ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መልስታት የገድስ ድዩ፧

እቲ መልስታት የገድስ ድዩ፧

እቲ መልስታት የገድስ ድዩ፧

“ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።”​—ዮሃንስ 8:32

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ንየሱስ ዚምልከት ዜደናግር፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዜጋጊ እምነት ሓራ ኺገብረና ዚኽእል ሓቂ ዝሓዘ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ብዛዕባኡ እንኣምኖ ነገራት የገድስ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ንየሱስ የገድሶ እዩ። ንዓና እውን ኬገድሰና ኣለዎ።

ንየሆዋ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ‘ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ እዩ።’ (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብር እዩ ዚደልየና። የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [ንደቂ ሰብ] ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ንወዱ፡ መድሓኒና ንኪኸውንን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ንኪኸፍተልናን ኢሉ ለኣኾ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ዚሰማማዕ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኣምላኽ ነቶም ብዛዕባ ወዱ እቲ ሓቂ ዚመሃሩን ምስቲ ሓቂ ተሰማሚዖም ዚነብሩን ሰባት፡ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ይህንጠ እዩ።—ሮሜ 6:23

ንየሱስ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ እውን እንተ ዀነ ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ። ህይወቱ ብፍታው ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃንስ 15:13) ብእኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብኻልእ መገዲ ድሕነት ክንረክብ ከም ዘይንኽእል ድማ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) እሞኸ የሱስ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ጥቕሚ ኺረኽቡ ዚደሊ ምዃኑስ ኬገርመናዶ ይግባእ፧ የሱስ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ ኪምህርዎም ዝኣዘዞም እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

ንዓና ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ኣዝዩ ዜገድሰካ ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ጥዕናኻን ጥዕና ስድራ ቤትካን እሞ ሕሰብ። ንስኻን እቶም እተፍቅሮም ሰባትን ጽቡቕ ጥዕናን ዝሓሸ ህይወትን ኪህልወኩም ትደሊዶ፧ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ፡ ንስኻን እቶም እትፈትዎም ሰባትን ኣብ ሓዳስ ዓለም ካብ ስቓይን መከራን ናጻ ዝዀነ ምሉእ ጥዕናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንኽትረክብ ዜኽእለካ ተስፋ ሂቡካ ኣሎ። (መዝሙር 37:11, 29፣ ራእይ 21:3, 4) እሞኸ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለም ክትነብር ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ሓደ ኽትገብሮ ዘሎካ ነገር ኣሎ።

ነታ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” እትብል ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘላ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኣስተብህለላ። ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ዚገልጽ ሓቂ፡ ካብቲ ዝኸፍአ ዓይነት ባርነት፡ ማለት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኣና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ንሓቂ ኽትፈልጣ’ ኣሎካ። ብዛዕባ እዛ ሓቂ እዚኣ ኸምኡውን ብኸመይ ንስኻን እቶም እትፈትዎም ሰባትን ካብኡ ጥቕሚ ኽትረኽቡ ኸም እትኽእሉ ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትመሃር፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።