ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ኣስቴር ቀስ ኢላ ናብቲ ዝፋን ቀረበት፡ ትርግታ ልባ ኸኣ ወሰኸ። ሽዑ፡ ኣብቲ ኣብ ሱሳን ኣብ ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ፋርስ ዝነበረ ዓብዪ ኽፍሊ ንጉስ፡ እንታይ ዓይነት ጸጥታ ሰፊኑ ኸም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣዝዩ ጸጥ ካብ ምባሉ እተላዕለ፡ ኣስቴር ንድምጺ እቲ ቐስ እናበለት እትስጕሞ ዝነበረት ስጕምቲ እግራ ዀነ ንሓሸውሸውታ ኽዳና ኽትሰምዖ ትኽእል ነበረት። ኣቓልቦኣ በቲ ምዕሩግ ቤተ መንግስቲ፡ በቲ ውቁብ ኣዕኑድ፡ በቲ ኻብ ርሑቕ ቦታ፡ ማለት ካብ ሊባኖስ ብዝመጸ ጽሕዲ እተቐርጸ ናሕሲ ኣይተሰርቀን። ኣብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ህይወታ ኣብ ኢዱ ዝወደቐት ሰብኣይ እያ ምሉእ ኣቓልቦኣ ዝገበረት።

ንጉስ፡ ኣስቴር ናብኡ ኽትቀርብ ከላ ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ፡ ነቲ ዘንጊ ወርቁ ድማ ዘርግሓላ። እዚ ቐሊል ዚመስል ምዝርጋሕ ዘንጊ፡ ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዎ፣ ከመይሲ፡ ንህይወት ኣስቴር ዜድሕን ምልክት እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ብእኡ ኸይተጸውዐት ኣብ ቅድሚኡ ብምቕራባ ዝፈጸመቶ በደል ምሕረት ገበረላ። ኣስቴር ናብቲ ዝፋን ምስ ቀረበት፡ ምስጋናኣ ንምግላጽ ተመጣጢራ ንርእሲ እቲ ዘንጊ ተንከየት።—ኣስቴር 5:1, 2 *

ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኵለንትናኡ ኣዝዩ ሃብታምን ሓያልን ሰብኣይ ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብር። ኣብቲ ግዜ እቲ ነገስታት ፋርስ ዚኽደንዎ ዝነበሩ ኽዳን፡ ብናይ ሎሚ ገንዘብ ክትመን ከሎ፡ ኣማእታት ሚልዮናት ዶላራት እዩ ዜውጽእ። ይኹን እምበር፡ ኣስቴር ሰብኣያ ኸም ዝፈተዋ ኻብ ኣዒንቱ ኸተንብብ ክኢላ እያ። ኣሓሽዌሮስ፡ “ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ እንታይሲ ትደልዪ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተ ዀይኑ ኺወሀበኪ እዩ” ምባሉ ኸም ዘፍቀራ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—ኣስቴር 5:3

ኣስቴር ነቲ ንህዝባ ንምጽናቶም እተኣልመ ውዲት ንኸተፍሽል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብምቕራብ፡ ፍልይቲ እምነትን ትብዓትን ከም ዝነበራ ድሮ ኣርእያ ነይራ እያ። ዛጊት ተዓዊታ እኳ እንተ ነበረት፡ ዝዓበየ በዳሂ ዅነታት ይጽበያ ነበረ። ነዚ ኽቡር ንጉስ እዚ፡ እቲ ኣዝዩ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ፡ ንዕኡ ኣታሊሉ ንህዝባ ንሞት ከም ዚፍረዱ ዝገበረ እኩይ ሰብኣይ ምዃኑ ኸተእምኖ ነበራ። እሞኸ፡ ኣርዲኣ ኸተእምኖ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ካብ እምነታኸ እንታይ ንመሃር፧

‘እትዛረበሉ ግዜ’ ብጥበብ መረጸት

ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ሰባት ድያ ኽትድርጕሖ ነይርዋ፧ ከምኡ እንተ ትገብር ነይራ፡ ምናልባት ንጉስ ምተዋረደ፡ እቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ሃማን ከኣ ንኺማጐት ኣጋጣሚ ምተኸፈተሉ ነይሩ። ስለዚ፡ እንታይ ገበረት፧ እቲ ቕድሚ እዚ ፍጻመ እዚ ዘመናት ኣቐዲሙ ዚነብር ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ . . . ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” በለ። (መክብብ 3:1, 7) እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ማርዶካይ፡ ንኣስቴር ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓት እናመሃረ ኸም ዘዕበያ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ኣስቴር፡ ‘እትዛረበሉ ግዜ’ ተጠንቂቓ ኽትመርጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እተገንዘበት ፍሉጥ እዩ።

ኣስቴር፡ “ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘሎኹ ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ኰይኑ ሎሚ ይምጻእ” በለት። (ኣስቴር 5:4) ንጉስ ተሰማምዐ፡ ንሃማን እውን ኣጸውዖ። ኣስቴር ብኸመይ ብጥበብ ከም እተዛረበት ኣስተብሂልካዶ፧ ንሰብኣያ ኽብረቱ ሓልያትሉ እያ፡ ሻቕሎታ ኽትነግረሉ እትኽእል ዝያዳ ምሹእ ግዜ ድማ ፈጠረት።

ኣስቴር ነቲ ምሳሕ ንዅሉ ምርጫታት ሰብኣያ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዘዳለወቶ ፍሉጥ እዩ። ባህ ምእንቲ ኺብሎ ኢላ፡ ወይኒ እውን ኣዳለወት። (መዝሙር 104:15) ኣሓሽዌሮስ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ንኣስቴር ልማኖኣ እንታይ ምዃኑ ኽትገልጸሉ ደጊሙ ሓተታ። እሞኸ፡ ሽዑ እትዛረበሉ ግዜ ድዩ ነይሩ፧

ኣስቴር ሽዑ እትዛረበሉ ግዜ ዀይኑ ኣይተሰምዓን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጽባሒቱ ኻልኣይ ምሳሕ ብምድላው ንንጉስን ንሃማንን ዓደመቶም። (ኣስቴር 5:7, 8) ንምንታይ እያ ተደናጕያ፧ ብኣዋጅ ንጉስ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣስቴር ሞት ይጽበዮም ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ኣስቴር ነዚ ሓደገኛ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ እትዛረበሉ ህሞት ኣብቲ ልክዕ ግዜኡ ምዃኑ ኸተረጋግጽ ነበራ። ስለዚ ድማ፡ ንሰብኣያ ኽሳዕ ክንደይ ኣዝያ ኸም እተኽብሮ ንኸተርእዮ ኻልእ ኣጋጣሚ ተጸበየት።

ትዕግስቲ ኣብ ብዙሓት ዘይትርከብ፡ ኣዝያ ኽብርቲ ባህርይ እያ። ኣስቴር ተጨኒቓን ሓሳባታ ንምግላጽ ተሃንጥያን እኳ እንተ ነበረት፡ ምሹእ ግዜ ኽሳዕ እትረክብ ብትዕግስቲ ተጸበየት። ኵላትና ኺዕረ ዘለዎ ጌጋታት ኣጋጢሙና ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ካብቲ ኣስቴር ዝገደፈቶ ኣብነት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንሓደ ብዓል ስልጣን ሓደ ጸገም ንኺፈትሓልና ኸነእምኖ ምስ እንደሊ፡ ኣሰር ኣስቴር ብምስዓብ ዕጉሳት ክንከውን ኬድልየና ይኽእል እዩ። ምሳሌ 25:15፡ “ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር” ትብል። ከምቲ ኣስቴር ዝገበረቶ፡ እንዛረበሉ ብቑዕ ግዜ ብትዕግስቲ ብምጽባይ፡ ብልዙብ መልሓስ ምስ እንዛረብ፡ ከም ዓጽሚ ዚተርር ተቓውሞ እውን ከይተረፈ ኺስበር ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽከ ነቲ ኣገልጋሊቱ ኣስቴር ዘርኣየቶ ትዕግስትን ጥበብን ባሪኽዎ ድዩ፧

ትዕግስቲ ንፍትሒ መገዲ ትኸፍት

ኣስቴር ብትዕግስታ ንተኸታታሊ ፍጻመታት መገዲ ኸፊታ እያ። ሃማን ኣብቲ ቐዳማይ ምሳሕ ንጉስን ንግስትን ሞገሶም ስለ ዝሃብዎ፡ “ባህ ኢልዎ፡ ልቡ ተሐጒሱ” ወጸ። ግናኸ፡ ሃማን ብደገ ኣዳራሽ ንጉስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ኣዒንቱ ኣብቲ ፍሉይ ኣኽብሮት ከይህቦ ዝኣበየ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣተኰራ። ማርዶካይ ፍሉይ ኣኽብሮት ከይህቦ ዝኣበየ፡ ካብ ንዕቀት እተላዕለ ዘይኰነስ፡ ንሕልናኡን ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን ንኸየበላሹ ኢሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃማን ንማርዶካይ ምስ ረኣዮ፡ “ቍጥዓ መልኦ።”—ኣስቴር 5:9

ሃማን ንሰበይቱን ንፈተውቱን ብዛዕባ ማርዶካይ ነገሮም። ሽዑ ንሳቶም፡ ሓምሳ እመት (22 ሜተር) ዝምንዋሑ ዓብዪ ጕንዲ ኼዳሉ እሞ፡ ንንጉስ ነጊሩ ንማርዶካይ ኣብኡ ኺሰቕሎ መኸርዎ። ሃማን ንምኽሮም ተሰማምዓሉ፡ ጕንዲ ኸኣ ኣዳለወ።—ኣስቴር 5:12-14

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዜልቦ ሐደረ” ይብለና። ስለዚ ድማ፡ ኣሓሽዌሮስ እቲ ወግዓዊ መጽሓፍ መዘከርታ መንግስቲ ኸም ዚንበበሉ ገበረ፣ ውዲት ተኣሊሙሉ ኸም ዝነበረ ኸኣ ተነብበ። ንጉስ ነቲ ጕዳይ እቲ ዘከሮ። እቶም ውዲት ዝኣለሙሉ ሰባት ተታሒዞም ተቐቲሎም እዮም። እቲ ነቲ ውዲት ዘቃልዖ ማርዶካይከ እንታይ ተገብረሉ፧ ሽዑ ንጉስ፡ ንማርዶካይ እንታይ ከም እተገብረሉ ሓተተ። እንታይ መልሲኸ ተዋህቦ፧ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተገብረሉ ተነግሮ።—ኣስቴር 6:1-3

ንጉስ ድማ ብሃወኽ፡ ነዚ ብዘይፍላጥ እተገብረ ጌጋ ንምእራም ኪሕግዞ ዚኽእል፡ ካብ ሰበ ስልጣን መን ከም ዘሎ ሓተተ። ካብ ኵሎም ሰበ ስልጣን፡ ሃማን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ነበረ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብኡ እተረኽበሉ ምኽንያት ድማ ንማርዶካይ ንምቕታል ፍቓድ ኪወሃቦ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ገና ሕቶኡ ኸየቕረበ ኸሎ፡ ንጉስ ንሃማን፡ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኪግበረሉ ኸም ዚግባእ ሓተቶ። ሃማን፡ ንጉስ ብዛዕባኡ ዝሓሰበ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኽብሪ ኺወሃቦ፡ ንጉስ ዚኽደኖ ልብሰ መንግስቲ ኪኸድንዎ፡ ኣብቲ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስ ኣወጢሖም ከኣ ብዝለዓሉ ሰበ ስልጣን ተዓጂቡ ብኣደባባይ ከተማ ሱሳን ኬሕልፍዎ፡ ኵሎም ሰባት እናሰምዑ ድማ ኪውድስዎ ኸም ዚግባእ ምኽሪ ሃበ። ሃማን፡ እቲ ኽብሪ ዚወሃቦ ሰብ ማርዶካይ ምዃኑ ምስ ተነግሮ፡ ገጹ ኺቀያየር ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። ንጉስ ንማርዶካይ ንኬኽብሮ ሓላፍነት ዝሃቦኸ ንመን እዩ፧ ንሃማን!—ኣስቴር 6:4-10

ሃማን ንማርዶካይ ዝነበሮ ጽልኢ ተጐሃሂሩ፡ ብጓሂ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ። ሰበይቱን ፈተውቱን፡ እዚ ነገር እዚ ሕማቕ ፋል ምዃኑ ሓበርዎ፣ ምስ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ዚገብሮ ቓልሲ ፈጺሙ ኸም ዘይዕወት ድማ ነገርዎ።—ኣስቴር 6:12, 13

ኣስቴር ንንጉስ ልማኖኣ ቕድሚ ምቕራባ፡ ብትዕግስቲ ሓንቲ መዓልቲ ሳላ እተጸበየት፡ ንሃማን ንውድቀቱ ዚኸውን ባይታ ንኼጣጥሕ መገዲ ኸፈተትሉ። ንንጉስ ከይደቀሰ ኸም ዚሓድር ዝገበሮኸ የሆዋ ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧ (ምሳሌ 21:1) ቃል ኣምላኽ፡ ብ“ተስፋ” ኽንጽበ ዜተባብዓና ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። (ሚክያስ 7:7) ንኣምላኽ እንተ ተጸቢናዮ፡ ንጸገማትና ዚገብሮ ፍታሕ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንሕና ኽንሓስቦ እንኽእል ፍታሕ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

ብትብዓት ተዛረበት

ድሕሪ እዚ፡ ኣስቴር ንትዕግስቲ ንጉስ ክትፍትኖ ኣይደለየትን። ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣብቲ ዘዳለወቶ ኻልኣይ ምሳሕ ክትነግሮ ነበራ። ብኸመይከ እያ ኽትነግሮ ዝኸኣለት፧ ንጉስ ንኣስቴር፡ ልማኖኣ እንታይ ምዃኑ ኸም ብሓድሽ ብምሕታት ኣጋጣሚ ኸፈተላ። (ኣስቴር 7:2) እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣስቴር ‘እተዛረበሉ ግዜ’ እዩ ነይሩ።

ኣስቴር፡ “ዎ ንጉስ፡ ኣብ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከኣ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከኣ ብድላየይ ይወሀበኒ” ኢላ ንንጉስ ቅድሚ ምዝራባ፡ ብልባ ናብ ኣምላኻ ኽትጽሊ ኸላ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ኣስቴር 7:3) ኣስቴር፡ “ንጉስ ከኣ እንተ ፈትዩ” ብምባል፡ ንንጉስ ኣኽብሮታ ኸም ዝገለጸትሉ ነስተብህል። ኣስቴር ካብታ ደይመደይ ኢላ ዘዋረደቶ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ዋሽቲ ኣዝያ እተፈልየት እያ ነይራ። (ኣስቴር 1:10-12) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንጉስ ንሃማን ብምእማኑ ብዝገበሮ ዕሽነት ኣይወቐሰቶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ ኵነታት ኬድሕና እያ ለሚናቶ።

ልማኖኣ ንንጉስ ከም ዝደንጸዎን ስጕምቲ ንኺወስድ ድራኸ ኸም ዘሕደረሉን ፍሉጥ እዩ። ‘ንንግስተይ ኣብ ሓደጋ ኼውድቓ ዚደፍር እሞ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣነን ህዝበይን ንምጥፋእን ንምሕራድን ንምድምሳስን ተሼጥና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተ ንኸውንሲ፡ ስቕ ምበልኩ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ እቲ ንንጉስ ዚገብሮ ጕድኣት ኪጣጣእ ኣይኽእልን እዩ” በለት። (ኣስቴር 7:4) ኣስቴር ነቲ ጸገም ኣግሂዳ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣስዒባ ግና እቲ ሽግር ባርነት ጥራይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ “ስቕ ምበልኩ” ዚብል ሓሳብ ከም ዝሃበት ነስተብህለሉ። ንጉስ ነቲ ጃምላዊ ቕትለት ስቕ ኢሉ እንተ ሓሊፍዎ፡ ንዕኡ እውን ጕድኣት ከም ዜስዕበሉ ኣጕልሓትሉ።

እቲ ኣስቴር ዝገደፈቶ ኣብነት ንኻልኦት ከመይ ጌርካ ብዜእምን መገዲ ኸተረድእ ከም እትኽእል ዚምህር እዩ። ንሓደ እተፍቅሮ ብጻይካ ወይ ንሓደ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ኸቢድ ጸገም ክትነግሮ ምስ እትደሊ፡ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ብግልጽን ምዝራብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።—ምሳሌ 16:21, 23

ኣሓሽዌሮስ፡ “ነዚ ኺገብር ልቡ ዝመልኤ መን እዩ፧ ንሱስ ኣበይ አሎ፧” በላ። ኣስቴር፡ “እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ እዚ ሕሱም ሃማን እዩ” ብምባል ናብ ሃማን ከተመልክት ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሃማን ነዚ ኸቢድ ክሲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብራዕዲ ተዋሕጠ። ንጉስ እቲ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ ነታ ዜፍቅራ ሰበይቱ ዜጥፍእ ትእዛዝ ንኺፍርም ከም ዘታለሎ ምስ ፈለጠ፡ ገጹ በርበረ ኺመስል ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ህድእ ንኺብል ኢሉ ናብ ኣታኽልቲ ኸደ።—ኣስቴር 7:5-7

ሃማን፡ ጕዱ ምስ ተቐልዐ፡ ኣዝዩ ስለ ዝጃጀወ፡ ንኺልምና ኣብ እግሪ ንግስቲ ፍግም በለ። ንጉስ ናብቲ ኽፍሊ ምስ ተመልሰ እሞ ንሃማን ኣብ ዓራት ኣስቴር ቀሪቡ ኺልምና ኸሎ ምስ ረኣዮ፡ ብቝጥዓ ንንግስቲ ኣብ ቤት ንጉስ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ገይሩ ኸሰሶ። እዚ ድማ ሃማን ሞት ከም እተፈርዶ ዚእምት ነበረ፣ ገጹ ሸፊኖም ከኣ ወሰድዎ። ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ሰበ ስልጣናት፡ ሃማን ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ነዊሕ ጕንዲ ኸም ዘሎ ንንጉስ ነገሮ። ኣሓሽዌሮስ ከኣ ንሃማን ኣብቲ ጕንዲ እቲ ንኺሰቕልዎ ብኡንብኡ ኣዘዘ።—ኣስቴር 7:8-10

ኣብዛ ፍትሒ ዝጐደላ ዓለም ፈጺምና ፍትሒ ኽንረክብ ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰምዓና ኣየገርምን እዩ። ንስኻኸ፡ ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣስቴር ተስፋ ኣይቈረጸትን፡ እምነታ እውን ኣየጥፍአትን። እትዛረበሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ብትብዓት ተዛረበት፡ ኣብ የሆዋ ድማ ተኣመነት። ንሕና እውን ከምኡ ንግበር። የሆዋ ኣይተቐየረን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንእኩያትን ንመታለልትን ከምቲ ንሃማን ዝገበሮ ብመጻወድያታቶም ኪፍንጥሮም ይኽእል እዩ።—መዝሙር 7:11-16

ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት

ኣብ መወዳእታ፡ ንጉስ፡ ማርዶካይ ካብ ቅትለት እተኸላኸለሉ እሙን ሰብ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣስቴር ኣቦ ዀይኑ ኸም ዘዕበያ እውን ፈለጠ። ንሃማን ተኪኡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኪኸውን ከኣ ሸሞ። ንጉስ፡ ቤት ሃማን፡ ምስ ኵሉ እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ሃብቱ፡ ንኣስቴር ሃባ፣ ንሳ ኸኣ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ሸመቶ።—ኣስቴር 8:1, 2

ንግስቲ ኣስቴር፡ ንሳን ማርዶካይን ካብ ጥፍኣት ስለ ዝደሓኑ፡ ቀሲናዶ፧ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ ተተኵር ነይራ እንተ ትኸውን፡ ምቐሰነት ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ሃማን ንዅሎም ኣይሁድ ንምጽናት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ናብ ኵሉ ዅርናዓት እቲ ግዝኣት ተዘርጊሑ ነበረ። ሃማን ነቲ ሕሱም መጥቃዕቱ ዚትግብረሉ ምሹእ ኣጋጣሚ ንምውሳን፡ ዕጭ ወይ ጱር ኣውደቐ፣ እዚ ሓደ ዓይነት ተግባር መናፍስትነት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ኣስቴር 9:24-26) እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገና ኣዋርሕ ተሪፍዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ግዜ ኣዝዩ ይጐዪ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጥፍኣት ኪውገድ ይኽእል ነይሩ ድዩ፧

ኣስቴር፡ ሕጂ እውን ብወግዓዊ መገዲ ኸይተጸውዐት ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብምቕራብ፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወታ። ሰብኣያ ነቲ ሓደገኛ ትእዛዝ ምእንቲ ኺስርዞ፡ ኣብ ክንዲ ህዝባ እናበኸየት ለመነቶ። ኰይኑ ግና፡ ብስም ንጉስ ፋርስ እተመሓላለፈ ሕግታት ኪስረዝ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (ዳንኤል 6:12, 15) ስለዚ፡ ንጉስ ንኣስቴርን ንማርዶካይን ሓድሽ ሕግታት ጽሒፎም ኬመሓላልፉ ስልጣን ሃቦም። ካልኣይ ኣዋጅ ከኣ ተመሓላለፈ፣ እዚ ድማ ኣይሁድ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ ዚፈቅድ ኣዋጅ እዩ ነይሩ። ፈረሰኛታት ብፍጥነት ናብ ኵሉ ኽፍሊ እቲ ግዝኣት ብምኻድ፡ ነዚ ብስራት እዚ ንኣይሁድ ኣብጽሑሎም። በዚ ኸምዚ ኣብ ኣይሁድ ተስፋ ዓሰለ። (ኣስቴር 8:3-16) እዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ እንተ ዘይመሓላለፍ ነይሩ፡ እቶም ኣብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣጽዋር ተዓጢቖም ንውግእ ኪስለፉ ኣይምኸኣሉን። የሆዋ “ጐይታ ሰራዊት”ከ ምስ ህዝቡ ነይሩዶ፧—1 ሳሙኤል 17:45

እታ እተመርጸት መዓልቲ ምስ በጽሐት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ድሉዋት እዮም ነይሮም። ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪኸውን ከም እተሸመ ዚገልጽ ዜና፡ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ፋርስ ስለ እተዘርግሐ፡ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ፋርስ እውን ከይተረፉ ንኣይሁድ ሓገዝዎም። የሆዋ ንህዝቡ ዓብዪ ዓወት ሃቦም። እወ፡ ጸላእቲ ህዝቡ፡ ከም ብሓድሽ ኣድብዮም ንህዝቡ ምእንቲ ኸየጥቅዕዎም ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጠፍኡ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። *ኣስቴር 9:1-6

ብዘይካዚ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ እቲ እኩይ ሃማን ብህይወት እንተ ዚሕደጉ ነይሮም፡ ማርዶካይ ቀሲኑ ንቤት ሃማን ኬመሓድር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ሃማን ተቐትሉ። (ኣስቴር 9:7-10) በዚ ኸምዚ ኸኣ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጸመ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣቐድም ኣቢሉ ንህዝቡ ነቶም እኩያት ጸላእቶም ዝነበሩ ኣማሌቃውያን ምሉእ ብምሉእ ኬጽንትዎም ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 25:17-19) ካብዞም ንኺጠፍኡ እተዀነኑ ህዝቢ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝጠፍኡ ደቂ ሃማን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።

ኣስቴር ንእሽቶ እኳ እንተ ነበረት፡ ውግእን ቅትለትን ዚሓቍፍ ንጉሳዊ ትእዛዝ ምምሕልላፍ ዚሓትት ከቢድ ጾር ተሰኪማ ነበረት። ኰይኑ ግና፡ ዕላማ የሆዋ ምእንቲ ኺፍጸም ህዝቢ እስራኤል ኪዕቈቡ ነበሮም፣ ከመይሲ፡ ነቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ እንኮ ተስፋ ዝዀነ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዚፈርዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 22:18) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሱስ እቲ መሲሕ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ንሰዓብቱ ኻብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣብ ስጋዊ ውግእ ንኸይካፈሉ ኸም ዝኸልከሎም ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ።—ማቴዎስ 26:52

ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ይካፈሉ እዮም። ከመይሲ፡ ሰይጣን ነታ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ከጥፍኣ ህርድግ እዩ ዚብል። (2 ቈረንቶስ 10:3, 4) ኣብነት ኣስቴር ምርካብናስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ንሕና እውን ንኻልኦት ሰባት ብጥበብን ብትዕግስትን ኣረዲእና ኸም ዚኣምኑ ብምግባር፡ ተባዓት ብምዃን፡ ከምኡውን ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኢልና ጥቕሚ ርእስና ንምስዋእ ፍቓደኛታት ብምዃን ከም ናይ ኣስቴር ዝኣመሰለት እምነት ነርኢ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታምና፡ እታ ዘኽታም ዝነበረት ኣስቴር፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብዕድመ ኣዝዩ ዚበልጻ ማርዶካይ ወዲ ሓወቦኣ ብኸመይ ከም ዝዓበየት፡ ጸኒሓ ድማ ሰበይቲ ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ ክትከውን ብኸመይ ከም እተመርጸት ርኢና ኔርና። ብዘይካዚ፡ ኣማኻሪ ንጉስ ዝነበረ ሃማን ንህዝቢ ኣይሁድ ኬጽንቶም ውዲት ከም ዝኣለመ፡ ማርዶካይ ከኣ ንኣስቴር ናብ ንጉስ ቀሪባ ምእንቲ ህዝባ ኽትልምን ከም ዘእመና ርኢና ኔርና።—ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ዝወጸት “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 32 ንጉስ ንኣይሁድ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ነቶም ዝተረፉ ጸላእቶም ኬጽንትዎም ፈቐደሎም። (ኣስቴር 9:12-14) ኣይሁድ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም፡ ነታ መዓልቲ ዓወት እቲኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽድያ ኣብ በዓል ጱሪም የብዕልዋ ኣለዉ። እዚ ስም እዚ፡ ካብቲ ሃማን ንእስራኤል ንምጽናት ዘውደቖ ዕጭ ወይ ጱር እተወሰደ እዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ብዛዕባ ኣስቴር ዚቐርብ ሕቶታት

ማርዶካይ፡ ኣስቴር ንኣረማዊ ኽትምርዖ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ምሁራት፡ ማርዶካይ ክብሪ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ኣስቴር ንንጉስ ክትምርዓዎ ኸም ዝደለያ ገይሮም ዜቕርብዎ ሓሳብ መሰረት የብሉን። ማርዶካይ፡ እሙን ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ኺድግፍ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 7:3) ጥንታዊ ኣፈ ታሪኽ ኣይሁድ፡ ማርዶካይ እቲ መውስቦ እቲ ንኸይፍጸም ጻዕሪ ኸም ዝገበረ ይገልጽ። ማርዶካይን ኣስቴርን ኣብታ ኸም ኣምላኽ ብዝርአ ውልቀ መላኺ እትምራሕ ሃገር፡ ጓኖት ኰይኖም ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ የሆዋ ንመውስቦ ኣስቴር ንህዝቡ ንምዕቛብ ከም እተጠቕመሉ ነጸረ።—ኣስቴር 4:14

እቲ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ዘይተጠቕሰ ስለምንታይ እዩ፧

ንመጽሓፍ ኣስቴር ብመንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፋ፡ ማርዶካይ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እታ መጽሓፍ ናብ የሩሳሌም ቅድሚ ምምላሳ፡ ኣብ ፈለማ ኣብ መዛግብቲ ፋርስ ተዓቂባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ስም የሆዋ እንተ ዚጥቀስ ነይሩ፡ እቶም ንኣማልኽቲ ፋርስ ዜምልኹ ዝነበሩ ህዝቢ ነታ መጽሓፍ ንኼጥፍእዋ ምተለዓዓሉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ኢዱ ኸም ዘእተወ ንጹር እዩ። እቲ ዜገርም ግና፡ ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ፡ ስም ኣምላኽ ብሕቡእ ተመዝጊቡ ኣሎ። ከመይሲ፡ ኣብ መጀመርታ ወይ መወዳእታ ተኸታታሊ ቓላት ዘሎ ፊደላት፡ ስም ኣምላኽ ከም ዚንበብ ጌርካ ብዕላማ እዩ ተጻሒፉ።—ኣስቴር 1:20

መጽሓፍ ኣስቴር ዘይቅኑዕ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ድያ፧

ሃያስያን፡ መጽሓፍ ኣስቴር ዘይቅኑዕ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ከም ዝዀነት እዮም ዚዛረቡ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ምሁራት ከም ዜስተውዓሉሉ፡ እቲ ንመጽሓፍ ኣስቴር ዝጸሓፈ ሰብ ብዛዕባ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ፡ ብዛዕባ ስነ ህንጻ ዀነ ብዛዕባ ልምድታት ፋርስ ዜደንቕ ፍልጠት ከም ዝነበሮ ኣንጸባሪቑ እዩ። ኣብ ግዜና ተዓቂቡ ኣብ ዘሎ ዓለማዊ ሰነዳት፡ ንግስቲ ኣስቴር ከም ዘይተጠቕሰት ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ህዝባዊ መዛግብቲ ዘይተጠቕሰት ኣባል ቤተ መንግስቲ፡ ኣስቴር ጥራይ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ብዘይካዚ፡ ማርዶካይ ብቛንቋ ፋርስ ማርዱካ ተባሂሉ፡ ኣብ ሱሳን ኣብ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር እተገልጸ እዋን፡ ብዓል ስልጣን ኰይኑ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ኣብ ዓለማዊ መዛግብቲ ተሓቢሩ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ትንቢት ተፈጸመ

ኣስቴርን ማርዶካይን ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብምቅላሶም፡ ካልእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ፈጺሞም እዮም። የሆዋ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ነቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ደቁ፡ “ብንያም ዘራፊ ተዅላ እዩ። ንግሆ ዝዘረፎ ይበልዕ፡ ምሸት ከኣ ዝማረኾ ይመቅል” ኢሉ ንኺንበ ብመንፈሱ መሪሕዎ እዩ። (ዘፍጥረት 49:27) “ንግሆ፡” ማለት ኣብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል፡ እቶም ካብ ዘርኢ ቢንያም ዝዀኑ ንጉስ ሳኦልን ካልኦት ሓያላት ተዋጋእትን ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ተዋጊኦም እዮም። “ምሸት፡” ማለት ኣብ መወዳእታ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ከኣ፡ እቶም ካብ ነገድ ቢንያም ዝዀኑ ኣስቴርን ማርዶካይን፡ ንጸላእቲ የሆዋ ብዓወት ተዋጊኦምዎም እዮም። እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ሃብቲ ሃማን ንኣስቴርን ንማርዶካይን ስለ እተዋህበ ድማ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ዝማረኽዎ መቒሎም ኪብሃል ይከኣል እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣስቴር ንምሕረት ንጉስ ብትሕትና ኣፍልጦ ሃበትሉ

[ኣብ ገጽ 27, 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣስቴር ነቲ ሃማን ዝገበር እከይ ብትብዓት ኣቃልዓቶ

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣስቴርን ማርዶካይን ነቶም ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ መልእኽቲ ኣዋጅ ለኣኹሎም