ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባኡ ዚለዓል ሕቶታትን መልስታቱን

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባኡ ዚለዓል ሕቶታትን መልስታቱን

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባኡ ዚለዓል ሕቶታትን መልስታቱን

“ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧”​—ሉቃስ 9:18

የሱስ፡ ሰባት ብዛዕባኡ እተፈላለየ ርእይቶ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ሓተቶም። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ብዛዕባ መንነት የሱስ ዚደናገሩሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ከመይሲ፡ የሱስ ብሕቡእ ዚንቀሳቐስ ግሉል ሰብ ኣይኰነን ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ኣብ ኣቝሻትን ኣብ ከተማታትን ምስ ሰባት ይሓብር ነበረ። ሰባት ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ይደሊ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብግህዶ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ።—ሉቃስ 8:1

ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ፡ ኣብ ቃላቱን ኣብ ተግባራቱን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ማለት ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ተመዝጊቡልና ኣሎ። ኣብዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ እዚ ተመርኲስና ኸኣ ኢና ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ሕቶታት ክንምልሶ። *ዮሃንስ 17:17

ሕቶ፦ የሱስ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ድዩ፧

መልሲ፦ እወ። ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እንተላይ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጆሰፈስን ታሲተስን፡ ንየሱስ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ከም ዝነበረ ሰብ ገይሮም እዮም ዚጠቕስዎ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ጸብጻብ ወንጌላት፡ ንየሱስ ከም ልቢ ወለዳዊ ገጸ ባህርይ ገይሩ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ሰብ ገይሩ ብዜእምን መገዲ እዩ ዚገልጾ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ንግዜን ንቦታን ብዚምልከት ንጹርን ዝርዝራውን ሓበሬታ እዩ ዚህብ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ፡ ምስቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ እዋን ብዚተሓሓዝ፡ ሸውዓተ ገዛእቲ ጠቒሱ ኣሎ፣ ስማቶም ድማ ብዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።—ሉቃስ 3:1, 2, 23

ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ዚገልጽ መርትዖ፡ ዜእምን እዩ። ኢቪደንስ ፎር ዘ ሂስቶሪካል ጂሰስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትኦም ምሁራት፡ እቲ የሱስ ብዓል ናዝሬት ተባሂሉ ዚፍለጥ ሰብኣይ፡ ብሓቂ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ይነብር ከም ዝነበረ ይኣምኑሉ እዮም” በለት።

ሕቶ፦ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

መልሲ፦ ኣይኰነን። የሱስ ፈጺሙ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ገይርዋ ኣይፈልጥን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ካብ የሆዋ ኸም ዚትሕት ብተደጋጋሚ ገሊጹ ነይሩ እዩ። * ንኣብነት፡ የሱስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኸይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ‘ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ኢኻ’ እውን ኢልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 27:46፣ ዮሃንስ 17:3) ሓደ ዚዓብዮ ኸም ዘሎ ዚፈልጥ ሰብ ጥራይ እዩ ኸምዚ ዓይነት መግለጺታት ዚጥቀም። ሓደ ንኣስራሒኡ፡ “ዓምና” ወይ “ሓለቓና” ኢሉ ዚጽውዖ ሰብ፡ ካብቲ ኣስራሒኡ ኸም ዚትሕት እዩ ዚሕብር።

ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን ነቶም ንስልጣኑ እተቓወምዎ ተጻረርቱ፡ “ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ። ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ” በሎም። (ዮሃንስ 8:17, 18) ስለዚ፡ የሱስ ካብ የሆዋ እተፈልየ ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም ከም ክልተ ምስክር ጌርካ ኺረኣዩ ዚኽእሉ፧ *

ሕቶ፦ የሱስ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧

መልሲ፦ ኣይፋሉን። ካብኡ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም፡ እተፈላለየ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮ ይፈልጥ ነበረ። እተወሰነ ኣብነት እንሆ፦

“ሓደ ወዲ ኣምላኽ።” (ዮሃንስ 3:18) የሱስ ብዛዕባ መስመር ወለዶኡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከም ሓቂ እኳ፡ ህይወቱ ቕድሚ እቲ ኣብ ምድሪ እተወልደሉ እዋን ነዊሕ ይገብር እዩ ጀሚሩ። ‘ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ’ እውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 6:38) ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ ካልእ ኵሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ከኣ ሓጊዙ እዩ። ብኣምላኽ ብቐጥታ ስለ እተፈጥረ፡ “ሓደ ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 1:3, 14፣ ቈሎሴ 1:15, 16

“ወዲ ሰብ።” (ማቴዎስ 8:20) የሱስ ንርእሱ፡ “ወዲ ሰብ” ኢሉ ብተደጋጋሚ ጸዊዕዋ እዩ፣ እዛ መግለጺት እዚኣ፡ ኣብ ወንጌላት 80 ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ከም ዝነበረ ኸኣ እያ እትሕብር። እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኰይኑ እተወልደ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ፡ ንህይወት ወዱ ናብ ማህጸን እታ ማርያም እትብሃል ኣይሁዳዊት ድንግል ኣመሓላለፎ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ።—ማቴዎስ 1:18፣ ሉቃስ 1:35፣ ዮሃንስ 8:46

“መምህር።” (ዮሃንስ 13:13) የሱስ፡ ‘ንኺምህርን ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽን’ ብኣምላኽ ዕዮ ኸም እተዋህቦ ብንጹር ገሊጹ ነበረ። (ማቴዎስ 4:23፣ ሉቃስ 4:43) ብንጹርን ብቐሊል መገድን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን ፍቓድ የሆዋ ንምፍጻም እንታይ ከም እትገብርን ገለጸ።—ማቴዎስ 6:9, 10

“ቃል።” (ዮሃንስ 1:1) የሱስ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ብእኡ ኣቢሉ ንኻልኦት ሰባት ሓበሬታን መምርሕን ሂብዎም እዩ። የሆዋ ንየሱስ ብምጥቃም፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ደቂ ሰብ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉሎም እዩ።—ዮሃንስ 7:16, 17

ሕቶ፦ የሱስ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ድዩ ነይሩ፧

መልሲ፦ እወ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ፡ ማለት “ቅቡእ” ከም ዚመጽእ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ እዚ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዚህልዎ እውን ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ንየሱስ፡ “ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። የሱስ ድማ፡ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ” ኢሉ ብንጹር ነገራ።—ዮሃንስ 4:25, 26

የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧ ልክዕ ከምቲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ንመንነት ሓደ ሰብ ጥራይ ዚሕብር፡ የሱስ እውን መሲሕ ምዃኑ ዚሕብር ሰለስተ መርትዖታት ኣሎ። ቀጺልና እስከ ብዛዕባ እዚ ንርአ፦

መስመር ወለዶኡ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ መሲሕ ካብ መስመር ወለዶ ኣብርሃምን ዳዊትን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 22:18፣ መዝሙር 132:11, 12) የሱስ ድማ ዘርኢ ኣብርሃምን ዳዊትን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 1:1-16፣ ሉቃስ 3:23-38

እተፈጸመ ትንቢታት። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብዛዕባ ህይወት እቲ መሲሕ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ውልደቱን ሞቱን ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እውን ዜጠቓልል እዩ። የሱስ ድማ ንብምሉኡ እዚ ትንቢታት እዚ ፈጸሞ። ገለ ኻብኡ፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ (ሚክያስ 5:2፣ ሉቃስ 2:4-11)፡ ካብ ግብጺ ተጸውዐ (ሆሴእ 11:1፣ ማቴዎስ 2:15)፡ ከምኡውን ኣዕጽምቱ ኸይተሰብረ ኸሎ ሞተ (መዝሙር 34:20፣ ዮሃንስ 19:33, 36)። የሱስ ነቲ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ንምፍጻም ምእንቲ ኺጥዕሞ ኢሉ፡ ንህይወቱ ኺቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። *

ምስክርነት ኣምላኽ። የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ኣምላኽ መላእኽቱ ልኢኹ፡ መሲሕ ከም እተወልደ ንጓሶት ነገሮም። (ሉቃስ 2:10-14) የሱስ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ብቐጥታ፡ ንየሱስ ከም ዝሰመሮ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 3:16, 17፣ 17:1-5) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ሓያል ተኣምራት ንኺፍጽም ኣኽኢልዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜርኢ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ዚዀነና።—ግብሪ ሃዋርያት 10:38

ሕቶ፦ የሱስ ኪሳቐን ኪመውትን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

መልሲ፦ የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኪሳቐ ኣይግብኦን እዩ ነይሩ። ከም ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ኺስቀልን ዜሕፍር ሞት ኪመውትን እውን ኣይግብኦን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኸም ዚወርዶ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ብፍታው ተቐበሎ።—ማቴዎስ 20:17-19፣ 1 ጴጥሮስ 2:21-23

መሲሓዊ ትንቢታት፡ እቲ መሲሕ፡ ሓጢኣት ካልኦት ንምሽፋን ከም ዚሳቐን ከም ዚመውትን ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 53:5፣ ዳንኤል 9:24, 26) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) እቶም በቲ መስዋእታዊ ሞቱ ዚኣምኑ ሰባት፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ናይ ምዃንን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ተስፋ ኣለዎም። *ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10

ሕቶ፦ የሱስ ብሓቂ ኻብ ሞት ከም ዝተንስአ ኽንኣምን ንኽእል ዲና፧

መልሲ፦ እወ። የሱስ፡ ካብ ሞት ከም ዚትንስእ ፈጺሙ ኣይተጠራጠረን። (ማቴዎስ 16:21) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኰነ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትንሳኤኡ ባህርያዊ ኸም ዚኸውን ኣይገለጹን። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ፡ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ” እዩ ዚብል። (ግብሪ ሃዋርያት 2:24) ኣምላኽ ከም ዘሎን ንዅሉ ነገራት ከም ዝፈጠሮን ንኣምን እንተ ዄንና፡ ንወዱ እውን ካብ ሞት ከም ዘተንስኦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 3:4

የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ዚሕብር ዜተኣማምን መርትዖ ኣሎዶ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርአ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሃብዎ ምስክርነት። የሱስ ካብ ዚመውት ኣስታት 22 ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ዝረኣይዎ ልዕሊ 500 ዚዀኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝነበሩ ጽሒፉ ነበረ፣ ገሊኣቶም፡ ጳውሎስ ንመልእኽቱ ኺጽሕፋ ኸሎ ብህይወት ነይሮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:6) ሓደ ወይ ክልተ መሰኻኽር እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ምስክርነቶም ተቐባልነት ኣይምነበሮን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ 500 ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሃብዎ ምስክርነት ኪኽሕዶ ዚኽእል መን ኣሎ፧

ዚእመኑ መሰኻኽር። ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ፡ ብሓቂ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኺፈልጡ ይኽእሉ ነበሩ፣ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ኸኣ ብትብዓት ኣዊጆም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29-32፣ 3:13-15) ከመይሲ፡ ኣብ ትንሳኤ ምእማን፡ ንክርስትያናዊ እምነት ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:12-19) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ የሱስ ዘለዎም እምነት ካብ ዚኽሕዱ፡ ኪሞቱ እዮም ዚመርጹ ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 7:51-60፣ 12:1, 2) ምእንቲ ሓሶት ኢሉ እናፈለጠን ብፍታውን ዚመውት ሰብ ትፈልጥዶ፧

ኣብ ላዕሊ፡ ብዛዕባ የሱስ ንዚለዓል ሽዱሽተ ቐንዲ ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልስታት ርኢና ኢና። እቲ መልስታት ከኣ፡ ብዛዕባ መንነት የሱስ ይሕብረና እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መልስታት ብሓቂ የገድስ ድዩ፧ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ብዛዕባ የሱስ እንኣምኖ ነገራት ይጸልወና ድዩ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ወንጌላት ብኸመይ ካብ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ከም ዚፍለ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ገጽ 18-19 እትርከብ፡ “ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት—ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ ዜመልክት።

^ ሕ.ጽ. 10 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 20-22 ዘላ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ—የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 21 ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት ዚገልጽ ዝርዝር እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 200 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 25 ብዛዕባ እቲ ሞት የሱስ ዘለዎ ናይ ምብጃው ዓቕሚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።