ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነት ዘሕለፈት መንእሰይ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክትነብር ዝጀመረት ብኸመይ እያ፧ ሓደ ኣብ ፖለቲካዊ ዓመጽ ዚካፈል ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሰላማዊ ብምዃን ናይ ሃይማኖት ኣገልጋሊ ንኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ኣንብቦ።

“ምዉቕ ፍቕሪ ኽረክብ እየ ዝደሊ ነይረ።”—ኢና ለዥኒነ

ዓመተ ልደት፦ 1981

መበቈል ሃገር፦ ሩስያ

ታሪኽ፦ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ክውለድ ከለኹ፡ ጽምምቲ እየ ነይረ፣ ወለደይ እውን ጽሙማን እዮም ነይሮም። እተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ባህ ዜብላ እየን ነይረን። ድሕሪኡ ግና፡ ወለደይ ተፋትሑ። ሽዑ ገና ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ፍትሕ እንታይ ማለት ምዃኑ ስለ እተረድኣኒ፡ ኣዝየ ጐሃኹ። ድሕሪ እቲ ፍትሕ፡ ኣቦይን ምዕባየይ ሓወይን ኣብ ትሮይትስክ ይነብሩ ነበሩ፣ ኣደይ ከኣ ንዓይ ሒዛትኒ ናብ ቸልያቢንስክ ገዓዘት። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ እንደገና ተመርዓወት። ሰብኣይ ኣደይ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዝነበረ፡ ንዓይን ንኣደይን ይቕጥቅጠና ነበረ።

ብ1993 እቲ ዝፈትዎ ሓወይ ኣብ ማይ ጥሒሉ ሞተ። እዚ ኸኣ ንስድራ ቤትና ኣዝዩ ኣሰምበዳ። ኣደይ ውልፍቲ ኣልኮላዊ መስተ ዀነት፣ ልክዕ ከም ሰብኣይ ኣደይ ከኣ፡ ትገፍዓኒ ነበረት። ዝሓሸ ህይወት ንኽረክብ ክጽዕር ጀመርኩ። ምዉቕ ፍቕሪ ኽረክብ እየ ዝደሊ ነይረ። መጸናንዒ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እተፈላለያ ሃይማኖታት ክምርምር ጀመርኩ፣ ጻዕረይ ግና ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ጓል 13 ዓመት ከለኹ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር መማህርተይ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ዛንታታት ነገረትኒ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኸም እኒ ኖህን እዮብን ዝኣመሰሉ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኣምላኽ ዘገልገልዎ ሰባት ብምፍላጠይ ተሓጐስኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርን ኣብ ኣኼባታቶም ክእከብን ጀመርኩ።

ዝገበርክዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ዜደንቕ ሓቅታት ንኽፈልጥ ኣዒንተይ ከፊቱለይ እዩ። ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ብምፍላጠይ ተተንኪፈ እየ። (መዝሙር 83:18NW) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህሉ ዅነታት እተነበዮ ነገራት ልክዕ ምዃኑ ብምፍላጠይ ተደኒቐ እየ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እተመሃርክዎ ትምህርቲ እውን ኣሐጒሱኒ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ! ንሓወይ እንደገና ኽረኽቦ እየ ማለት እኮ እዩ!—ዮሃንስ 5:28, 29

ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ከማይ ተሓጒሱ። ኣደይን ሰብኣይ ኣደይን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጸልእዎም ነበሩ። ነቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸቋርጾ ድማ ጸቕጢ ኺገብሩለይ ፈተኑ። ኣነ ግና ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ እፈትዎ ብምንባረይ፡ ፈጺመ ኣየቋረጽክዎን።

ካብ ስድራ ቤተይ ዚመጽእ ዝነበረ ምጽራር ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ምሳይ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኸይድ ዝነበረ ምንኣሰይ ሓወይ ኣብ ማይ ጥሒሉ ምስ ሞተ፡ ንስድራ ቤትና ኻልእ ዜሰምብድ ነገር ኣጋጠማ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዛ ጐድነይ ኣይተፈልዩን። ነቲ ኻብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዘ ዝምነዮ ዝነበርኩ ምዉቕ ፍቕሪ ኣብኣቶም ረኸብክዎ። ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብኩ ድማ ተገንዘብኩ። ብ1996 ከኣ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስቲ ዲሚትሪ ዚብሃል ንፉዕ ሰብኣይ ካብ ዝምርዖ፡ ሽዱሽተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ብሓባር ኴንና ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓዪ ኣለና። ድሕሪ ግዜ፡ ወለደይ ብዛዕባ እምነተይ ዝነበሮም ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ።

ንየሆዋ ኽፈልጦ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ንዕኡ ምግልጋል፡ ህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ።

“ብዙሕ ሕቶታት የጨንቐኒ ነበረ።”—ራውደል ሮድሪገዝ ሮድሪገዝ

ዓመተ ልደት፦ 1959

መበቈል ሃገር፦ ኩባ

ታሪኽ፦ ኣብ ፖለቲካዊ ዓመጽ ዚካፈል ዝነበረ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ሃቫና፡ ኩባ እየ ተወሊደ፣ ድኻታት ኣብ ዚነብሩሉን ባእሲ ኣብ ዚበዝሓሉን ከባቢ ኸኣ እየ ዓብየ። እናዓበኹ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ኣብቲ ጁዶ ዚብሃል ዓይነት ስፖርትን ኣብ ካልእ ዓይነት ቅልስን ተገዳስነት ከሕድር ጀመርኩ።

ንፉዕ ተመሃራይ ስለ ዝነበርኩ፡ ወለደይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኽኣቱ ኣተባብዑኒ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸለኹ፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ዓድና ኪቕየር ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ ስልጣን ክዓሉ ወሰንኩ። ኣነን መማህርተይን ከኣ፡ ንሓደ ፖሊስ ብምጥቃዕ፡ ሽጉጡ ኸነሕድጎ ፈተንና። ብሰንኪ እዚ፡ እቲ ፖሊስ ኣብ ርእሱ ኸቢድ ጕድኣት ወረዶ። ኣነን መማህርተይን ድማ፡ ብሰሪ እቲ ዝገበርናዮ መጥቃዕቲ፡ ብጕጅለ ወተሃደራት ክንርሸን ተፈረድና። ገና ወዲ 20 ዓመት ክነሰይ፡ ሞት ይጽበየኒ ነበረ።

ኣብታ ንበይነይ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ዀይነ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ረሸንቲ እንታይ ከም ዝገብር እለማመድ ነበርኩ። ዝዀነ ይኹን ፍርሂ ኼርኢ ኣይደልን እየ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ሕቶታት የጨንቐኒ ነበረ። ‘ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዚግበር ስለምንታይ እዩ፧ ህይወት ማለት እዚ ጥራይ ድዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ክንርሸን ተሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ፍርዲ ናብ ናይ 30 ዓመት ማእሰርቲ ተቐየረልና። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ እየ ምስቶም ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸብኩ። ነቲ ዝነበሮም ትብዓት ግናኸ ሰላማዊ ባህርይ ምስ ረኣኹ፡ ኣዝየ ተደነቕኩ። ብጌጋ እኳ እንተ ተኣስሩ፡ ኣይሓረቑን ወይ ኣይተመረሩን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዚምልከት ዕላማ ኸም ዘለዎ መሃሩኒ። ነዛ ምድሪ ናብ ገነት ብምቕያር፡ ካብ ገበንን ዘይፍትሓዊ ነገራትን ናጻ ኸም ዚገብራ እውን፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዩኒ። ምድሪ በቶም ፍጹማት ኰይኖም ንዘለኣለም ዚነብሩ ጻድቃን ከም እትምላእ ከኣ መሃሩኒ።—መዝሙር 37:29

ንትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እፈትዎ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ባህርየይ ግና ከምቲ ናቶም ኣይኰነን ነይሩ። ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ምዃን ወይ የማንካ ንዚጸፍዓካ ጸጋምካ ምምላስ፡ ኣባይ ዚዓዪ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ስለዚ፡ ባዕለይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ወሰንኩ። ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ፡ ነቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዚመላለሱሉ ዝነበሩ መገዲ ዚስዕቡ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ምዃኖም ተገንዘብኩ።

ካብቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። ንኣብነት፡ ብተደጋጋሚ ጽዩፍ ዘረባ እዛረብ ስለ ዝነበርኩ፡ ዘረባይ ከጽሪ ነበረኒ። ብዘይካዚ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኸቋርጾ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ከኣ ገለልተኛ ክኸውን ነበረኒ። ነዚ ለውጥታት እዚ ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ተዓወትኩ።

ይኹን እምበር፡ ልዕሊ ዅሉ ዝኸበደኒ፡ ቍጥዓይ ምቍጽጻር እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ርእሰይ ምእንቲ ኽቈጻጸር፡ እጽሊ እየ። እቲ ኸም ምሳሌ 16:32 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ” ትብል።

ብ1991 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረ ፊስቶ እየ ተጠሚቐ። ንዓመታኡ፡ ገሌና እሱራት ተፈታሕና፣ ኣብ ስጳኛ ኣዝማድ ስለ ዝነበሩና ድማ፡ ናብኡ ተለኣኽና። ኣብ ስጳኛ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ፡ ጽቡቕ ገይሮም ተቐበሉኒ፣ እግሪ ንኽተክል ከኣ ሓገዙኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ምስ ሰበይተይን ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቀይን ኰይነ ንኣምላኽ ተሓጒሰ አገልግሎ ኣለኹ። ንመብዛሕትኡ ግዜይ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር እየ ዘሕልፎ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኺርሸን ዚዳሎ ዝነበረ መንእሰይ እሓስብ እየ፣ ነቲ ኻብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ዝረኸብክዎ ነገራት ከኣ አማስወሉ እየ። ሕጂ ብህይወት ብምህላወይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተስፋ ዘሎኒ ብምዃነይ እውን አማሱ እየ። ነታ ፍትሒ ዚሰፍነላን ‘ሞት ዘይህልወላን’ ኣምላኽ እተመባጽዓ ገነት ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ።—ራእይ 21:3, 4

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ብምፍላጠይ ተተንኪፈ እየ”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ሰብኣየይን ብቛንቋ ምልክት ዚወጽእ ሕታማት ተጠቒምና ኸነገልግል ኸለና