ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሎም “ክርስትያናት” ናይ ሓቂ ክርስትያን ድዮም፧

ኵሎም “ክርስትያናት” ናይ ሓቂ ክርስትያን ድዮም፧

ኵሎም “ክርስትያናት” ናይ ሓቂ ክርስትያን ድዮም፧

ክንደይ ክርስትያናት እዮም ዘለዉ፧ ብመሰረት ኣትላስ ኦቭ ግሎባል ክርስችያኒቲ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ብ2010 ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 2.3 ቢልዮን ዝዀኑ ክርስትያናት ነይሮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ 41,000 ሃይማኖታት ከም እተጐጃጀሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሰረተ እምነትን ስርዓታትን ከም እትምራሕ፡ እቲ ጽሑፍ ሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ክርስትያን ኢና ዚብላ ሃይማኖታት ኣዝየን ብዙሓት ምዃነን፡ ንገሊኣቶም ከም ዚሕርብቶምን ከም ዚደናገሩን ገይርዎም እዩ። ስለዚ ድማ፡ ‘ክርስትያን ኢና ዚብሉ ዅሎም ብሓቂዶ ክርስትያን እዮም፧’ ኢሎም ይሓትቱ።

ነዚ ጕዳይ እዚ፡ እስከ ብኻልእ ኣንፈት ንርኣዮ። ሓደ ተጓዓዛይ ኪገይሽ ከሎ፡ ኣብ ዶብ ንብዓል ስልጣን ዜግነቱ ኺገልጽ የድልዮ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከም ፓስፖርት ዝኣመሰለ መረጋገጺ ኺሕዝ የድልዮ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን፡ ብክርስቶስ ከም ዚኣምን ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ኪገብር የድልዮ እዩ። እወ፡ ተወሳኺ መለለዪ ኺህልዎ ኣለዎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

እታ “ክርስትያን” እትብል ስም ክትዝውተር ዝጀመረት ካብ 44 ድ.ክ. ንነጀው እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ፡ “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) እቶም ክርስትያን እተሰምዩ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዮም ነይሮም። ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ፡ “ንየሱስ ከም ወደ መዝሙር ኴንካ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ፡ ብዘይ ቅድመ ዅነት ምሉእ ህይወትካ መስዋእቲ ምኽፋል ማለት እዩ” ብምባል ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዚብሃል፡ ንትምህርትታትን መምርሒታትን እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ምሉእ ብምሉእን ብዘይ ቅድመ ዅነትን ዚስዕብ ሰብ እዩ።

እሞኸ፡ ኣብ ማእከል እዞም ሎሚ ክርስትያን ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባትሲ፡ ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት ኪርከቡ ይኽእሉዶ፧ የሱስ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ብምንታይ ከም ዚልለዩ እዩ እተዛረበ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ ኽትምርምር ንዕድመካ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ መለለዪ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ዝዀነ ሓሙሽተ ነጥብታት ክንምርምር ኢና። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርትያናት፡ ነዚ ብቕዓት እዚ ብኸመይ ከም ዘማልእዎ ድማ ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ካብቶም ሎሚ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕቡ ዘለዉ መን ምዃኖም ክንርኢ ኢና።