ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ይንበ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ይንበ ድዩ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ይንበ ድዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ ድዩ፧

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ መጻኢ ብዝርዝር ኪፈልጥ ዚኽእል። (ኣሞጽ 3:7) ንኣብነት፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም ከም ዚመጽእ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ሕማም ናጻ ዝዀነ ፍጹም ህይወት ከም ዚህልዎም ዚገብር መራሒ ምዃኑ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 22:18፣ ኢሳይያስ 53:4, 5) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ እውን ተነጊሩ ነይሩ እዩ።ሚክያስ 5:2 ኣንብብ።

የሱስ፡ እቲ መሲሕ ምዃኑ ተፈልጠ። ልዕሊ 700 ዓመት ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ መሲሕ ካብ ድንግል ከም ዚውለድን ብኻልኦት ከም ዚጽላእን ተነብዩ ነይሩ እዩ። ምእንቲ ሓጢኣት ብዙሓት ሰባት ኢሉ ህይወቱ ኸም ዚህብን ምስ ሃብታማት ከም ዚቕበርን እውን ተነጊሩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 7:14፣ 53:3, 9, 12) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 500 ዓመት ይገብር፡ እቲ መሲሕ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ከም ዚኣቱን ብ30 ሰልዲ ብሩር ኣሕሊፍካ ኸም ዚወሃብን ገሊጹ ነይሩ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ትንቢት ከኣ ተፈጺሙ እዩ።ዘካርያስ 9:9፣ 11:12 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ብዛዕባ ዕለት ይንበ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 500 ዓመት ይገብር፡ ብዛዕባ እታ እቲ መሲሕ ዚመጸላ ዓመት ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቲ መሲሕ ዚመጸሉ እዋን፡ ብናይ ዓመታት ሰሙናት እዩ ዚልካዕ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነፍሲ ወከፍ “ሰሙን፡” ሸውዓተ ዓመት እያ እተመልክት። ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ መሲሕ ዚመጽእ፡ ሸውዓተ ሰሙን እተደመሮ 62 ሰሙን፡ ማለት 69 ናይ ዓመታት ሰሙናት ኪሓልፍ ነበሮ። እዚ ኸኣ፡ 483 ዓመት ማለት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካበየናይ ዓመት እዩ ምቝጻር ዚጅመር፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ነህምያ ናብ የሩሳሌም ከይዱ፡ እንደገና ነታ ኸተማ ኺሃንጻ ምስ ጀመረ እዩ ምቝጻር ዚጅመር። እዚ ኸኣ ብመሰረት ታሪኽ ፋርስ፡ ብ455 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። (ነህምያ 2:1-5) የሱስ ድሕሪ 483 ዓመት፡ ማለት ብ29 ድ.ክ. ኣብ ልክዕ ግዜኡ መሲሕ ኰይኑ ተጠምቀ።ዳንኤል 9:25 ኣንብብ።

3. ሎሚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸምዶ ኣሎ፧

የሱስ ኣብዚ ግዜና ኣገዳሲ ፍጻመታት ከም ዜጋጥም ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቲ ትንቢት፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ እዚ ብስራት እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ዕረፍቲ የምጽኣሎም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንብምሉኡ እዚ እንነብረሉ ዘለና እኩይ ስርዓት ከተጥፍኦ እያ።ማቴዎስ 24:14, 21, 22 ኣንብብ።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እውን ብዝርዝር ይገልጽ እዩ። ብዙሕ ምዕባለታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኸም ዜዕንውዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ፌራን ዜስዕቦ ጓሂ ኸም ዚውስኽ እውን ይሕብር እዩ። (ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 11:18) ብዘይካዚ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዜንቈልቍል ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ እዋን እናነበሩ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩሎም ኣለዉ።ማቴዎስ 24:3, 7, 8፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።

4. ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቶም እሙናት ሰባት ብዙሕ ሰናይ ነገራት ኪገብረሎም እዩ። እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምስቶም እተሓርዩ ሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ ንምድሪ ኺገዝኣ እዩ። የሱስን እቶም እተሓርዩ ሰባትን ነታ ንሽሕ ዓመት እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ ዜቝሙ እዮም። ምዉታት ኪትንስኡ እዮም፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምውራስ ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኼርእዩ ኸኣ፡ ኣጋጣሚ ኺወሃቦምን ኪፍረዱን እዮም። ብዘይካዚ፡ እታ መንግስቲ ንዅሉ ሰብ ካብ ሕማም ናጻ ኽትገብሮ እያ። ሕማምን ሞትን ድማ ኪጠፍእ እዩ።ራእይ 5:10፣ 20:6, 12፣ 21:4, 5 ኣንብብ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ ገጽ 23-25 ከምኡውን ኣብ ገጽ 197-201 እዛ ኣብዚ ተሳኢላ ዘላ? መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።