ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብርሃም ተባዕ

ኣብርሃም ተባዕ

ኣብርሃም ተባዕ

ኣብርሃም ነቶም ናብ ከነኣን ኪጐዓዙ ዚዳለዉ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤቱን ግዙኣቱን ረኣዮም። (ዘፍጥረት 12:1-5) ነዞም ንናብራ ዜድልዮም ነገራት ንምርካብ ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት ኪርእዮም ከሎ፡ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይ ገይሩ እዩ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኣሎም፧ ኣብታ ሰፊሕ መጋሃጫን ስቡሕ መሬትን እኹል ማይን ዝነበራ ኸተማ ኡር ምንባርዶ ኣይምሓሾን፧ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ኸይዱ እንተ ሓመመ ወይ እንተ ሞተኸ፡ ንስድራ ቤቱ መን እዩ ኣለይመለይ ኪብሎም፧ ኣብርሃም በዚ ሕቶታት እዚ ኺጭነቕ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ፍርሂ፡ ውሳነ ኻብ ምግባር ድሕር ምሕር ኣይበለን። ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ስጕምቲ ኺወስድን ንትእዛዛት ኣምላኽ ኪሕሉን ቈሪጹ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ምልክት ናይ ሓቂ ትብዓት እዩ።

ትብዓት እንታይ እዩ፧ “ትብዓት” ማለት፡ ድፍረት፡ ሓቦ፡ ጅግንነት ማለት ኰይኑ፡ ኣንጻር ፍርህን ራዕድን እዩ። ተባዕ ሰብ፡ ፈጺሙ ኣይፈርህን እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ኣምላኽ ዚህቦ ትብዓት ተደሪኹ ንፍርሁ ብምስናፍ፡ ስጕምቲ ይወስድ እዩ።

ኣብርሃም ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብርሃም ካብ ካልኦት ፍሉይ ምዃን ኣየፍርሆን እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ማእለያ ዘይብሎም ኣማልኽትን ጣኦታትን ኣብ ዜምልኹሉ ኸባቢ እዩ ዓብዩ። ኰይኑ ግና፡ ንርእይቶ ኻልኦት ፈሪሁ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኻብ ምግባር ድሕር ምሕር ኣይበለን። የግዳስ፡ ብትብዓት ካብ ካልኦት እተፈልየ መገዲ ህይወት ይስዕብ ነበረ፣ ነቲ በይኑ “ልዑል ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ኼገልግል ድማ መረጸ።—ዘፍጥረት 14:21, 22

ኣብርሃም ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዜቕርቦ ኣምልኾ የቐድም ነበረ። የሆዋ ነቲ ዜድልዮ ስጋዊ ነገራት ከም ዜማልኣሉ ብምትእምማን፡ ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮ ምሹእ ናብራ ሓዲጉ፡ ናብ በረኻ ኪኸይድ ፍቓደኛ ነበረ። ሓቂ እዩ፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኡር ዝነበሮ ምሾት ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ከም ዚከናኸኖም ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ብምሃብ ናብኡ ስለ ዝጠበቐ፡ ንትእዛዛት ኣምላኽ ንኺሕሉ ዜኽእሎ ትብዓት ኪረክብ ከኣለ።

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ዋላ እውን ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎ፡ ንየሆዋ ንኽንእዘዞ ዜድልየና ትብዓት ብምጥራይ፡ ንኣብርሃም ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈተውትን ኣዝማድን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ነቶም ኣብ የሆዋ ዚኣምኑ ሰባት ከም ዚጻረርዎም ይምህር እዩ። (ዮሃንስ 15:20) ይኹን እምበር፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርናዮ ነገራት እንተ ኣሚንናሉ፡ ብኣኽብሮት ኣብ ጐድኒ እቲ እንኣምነሉ ነገራት ደው ክንብል ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15

ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት ከም ዚከናኸኖም ክንተኣማመን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ህይወትና ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም እተተኵር ንኽንገብራ ዜድልየና ትብዓት ክንረክብ ኢና። (ማቴዎስ 6:33) ሓንቲ ስድራ ቤት ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝገበረት እስከ ንርአ።

ዳግን ቤኪን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ክልተ ውሉዳት እኳ እንተ ነበርዎም፡ ናብቲ ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ዜድልዩሉ ሃገር ኪግዕዙ ደለዩ። ተጠንቂቖም ምርምር ምስ ገበሩን ዕቱብ ጸሎት ምስ ኣቕረቡን፡ ኪግዕዙ ወሰኑ። ዳግ ከምዚ በለ፦ “ቈልዑ ሒዝካን እንታይ ከም ዜጋጥመካ ኸይፈለጥካን ምግዓዝ፡ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ክንግዕዝ ምስ ሓሰብና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃምን ሳራን ዝሓደግዎ ኣብነት ተመያየጥና። ብኸመይ ኣብ የሆዋ ኸም እተወከሉ፡ የሆዋ ኸኣ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ምሕሳብና ሓጊዙና እዩ።”

ዳግ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዜደንቕ መገዲ ኢና ተባሪኽና። ንናብራና ቐሊል ስለ ዝገበርናዮ፡ ብስድራ ቤት ኴንና ኽንሰብኽን ከነዕልልን ምስ ደቅና ኽንጻወትን ክኢልና ኢና። ነዚ ዘሎና ናጽነት ንምግላጽ፡ ቃላት ይሓጽረና” በለ።

ሓቂ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ኺገብር ዚኽእል፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ኵልና ነቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ቐዳምነት ብምሃብን ንሱ ኸም ዚድግፈና ብምትእምማንን ንኣብርሃም ንምሰሎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ፡ “ተቢዕና፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ . . . ንበል” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕቦ ኢና።—እብራውያን 13:5, 6

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ ሰብ በቲ ኣምላኽ ዚህቦ ትብዓት ተደሪኹ ንፍርሁ ብምስናፍ፡ ስጕምቲ ይወስድ እዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንኣምላኽ እትፈርህን ፍቕርትን ብዓልቲ ቤት

ሳራ ንሓደ እተደንቕ እምነት ዝነበረቶ ሰብኣይ ተመርዕያ እኳ እንተ ነበረት፡ ንሳ እውን እንተ ዀነት ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ስለ ዝነበረት፡ ብልጽቲ ኣብነት ትዀነና እያ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ ንኣብነታ ኪቐድሓኦ ኸም ዘለወን ንምግላጽ፡ ሰለስተ ሳዕ ብስማ ጠቒስዋ ኣሎ። (ኢሳይያስ 51:1, 2፣ እብራውያን 11:11፣ 1 ጴጥሮስ 3:3-6) ዋላ እኳ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ እዚኣ ዚገልጾ ነገራት ሒደት እንተ ዀነ፡ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዝነበራ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና።

ኣብርሃም ንሳራ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ካብ ኡር ኪወጹ ዚእዝዝ መምርሒ ምስ ነገራ፡ ኣብ ፈለማ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ናበይ ከም ዚኸዱን ስለምንታይ ይኸዱ ኸም ዘለዉን ኣተሓሳሲብዋዶ፧ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ተሻቒላዶ፧ ንፈተውታን ንስድራ ቤታን እንደገና መዓስ ከም እትርእዮም ከይፈለጠት ሓዲጋቶም ብምኻዳ ጕህያዶ፧ ነዚ ነጥብታት እዚ ኸም ዝሓሰበትሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንተኣዛዝነታ ኸም ዚባርኾ ብምትእምማን፡ ምስ ሰብኣያ ብፍታው ከደት።—ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3

ሳራ እዝዝቲ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንፍዕቲ ብዓልቲ ቤት እውን እያ ነይራ። ንስድራ ቤት ዚምልከት ጕዳያት ኪልዓል ከሎ፡ ምስ ሰብኣያ ኣይትወዳደርን እያ ነይራ፣ የግዳስ፡ ንሰብኣያ ኻብ ልባ ተኽብሮን ነታ ስድራ ቤት ኪመርሓ ኸሎ ብፍቕሪ ተደሪኻ ትድግፎን ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ስልማታ፡ እቲ ዜደንቕ ውሽጣዊ ባህርያታ እዩ ነይሩ።—1 ጴጥሮስ 3:1-6

እሞኸ እዚ ባህርያት እዚ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ ኺጠቕመን ይኽእል ድዩ፧ ካብ እትምርዖ ልዕሊ 30 ዓመት ዝገበረት ጂል፡ “ከይተሰከፍኩ ንሰብኣየይ ርእይቶይ ክገልጸሉ ኸም ዘሎኒ፡ ካብ ኣብነት ሳራ ተማሂረ እየ። ኰይኑ ግና፡ ሰብኣየይ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ ንሱ እዩ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዚገብር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ውሳነ ኣብ ምትግባር እጃመይ እገብር” በለት።

ይኹን እምበር፡ ሳራ ዝሓደገቶ ዝበለጸ ኣብነት፡ ብኣካላዊ ጽባቐኣ ዘይትዕበ ምንባራ እዩ። (ዘፍጥረት 12:10-13) ኣብቲ ምስ ሰብኣያ ዘሕለፈቶ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ እዋን፡ ንኣብርሃም ብትሕትና ትድግፎ ነበረት። ኣብርሃምን ሳራን፡ እሙናትን ትሑታትን ፈቃራትን ሰብ ሓዳር ስለ ዝነበሩ፡ ንሓድሕዶም ንበረኸት እዮም ዚዀኑ ነይሮም።