ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ

ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ

ንመንእሰያት

ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ የሆዋ ኣምላኽን ሙሴን

ጽማቝ፦ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኼውጽኦም መዘዞ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘጸኣት 3:1-14፣ 4:1-17 ኣንብብ።

እታ እትነድድ ዝነበረት ቈጥቋጥ እንታይ ትመስል ከም ዝነበረት ግለጽ።

_______

ሙሴ፡ እቲ ኣብ ዘጸኣት 3:4 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃል ኣምላኽ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ገጹን ኣብ ድምጹን እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

_______

ከምቲ ኣብ ዘጸኣት 3:11, 13፣ 4:1, 10 ተገሊጹ ዘሎ፡ ሙሴ ንየሆዋ ኺሓትቶ ኸሎ ኣብ ድምጹ እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ እቲ፡ “እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ” ዚብል ሓረግ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ጽዓር። (ዘጸኣት 3:14) የሆዋ ንስሙ ብዚምልከት ካብ ሙሴ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ከምኡ ኢሉ ዝመለሰ ስለምንታይ እዩ፧ *

_______

ሙሴ ናብ ፈርኦን ካብ ምኻድ ዘድሓርሓረ ስለምንታይ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ ዘሁልቍ 12:3 ኣንብብ።)

_______

ሙሴ ንእስራኤላውያን ብጾቱ ኻብ ምዝርራብ ድሕር ምሕር ዝበለ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዚጐድሎም ርእሰ ምትእምማን።

_______

የሆዋ ኣባኻን ኣብ ክእለትካን ብዛዕባ ዘለዎ ምትእምማን።

_______

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ኣበየናይ መዳይ ህይወትካ እዩ ርእሰ ምትእምማን ዚጐድለካ፧

_______

ዓቕምኻ ድሩት ክነሱ፡ በየናይ መገድታት ኢኻ ንየሆዋ እትጠቅም ክትከውን እትኽእል፧

_______

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ www.pr418.com ከተራግፋ ወይ ክትሓትማ ትኽእል ኢኻ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከለኻ ብዝያዳ ምርምር ንኽትገብር ዚሕግዝ ሓያሎ መጻሕፍትን ብሮሹራትን የሕትሙ እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ከኣ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።