ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ

ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ

ዮሴፍ ኣብ ዝባን ኣድጊ ኻልእ ጽዕነት ጸዓነ። ኣድጉ እናዀብኰበ በቲ ጸልማት መገዲ ቤት-ልሄም ኪጐዓዝ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ናብ ግብጺ ዚገብሮ ነዊሕ ጕዕዞ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ኸኣ፡ ዘይፈልጦም ሰባት፡ ዘይፈልጦ ቛንቋ፡ ዘይፈልጦ ባህሊ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ፣ ንምዃኑኸ እታ ንእሽቶ ስድራ ቤቱ ነቲ ለውጥታት ትኽእሎዶ ትኸውን፧

ዮሴፍ ነታ ዚፈትዋ ማርያም ሰበይቱ ሕማቕ ወረ ኺነግራ ኪኸብዶ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ርእሱ ኣደፋፊሩ ተዳለወ። ኣምላኽ ዝለኣኾ መልኣኽ ብሕልሚ፡ ንጉስ ሄሮድስ ነቲ ንእሽቶ ወዶም ኪቐትሎ ይደሊ ምህላዉ ኸም ዝነገሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ቀልጢፎም ኪግዕዙ ኸም ዘለዎም ሓበራ። (ማቴዎስ 2:13, 14) ማርያም ነዚ ምስ ሰምዐት ኣዝዩ ኣተሓሳሰባ። እንታዋይ እዩ እሞ ንሓደ ንጹህን ዘይጓዳእን ቈልዓ ኪቐትሎ ዚደሊ፧ እዚ ነገር እዚ ንማርያም ኰነ ንዮሴፍ ኪርድኦም ኣይከኣለን። ኰይኑ ግና፡ ብየሆዋ ተኣሚኖም፡ ንጕዕዞ ኺዳለዉ ጀመሩ።

እቶም እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ዘይፈለጡ ተቐማጦ ቤት-ልሄም፡ ደቂሶም ከለዉ፡ ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ጸልማት ተጐልቢቦም ካብታ ኸተማ ወጹ። ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብ ሸነኽ ደቡብ መሪሕዎም ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዝነበረ ሰማይ ድማ ኪበርህ ከሎ፡ እንታይ ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ጸራቢ እዚ፡ ንስድራ ቤቱ ኻብ ብርቱዓት ሓይልታት ኬዕቍቦም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንስድራኡ ብግቡእ ኪናብዮም ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዮሴፍ፡ ነቲ ፍሉይ ቈልዓ ዝነበረ የሱስ ናይ ምክንኻንን ናብ ምዕባይን ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎ ነይሩ እዩ፣ እሞኸ ነዚ ሓላፍነት እዚ ብጽንዓት ይዋጽኣሉ ደዀን ይኸውን፧ ብሓቂ እምበኣር፡ ዮሴፍ ከቢድ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንነፍሲ ወከፍ ብድሆ ብኸመይ ከም ዝሰገሮ ንዚገልጽ ጸብጻብ ክንምርምር ከለና፡ ሎሚ ዘለዉ ኣቦታት ይኹኑ ዅላትና፡ ኣስኣሰር እምነት ዮሴፍ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ኣዕቈቦም

ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ዮሴፍ ኣብ ናዝሬት ንጓል ኤሊ ምስ ተሓጽያ፡ ህይወቱ ንዘለኣለም ተቐየረ። ዮሴፍ፡ ማርያም ንጽህትን እምንትን መንእሰይ ምዃና ይፈልጥ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ጥንስቲ ምዃና ፈለጠ። ካብ ዜሕፍር ነገር ንኺሰትራ ኢሉ ድማ፡ ብሕቡእ ኪፈትሓ ሓሰበ። * ይኹን እምበር፡ መልኣኽ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ ማርያም ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ነገሮ። ብዘይካዚ፡ እቲ እትወልዶ ወዲ “ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም” ምዃኑ ገለጸሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ነታ “ሕጽይትኻ ማርያም . . . ንምውሳዳ ኣይትፍራህ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ።—ማቴዎስ 1:18-21

እቲ ጻድቕን እዙዝን ሰብኣይ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ከምቲ እተነግሮ ገበረ። ንዕኡ ወዱ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ግና ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ወዲ ናይ ምዕባይን ናይ ምክንኻንን ከቢድ ሓላፍነት ተቐበለ። ጸኒሑ፡ ብመሰረት ትእዛዝ መንግስቲ ንኺምዝገብ፡ ነታ ነፍሰ ጾር ዝነበረት ሰበይቱ ሒዙ ናብ ቤት-ልሄም ከደ። ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ቘልዓ ተወሊዱ። *

ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብ ናዝሬት ሒዝዎም ኣይኰነን ተመሊሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም ኪቕመጥ ጀመረ። ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዮሴፍ ግና ንማርያምን ንየሱስን ካብ ሕሰምን መከራን ንኼዕቍቦም ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ኣብ ንእሽቶ ቤት ኪነብሩ ጀመሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ዓኵኹ እዩ ነይሩ፣ ምናልባት እውን ወዲ ሓደ ዓመት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ፡ ንህይወቶም ዚልውጥ ነገራት ኣጋጠሞም።

ካብ ምብራቕ፡ ምናልባት ካብ ባቢሎን፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ እንዳ ዮሴፍን ማርያምን መጹ። ነዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ ኰዀብ እዩ ዚመርሖም ነይሩ፣ ነቲ ንጉስ ይሁዳ ዚኸውን ቈልዓ ኸኣ እዮም ዚደልይዎ ነይሮም። ኣኽብሮት ድማ ነበሮም።

እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ንየሱስ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ እዮም ኣእትዮምዎ። ከመይሲ፡ እቲ ዝረኣይዎ ኰዀብ፡ ፈለማ ናብ ቤት-ልሄም ዘይኰነስ፡ ናብ የሩሳሌም እዩ መሪሕዎም። ኣብኡ ኸኣ ነቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ፡ ንሓደ ንጉስ ኣይሁድ ዚኸውን ቈልዓ ይደልዩ ኸም ዘለዉ ነገርዎ። እዚ ድማ ንሄሮድስ ብሓርቖት ከም ዚግንፍል ገበሮ።—ነታ ኣብ ገጽ 29 ዘላ፡ ሕቶታት ኣንበብትና—“ነቲ ‘ኰዀብ’ ዝለኣኾ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ካብ ሄሮድስ ዚዓብዩ ሓይልታት ነበሩ። ብኸመይ፧ እቶም በጻሕቲ፡ ገለ ነገር ኪግበረሎም ከይሓተቱ፡ ህያቦም ኣቕረቡ። ዮሴፍን ማርያምን ከይሓሰብዎ ወነንቲ “ወርቅን ዕጣንን ከርበን” ኪዀኑ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተገሪሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ! እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንንጉስ ሄሮድስ፡ ነቲ ዚደልይዎ ዝነበሩ ቘልዓ ኸም ዝረኸብዎ ኺነግርዎ ሓሲቦም እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ኢዱ ብምእታው፡ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብኻልእ መገዲ ኪኸዱ ብሕልሚ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 2:1-12

እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ዚኸዱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዮሴፍ ካብ መልኣኽ የሆዋ፡ “ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋህቦ። (ማቴዎስ 2:13) ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮ ድማ፡ ዮሴፍ ብኡብኡ ተኣዘዘ። ንድሕንነት እቲ ቘልዓ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ኸደ። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንእንዳ ዮሴፍ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት ስለ ዝሃብዎም፡ እንዳ ዮሴፍ ንጕዕዞ ዚዀኖም ሃብቲ ነበሮም።

ኣቡኸሪፋዊ ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኽን፡ የሱስ ነቲ ጕዕዞ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘሕጸሮ፡ ንሸፋቱ ሰጥ ሰጥ ከም ዘበሎም፡ ከምኡውን ኣእዋም ተምሪ ፍሪኦም ንኣዲኡ ምእንቲ ኺህቡ ኸም ዚቐኑ ይገብሮም ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። * ከም ሓቂ ግና፡ እቲ ስድራ ዮሴፍ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ዓዲ ዚግበር ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ እዩ ነይሩ።

ወለዲ ኻብ ዮሴፍ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ንስድራ ቤቱ ኻብ ሓደጋ ንምዕቋብ፡ ስራሑ ኣቋሪጹን ምሾቱ ሰዊኡን እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ንስድራ ቤቱ፡ ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ቕዱስ ሕድሪ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ንደቆም ኣብዛ ሓደገኛ ዓለም እዮም ዜዕብይዎም ዘለዉ፣ እዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ፡ ንመንእሰያት ብዚጐድኡን ብዜበላሽዉን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ብዜጥፍኡ ሓይልታት እያ መሊኣ ዘላ። እቶም ንደቆም ካብ ከምዚ ዝበለ ጽልዋታት ንኼዕቍብዎም ልክዕ ከም ዮሴፍ ቈራጽ ስጕምቲ ዚወስዱ ኣዴታትን ኣቦታትን፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ኪነኣዱ ዘለዎም!

ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናበዮም

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ፡ ሄሮድስ ከም ዝሞተ ስለ ዝነገሮ፡ ስድራ ቤት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ብዙሕ ዝጸንሐት ኣይመስልን እዩ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ሒዙ እንደገና ናብ ዓዱ ተመልሰ። የሆዋ ንወዱ ‘ኻብ ግብጺ ኸም ዝጸውዖ’ ዚገልጽ ጥንታዊ ትንቢት ነበረ። (ማቴዎስ 2:15) ዮሴፍ ድማ እዚ ትንቢት እዚ ኸም ዚፍጸም ኣብ ምግባር ሓገዘ፣ ሕጂ ግና ንስድራ ቤቱ ናበይ እዩ ሒዝዎም ኪኸይድ፧

ዮሴፍ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ክንዲ ሄሮድስ ዝነገሰ ጨካንን ቀታልን ዝነበረ ኣርኬላዎስ ፈርሆ። ብመለኮታዊ መሪሕነት ከኣ፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ሸነኽ ሰሜን፡ ማለት ናብታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ናዝሬት እትብሃል ዓዱ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ማርያም ኰይኖም ሰደሩ።—ማቴዎስ 2:19-23

ዮሴፍን ማርያምን ቀሊል ናብራ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ድራር ዕለቶም ንምርካብ ግና ኣበርቲዖም ኪዓይዩ ነበሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሴፍ ከም ጸራቢ ገይሩ እዩ ዚገልጾ፣ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ዕንጨይቲ ምቝራጽን ናብቲ እትደልዮ ቦታ ጐቲትካ ምውሳድን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ጸራቢ፡ ቤትን ጃልባን ንእሽቶ ድልድልን ዓረብያን መንኰራዅርን ኣርዑትን ናውቲ ማሕረስን ምእንቲ ኺሰርሓሉ፡ ነቲ ዕንጨይቲ ጸሪቡ የዳልዎ ነበረ። (ማቴዎስ 13:55) ብሓቂ ኣድካሚ ናይ ጕልበት ዕዮ እዩ ነይሩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጸራቢ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ወይ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣብ እትርከብ ቤት ዕዮ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ።

ዮሴፍ እተፈላለየ ናውቲ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፣ ገሊኡ ድማ ካብ ኣቦኡ ዝወረሶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ስራሑ ብጽፉፍ ንኺዓዪ ዚሕግዞ ቕኑዕ ኵርናዕ ዚልክዕ ንዋት፡ መስመር፡ ፋስ፡ መጋዝ፡ ምሳር፡ መዶሻ፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መዶሻ፡ መንደላት፡ ንቐስቲ ናብ የማንን ጸጋምን እናኣዞርካ እትሰርሓላ ሰርሳሪት፡ እተፈላለየ ዓይነት ኮላ፡ ከምኡውን ዋላ እኳ ኽቡር እንተ ነበረ፡ ምናልባት እተወሰነ መሳምር ይጥቀም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

የሱስ ብቝልዕነቱ፡ ነቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ኺዓዪ ኺርእዮ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ዮሴፍ ብኣቓልቦ ኺዕዘብ ከሎ፡ በቲ ዮሴፍ ዝነበሮ ተሪር እንግድዓን ድልዱል ኣእዳውን ከምኡውን ብኽእለቱን ብምስትውዓሉን ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት ዮሴፍ ንየሱስ፡ ሓባጥ ጎባጥ ንዝዀነ ዕንጨይቲ ብዝነቐጸ ቘርበት ዓሳ ገይሩ ኼልምጾ ብምንጋር፡ ቀሊል ዕዮ ይህቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኸም ሳግላን ኦክን ኣውልዕን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዕንጨይቲ ብዛዕባ ዝነበሮ ፍልልይ፡ ንየሱስ ምሂርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ፡ እተን ኣእዋም ዚቘርጻን ዕንጨይቲ ዚጸርባን ኣዕጻው ዜገጣጥማን ዝነበራ ድልዱላት ኣእዳው ዮሴፍ፡ ንዕኡን ንኣዲኡን ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዚደርዛን ዜጸናንዓን ኣእዳው እውን ከም ዝዀና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ስድራ ቤት ዮሴፍን ማርያምን፡ የሱስን እንተወሓደ ሽዱሽተ ውሉዳትን እተጠቓልል እያ ነይራ። (ማቴዎስ 13:55, 56) ዮሴፍ ድማ ንዅላቶም ንምክንኻንን ንምምጋብን ኣበርቲዑ ኺዓዪ ነበሮ።

ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ፡ ልዕሊ ዅሉ ንስድራ ቤቱ ብመንፈስ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ኬማልኣሎም ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ግዜ ወሲዱ ንደቁ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ሕግታቱን ይምህሮም ነበረ። ንሱን ማርያምን ድማ፡ ንደቆም ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሕጊ ሙሴ ዚንበበሉን ዚግለጸሉን ምኵራብ ኣዘውቲሮም ይወስድዎም ነበሩ። ምናልባት የሱስ ድሕሪኡ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትት፡ ዮሴፍ ድማ ንመንፈሳዊ ጽምኢ ወዱ ንምርዋይ ይጽዕር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ሃይማኖታዊ በዓላት ይወስዶም ነበረ። በብዓመቱ ነቲ ኣስታት 112.65 ኪሎ ሜተር ዚወስድ ዝነበረ ጕዕዞ ንምሽፋን፡ ነቲ በዓል ንምብዓል፡ ከምኡውን ናብ ቤት ንምምላስ፡ ክልተ ሰሙን የድሊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሎሚ ዘለዉ ርእስታት ስድራ ቤት እውን፡ ከምኡ እዮም ዚገብሩ። ንደቆም ኢሎም መስዋእትታት ይገብሩ እዮም፣ ንመንፈሳዊ ስልጠና ስድራ ቤቶም ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ፡ እንተላይ ካብ ስጋዊ ምሾት ንላዕሊ እዮም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ። ንደቆም ናብቲ ሰሙናውን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምውሳድ፡ ኣዝዮም እዮም ዚጽዕሩ። ልክዕ ከም ዮሴፍ፡ ንደቆም፡ ብመንፈስ ካብ ምክንኻን ዚበልጽ ነገር ኪገብሩሎም ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም።

“እናጕሄና”

የሱስ ወዲ 12 ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ሒዝዎም ከደ። እዋኑ ግዜ ፋስጋ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ተሰሪዐን በቲ ልሙዕ ገጠር ይጐዓዛ ነበራ። ናብታ ኣብ በሪኽ ቦታ እትርከብ ከተማ የሩሳሌም እናቐረባ ምስ ከዳ ድማ፡ ነቲ ህቡብ ዝዀነ መዝሙር ምድያብ ይዝምራ ነበራ። (መዝሙር 120–134) እታ ኸተማ፡ ኣማእታት ኣሽሓት ብዚቝጸሩ ሰባት ትምላእ ነበረት። ድሕሪኡ፡ እተን ስድራ ቤታት ናብ ቤተን ንምምላስ ጕዕዞአን ይጅምራ። ዮሴፍን ማርያምን ብዙሕ ዚስራሕ ስለ ዝነበሮም፡ የሱስ ምስ ሰብ መገዲ፡ ምናልባት እውን ምስ ኣዝማድ ዚመጽእ ዘሎ መሰሎም። መገዲ ሓደ መዓልቲ ምስ ከዱ ግና፡ የሱስ ከም ዘየለ ተገንዘቡ።—ሉቃስ 2:41-44

በዚ ሰንቢዶም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ስም ወዶም እናተደሃዩ በቲ ጽምጽም ጐደናታት ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበሉ ኺመላለሱ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስ ኣበይ ኰን እዩ ኣትዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ደለይዎ፡ ዮሴፍ ነቲ ብየሆዋ እተዋህቦ ቕዱስ ሓደራ ብዚግባእ ዘይፈጸመ ዀይኑ ተሰሚዕዎዶ ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምስ ደለይዎ፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ ማእከል ምሁራትን ፈለጥቲ ሕጊ ሙሴን ዝነበረሉ ኽፍሊ በጽሑ። ነቲ ዮሴፍን ማርያምን እተሰምዖም እፎይታ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃስ 2:45, 46

የሱስ ነቶም ምሁራት ይሰምዖምን ይሓትቶምን ነበረ። ንሳቶም ከኣ ብምስትውዓሉን ብምላሹን ኣዝዮም ተገረሙ። ዮሴፍን ማርያምን ግና ተሻቒሎም እዮም ነይሮም። እቲ ጸብጻብ፡ ዮሴፍ ከም እተዛረበ ኣይሕብረናን እዩ። ማርያም ግና ናይ ክልቲኦም ስምዒት እያ ተዛሪባ፣ ንየሱስ ድማ፡ “በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና” በለቶ።—ሉቃስ 2:47, 48

ቃል ኣምላኽ በዘን ሒደት ግናኸ ሓያላት ቃላት፡ ቈልዓ ምዕባይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና። ዋላ እውን ውሉድካ ፍጹም ይኹን፡ ወላዲ ምዃን ውጥረት ዜምጽእ እዩ። ኣብዛ ዘለናላ ሓደገኛ ዓለም እሞ ኸኣ፡ ‘ዜጕሂ’ ወይ ዜሻቕል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆ ኣፍልጦ ኸም ዚህበሉ ብምፍላጥ ኪጸናንዑ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ዜሐጕስ፡ የሱስ ኣብቲ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኺቀራረብ ዚኽእለሉ ቦታ እዩ ነይሩ፣ ነቲ ዚመሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኸኣ ከም ሰፍነግ ብሃንቀውታ ይመጽዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ንወለዱ ብቕንዕና፡ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ መሰለሎም።—ሉቃስ 2:49

ዮሴፍ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብዙሕ ሳዕ ሓሲቡለን ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን የዅርዓኦ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ከመይሲ፡ ነቲ ኸም ኣቦ ዀይኑ ዜዕብዮ ዝነበረ ወዱ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ኣቦኡ ገይሩ ኺርእዮ ኣብ ምምሃር ኣበርቲዑ ጽዒሩ እዩ። የሱስ እውን ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ብዛዕባ እታ “ኣቦ” እትብል ቃል ፍሉይ ስምዒት ኬሕድር ጀሚሩ ነበረ፣ ዮሴፍ ድማ ነዚ ስምዒት እዚ ኣብ ልቢ የሱስ ኣብ ምቕራጽ ዓብዪ እጃም ነይርዎ እዩ።

ኣቦ እንተ ዄንካ፡ ደቅኻ፡ ኣፍቃርን ተኸላኻልን ኣቦ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ንኺፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ከም ዘሎካ ትግንዘብ ዲኻ፧ ሰብኣይ ኣደ እንተ ዄንካ ወይ እተዕብዮም ቈልዑ እንተ ኣልዮምኻ እውን፡ ንኣብነት ዮሴፍ ብምዝካር፡ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኸም ፍሉይን ክቡርን ጌርካ ኽትርእዮ ጽዓር። ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንኪቐርቡ ድማ ሓግዞም።

ዮሴፍ ብተኣማንነት ጸንዐ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጾ ነገራት ሒደት እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓሳባት ምምርማሩ ግና ጠቓሚ እዩ። የሱስ ንወለዱ ‘ይእዘዞም’ ከም ዝነበረ ነንብብ ኢና። ብዘይካዚ፡ “የሱስ . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዐበየ።” (ሉቃስ 2:51, 52) እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ዮሴፍ እንታይ እየን ዚሕብራና፧ ብዙሕ ነገራት እየን ዚሕብራና። እቲ ፍጹም ወዲ ዮሴፍ ንስልጣን ኣቦኡ የኽብሮን ይእዘዞን ስለ ዝነበረ፡ ዮሴፍ ኣብ ስድራ ቤቱ መሪሕ ግደ ኸም ዝነበሮ ይሕብራና እየን።

ብዘይካዚ፡ የሱስ ብጥበብ ይዓቢ ኸም ዝነበረ እውን ይሕብራና እየን። የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ዮሴፍ ዓብዪ እጃም ከም ዘበርከተ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብግዜ ዮሴፍ፡ ንነዊሕ እዋን ዚንገር ዝነበረ ምስላ ኣይሁዳውያን ነበረ። እቲ ምስላ፡ እቶም ንዕረፍቲ ዚኸውን ግዜ ዘለዎም ሰባት፡ ጥበበኛታት ከም ዝዀኑ፡ ብኣንጻሩ ግና ከም ጸረብትን ሓረስቶትን ሓጓዶን ዝኣመሰሉ ሸቃጦ፡ ‘ብዛዕባ ፍትሕን ፍርድን ፈልዮም ኪገልጹ ኸም ዘይክእሉ፡ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታታት ዚዝረበሉ ቦታ ኸኣ ከም ዘይርከቡ’ እዩ ዚገልጽ። የሱስ ጸኒሑ፡ እቲ ምስላ ጌጋ ምዃኑ ኣርኣየ። ከመይሲ፡ ቈልዓ ኸሎ፡ እቲ ትሑት ጸራቢ ዝነበረ ኣቦኡ፡ ብዛዕባ “ፍትሕን ፍርድን” የሆዋ ብዜእምን መገዲ ኺምህር ከሎ ብተደጋጋሚ ሰሚዕዎ እዩ። ዮሴፍ ብተደጋጋሚ ኸምኡ ይገብር ከም ዝነበረ ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ዮሴፍ ኣብ ኣካላዊ ዕቤት የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ እጃሙ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ የሱስ ብቝልዕነቱ ጽቡቕ ክንክን ስለ ዝረኸበ፡ ምስ ዓበየ፡ ድልዱልን ጥዑይን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ንየሱስ ኣሰልጢንዎ እዩ። ምኽንያቱ፡ የሱስ ከም ወዲ ጸራቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (ማርቆስ 6:3) ስለዚ፡ እቲ ዮሴፍ ንየሱስ ዝሃቦ ስልጠና፡ ዕዉት እዩ ነይሩ። ርእስታት ስድራ ቤት እውን ንደቆም፡ ዜድልዮም ነገራት ዜማልኡሎም እንተ ዀይኖም፡ ደቆም ርእሶም ንኪኽእሉ ድማ ዜሰልጥንዎም እንተ ዀይኖም፡ ንኣብነት ዮሴፍ ይቐድሕዎ እዮም።

ካብቲ የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኰይኑ ኸም እተጠመቐ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንነጀው፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረክብን ኢና። መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ማርያም መበለት እያ ነይራ። (ነታ ኣብ ገጽ 27 ዘላ፡ “ዮሴፍ መዓስ እዩ ሞይቱ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ከም ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ መጠን፡ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ። ዝዀነ ይኹን ኣቦ፡ ዝዀነ ይኹን ርእሲ ስድራ ቤት፡ ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ኣስኣሰር እምነት ዮሴፍ ኪስዕብ ኣለዎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሕጸ ዳርጋ ኸም መርዓ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ የሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ዝገበረ፡ ድሕሪ ጥምቀቱ ምንባሩ እዩ ዚገልጽ። (ዮሃንስ 2:1-11) ብዛዕባ ጸብጻባት ኣቡኸሪፋዊ ወንጌል ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ገጽ 18 ዘላ፡ “ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት—ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ዮሴፍ መዓስ እዩ ሞይቱ፧

የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዮሴፍ ብህይወት ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ዕድመ እቲ፡ ብዙሓት ኣይሁዳውያን መንእሰያት፡ ሞያ ኣቦኦም ኪመሃሩ ይጅምሩ እዮም፣ ደቂ 15 ምስ ኰኑ ድማ ኪለማመዱ ይጅምሩ። ዮሴፍ፡ ንየሱስ ዕዮ ጽርበት ክሳዕ ዚምህሮ ብህይወት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ወዲ 30 ዀይኑ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዮሴፍ ብህይወት ነይሩዶ፧ ብዛዕባ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣደ የሱስ ከምኡውን ኣሕዋትን ኣሓትን የሱስ ተጠቒሶም ንረኽቦም እኳ እንተ ዀንና፡ ዮሴፍ ግና ኣይተጠቕሰን። ኣብ ሓደ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ዘይኰነስ፡ “ወዲ ማርያም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 6:3) ማርያም እውን፡ ንሰብኣያ ኸየማኸረት ስጕምቲ ትወስድን ትውስንን ነይራ እያ። (ዮሃንስ 2:1-5) መበለት ስለ ዝነበረት ደኣ እያ እምበር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ምግባር ዘይልሙድ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ኪመውት ከሎ፡ ንኣዲኡ ንኺከናኸና ሓላፍነት ዝሃቦ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 19:26, 27) ዮሴፍ ብህይወት እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ የሱስ ከምኡ ኣይምገበረን። ስለዚ እምበኣር፡ ዮሴፍ፡ የሱስ ገና መንእሰይ ከሎ ሞይቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ከኣ፡ በዅሪ ገዛ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ዕዮ ጽርበት የካይዶን ክሳዕ ዚጥመቕ ንስድራ ቤቱ ይኣልን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንውሉዱ ንምዕቋብ፡ ደኺመ ኸይበለ ቘራጽ ስጕምቲ ወሰደ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ንምንባይ ኣበርቲዑ ዓየየ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ኣዘውቲሩ ይወስዶም ነበረ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንወዱ፡ ጸራቢ ንኪኸውን ኣሰልጠኖ