሩ እዩ። እቲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ዝገዝኡሉ ዓመታት ብምድማርን ብምጽብጻብን ካብቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝዀነ ናቦኒደስ ኣትሒዝና ንድሕሪት እንተ ቘጺርና፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም እተፈጸመ ይሕብር። እዚ ኺዓዪ ዚኽእል ግና ነፍሲ ወከፍ ንጉስ ንኻልእ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ማለት ኣብ መንጎ ሃጓፍ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 36 ንጹር ኣብነታት ንምርካብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ እተባህለት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 4ን 5ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ሰሌዳ]

(For fully formatted text, see publication)

ሃጓፋት ዘለዎ ታሪኽ ዝሓዘ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን

ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ካብቲ ብኣፈ ታሪኽ ንገለ 88 ዓመት ከም ዝጸንሐ ዚንገረሉ ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን፡ ናይ 35 ዓመት ጥራይ እዩ ጸብጻብ ዚህብ።

ጸብጻብ ፍጻመታት ዘይተመዝገበላ ዓመት

ጸብጻብ ፍጻመታት እተመዝገበላ ዓመት

BM 21901 BM 21946 BM 35382

↓ ↓ ↓ ↓

ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረሉ እዋን ፋርሳውያን

ናቦፖለጻር ነቡካድነጻር ዳግማይ ኣሜል-ማርዱክ ናቦኒደስ

ኔሪግሊሳር ላባሺ-ማርዱክ

BM 25127 BM 22047 BM 25124

[ምንጪ ስእሊ]

BM 21901 and BM 35382: Photograph taken by courtesy of the British Museum; BM 21946: Copyright British Museum; BM 22047, 25124, 25127: © The Trustees of the British Museum

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣስትሮኖምያዊ መዝገበ ዕለት BM 32238

እዚ ጽላት እዚ ጸብጻብ ግርደት ወርሒ ዝሓዘ ዀይኑ፡ እቲ ኻብቲ ቐዳመይ ግርደት 400 ዓመት ጥራይ ጸኒሑ ዝመጸ ናይ መወዳእታ ግርደት ክሳዕ እተራእየሉ እዋን ኣይተዳለወን ነይሩ። እቲ ጸሓፊ ንዅሉ እቲ ፍጻመታት ስለ ዘይረኣዮ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተፈጸመ ፍጻመታት መዓስ ከም እተራእየ ንምውሳን ሕሳባዊ ቐመር ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓሳባቱ ዚድግፍ ተወሳኺ መርትዖ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቐመር ዜተኣማምን ሓበሬታ ጸብጻብ ፍጻመታት ንምርካብ ከም ምንጪ ጌርካ ኺውሰድ ኣይክኣልን እዩ።

[ምንጪ ስእሊ]

© The Trustees of the British Museum

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

VAT 4956 ብሓቂ እንታይ እዩ ዚብል፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ ጽላት እዚ ኣብ ሳልሳይ መስመር፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ (ኒሳኑ/ኒሳን) “ኣብ መበል 9ይቲ [መዓልቲ] ኣብ እዋን ለይቲ፡”’ “ወርሒ ኣብ ቅድሚ ß ቨርጅንስ 1 እመት ርሒቓ ደው ከም ዝበለት” ተገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኖይጌባውን ዋይድነርን ብ1915 ብዛዕባ 568 ቅ.ክ. (የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ዚሕብር ዓመት) ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓሳባት፡ “ወርሒ ኣብ ቅድሚ እዛ ኰዀብ እዚኣ 1 እመት ርሒቓ ደው ዝበለት ብ8ይቲ ኒሳን ደኣ እምበር፡ ብ9ይቲ ኒሳን ከም ዘይኰነ” ገሊጾም እዮም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኰይኑ ግና፡ ወርሒ ብ9ይቲ ኒሳን ብ588 ቅ.ክ. ምስቲ ኣብ ጽላት እተገልጸ ዚሰማማዕ ኣቀማምጣ ነይርዋ እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብ 607 ቅ.ክ. እዩ ዚሕብር።

ታሽዐይቲ መዓልቲ ድያ ኽትከውን ዘለዋ ወይስ ሻምነይቲ መዓልቲ፧

(1) ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እዚ ተሓቢሩ ዘሎ፡ ኣካዳውያን ንቝጽሪ 9 ንምምልካት ዚጥቀምሉ ምልክት ብንጹር ተራእዩ ኣሎ።

(2) ኖይጌባውን ዋይድነርን ነዚ ኣብ ኲኒፎርም ዘሎ ጽሑፍ ብስግረ ፊደል ኣብ ዝገልበጥዎ ጽሑፎም ን“9” ናብ “8” ቐይሮምዋ።

(3) ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ “9” ኸም ዚብል፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ጥራይ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

(4) ኣብቲ ናብ ጀርመንኛ ዝተርጐምዎ ትርጕሞም እውን ከይተረፈ “8” እዮም ጽሒፎም።

(5) ብ1988 ሳክስን ሃንገርን ነቲ ጽሑፍ ከምቲ ልክዕ ማለት “9” ጽሒፎም ኣሕተምዎ።

(6) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጐምዎ ጽሑፎም እታ “9ይቲ” እትብል “8ይቲ ንምባል ብጌጋ እተጻሕፈት” ምዃና ብምግላጽ ነቲ እተለወጠ ቝጽሪ ዓቂቦምዎ እዮም።

[ምንጪ ስእሊ]

bpk/​Vorderasiatisches Museum, SMB/​Olaf M. Teßmer

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

5

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

6

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ተወሳኺ ሓበሬታ እታ “ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧​—ካልኣይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ

1. ኲኒፎርም ውሻል ዝቕርጹ ዓይነት ጽሕፈት እዩ። ነቲ ሓደ ጸሓፊ፡ ውሻል ዝቕርጹ በሊሕ ጫፍ ዘለዎ ብርዒ ተጠቒሙ ኣብ ርሑስ ካይላ ዚጽሕፎ እተፈላለየ ቕርጽታት የመልክት።

2. ኣሲርያን ኤንድ ባቢሎንያን ክሮኒክልስ፡ ብአይ. ከይ. ግረይሰን ብ1975 እተሓትመ፡ ብ2000 ድማ እንደገና እተሓተመ፡ ገጽ 8።

3. ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ካብ ሻውዓይ ቅ.ክ.፡ ማለት ስርወ-ንግስነት ከለዳውያን ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። እቲ ቐዳማይ ንጉስ፡ ናቦፖለጻር ኣቦ ነቡካድነጻር ዳግማይ እዩ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ብ539 ቅ.ክ. ነቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ናቦኒደስ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እቲ እዋን እቲ ኣብቅዐ።

4. ኒዮ-ባቢሎንያን ቢዝነስ ኤንድ ኣድሚኒስራቲቭ ዶኩመንትስ፡ ብኢለን ዊትሊ ሙር፡ ብ935 እተሓትመ፡ ገጽ 33።

5. ኣርኪመደስ፡ ቮልዩም 4፡ ኒው ስታዲስ ኢን ዘ ሂስትሪ ኤንድ ፊሎዞፊ ኦቭ ሳይንስ ኤንድ ቴክኖሎጂ፡ “ኦብዘርቬሽንስ ኤንድ ፕረዲክሽንስ ኦቭ ኢክሊፕልስ ታይምስ ባይ አርሊ ኣስትሮኖመርስ፡” ብጆን ኤም. ስቲለ፡ ብ2000 እተሓትመ፡ ገጽ 36።

6. ኣሜል-ማርዱክ 562-560 ቢ.ሲ.—አ ስታዲ ቤዝድ ኦን ኲኒፎርም፡ ኦልድ ተስታመንት፡ ግሪክ፡ ላቲን፡ ኤንድ ራባይኒካል ሶርስስ። ዊዝ ፕለይትስ፡ ብ ሮናልድ ኤች. ሳክ፡ ብ1972 እተሓትመ፡ ገጽ 3።

7. ጽላታት BM 80920 ከምኡውን BM 58872 ኣብቲ ኤዊል-መሮዳክ ኣብ ራብዐይትን ሓምሸይትን ወርሒ እታ ኣብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት ከም እተጻሕፈ እዩ ዚሕብር። እዚ ኸኣ ኣብ ኣሜል-ማርዱክ 562-560 ቢ.ሲ.—አ ስታዲ ቤዝድ ኦን ኲኒፎርም፡ ኦልድ ተስታመንት፡ ግሪክ፡ ላቲን፡ ኤንድ ራባይኒካል ሶርስስ። ዊዝ ፕለይትስ፡ ገጽ 3, 90, 106 ብሳክ ተሓቲሙ ኣሎ።

8. እቲ ኣብ ሙዝየም ብሪጣንያ ዚርከብ ጽላት (BM 55806) ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 43 ዓመት ከም እተጻሕፈ ይሕብር።

9. ጽላታት BM 75106 ከምኡውን BM 61325 ኣብ ሻውዓይ ወርሕን ኣብ ዓስራይ ወርሕን ናይ መወዳእታ (ካልኣይ) ዓመት እቲ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ኤዊል-መሮዳክ እተጻሕፈ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጽላት BM 75489 ነቲ ንኤዊል-መሮዳክ ዝተክአ ንጉስ ኔሪግሊሳር ኣብ ካልአይቲ ወርሒ እታ ኣብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት እዩ ተጻሒፉ።—ካታሎግ ኦቭ ዘ ባቢሎንያን ታብለትስ ኢን ዘ ብሪቲሽ ሙዝየም፡ 8ይ ጥራዝ፡ (ጽላት ቍጽሪ 3) ብኤርል ለይክቲ ጀይ. ጀይ. ፊንኬልስተይን፡ ከምኡውን ሲ.ቢ.ኤፍ. ዎከር፡ ብ1988 እተሓትመ፡ ገጽ 25, 35።

ካታሎግ ኦቭ ዘ ባቢሎንያን ታብለትስ ኢን ዘ ብሪቲሽ ሙዝየም፡ 7ይ ጥራዝ፡ (ካብ 2ይ ሲፓር እተረኽበ ጽላት) ብኤርል ለይክቲ ኸምኡውን ብአይ. ከይ. ግረይሰን ብ1987 እተሓተመ፡ ገጽ 36።

ኔሪግሊሳር—ኪንግ ኦቭ ባቢሎን፡ ብሮናልድ ኤች. ሳክ፡ ብ1994 እተሓተመ፡ ገጽ 232። ኣብቲ ጽላት ተሓቢሩ ዘሎ ወርሒ ኣጃሩ (ካልአይቲ ወርሒ) እያ።

10. ንኣብነት፡ ኔሪግሊሳር እሞ ንርአ። ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ጽሑፍ ነገስታት፡ “ወዲ ቤል-ሹም-ኢሽኩን፡” “ንጉስ ባቢሎን” ከም ዝዀነ ተሓቢሩ ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ካልእ ጽሑፍ ከኣ ቤል-ሹም-ኢሽኩን “ጥበበኛ መስፍን” ከም ዝነበረ ገይሩ ይገልጾ። እታ “መስፍን” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ መጀመርታ ቓል ሩቡ እትብል ኰይና፡ “ንጉስ፡ ገዛኢ” ዚብል ትርጕም እውን ዘለዋ ዀይኑ፡ ናይ መዓርግ ስም እያ። ኣብ መንጎ ንግስነት ኔሪግሊሳርን እቲ ብእኡ ኸም እተተክአ ዚሕሰብ ንጉስ ኣሜል-ማርዱክን ዘሎ እዋን ንጹር ምግጫው ስለ ዘሎ፡ እዚ “ቤል-ሹም-ኢሽኩን” ዚበሃል “ንጉስ ባቢሎን” ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ንእተወሰነ ግዜ ገዚኡ ደዀን ይኸውን፧ ፕሮፌሰር ኣር. ፒ. ዳወርቲ፡ “እቲ ብዛዕባ መስመር ንግስነት ኔሪግሊሳር ዚገልጽ መርትዖ ዕሽሽ ኪበሃል ኣይክኣልን እዩ” በለ።—ናቦኒዳስ ኤንድ ቤልሳዛር—ኤ ስታዲ ኦቭ ዘ ክሎሲንግ ኤቨንትስ ኦቭ ዘ ንዮ-ባቢሎንያን ኤምፓየር፡ ብ ራይሞንድ ፒ. ዳወርትይ፡ ብ1929 እተሓትመ፡ ገጽ 61።

11. ኣስትሮኖሚካል ዲያሪስ ኤንድ ሪለይትድ ቴክስትስ ፍሮም ባቢሎንያ፡ 5ይ ጥራዝ፡ ብሄርማን ሃንገር ብ2001 እተሓትመ፡ ገጽ 2-3።

12. ጆርናል ኦቭ ኲኒፎርም ስታዲስ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ቍ. 4፡ 1948፡ “አ ክላሲፊኬሽን ኦቭ ዘ ባቢሎንያን ኣስትሮኖሚካል ታብለትስ ኦቭ ዘ ሴሉሳይድ ፒርየድ፡” ብኤይ. ሳክስ፡ ገጽ 282-283።

13. ኣስትሮኖሚካል ዲያሪስ ኤንድ ሪለይትድ ቴክስትስ ፍሮም ባቢሎንያ፡ 5ይ ጥራዝ ገጽ 391።

14. መስፖታምያን ፕላኔታሪ ኣስሮኖሚ-ኣስትሮሎጂ፡ ብዴቪድ ብራውን፡ ብ2000 እተሓትመ፡ ገጽ 164, 201-202።

15. ባይብልዮቴካ ኦሬንታሊስ፡ ጥራዝ መበል 50፡ ቍጽሪ 1ን 2ን፡ ጥሪ-መጋቢቲ፡ 1993፡ “ዘ ኣስትሮኖሚካል ዲያሪስ ኣስ ኤ ሶርስ ፎር ኣካሜኒድ ኤንድ ሴሉሳይድ ሂስትሪ፡” ብ ኣር. ጀይ. ቫን ዴር ስፔክ፡ ገጽ 94, 102።

16. ኣስትሮኖሚካል ዲያሪስ ኤንድ ሪለይትድ ቴክስትስ ፍሮም ባቢሎንያ፡ 1ይ ጥራዝ ብኣብርሃም ጀይ. ሳክስ፡ ብሄርማን ሃንገር እተዛዘመን እተሰናደወን፡ ብ1988 እተሓተመ፡ ገጽ 47።

17. ባቢሎንያን ኤክሊፕስ ኦብዘርቬሽን ፍሮም 750 ቢሲ ቱ 1ቢሲ፡ ብፒተር ጀይ. ሃበርን ብሳልቮ ዴ ሜሲስን፡ ብ2004 እተሓተመ፡ ገጽ 186። ብመሰረት VAT 4956፡ እዚ ግርደት እዚ ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ባቢሎናውያን ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሳልሰይቲ ወርሒ እዩ ተራእዩ፣ እዚ ኸኣ ወርሒ ሲማኑ 15 መዓልቲ ኣቐዲማ ኸም ዝጀመረት ይሕብር። እቲ ግርደት ብመሰረት እዚ እንጥቀመሉ ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ ብ15 ሓምለ እተራእየ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሲማኑ ብ30 ሰነ/1 ሓምለ 588 ቅ.ክ. ተራእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ብዓውደ ኣዋርሕ ባቢሎናውያን እታ ኣብ ሓድሽ ዓመት እትጅመር ቀደመይቲ ወርሒ (ኒሳኑ)፡ ክልተ ወርሒ ኣቐዲማ ማለት ብ2/3 ግንቦት ጀሚራ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እታ እዚ ግርደት እዚ እተራእየላ ዓመት ከም ልሙድ ብ3/4 ሚያዝያ ጀሚራ ኽትከውን ትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ VAT 4956 ኣብ 6ይ መስመር፡ ደድሕሪ እታ መበል ዓሰርተ ኽልተ (ናይ መወዳእታ) ወርሒ (ኣዳሩ) እታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ካልእ ወርሒ ኸም እተወሰኸት ይገልጽ። (እቲ ጽላት፡ “8ይቲ እታ መበል XII2 [መበል 13 ወርሒ]” ይብል።) ስለዚ፡ እቲ ሓድሽ ዓመት ክሳዕ 2/3 ግንቦት ኣይጀመረን ነይሩ ማለት እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ዕለት እዚ ብ588 ቅ.ክ. እተራእየ ግርደት፡ ምስቲ ኣብቲ ጽላት ዘሎ ዕለት ዚገጥም እዩ።

18. በሪሽተ ኡይበ ዲ ፈርሃንድሉንገን ዴር ኮኒግሊ. ዜክሲስሸን ጌዜልሻፍት ዴር ቪሰንሻፍተን ጹ ላይፕሲኽ (ናይ ሳክሶን ንጉሳውያን ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠት ኣብ ለይፕዚንግ ብዛዕባ ዝገበርዎ ምይይጥ ዝቐረበ ጸብጻብ)፣ መበል 67 ጥራዝ፣ 1 ግንቦት 1915፣ ኣብታ “ኣይን ኣስትሮኖሚሸኽ ቤኦባኽቱንግስተክስት ኣውስ ደይም 37. ያረ ነቡካትነጻርስ II” (ክኢላ ኣስትሮኖሚ ብዛዕባ መበል 37 ዓመት ነቡካድነጻር ዳግማይ ዘዳለዎ ጽሑፍ) ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ፖል ቪ. ንዩጌባወርን አርንስት ኤፍ. ወይድነርን፡ ኣብ ገጽ 67-76፡ ብጠቕላላ 13 ዓይነት ኣቀማምጣ ወርሒ ኸም እተራእየ፡ እዚ ኸኣ ወርሒ ብመንጽር ከዋኽብቲ ዘለዋ ኣቀማምጣ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ብጠቕላላ 15 ዓይነት ኣቀማምጣ ፕላነታት ከም እተራእየ እውን ገሊጾም እዮም። (ገጽ 72-76) እቲ ኲኒፎርም ብዛዕባ ወርሒ ዚህቦ ምልክት ንጹርን ዘየማትእን እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ስማት ፕላነታትን ኣቀማምጣኦምን ዚሕብር ገሊኡ ምልክትታት ግና ንጹር ኣይኰነን። (መስፖታምያን ፕላኔታሪ ኣስሮኖሚ—ኣስትሮሎጂ፡ ብዴቪድ ብራውን፡ ብ2000 እተሓትመ፡ ገጽ 53-57) በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ፕላነታዊ ኣቀማምጣ ግምታዊ ሓሳባትን እተፈላለየ ትርጕማትን እዩ ዚወሃቦ። ወርሒ ብቐሊሉ ኽትርአ ስለ እትኽእል፡ ኣቀማምጣ እቶም ኣብ VAT 4956 ተጠቒሶም ዘለዉ ምስ ወርሒ ድማ እተተሓሓዙ ኻልኦት ሰማያውያን ኣካላት ኪልለዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኣቀማምጣኦም ከኣ ብዘየማትእ መገዲ ተመዝጊቡ ኣሎ።

18ሀ. እዚ ሰለስተ ናይ ግዜ ምንጋው እዚ (“ሰለስተ ወርሓት”)፡ ንኣብነት፡ ካብቲ ጸሓይ ዝኣተወትሉ ኽሳዕ እቲ ወርሒ ዝኣተወትሉ ንዘሎ ግዜ ዜመልክት እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓንቲ ወርሒ ኸምኡውን ኣብ ካልእ ክልተ እዋናት እታ ወርሒ እተራእየ እዩ። ምሁራት ነዚ መዐቀኒ ግዜ እዚ ምስቲ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ዘሎ ዕለት የተሓሕዝዎ እዮም። (“ዘ አርልየስት ደይታብል ኦብዘርቬሽንስ ኦቭ ዘ ኣሮራ ቦረሊስ፡” ብኤፍ. ኣር. ስቴፈንሰንን ዴቪድ ኤም. ዊልስን፡ ኣብ ኣንደር ዋን ስካይ—ኣስትሮኖሚ ኤንድ ማተማቲክስ ኢን ዘ ኣንሸንት ኒር ኢስት፡ ብጆን ኤም. ስቲለን ኣነነ ኢምሃውሰንን ብ2002 እተሓተመ፡ ገጽ 420-428) ጥንታውያን ክኢላታት፡ ንውሓት እዚ እዋን እዚ ኽንደይ ምዃኑ ንኺውስኑ ንገሊኡ ዓይነት ሰዓት ይጥቀሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መዐቀኒ ኣየተኣማምንን እዩ ነይሩ። (ኣርኪሜደስ፡ ቮልዩም 4፡ ኒው ስታዲስ ኢን ዘ ሂስትሪ ኤንድ ፊሎሶፊ ኦቭ ሳይንስ ኤንድ ቴክኖሎጂ፡ “ኦብዘርቬሽንስ ኤንድ ፕረዲክሽንስ ኦቭ ኢክሊፕልስ ታይምስ ባይ አርሊ ኣስትሮኖመርስር፡” ብጆን ኤም. ስቲለ፡ ብ2000 እተሓትመ፡ ገጽ 65-66) ብኣንጻሩ ግና፡ ወርሒ ብመንጽር እቲ ምስ ካልኦት ሰማያውያን ኣካላት ዘለዋ ኣቀማምጣ ኪቕመር ከሎ ብዘተኣማምን መገዲ እዩ ተገይሩ።

19. እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ በቲ TheSky6™ ዘርእስቱ ኣስትሮኖምያዊ ሶፍትዌር እዩ ተገይሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ መጽናዕቲ በቲ Cartes du Ciel/Sky Charts (CDC) ዚበሃል ሰፊሕን ናጻን ዝዀነ ሶፍትዌር ከምኡውን ብዩ.ኤስ ናቫል ኦብዘርቫቶሪ እተዳለወ መቐየር ዕለት ተደጊፉ እዩ። ንሓያሎ ኣቀማምጣ ፕላነታት ዚሕብር ምልክታት ኲኒፎርም ግምታዊ ሓሳባትን እተፈላለየ ትርጕማትን ስለ ዚወሃቦ፡ እዚ ኣስትሮኖምያዊ መዝገበ ዕለት እዚ ነታ ዓመት እቲኣ ንምምልካት ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ነዚ ኣቀማምጣ ፕላነታት ኣይተጠቕመሉን።

20. በሪሽተ ኡይበ ዲ ፈርሃንድሉንገን ዴር ኮኒግሊ. ዜክሲስሸን ጌዜልሻፍት ዴር ቪሰንሻፍተን ጹ ላይፕሲኽ (ናይ ሳክሶን ንጉሳውያን ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠት ኣብ ለይፕዚንግ ብዛዕባ ዝገበርዎ ምይይጥ ዝቐረበ ጸብጻብ)፣ መበል 67 ጥራዝ፣ 1 ግንቦት 1915፣ ኣብታ “ኣይን ኣስትሮኖሚሸኽ ቤኦባኽቱንግስተክስት ኣውስ ደይም 37. ያረ ነቡካትነጻርስ II (-567/66)” (ክኢላ ኣስትሮኖሚ ብዛዕባ መበል 37 ዓመት ነቡካድነጻር ዳግማይ ዘዳለዎ ጽሑፍ)፡ ብፖል ቪ. ንዩጌባወርን አርንስት ኤፍ. ወይድነርን፡ እተዳለወ፡ ገጽ 41።

21. VAT 4956 ኣብ መስመር ሰለስተ “ወርሒ ኣብ ቅድሚ ß ቨርጅንስ 1 እመት [ወይ 2 ዲግሪ] ርሒቓ ደው ከም ዝበለት” ይገልጽ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ መጽናዕቲ፡ ኣብ 9 ኒሳኑ፡ ወርሒ ኣብ ቅድሚ ኰዀብ ß ቨርጅንስ 2°04ʹ ብታሕቲ ኸኣ 0° ርሒቓ ኸም ዝነበረት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ብልክዕ ምስቲ ዕለት ከም ዚገጥም ገይርካ እዩ ተወሲዱ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሰሌዳ]

(For fully formatted text, see publication)

VAT 4956 የሩሳሌም ኣብ ኣየነይቲ ዓመት ከም ዝጠፍአት እዩ ዚሕብር፧​—ብ587 ቅ.ክ. ድዩ ወይስ ብ607 ቅ.ክ.፧

◼ እቲ ጽላት፡ ነቲ ኣብ መበል 37 ዓመት ግዝኣት ንጉስ ነቡካድነጻር ዳግማይ እተራእየ ኣስትሮኖምያዊ ፍጻመታት ይገልጽ።

◼ ነቡካድነጻር ዳግማይ ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስነቱ እዩ ንየሩሳሌም ኣጥፊእዋ።​—ኤርምያስ 32:1

ንነቡካድነጻር ዳግማይ

መበል 37 ዓመቱ

ብ568 ቅ.ክ.

እንተ ደኣ ዀይኑ፡ የሩሳሌም.

587 ← ← ብ587 ቅ.ክ. ጠፊኣ ኽትከውን ኣለዋ

610 B.C.E. 600 590 580 570 560

607 ← ← መበል 37 ዓመቱ ብ588 ቅ.ክ. እንተ ደኣ ዀይኑ፡

የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ጠፊኣ ኽትከውን ኣለዋ፡

ጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን

የሩሳሌም ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኸም ዝጠፍአት ይሕብር።

◼ VAT 4956 ብዜእምን መገዲ ናብ 607 ቅ.ክ. እዩ ዚሕብር

[ኣብ ገጽ 22 ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum