ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ የሆዋ ኣምላኽካ እየ’

‘ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ የሆዋ ኣምላኽካ እየ’

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ የሆዋ ኣምላኽካ እየ’

ሓደ ኣቦ ንንእሽቶ ወዱ፡ ብዙሓት ማካይን ብዚመላለሳሉ ጐደና ኺሳገሩ ኸለዉ፡ “ኢደይ ሕዘኒ” ይብሎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ነቲ ሓያል ኢድ ኣቦኡ ዝሓዘ ቘልዓ፡ ድሕንነትን ዕቝባን ይስምዖ። ንስኻኸ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ዜስግእ ነገራት ምእንቲ ኽትሰግሮ፡ ብኢድካ ሒዙ ዚመርሓካ ኽትረክብ ተመኒኻዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ እተን ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት ኬጸናንዓኻ ይኽእላ እየን።—ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ።

ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከም ‘ገንዘቡ’ ገይሩ ይርእዮም እኳ እንተ ነበረ፡ ብጸላእቲ እዮም ተኸቢቦም ነይሮም። (ዘጸኣት 19:5) እሞኸ እስራኤላውያን ኪፈርሑዶ ይግብኦም ነይሩ፧ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ለኣኸሎም። ንቓላት እቲ መልእኽቲ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ከም ዜመልክት ንዘክር።—ሮሜ 15:4

የሆዋ፡ “ኣይትፍራህ” ዚብል ምሕጽንታ ኣቕረበ። (ፍቕዲ 10) እዚ ባዶ መብጽዓ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ህዝቡ ኺፈርሁ ዘይብሎም ስለምንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምሳኻ እየ” ኢሉ እዩ። እወ፡ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ከም ዚመጽእ ጥራይ ዚመባጻዕ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ምንጪ ደገፍ ኣይኰነን። ህዝቡ፡ ምስኦም ከም ዝዀነን ምእንቲ ኺድግፎም ኢሉ ኸኣ ኣብ ጐድኖም ደው ከም ዚብልን ኪፈልጡ እዩ ዚደሊ። እዝስ ዜጸናንዕ ሓሳብ ደይኰነን፧

የሆዋ ኣስዕብ ኣቢሉ ንኣምለኽቱ፡ “ኣይትሸበር” ኢሉ ኣተባብዖም። (ፍቕዲ 10) እታ ኣብዚ “ኣይትሸበር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ነቶም “ዚጐድኦም ነገር እንተ ኣልዩ ንምርግጋጽ ግልጽ ምልጽ ዚብሉ” ሰባት ከተመልክት ትኽእል እያ። የሆዋ፡ ህዝቡ ኺጭነቑ ዘይብሎም ስለምንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ” በለ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ መተባብዒ እዩ ኺርከብ፧ የሆዋ፡ ‘ልዑልን ኵሉ ዚኽእልን’ እዩ። (መዝሙር 91:1) እቲ ዅሉ ዚኽእልን ሓያልን ዝዀነ የሆዋ ዝኣምላኾም ህዝቢ ኻብ ኰኑ ደኣ እሞ፡ እንታይ ዜፍርህ ኣለዎም፧

እሞኸ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ካብኡ እንታይ እዮም ኪጽበዩ ዚኽእሉ፧ ንሱ፡ “ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። (ፍቕዲ 10) “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ . . . እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እየ” ኢሉ እውን ኣሎ። (ፍቕዲ 13) ነዘን ቃላት እዚኣተን ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “እዘን ክልተ ፍቕድታት እዚኣተን ብሓባር፡ ወላድን ውሉድን እየን ኣብ ኣእምሮኻ ዚስእላልካ። [እቲ ኣቦ] ንወዱ ኣብ ግዜ ጸገም ይከላኸለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣካል እውን ምስኡ ይኸውን እዩ፣ ወዱ ኻብኡ ኺፍለ ድማ ኣይፈቅድን እዩ” በለ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ፡ ህዝቡ ጽንኩር ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ካብኡ ኺፍለዩ ኣይፈቅድን እዩ።—እብራውያን 13:5, 6

ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ካብ ቃላት ኢሳይያስ ዝያዳ ምጽንናዕ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ሓድሓደ ግዜ እቲ ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጥታት ልዕሊ ዓቕምና ኸም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ይኹን እምበር፡ ነቲ ጸገማት በይንና ኽንጾሮ ኣየድልየናን እዩ። የሆዋ ብኢድና ኺሕዘና ፍቓደኛ እዩ። ንሕና እውን፡ ንሱ ብቕኑዕ ሸነኽ ከም ዚመርሓናን ኣብ ግዜ ጸገም ከም ዚድግፈናን ብምትእምማን፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ወለዶም ዚውከሉ ቘልዑ፡ ኣብኡ ኽንውከልን ነታ ሓያል ኢዱ ኽንሕዛን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 63:7, 8

ንጥሪ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ኢሳይያስ 24-42