ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

▪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት፡ የሆዋ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ኸም ዝሓተቶ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 22:2) ገሊኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሓሳብ እዚ ብቐሊሉ ኣይርድኦምን እዩ። ካረል ዚብሃል ፕሮፌሰር፡ “ነዚ ታሪኽ እዚ ብቘልዓይ ምስ ሰማዕክዎ፡ ሓሪቐ እየ” በለ። “እንታይ ዓይነት ኣምላኽ እዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ዚሓትት” ኢሉ ኸም ዝሓሰበ እውን ገለጸ። ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኪስምዖም ርዱእ እኳ እንተ ዀነ፡ ክልተ ነጥብታት ምዝካርና ሓጋዚ እዩ።

ቀዳማይ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዘይገበረ ንርአ። ኣብርሃም ወዱ ኺስውእ ተዳልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ኣይፈቐደሉን። ብድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኻልእ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ሓቲቱ ኣይፈልጥን እዩ። የሆዋ፡ ኵሎም ኣምለኽቱ፡ እንተላይ ቈልዑ፡ ነዊሕን ዜዕግብን ህይወት ኪነብሩ እዩ ዚደሊ።

ካልኣይ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተተሉ ፍሉይ ምኽንያት ከም ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ ወዱ * ኣብ ክንዳና ኺመውት ከም ዚፈቅድ ዘመናት ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ነዚ መስዋእቲ እዚ ንኺፈቅድ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ድማ ኬረድኣና ደለየ። በቲ ንኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶ ገይሩ ኸኣ ዜእምን መርኣያ ኣቕረበ። እቲ መርኣያ እቲ፡ ነቲ የሆዋ ጸኒሑ ዝፈቐዶ መስዋእቲ ወዱ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ . . . ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ” በሎ። ነዘን ቃላት እዚኣተን እስከ ንመርምረን። (ዘፍጥረት 22:2) የሆዋ ብዛዕባ ይስሃቅ፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። የሆዋ፡ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣዝዩ ኸም ዚፈትዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ባዕሉ እውን ብዛዕባ ወዱ የሱስ እንታይ ከም ዚስምዖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንወዱ የሱስ፡ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ብቐጥታ፡ “ፍትዊ ወደይ” ከምኡውን “ዘፍቅሮ ወደይ” ብምባል ክልተ ግዜ ኻብ ሰማይ ብዛዕባኡ ተዛሪቡ እዩ።—ማርቆስ 1:11፣ 9:7

የሆዋ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ኺሓትቶ ኸሎ፡ ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ብትእዛዛዊ ዘይኰነስ ብትሕትና ኸም ዝሓተቶ ዜመልክት ኣዘራርባ እዩ ተጠቒሙ። ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተጠቕመሉ ኣዘራርባ እንታይ ከም ዚሕብር ኬብርህ ከሎ፡ “ጐይታ፡ እቲ ዝሓተቶ ሕቶ ንምትግባሩ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይግንዘብ ከም ዝነበረ ዚሕብር” ምዃኑ ገለጸ። ኣብርሃም በቲ ንኺፍጽሞ እተሓተቶ ሕቶ ኽሳዕ ክንደይ ሓዚኑ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንግምት ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ነቲ የሆዋ ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ኪርእዮ ኸሎ እተሰምዖ ስምዒት፡ ክንግምቶ ጥራይ ኢና እንኽእል። የሆዋ ቕድሚኡ ዀነ ብድሕሪኡ ኸምኡ ዝኣመሰለ ስቓይ ፈጺሙ ኣሕሊፉ ኸም ዘይፈልጥ ርዱእ እዩ።

እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ዚስምዓና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ኣበው፡ ንወዱ ኺስውኦ ኸም ዘይፈቐደሉ ኽንዝክር ኣሎና። የሆዋ ንኣብርሃም ብመስዋእቲ ወዱ ኺሳቐ ኣይሓደጎን፣ እወ፡ ንይስሃቅ ካብ ሞት ኣዕቈቦ። ንወዱ የሱስ ግና፡ ‘ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር፡’ ኣየዕቈቦን። (ሮሜ 8:32) የሆዋ ብፍታው ነዚ ኸቢድ ስቓይ እዚ ዘሕለፈ ስለምንታይ እዩ፧ “ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ” እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9) እዝስ፡ ኣምላኽ ንዓና ኸም ዜፍቅረና ዚገልጽ ከመይ ዝበለ ሓያል መዘኻኸሪ ዀን እዩ! ንሕናኸ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝገበረልና፡ ፍቕርና ኽንገልጸሉ ኣይንድረኽንዶ፧ *

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ቓል ብቓሉ ብሰበይቲ ኣቢሉ ኸም ዝወለዶ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ነዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ኸም ዝፈጠሮ፡ ካብ ድንግል ማርያም ንኺውለድ ከኣ ናብ ምድሪ ኸም ዝለኣኾ እዩ ዚምህር። ኣምላኽ ንየሱስ ስለ ዝፈጠሮ ኸኣ፡ ኣቦኡ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ሞት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምንባሩ፡ ንሕና ድማ ሞሳና ብኸመይ ክንገልጸሉ ኸም እንኽእል ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።