ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ክልተ ምዕራፍ ብዛዕባ ምኻድ ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት፡ “ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” በለ። (ማቴዎስ 5:41) ሰማዕቲ የሱስ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ ሓደ ብዓል ስልጣን ካብ ሓደ ዜጋ ዚሓትቶ ግድነታዊ ኣገልግሎት ከም ዜመልክት ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እስራኤል ብሮማውያን እያ እትግዛእ ነይራ። ሮማውያን ከኣ ንሰብ ይኹን ንእንስሳታት ኣገዲዶም ኬዕይይዎም ወይ ከኣ ንሓደ ጕዳይ ንምቅልጣፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብሉን እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ወተሃደራት ሮሜ ንስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ፡ ነቲ የሱስ ጸይርዎ ዝነበረ ጕንዲ ስቅያት ንኺስከሞ ኣገደድዎ። (ማቴዎስ 27:32) ከምዚ ዓይነት ግድነታዊ ዕዮ፡ ጨቋንን ዘይፍቶን እዩ ነይሩ፣ ኣይሁዳውያን እሞ ኸኣ ይጸልእዎ ነበሩ።

ሓደ ዜጋ ኽሳዕ ክንደይ ዚኣክል ርሕቀት ጾር ኪጸውር ከም ዚግደድ ዚገልጽ ነገር የልቦን። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ሰባት ካብቲ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ሓንቲ ስጕሚ እኳ እንተ ዀነ ኪቕጽሉ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዘለዎም። ስለዚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ ክልተ ምዕራፍ ኪኸዱ ኺነግሮም ከሎ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ሕጋዊ ዕዮ ኺዓይዩ እንተ ኣገዲድዎም፡ ብፍታው ከይተመረሩ ኺፍጽምዎ ኸም ዘለዎም እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—ማርቆስ 12:17

እቲ ኣብ ጸብጻብ ወንጌላት እተጠቕሰ ሃና እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

የሱስ ኣብ እተፈርደሉ እዋን፡ ሃና፡ ‘ሊቀ ኻህናት’ ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 3:2፣ ዮሃንስ 18:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:6) ነቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ዝነበረ ቀያፋ፡ ሓሙኡ እዩ ነይሩ፣ ካብ 6 ወይ 7 ድ.ክ. ጀሚሩ ኽሳዕ በቲ ቫለርየስ ግራቱስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኻብ ስልጣኑ ዝወረደሉ 15 ድ.ክ. ድማ፡ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኣገልገለ። ዋላ እኳ ኻብ ስልጣኑ እንተ ወረደ፡ ቀደም ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ እስራኤል ሓያል ጽልዋ ነበሮ። ካብ ደቁ እቶም ሓሙሽተን ሰብኣይ ጓሉን፡ ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

እስራኤል ርእሳ ኽኢላ እትመሓደር ሃገር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንምሉእ ህይወቱ እዩ ዜገልግል ነይሩ። (ዘሁልቍ 35:25) ይኹን እምበር፡ እስራኤል ብሮሜ ኽትግዛእ ምስ ጀመረት፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ትሕቲ እቶም ብሮሜ ዚሽየሙ ኣመሓደርትን ነገስታትን ኰይኑ እዩ ዚዓይዪ ነይሩ፣ ካብ ስልጣኑ ኼውርድዎ ድማ ይኽእሉ ነበሩ። ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ቀሬኔዎስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሶርያ፡ ብ6 ወይ 7 ድ.ክ. ነቲ ዮኣዛር ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ካብ ስልጣን ኣውሪዱ፡ ንሃና ሸሞ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣረማውያን ገዛእቲ፡ ነቶም ካብ ዘርኢ ኽህነት ዝዀኑ ሰባት እዮም ተጠንቂቖም ዚመርጹ ነይሮም።

ስድራ ቤት ሃና፡ ኣመና ስሱዓትን ኣዝዮም ሃብታማትን እዮም ነይሮም። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ንመስዋእቲ ተባሂሉ ዚሽየጥ ዝነበረ ኸም ረገቢትን ኣባጊዕን ዘይትን ወይንን ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ስለ ዝነበረ፡ ምንጪ ኣታዊኦም ካብኡ ዚመጽእ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ጆሰፈስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወዲ ሃና ዝነበረ ሃናንያ፡ “ንዕሽር ካህናት ብሓይሊ ዚምንዝዑ ሕሱማት ኣገልገልቲ ነበርዎ፣ እቶም ኣገልገልቲ ድማ ነቶም ካብቲ ዕሽር ምሃብ ዝኣበይዎም ካህናት ይቕጥቅጥዎም ነበሩ።”