ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“በጃኻ ናብ ቤትካ ኽንምለስ ፍቐደልና”

“በጃኻ ናብ ቤትካ ኽንምለስ ፍቐደልና”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“በጃኻ ናብ ቤትካ ኽንምለስ ፍቐደልና”

ኣብ ሓደ እዋን ንየሆዋ ተገልግሎ ኔርካዶ፧ እንደገና ኸተገልግሎ እኳ እንተ ደለኻ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበለካ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧ በጃኻ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣን ነታ ቐጺላ ዘላን ተጠንቂቕካ ኣንብበን። ንዓኻ ተባሂለን እየን ተዳልየን።

ሓንቲ ነቲ ዝዓበየትሉ ክርስትያናዊ መገዲ ሓዲጋቶ ዝነበረት ሰበይቲ፡ “ናብ ቤቱ ኽምለስ ምእንቲ ኺፈቕደለይ፡ ንስምዒቱ ስለ ዝጐዳእክዎ ድማ ይቕረ ምእንቲ ኺብለለይ፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ” በለት። ከብድኻ እትበልዕ ሰበይቲ ደይኰነትን፧ “ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ይስምዖ፧ ይዝክሮምዶ፧ ‘ናብ ቤቱ ኺምለሱ’ ይደሊዶ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምምላስ፡ ንቓላት ኤርምያስ እስከ ንመርምረን። እቲ መልሲ ንልብኻ ኸም ዚትንክፎ ኣየጠራጥርን እዩ።ኤርምያስ 31:18-20 ኣንብብ።

ቃላት ኤርምያስ ንኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ከም ዜመልክታ እስከ ንርአ። ብ740 ቅ.ክ.፡ ማለት ካብቲ ኤርምያስ ዝነበረሉ እዋን ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ፡ እቲ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ መንግስቲ እስራኤል ብኣሶራውያን ንኺማረኽ ፈቐደ። * ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ብነብያቱ ኣቢሉ ዚህቦም ዝነበረ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙን ካብ ጌጋኦም ኪመሃሩ ስለ ዝነበሮምን እዩ። (2 ነገስት 17:5-18) እሞኸ እቲ ኻብ ኣምላኾምን ካብ ዓዶምን ርሒቖም ኣብ ምርኮ ዘሕለፍዎ ጸገም ንልቦም ኣለስሊስዎዶ፧ የሆዋኸ ረሲዕዎም ድዩ፧ ናብ ቤቱ ንኺምለሱ ይፈቕደሎምዶ ይኸውን፧

“ተጠዐስኩ”

እቶም ህዝቢ ኣብ ምርኮ ኸለዉ ናብ ልቦም ተመልሱ፡ ካብቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ከኣ ተነስሑ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ልባዊ ጣዕሳኦም ኣስተብሂሉሉ እዩ። የሆዋ ንኣረኣእያን ንስምዒትን እቶም ከም ኤፍሬም ገይሩ ጠቒስዎም ዘሎ ናብ ምርኮ እተወስዱ እስራኤላውያን ኪገልጾ ኸሎ እስከ ስምዓዮ።

የሆዋ፡ “ኤፍሬም . . . ኺግዕር ከሎ ኣጸቢቐ ሰማዕክዎ” በለ። (ፍቕዲ 18) የሆዋ፡ እስራኤላውያን ብሓጢኣቶም ኪድጕዑ ወይ ኪቝዝሙ ኸለዉ ሰሚዕዎም እዩ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እታ “ኺግዕር” እትብል ቃል፡ “ነቕነቕ ምባል” ከተመልክት ትኽእል እያ። እስራኤላውያን ልክዕ ከምቲ ነቲ ዘሕለፎ መከራን ነቲ ኣብ ቤቱ ዝነበሮ ህይወትን ዘኪሩ ርእሱ ዚንቕንቕ ሓጥእ ውሉድ እዮም ነይሮም። (ሉቃስ 15:11-17) እሞኸ እቶም ህዝቢ እንታይ በሉ፧

እቶም ህዝቢ፡ “ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ ቐጻዕካኒ” በሉ። (ፍቕዲ 18) ከምኡ ኺብሉ ኸለዉ፡ እቲ እተዋህቦም ተግሳጽ ከም ዚግብኦም እዮም ዚእመኑ ነይሮም። ከመይሲ፡ ልክዕ ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ እዮም ነይሮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እዚ መነጻጸሪ ምሳሌ እዚ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ “ኣብ ኣርዑት ምእታው እንተ ዘይኣብዩ ብኣንፊ ብልሒ ወይ ብስላዕ ዘይውጋእ” ዝራብዕ ከም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር።

“ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እሞ፡ ምለሰኒ ኽምለስ ከኣ እየ።” (ፍቕዲ 18) እቶም ህዝቢ ልባዊ ትሕትና ብምርኣይ፡ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ። ብሓጢኣቶም ጠፊኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣምላኽ፡ ስምረቱ ንኺረኽቡ ኺሕግዞም ለመንዎ። ብመሰረት ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ በጃኻ ናብ ቤትካ ኽንምለስ ፍቐደልና” እዮም ዚብሉ ነይሮም።—ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን።

“ተጠዐስኩ፡ . . . ሐፈርኩን ሐነኽኩን።” (ፍቕዲ 19) እቶም ህዝቢ በቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ተጣዕሱ። ጌጋኦም ብምቕባል ድማ፡ በደሎም ኣመኑ። ነቲ ኸም እተዋረዱን እተደርበዩን ኰይኑ እተሰምዖም ስምዒት፡ ኣፍ ልቦም ይወቕዑ ኸም ዘለዉ ብዜምስል መገዲ ገለጽዎ።—ሉቃስ 15:18, 19, 21

እስራኤላውያን ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም እዮም። ብጓሂ ተመሊኦም ድማ ሓጢኣቶም ተናዘዙ፣ ካብቲ እኩይ መገዶም ድማ ተመልሱ። እሞኸ ንስሓኦም ንልቢ ኣምላኽ የለስልሶዶ ይኸውን፧ ናብ ቤቱ ንኺምለሱ ይፈቕደሎም ደዀን ይኸውን፧

“ኣነውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ”

የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ፍሉይ ርክብ እዩ ነይርዎ። “ንእስራኤል ኣቦ ዀይነ እየ፡ ኤፍሬም ድማ በዅሪ ወደይ እዩ” በለ። (ኤርምያስ 31:9) ንሓደ ኻብ ልቡ እተነስሐ ወዱ ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይቅበሎ ኣቦ እሞ መን እዩ፧ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ኣባታዊ ድንጋጽ ብኸመይ ከም ዝገለጸ እስከ ንርአ።

“ኤፍሬምዶ ፍቑር ወደይ፡ እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን፧ ብዅራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ፡ መመሊሰ እዝክሮ አሎኹ።” (ፍቕዲ 20) ከመይ ዝኣመሰለ ለውሃት ዝመልኦ ቓላት ኰን እዩ! ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ ጽኑዕ ግናኸ ፈቃር ወላዲ፡ ንደቁ “ብዅራ” ተዛረቦም፣ ብዛዕባ ሓጥእ መገዶም ከኣ ብተደጋጋሚ ኣጠንቀቖም። ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ግና፡ ናብ ምርኮ ንኺውሰዱ ፈቐደ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ቤቱ ወጹ። ይኹን እምበር፡ ዋላ እኳ እንተ ቐጽዖም፡ ኣይረስዖምን። ኪርስዖም እውን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ፡ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንደቁ ኣይርስዖምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ ደቁ ብሓቂ ኸም እተነስሑ ምስ ኣስተብሃለ፡ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧

“ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ፡ * ኣነውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ።” (ፍቕዲ 20) የሆዋ ንደቁ ኣዝዩ ይናፍቖም እዩ። ልባዊ ንስሓኦም ንልቡ ስለ ዚትንክፎ፡ ናብኡ ኺምለሱ ይህንጠ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቦ፡ የሆዋ ንደቁ ‘ይድንግጸሎምን’ ናብ ቤቱ ንኺምለሱ ብሃንቀውታ ይጽበዮምን እዩ።—ሉቃስ 15:20

‘የሆዋ፡ ናብ ቤትካ ኽምለስ ፍቐደለይ’

እተን ኣብ ኤርምያስ 31:18-20 ዚርከባ ቓላት፡ ንድንጋጽን ንምሕረትን የሆዋ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኺሕግዛና ይኽእላ እየን። የሆዋ ነቶም ኣብ ሓደ እዋን ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት ኣይርስዖምን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብኡ ኺምለሱ እንተ ደልዮምከ፧ ኣምላኽ “ንይቕሬታ ድልዊ” እዩ። (መዝሙር 86:5) ነቶም ካብ ልቦም ተነሲሖም ዚምለሱ ሰባት፡ ገጽ ኣይከልኦምን እዩ። (መዝሙር 51:17) ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ናብ ቤቱ ኺምለሱ ኸለዉ፡ መርሓባ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም።—ሉቃስ 15:22-24

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሰበይቲ፡ ናብ የሆዋ ንምምላስ ተበግሶ ወሰደት፣ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዚርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ከደት። ኣብ ፈለማ፡ ምስቲ ዚስምዓ ዝነበረ ኣሉታዊ ስምዒት ክትቃለስ ነበራ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰምዓኒ” በለት። ኰይኑ ግና፡ ሽማግለታት ጉባኤ ኣተባብዕዋ፣ መንፈሳዊ ብርታዐ ንኽትረክብ ከኣ ሓገዝዋ። ልባ ብሞሳ ተመሊኡ ድማ፡ “የሆዋ ናብ ቤቱ ንኽምለስ ምፍቃዱ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ” በለት።

ኣብ ሓደ እዋን ንየሆዋ ተገልግሎ እንተ ኔርካ፡ እንደገና ኸኣ ኸተገልግሎ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዚርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትከይድ ንዕድመካ። የሆዋ ነቶም “በጃኻ ናብ ቤትካ ኽንምለስ ፍቐደልና” ዚብልዎ እተነስሑ ሰባት ከም ዚድንግጸሎም ዘክር።

ንሚያዝያ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ኤርምያስ 17-31

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 ዘመናት ኣቐዲሙ ብ997 ቅ.ክ. እስራኤላውያን ኣብ ክልተ መንግስትታት ተመቕሉ። ሓደ መንግስቲ፡ እቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝነበረ ኽልተ ነገድ ዝሓዘ መንግስቲ ይሁዳ እዩ ነይሩ። እቲ ኻልእ ከኣ፡ በቲ ህቡብ ነገድ ኤፍሬም ዚጽዋዕ ዝነበረ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ መንግስቲ እስራኤል እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ እተዳለወ መምርሒ ብዛዕባ እዚ ንምብጣስ ኣምዑት ዚምልከት ስእላዊ ዘረባ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንኣይሁድ፡ ውሽጣዊ ኽፋል ሰብነት ንስምዒት እዩ ዜመልክት ነይሩ” በለ።