ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሓደ ኻብቲ ዝዓበየሉ ሃይማኖት ወጺኡ ዝነበረ መንእሰይ፡ ጸኒሑ ንኺምለስ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ኣቦ ንኺረክብ ሃረር ዚብል ዝነበረ ሓደ መንእሰይ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣቦ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ።”—ኢሊ ካሊል

ዓመተ ልደት፦ 1976

መበቈል ሃገር፦ ቆጵሮስ

ታሪኽ፦ ሓሻሽ ወዲ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ቆጵሮስ እኳ እንተ ተወለድኩ፡ ኣብ ኣውስትራልያ እየ ዓብየ። ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም፣ ኣብ ልበይ ፍቕሪ የሆዋን እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ኬስርጹለይ ከኣ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ምስ ኰተትኩ ግና፡ ክዓሉ ጀመርኩ። ምስ ካልኦት መንእሰያት ምእንቲ ኽራኸብ፡ ካብ ቤት ተሓቢአ እወጽእ ነበርኩ። ምስቶም መንእሰያት ከኣ፡ ማካይን ንሰርቕን ምስ ካልኦት ንበኣስን ነበርና።

ኣብ ፈለማ፡ ንወለደይ ከየጕህዮም እፈርህ ስለ ዝነበርኩ፡ ነዚ ነገራት እዚ ተሓቢአ እየ ዝገብሮ ነይረ። ጸኒሑ ግና እቲ ፍርሂ ጠፍአ። ንየሆዋ ምስ ዘየፍቅርዎ ኻባይ ዚዓብዩ ሰባት ከኣ ተዓራረኽኩ፣ ኣሉታዊ ጽልዋ ድማ ኣሕደሩለይ። ኣብ መወዳእታኡ ንወለደይ፡ ንሃይማኖቶም ክስዕቦ ኸም ዘይደሊ ነገርክዎም። ብትዕግስቲ ኺሕግዙኒ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣነ ግና ነጸግክዎም። ብሰንኪ እዚ፡ ወለደይ ልቦም ተሰብረ።

ካብ ቤት ምስ ወጻእኩ፡ ሓሽሽ ክወስድ፡ ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ብዙሕ ማሪዋና ኽተክልን ክሸይጥን ጀመርኩ። ርኹስ ኣነባብራ እነብርን ንግዜይ ኣብ ፓርቲ አሕልፎን ነበርኩ። ቍጡዕ እውን ኰንኩ። ሓደ ሰብ ባህ ዘይበለኒ ነገር እንተ ተዛሪቡ ወይ እንተ ገይሩ፡ ኣመና ስለ ዝሓርቕ፡ እጭድርን እዋቓዕን ነበርኩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ኸም ክርስትያን መጠን ንኸይገብሮ እተመሃርክዎ ነገራት እየ ዝገብር ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ሓደ ንእሽቶ ኸሎ ኣቦኡ ዝሞቶ ኸማይ ሓሽሽ ዚወስድ ሰብ ተቐራረብኩ። መብዛሕትኡ እዋን ከነዕልል ነምሲ ነበርና። ሓድሓደ እዋን፡ እቲ ዓርከይ፡ ንኣቦኡ ኣዝዩ ኸም ዚናፍቖ ናይ ልቡ ኣውጺኡ የዕልለኒ ነበረ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እናተመሃርኩ ስለ ዝዓበኹ፡ ነቲ ዓርከይ ብዛዕባ የሱስ ክነግሮ ጀመርኩ፣ የሱስ ንምዉታት ካብ ሞት ከም ዘተንስኦምን ኣብ መጻኢ እውን ከምኡ ኸም ዚገብርን ድማ እነግሮ ነበርኩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) “ንኣቦኻ እንደገና ኽትረኽቦ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኵልና ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኽንነብር ንኽእል ኢና” እብሎ ነበርኩ። እዚ ኸኣ ንልቢ ዓርከይ ተንከፎ።

ኣብ ካልእ እዋን፡ እቲ ዓርከይ፡ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ወይ ብዛዕባ ሰረተ እምነት ስላሴ ዕላል ይጅምር ነበረ። ኣነ ኸኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱሱ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስን ዳሕሮት መዓልትታትን ዚገልጽ ሓቂ እነግሮ ነበርኩ። (ዮሃንስ 14:28፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ንዓርከይ ብዛዕባ የሆዋ ብዝነገርክዎ መጠን፡ ኣነ ንባዕለይ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ኽሓስብ ጀመርኩ።

ቀስ ብቐስ፡ እቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት እቲ ወለደይ ኣብ ልበይ ኪዘርእዎ ዝፈተኑ ዘርኢ፡ ኪዓቢ ጀመረ። ንኣብነት፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ፓርቲ ምስ ኣዕሩኸይ ኰይነ ሓሽሽ ክወስድ ከለኹ፡ ብሃንደበት ብዛዕባ የሆዋ ኽሓስብ እጅምር። ብዙሓት ኣዕሩኸይ ንኣምላኽ ከም ዜፍቅርዎ ይዛረቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣኻይዳኦም ግና ብኣንጻሩ እዩ ነይሩ። ከምኣቶም ክኸውን ስለ ዘይደለኹ ድማ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። እወ፡ ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ።

ሓቂ እዩ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምፍላጥን ምግባሩን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ። ገሊኡ ለውጥታት ቀሊል እዩ ነይሩ፣ ብዘይ ጸገም፡ ሓሽሽ ካብ ምውሳድ ኣቋረጽኩ። ምስ ኣዕሩኸይ ንዝነበረኒ ርክብ እውን በተኽክዎ፣ ምስ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።

ይኹን እምበር፡ ዝኸበደኒ ለውጥታት እውን ነይሩ እዩ። ብፍላይ ቍጥዓይ ምቍጽጻር ኣጸጊሙኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጽቡቕ ምምሕያሽ እገብር እሞ፡ መሊሱ ኸኣ ይደግሰኒ ነበረ። ክዕወት ብዘይምኽኣለይ ድማ ሕማቕ ስምዒት ይስምዓኒ ነበረ። ተስፋ ስለ ዝቘረጽኩ ድማ፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ሽማግለ ኣዘራረብክዎ። ንሱ ኸኣ ብትዕግስትን ብለውሃትን ኣተባብዓኒ። ሓደ እዋን፡ ተስፋ ዘይምቝራጽ ኣገዳሲ ምዃኑ እትገልጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ ኣንበበለይ። * ክሓርቕ ከለኹ ኽወስዶ ብዛዕባ ዘሎኒ ስጕምትታት ከኣ ተዘራረብና። ቀስ ብቐስ፡ ነታ ዓንቀጽ እናዘከርኩን ናብ የሆዋ እናጸለኹን፡ ንቝጥዓይ ክቈጻጸሮ ኸኣልኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ሚያዝያ 2000 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ወለደይ ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ንኣካላተይ ብሓሽሽን ብርኽሰትን አርክሶ ኸም ዘየለኹ ስለ ዝፈልጥ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ጽሩይ ሕልናን ኣለኒ። ኣብ ኵሉ ንጥፈታተይ፡ ማለት ክሰርሕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብን ክዘናጋዕን ከለኹ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ።

ንየሆዋ፡ ብኣይ ተስፋ ዘይቈረጹ ወለዲ ስለ ዝሃበኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ብዛዕባ እተን ኣብ ዮሃንስ 6:44 ዚርከባ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ዚብላ ቓላት የሱስ እውን እሓስብ እየ። ናብ የሆዋ ኽምለስ ዝኸኣልኩ፡ ንሱ ስለ ዝሰሓበኒ ምዃኑ ኽሓስብ ከለኹ፡ ልበይ እዩ ዚትንከፍ።

“ኣቦ ኽረክብ ሃረር እብል ነበርኩ።”​—ማርኮ ኣንቶንዮ ኣልቫረዝ ሶቶ

ዓመተ ልደት፦ 1977

መበቈል ሃገር፦ ቺለ

ታሪኽ፦ ኣባል ሓንቲ ደዝ ሜታል ዚብሃል ሙዚቃ እትጻወት ባንድ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ጫፍ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ማጀላን እትርከብ ፑንታስ ኣሬናስ እትብሃል ባህ እተብል ከተማ እየ ምስ ኣደይ ዓብየ። ወለደይ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ስለ እተፈላለዩ፡ እተጠንጠንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣቦ ኽረክብ ሃረር እብል ነበርኩ።

ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ስለ ዝነበረት፡ ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሒዛትኒ ትኸይድ ነበረት። ይኹን እምበር፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ባህ ስለ ዘይብለኒ፡ ክንከይድ ከለና ዓጽዓጽ እብል ነበርኩ። ወዲ 13 ምስ ኰንኩ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ኣቋረጽክዎ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓደረኒ፣ ክኢላ ሙዚቀኛ ምዃነይ ከኣ ተገንዘብኩ። ወዲ 15 ምስ ኰንኩ፡ ኣብ በዓላትን ኣብ ባራትን ብውልቂ ኣብ ዚግበር ምትእኽኻባትን፡ ሄቪ ሜታልደዝ ሜታልን ዚብሃል ዓይነት ሙዚቃ ኽጻወት ጀመርኩ። ምስ ክኢላታት ሙዚቀኛታት ክሓብር ስለ ዝጀመርኩ፡ ብዛዕባ ክላሲካዊ ወይ ናይ ቀደም ሙዚቃ ተገዳስነት ሓደረኒ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ኸኣ ክመሃር ጀመርኩ። ወዲ 20 ምስ ኰንኩ፡ ትምህርተይ ንምቕጻል፡ ናብታ ርእሲ ኸተማ ቺለ ዝዀነት ሳንቲያጎ ገዓዝኩ። ሄቪ ሜታልደዝ ሜታልን ምጽዋት እውን ኣይሓደግክዎን።

ምስ እዚ ዅሉ ግና፡ ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ። ነዚ ስምዒት እዚ ምእንቲ ኼፋዅሰለይ ድማ፡ ምስቶም ከም ስድራ ቤተይ ዝርእዮም ዝነበርኩ ኣባላት ባንድና ዀይነ፡ ኣልኮላዊ መስተ አብዝሕን ሓሽሽ እወስድን ነበርኩ። ዓለወኛ እየ ነይረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ትርኢተይ ይንጸባረቕ ነበረ። ጸሊም ክዳን እኽደን፡ ጭሕመይ አንውሕ፡ ንጸጕረይ ከኣ ክሳዕ መዓጥቖይ አንውሖ ነበርኩ።

ብምኽንያት ጠባየይ ብተደጋጋሚ እበኣስን ምስ ፖሊስ እጋጮን ነበርኩ። ሓደ እዋን ኣመና ሰኺረ፡ ንዓይን ንኣዕሩኸይን የሸግሩና ንዝነበሩ ሸየጥቲ ሓሽሽ ኣጥቃዕክዎም። ንሳቶም ከኣ ሕርሕራይ ገይሮም ስለ ዝቐጥቀጡኒ፡ ምንጋጋይ ተሰብረ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ዝቐርቡኒ ሰባት እዮም ልዕሊ ዅሉ ኣጕህዮምኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ዓርከይ ምስቲ ናይ ቀረባ ዓርከይ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዘለዋ ፈለጥኩ፣ ኵሎም ኣዕሩኸይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣይነገሩንን። እዚ ኸኣ ኣመና ጐድኣኒ።

ናብ ፑንታ ኣሬናስ ተመሊሰ፡ ሙዚቃ ኽምህርን ቸሎ ዚብሃል መሳርያ ሙዚቃ ኽጻወትን ጀመርኩ። ሄቪ ሜታልደዝ ሜታልን ምስ ዚጻወቱ ባንድታት ኰይነ እውን እጻወት ነበርኩ። ሱሳን ምስ እትብሃል ምልክዕቲ ጓል ተፋለጥኩ፡ ብሓንሳእ ከኣ ክንነብር ጀመርና። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ሱሳን፡ ኣዲኣ ብሰረተ እምነት ስላሴ ኸም እትኣምን ኣነ ግና ከም ዘይኣምን ፈለጠት። “እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢላ ድማ ሓተተትኒ። ኣነ ኸኣ፡ ሰረተ እምነት ስላሴ ሓሶት ምዃኑ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከርእያ ኸም ዘይክእል ነገርክዋ። መን ኬርእያ ኸም ዚኽእል እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቂ ኼርእይዋ ኸም ዚኽእሉ ሓበርክዋ። ድሕሪኡ፡ ንብዙሕ ዓመታት ገይረዮ ዘይፈልጥ ነገር ገበርኩ፣ ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ፡ ኪሕግዘኒ ለመንክዎ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ሓደ ወቓሕ ዝበለኒ ሰብኣይ ረኣኹ፣ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይኑ ኸኣ ሓተትክዎ። ዋላ እኳ ብትርኢተይ ቍሩብ እንተ ፈርሃኒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ንዝሓተትክዎ ሕቶታት ብለውሃት መለሰለይ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ መልሲ ጸሎተይ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይደ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ኸየስተብህለለይ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ኾፍ መበሊ ኾፍ በልኩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ብቝልዕነተይ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክመጽእ ከለኹ ዚፈልጡኒ ሰባት ኣለለዩኒ። ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል ብፍቕሪ ስለ ዝሓቘፉኒ፡ ውሽጠይ ሰላም ተሰምዓኒ። ናብ ቤተይ እተመለስኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ቘልዓ ኸለኹ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረኒ ዝነበረ ሓው ምስ ረኣኽዎ፡ እንደገና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ሓተትክዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ሓደ መዓልቲ ነታ፡ “ወደየ፡ . . . ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” እትብል ምሳሌ 27:11 ኣንበብክዋ። ሓደ መዋቲ ሰብ ንፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ ተተንከፍኩ። ለካስ እቲ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ክረኽቦ ሃረር ዝብል ዝነበርኩ ኣቦ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ።

ንሰማያዊ ኣቦይ ከሐጕሶን ፍቓዱ ኽገብርን እኳ እንተ ደለኹ፡ ንብዙሕ ዓመታት ባርያ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን እየ ነይረ። ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:24 እተዛረቦ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን” ዚብል ቃላት ድማ ተረዳእክዎ። ለውጢ ኽገብር ክጽዕር ከለኹ ድማ፡ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዚርከብ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ዚብል ስርዓት፡ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ። ናብ ገሊኡ ቦታታት ዝኸይድን ምስ ገሊኦም ሰባት ዝሓብርን እንተ ዀይነ፡ ነቲ ኣመላተይ ከቋርጾ ኸም ዘይክእል ተገንዘብኩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ንጹር እዩ፣ ነቲ ዕንቅፋት ዚዀነኒ ዝነበረ ነገራት ንክቘርጾ ተሪር ስጕምቲ ኽወስድ ነበረኒ።—ማቴዎስ 5:30

ንሙዚቃ ዝነበረኒ ፍቕሪ፡ ካብ ሄቪ ሜታል ምርሓቕ ከም ዚኸብደኒ ገይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ኣዕሩኸይ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሓድጎ ኸኣልኩ። ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ሓሽሽ ምውሳድን እውን ኣቋረጽክዎ። ንጸጕረይ ቈረጽክዎ፡ ንጭሕመይ ተላጸኽዎ፡ ጸሊም ክዳን ጥራይ ምኽዳን ከኣ ገደፍክዎ። ንሱሳን፡ ንጸጕረይ ክቘርጾ ኸም ዝደሊ ምስ ነገርክዋ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኽገብር ከም ዝደለኹ ኽትፈልጥ ደለየት። “ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚግበር ክርኢ እደሊ እየ” ድማ በለትኒ። ነቲ ኣብኡ ዝረኣየቶ ስለ ዝፈተወቶ ድማ፡ ብዙሕ ከይጸንሐት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣነን ሱሳንን ተመርዓና። ብ2008 ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና። ምስ ኣደይ ብሓባር ኴንና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ካብታ ብናይ ሓሶት ሓጐስን ብጠላማት ብጾትን ዝመልአት ዓለም ኣምሊጠ እየ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሙዚቃ እፈቱ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ መሪጸ እየ ዝሰምዕ። ንተመክሮይ ንኣባላት ስድራ ቤተይን ንኻልኦትን፡ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ንምሕጋዝ እየ ዝጥቀመሉ። መብዛሕትኡ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ነገራት ዚስሕብ እኳ እንተ መሰለ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና “ጐሓፍ” ምዃኑ ንኺፈልጡ ኽሕግዞም እየ ዝደሊ።—ፊልጲ 3:8

ኣብታ ፍቕርን ሰላምን ዝሰፈና ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ እሙናት ኣዕሩኽ ረኺበ እየ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ናብ የሆዋ ስለ ዝቐረብኩ፡ ኣቦ ኽረክብ ክኢለ እየ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 14 እታ፡ “ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 4-6 እያ እትርከብ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

‘ናብ የሆዋ ኽምለስ ዝኸኣልኩ፡ ንሱ ስለ ዝሰሓበኒ እዩ’