ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገሓዚ ብሰሪ ስስዐ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ሰኣነ

ገሓዚ ብሰሪ ስስዐ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ሰኣነ

ንደቅኻ ምሃሮም

ገሓዚ ብሰሪ ስስዐ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ሰኣነ

ሓደ ነገር ኪህልወካ ደሊኻዶ ትፈልጥ፧ * ካልኦት ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ይደልዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዝደለኻዮ ነገር ንምርካብ፡ ክትሕሱ ይግብኣካዶ፧— ኣይግብኣካን እዩ። ከምኡ ዚገብር ሰብ፡ ስሱዕ እዩ። ሓደ ገሓዚ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ብሰሪ ስስዐ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝሰኣነ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። ገሓዚ፡ ኣገልጋሊ ኤልሳእ እዩ ነይሩ፣ ኤልሳእ ከኣ ነብዪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ ነይሩ።

ኤልሳእን ገሓዚን፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸይተወልደ ኸሎ ቕድሚ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። የሆዋ ብኤልሳእ ገይሩ ኣዝዩ ዜደንቕ ተኣምራት ይፍጽም ነበረ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ብዓል ስልጣን ሰራዊት ሶርያ ዝነበረ ግናኸ ሕማም ለምጺ ወይ ደዌ ዝነበሮ ሰብኣይ ይነግረና እዩ። ነቲ ሶርያዊ ብዓል ስልጣን ዋላ ሓደ ኼሕውዮ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ኤልሳእ ግና ኣሕወዮ።

ኤልሳእ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ሰባት ካብ ሕማሞም ንኺሓውዩ እኳ እንተ ሓገዞም፡ ገንዘብ ግና ኣይቅበልን እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— ምኽንያቱ፡ ኤልሳእ፡ ነቲ ተኣምራት ብርእሱ ዘይኰነስ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኸም ዝገበሮ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ንእማን ካብ ሕማሙ ምስ ሓወየ፡ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ ንኤልሳእ ወርቅን ብሩርን ጽቡቕ ክዳውንትን ኪህቦ ደለየ። ኤልሳእ ኣበየ፣ ገሓዚ ግና ነቲ ህያብ ተመነዮ።

ንእማን ምስ ከደ፡ ገሓዚ ንኤልሳእ ከይነገሮ ደድሕሪ ንእማን ከደ። ምስ ኣርከቦ እንታይ ከም ዝበሎ ትፈልጥዶ፧— ‘ኤልሳእሲ፡ ክልተ ኣጋይሽ መጺኦምኒ እሞ፡ ንዓታቶም ዚኸውን ክልተ ቕያር ክዳን ልኣኸለይ ኢሉካ’ በሎ።

ገሓዚ ይሕሱ እዩ ነይሩ። ኣልዕል ኣቢሉ እዩ ብዛዕባ እቶም ክልተ ኣጋይሽ ተዛሪቡ። ነቲ ንእማን ንኤልሳእ ኪህቦ ዝሓሰበ ኽዳውንቲ ንዕኡ ኺወስዶ ስለ ዝደለየ እዩ ቦግ ኣቢሉ ተዛሪቡ። ንእማን ግና ብዛዕባ እዚ ስለ ዘይፈለጠ፡ ተሓጒሱ ኸምቲ ገሓዚ ዝበሎ ገበረ። አረ ኻብቲ ገሓዚ ዝሓተቶ ንላዕሊ እውን እዩ ሂብዎ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ትፈልጥዶ፧

ገሓዚ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ኤልሳእ፡ ‘ኣበይ ደኣ ጸኒሕካ፧’ ኢሉ ሓተቶ።

ገሓዚ ኸኣ፡ ‘ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን’ ኢሉ መለሰ። የሆዋ ግና ንኤልሳእ፡ ነቲ ገሓዚ ዝገበሮ ነገራት ኣፍሊጥዎ ነይሩ እዩ። ሽዑ ኤልሳእ፡ ‘ገንዘብን ክዳውንትን ዚውሰደሉ ግዜ ኣይኰነን’ በለ።

ገሓዚ ዘይናቱ ገንዘብን ክዳውንትን እዩ ወሲዱ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንገሓዚ በቲ ናይ ንእማን ደዌ ኸም ዚተሓዝ ገበሮ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር እንኽእል ይመስለካ፧— ሓቂ ዘይኰነ ነገር ኣልዕል ኣቢልና ኽንዛረብ የብልናን።

ገሓዚ ምህዝ ኣቢሉ ዝሓሰወ ስለምንታይ እዩ፧— ስሱዕ ስለ ዝነበረ እዩ። ዘይናቱ ዝዀነ ነገራት ኪህልዎ ተመነየ፣ ነቲ እተመነዮ ነገራት ንምርካብ ከኣ ሓሰወ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ምሉእ ህይወቱ ብሕማቕ ሕማም ተሳቐየ።

ገሓዚ ኻብ ሕማም ደዌ ዝገድድ እውን እዩ ኣጋጢምዎ። እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— ሞገስን ፍቕርን ኣምላኽ ሰኣነ። ንሕና እውን፡ ሞገስን ፍቕርን ኣምላኽ ዜስእነና ነገር ክንገብር የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ለዋሃትን ዘሎና ነገራት ንኻልኦት እነማቕልን ንኹን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

2 ነገስት 5:5, 20-27፣ ይሁዳ 21

ዮሃንስ 15:10

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።