ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሽሕ ዓመትን ብድሕሪኡን ዚህሉ ሰላም

ንሽሕ ዓመትን ብድሕሪኡን ዚህሉ ሰላም

ንሽሕ ዓመትን ብድሕሪኡን ዚህሉ ሰላም

“ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን።” —1 ቈረ. 15:28

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ፍጻመ እዘን ዚስዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለወን፧

ሚክያስ 4:4

ኢሳይያስ 11:6-9

ዮሃንስ 5:28, 29

1. እቶም “ብዙሓት ሰብ” እንታይ ዜሕጕስ መጻኢ እዩ ዘለዎም፧

 ፍትሓውን ደንጋጽን መራሒ ዘለዋ ሓያል መንግስቲ ንሓደ ሽሕ ዓመት ንተገዛእታ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ክትገብረሎም እያ። ንዅሎም እቶም ካብቲ ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ዜጥፍእ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ ማእለያ ዘይብሎም “ብዙሓት ሰብ፡” ዜደንቕ መጻኢ ይጽበዮም ኣሎ።።—ራእ. 7:9, 14

2. ኣብ ዝሓለፈ 6,000 ዓመት፡ ደቂ ሰብ እንታይ ተመክሮ እዮም ኣሕሊፎም፧

2 ኣብ ዝሓለፈ 6,000 ዓመት፡ ደቂ ሰብ ብገዛእ ርእሶም ኪመሓደሩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ስቓይን መከራን ኣስዓበሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” በለ። (መክ. 8:9) ሎሚ እንታይ ኢና እንርኢ ዘሎና፧ ውግእ፡ ዓመጽ፡ ከምኡውን ከም ድኽነትን ሕማምን ዕንወት ኣከባብን ምቅይያር ክሊማን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገማትን ይርአ ኣሎ። ዓበይቲ ለውጥታት እንተ ዘየምጺእናን ንምድሪ ኻብ ምዕናው እንተ ዘይተቘጢብናን ሓደገኛ ዅነታት ከም ዚስዕብ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ የጠንቅቁ እዮም።

3. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ እዩ ኺፍጸም፧

3 እታ በቲ መሲሓዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዅሉ ኣብ ደቂ ሰብን ኣብታ ቤቶም ዝዀነት ምድርን ዝወረደ መጕዳእቲ በብቝሩብ ከተወግዶ እያ። እቲ፡ “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ዚብል የሆዋ ኣምላኽ እተመባጽዖ ልቢ ዝትንክፍ መብጽዓ፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ። (ኢሳ. 65:17) እንታይ ዜደንቕ፡ ዛጊት ዘይተራእየ ነገራት እዩ ኺፍጸም፧ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 4:18

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም”

4. ሎሚ ሓያሎ ሰባት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣባይቲ እዮም ዚነብሩ፧

4 ምስ ስድራ ቤቱ ዀይኑ ብሰላምን ብቕሳነትን ኪነብረሉ ዚኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ኪህልዎ ዘይደሊ ሰብ እሞ መን ኣሎ፧ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ግና፡ መንበሪ ንኽትረክብ ኣጸጋሚ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰባት ኣብ ከተማታት ተጨቓጪቖም እዮም ዚነብሩ። ሓያሎ ኻባታቶም ኣብ ኣጓዱ ወይ ከኣ ኣብ ኣረጊትን ረሳሕን ኣባይቲ እዮም ዚነብሩ። ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ኪህልዎም ሃረር እዮም ዚብሉ።

5, 6. (ሀ) ኢሳይያስ 65:21ን ሚክያስ 4:4ን ብኸመይ እየን ኪፍጸማ፧ (ለ) ነቲ በረኸት እቲኸ ብኸመይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧

5 መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከላ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ኪህልዎ እዩ። ከመይሲ፡ ኢሳይያስ፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም” ብምባል ተነብዩ እዩ። (ኢሳ. 65:21) ኰይኑ ግና፡ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ኪህልዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ዚጽበይዎ ነገር እውን ኣሎ። ሎሚ፡ ገሊኣቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ኣለዎም፡ አረ ገሊኣቶምሲ ኣብ ዓብዪ ቤት እዮም ዚነብሩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው ቤቶም ከይስእኑ፡ ወይ ከኣ ሰረቕቲ ኸይመጽዎም ይሻቐሉ እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከላ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ስክፍታ ኣይክህሉን እዩ። ነብዪ ሚክያስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ።—ሚክ. 4:4

6 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነብር እንተ ደሊና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኵላትና፡ መንበሪ ኸም ዜድልየና መቸም ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ኣቲና ነቲ ቤት ክንረክብ ዘሎና ባህጊ ኸነዕግብ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ኣብ ተስፋታት የሆዋ እንተ ኣተኰርናዶ ኣይምሓሸን፧ የሱስ ብዛዕባ ርእሱ፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። (ሉቃ. 9:58) የሱስ፡ ማንም ሰብ ኬጥርዮ ዘይክእል ቤት ንኺሃንጽ ወይ ንኼጥሪ ኽእለትን ዓቕምን ነይርዎ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ዘየጥረየ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኸየቐድም ኪዓናቕፎ ዚኽእል ነገራት ኬወግድ ከም ዝደለየ ንጹር እዩ። ንሕናኸ፡ ስጋዊ ነገራት ንህይወትና ተቘጻጺሩ ንኼጨንቐና ብዘይምፍቃድ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ምኸኣልናዶ፧—ማቴ. 6:33, 34

“ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም”

7. የሆዋ ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን እንታይ ርክብ ንኺህሉ እዩ ዝኣዘዘ፧

7 የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ኪፈጥር ምስ ጀመረ፡ ንሰብ ኣብ መወዳእታ እዩ ፈጢርዎ። ነቲ ወሓለ ሰራሕተኛ ዝነበረ በዅሪ ወዱ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ” ብምባል፡ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገለጸሉ። (ዘፍ. 1:26) ስለዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን፡ ጸኒሖም ከኣ ኵሎም ደቂ ሰብ፡ ንእንስሳታት ኪመልኩ ስልጣን ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።

8. ሎሚ እንስሳታት እንታይ ባህርይ እዮም ዜርእዩ፧

8 ሰባት ንዅሎም እንስሳታት ኪገዝኡን ምስኣቶም ብሰላም ኪነብሩንሲ ብሓቂዶ ይከኣል እዩ፧ ሓያሎ ሰባት ከም ከልብን ድሙን ምስ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት ኣጸቢቖም ይቀራረቡ እዮም። ምስ እንስሳ ዘገዳምከ፧ ሓደ ጸብጻብ፡ “ምስ ኣራዊት ተቐራሪቦም ዚነብሩን መጽናዕቲ ዚገብሩሎምን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኵሎም መጥበውቲ ስምዒታውያን ምዃኖም ኪዕዘቡ ኽኢሎም እዮም” በለ። ንእንስሳታት ምስ እነፈራርሆም ከም ዚፈርሁ ወይ ከም ዚሓርቁ ንፈልጥ ኢና። ፍቕሪ ወይ ለውሃት ኬርእዩኸ ይኽእሉ ድዮም፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ፡ መጥበውቲ ደቆም ኬዕብዩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ለውሃት የርእዩ እዮም።

9. ብዛዕባ እንስሳታት እንታይ ለውጢ ኺመጽእ ኢና እንጽበ፧

9 ስለዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ሰላም ከም ዚሰፍን ዚገልጽ ሓሳብ ከነንብብ ከለና ኺገርመና የብሉን። (ኢሳይያስ 11:6-9፣ 65:25 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ኖህን ስድራ ቤቱን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኻብ መርከብ ኪወጹ ኸለዉ፡ የሆዋ፡ “ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን” ከም ዝበሎም ኣይትረስዕ። ሎሚ ሓያሎ እንስሳታት ንርእሶም ኬዕቝቡ ኻብ ሰብ ይሃድሙ እዮም። (ዘፍ. 9:2, 3) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ፍርሂ እዚ ኣወጊዱ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ዘሎ ርክብ ናብቲ መጀመርታ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ኪመልሶ ኣይክእልንዶ፧ (ሆሴ. 2:18) ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ መጻኢ ዀን እዩ ዘለዎም!

“ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ”

10. ሰባት ዚነብዑ ስለምንታይ እዮም፧

10 ሰለሞን፡ “ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ” ምስ ረኣየ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን” በለ። (መክ. 4:1) ሎሚ ዘሎ ዅነታት እውን ተመሳሳሊ ወይ ዝገደደ እዩ። መን ካባና እዩ እሞ ብገለ ምኽንያት ነቢዑ ዘይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓጐስ ንብዓት ከም እንነብዕ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ልብና ብጓሂ ኺመልእ ከሎ ኢና እንነብዕ።

11. ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ እዩ ንልብኻ ዚትንክፎ፧

11 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ሰባት ከም ዚነብዑ ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት እሞ ዘክሮ። ሳራ ኣብ መበል 127 ዕድሚኣ ምስ ሞተት፡ “ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ።” (ዘፍ. 23:1, 2) ናእሚ ነተን መበላሉ ዝነበራ ኽልተ ኣንስቲ ደቃ ኽትሰናበተን ከላ፡ ብተደጋጋሚ “ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ።” (ሩት 1:9, 14) ንጉስ ህዝቅያስ ሓሚሙ ንሞት ምስ ቀረበ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ “ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ።” የሆዋ ኸኣ በዚ ኸም እተተንከፈ ፍሉጥ እዩ። (2 ነገ. 20:1-5) እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ምስ ከሓዶ እተሰምዖ ስምዒት እውን ንዅላትና ዚትንክፍ እዩ። ጴጥሮስ፡ ደርሆ ኺንቁ ምስ ሰምዐ፡ “ናብ ወጻኢ ኸይዱ . . . መሪር ብኽያት በኸየ።”—ማቴ. 26:75

12. መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብኸመይ እያ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ እተምጽኣሎም፧

12 ደቂ ሰብ ብምኽንያት እቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ሓያሎ ዜሕዝን ነገራት፡ መጸናንዕን ዕረፍትን የድልዮም እዩ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእ. 21:4) ሓዘን፡ ጫውጫው፡ ጻዕሪ ወይ ስቓይ ዘይምህላዉ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ ጸላኢ ደቂ ሰብ ዝዀነ ሞት ኬወግዶ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝያዳ ዜደንቕ እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም።”

13. ሞት፡ ኣዳም ካብ ዚሓጥእ ጀሚሩ ንሰባት ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

13 ሞት፡ ኣዳም ካብ ዚሓጥእ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝነገሰ፡ ማንም ከኣ ከሰንፎ ዘይከኣለ ጸላኢ እዩ። ካብኡ ኸምልጥ ዚኽእል ሓጢኣተኛ እውን የለን፣ እዚ ዘይብሃል ሓዘንን ጓህን ከኣ ኣስዒቡ እዩ። (ሮሜ 5:12, 14) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እኳ፡ “ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም” እዮም።—እብ. 2:15

14. ሞት ምስ ተሳዕረ እንታይ ኵነታት እዩ ዚህሉ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 15:26) ካብዚ ዚጥቀሙ ኽልተ ጕጅለ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ እቶም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ካልኣይ፡ እቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሞይቶም ዘለዉ ሰባት፡ ኪትንስኡ እዮም። እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት ኪቕበልዎም ከለዉ፡ ከመይ ዝበለ ሓጐስን ባህታን ከም ዚህሉ እሞ ገምት። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ እቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ሰባት ዚገልጽ ዛንታ ምስ እንምርምሮ፡ ኣብ መጻኢ ሰባት ክትንስኡ ኸለዉ እንታይ ዓይነት ኵነታት ከም ዚህሉ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ማርቆስ 5:38-42፣ ሉቃስ 7:11-17 ኣንብብ።

15. እተፍቅሮ ሰብ ካብ ሞት ክትንስእ ክትርኢ ኸለኻ እንታይ ዓይነት ስምዒት እዩ ኽስምዓካ ዚኽእል፧

15 ነቲ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ፡” ከምኡውን “ንኣምላኽ ኣመስገንዎ” ዚብል ቃላት እሞ ሕሰበሉ። ንስኻ እውን ኣብቲ እዋን እቲ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ከምኡ ምተሰምዓካ። እወ፡ ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ኻብ ሞት ተንሲኦም ክንርእዮም ከለና፡ ዓብዪ ሓጐስን ባህታን ከም ዚስምዓና ፍሉጥ እዩ። እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ! የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በለ። (ዮሃ. 5:28, 29) እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም ከሎ ዝረኣየ ዋላ ሓደ ኻባና የለን። ሓደ ኻብቲ “ዘይርኤ” ተባሂሉ ዘሎ ንዚመጽእ ኪፍጸም እንጽበዮ ዓበይቲ ነገራት ምዃኑ እምበኣር ዚከሓድ ኣይኰነን።

ኣምላኽ “ኵሉ ኣብ ኵሉ” ኺገብሮ እዩ

16. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘይረአ በረኸት፡ ብውዕውዕ ስምዒት ክንዛረብ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ መተባብዒ ሃቦም፧

16 እወ፡ እቶም ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ዚርከቡ ሰባት ዜሐጕስ መጻኢ እዩ ዘለዎም። እቲ ዜደንቕ በረኸት እቲ፡ ሕጂ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ከነተኵር፡ ነቲ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዚቐርብ ግዝያዊ ዚማርኽ ነገራት ከኣ ከነወግዶ ኢና። (ሉቃ. 21:34፣ 1 ጢሞ. 6:17-19) መጽናዕቲ ስድራ ቤትን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ እንዘራረበሉ እዋን፡ ከምኡውን ምስቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎምን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ኣብ እንመያየጠሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋናን መጻኢናን ብውዕውዕ ስምዒት ንዛረብ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ተስፋ ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ኸም ዚቕረጽ እዩ ዚገብሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንክርስትያናት ብጾቱ ኸምኡ ገይሩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ እተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚፍጸም ነገራት ከም ዚሓስቡ ገይርዎም እዩ። ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:24, 25, 28 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን።ኣንብብ።

17, 18. (ሀ) የሆዋ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ “ኵሉ ኣብ ኵሉ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ቕድም ዝነበረ ሓድነትን ስኒትን ንኺመልስ እንታይ እዩ ኺገብር፧

17 ነቲ ዓብዪ ፍጻመ እቲ፡ “ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን” ካብ ዚብል ቃላት ንላዕሊ ገይሩ ኺገልጾ ዚኽእል ካልእ ቃላት የለን። እዚ ግና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ብዛዕባ እቲ እቶም ፍጹማት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ክፍሊ እቲ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈኖ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ኤድን ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን እሞ ሕሰብ። ሽዑ፡ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ፍጡራቱ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ መላእኽትን ሰባትን ብቐጥታ ይገዝእ ነበረ። ብብሕቲ ምስኡ ኺዘራረቡን ኬምልኽዎን ብእኡ ኺባረኹን ይኽእሉ ነበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ፡ “ኵሉ ኣብ ኵሉ” እዩ ነይሩ።

18 ሰባት ብሰይጣን ተጸልዮም ካብ ልዑላውነት የሆዋ ምስ ዓለዉ ግና፡ እቲ ሓድነት ዝነበሮ ርክቦም ተበትከ። ይኹን እምበር፡ ካብ 1914 ንነጀው መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ቕድም ዝነበረ ሓድነትን ስኒትን ምእንቲ ኺምለስ፡ በብግዜኡ ዜድሊ ስጕምትታት ትወስድ ኣላ። (ኤፌ. 1:9, 10) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ከኣ፡ ሕጂ “ዘይርኤ” ዜደንቕ ነገራት ኪርአ እዩ። ብድሕሪኡ፡ “መወዳእታ” ኪኸውን፡ ማለት እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኪዛዘም እዩ። ቀጺሉ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ የሱስ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ህርፋን ስልጣን የብሉን። ንቦታ የሆዋ ኺምንዝዕ ኣይደልን እዩ። ብትሕትና፡ ‘ነታ መንግስቲ ንኣቦኡ ኺውፍያ’ እዩ። ነቲ ፍሉይ ቦታኡን ስልጣኑን ‘ንኽብሪ ኣቦኡ’ ኺጥቀመሉ እዩ።—ማቴ. 28:18፣ ፊል. 2:9-11

19, 20. (ሀ) ኵሎም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንልዑላውነት የሆዋ ዚቕበልዎ እንተ ዀይኖም ብኸመይ እዮም ኬርእዩ ዚኽእሉ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋታት እዩ ዘሎና፧

19 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ንኣብነት የሱስ ኪስዕቡ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኸኣ ብትሕትናን ብፍታውን ኪቕበልዎ እዮም። ነዚ ንምግባር ዘለዎም ባህጊ ኸኣ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ብዓወት ብምስጋር ንኺገልጽዎ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። (ራእ. 20:7-10) ብድሕሪኡ፡ ኵሎም ዓለወኛታት ሰባትን መላእኽትን ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም። ኣየ ሽዑስ፡ ከመይ ዝበልዎ ዜሐጕስን ባህ ዜብልን እዋን ኰን እዩ ኪኸውን! ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ፡ ነቲ “ዅሉ ኣብ ኵሉ” ዚኸውን ኣምላኾም ብሓጐስ ኪውድስዎ እዮም።—መዝሙር 99:1-3 ኣንብብ።

20 እቲ ብሕጂ ዚፍጸም ዜሕጕስ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ንኸተተኵር ኪድርኸካ ድዩ፧ ናብቲ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እትቕርቦ ናይ ሓሶት ተስፋን ምሾትን ንኸይተስግል ክትጥንቀቕ ትኽእል ዲኻ፧ ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ ዘሎካ ቘራጽነት ከተደልድሎ ዲኻ፧ ንዘለኣለም ከምዚ ንምግባር ባህጊ እንተ ኣልዩካ፡ ብተግባርካ ኣርኢ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ኰነ ብድሕሪኡ፡ ሰላምን ብልጽግናን ረኺብካ ኽትነብር ኢኻ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]