ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

“ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ብዛዕባ [መንነት የሱስ] ነናቱ ኽልሰ ሓሳብ ኣለዎ። ኣመንቲ ንኹን ተጠራጠርቲ ብዘየገድስ፡ ኵላትና፡ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ መን እዩ፧’ ኢልና ንሓትት ኢና።”​—ስታን ጋትሪ ዝስሙ ደራሲ።

ሰባት ብዛዕባ የሱስ ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ብዛዕባኡ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ብብዝሒ ይሽየጥ ኣሎ። ብዛዕባኡ ዚዳሎ ፊልምታት ድማ፡ ኣዝዩ ህቡብ ይኸውን ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ንየሱስ ዚምልከት ገና ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣሎ። ሰባት ድማ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት የሱስ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ክልተ ጋዜጠኛታት፡ “የሱስ መን እዩ ነይሩ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሱ እሞ፡ ንሰባት ብኢንተርነት መልሶም ኪህቡ ዓደምዎም። እቲ ሰባት ዝሃብዎ መልስታት፡ እዚ ዚስዕብ ዜጠቓልል ነበረ፦

● “ኣብ ህይወቱ ንኻልኦት ዚድንግጽ ዝነበረ ረቢ (መምህር) ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።”

● “ፍልይ ዝበለ ህይወት ዚመርሕ ዝነበረ ተራ ሰብ እዩ ነይሩ።”

● “የሱስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ የልቦን።”

● “የሱስ ንዓና ኻብ ሓጢኣት ንኼድሕነና ኢሉ እተወልደን ዝሞተን ካብ ሞት ዝተንስአን ወዲ ኣምላኽ እዩ። ሎሚ እውን ብህይወት እዩ ዘሎ፣ እንደገና ድማ ናብ ምድሪ ኺመጽእ እዩ።”

● “የሱስ ክርስቶስ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብን መለኮትን ዝዀነ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እየ ዝኣምን።”

● “የሱስ ንቘልዑ ዚንገሮም ጽውጽዋይ እዩ።”

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እተፈላለየ ርእይቶታት፡ ብምሉኡ ቕኑዕ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ሕቶታት ብቕንዕና ኺምልሰልና ዚኽእል ዜተኣማምን ምንጪ ሓበሬታ ኣሎዶ፧ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነን ንሱ ጥራይ ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ኺሕብረና ኸም ዚኽእልን እዮም ዚኣምኑ። *2 ጢሞቴዎስ 3:16

ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚለዓል ልሙድ ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ኽንምርምር ኢና። የሱስ፡ ብእኡ “ዝአመነ ዅሉ” ድሕነት ኪረክብ ከም ዚኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ስለዚ፡ ፈለማ ነቲ መልስታት ክትምርምሮ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ የሱስ ብዝያዳ ኽትመሃርን ብኸመይ ብእኡ ኽትኣምን ከም እትኽእል ክትፈልጥን ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ኽትውስን ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 11 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ነታ፡ “እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ምዕራፍ 2 ርአ።