ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እታ . . . መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም”

“እታ . . . መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም”

“እታ . . . መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም”

“እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።”—ማቴ. 25:13

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ በየናይ መገድታት እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧

ቅቡኣት ንቑሓት ምንባሮም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

ንምምጻእ ክርስቶስ ድሉዋት ምዃንና ኸነርእየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

1-3. (ሀ) ንምሳሌታት የሱስ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ዚኽእል ኣብነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምልሶ ዘሎና፧

 ሓደ ህቡብ ብዓል ስልጣን፡ ናብ ሓደ ኣገዳሲ ቘጸራ ብማኪና ኸተብጽሖ ኸም ዝሓተተካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ብዓል ስልጣን ንኽትከይድ ሒደት ደቓይቕ ኪተርፈካ ኸሎ፡ ነቲ ጕዕዞ ዚኸውን እኹል ነዳዲ ኸም ዘይብልካ ስለ ዝፈለጥካ፡ ነዳዲ ኽትዕድግ ተቐላጢፍካ ኼድካ። ምስ ከድካ ግና፡ እቲ ብዓል ስልጣን መጺኡ። ደልዩ ኸኣ ኪረኽበካ ኣይከኣለን። ኪጽበየካ ስለ ዘይከኣለ፡ ንኻልእ ሰብ ብማኪና ኼብጽሖ ብምሕታት ናብ ቈጸራኡ ኸይዱ። ካብቲ ዝኸድካዮ ብዙሕ ከይጸናሕካ እኳ እንተ ተመለስካ፡ እቲ ብዓል ስልጣን ብዘይ ብኣኻ ኸም ዝኸደ ፈሊጥካ። ሽዑ እንታይ ምተሰምዓካ፧

2 ሕጂ ኸኣ ንስኻ እቲ ብዓል ስልጣን ከም ዝዀንካ እሞ ሓደ ኣገዳሲ ዕዮ ንኺዓይዩ ኢልካ ሰለስተ ብቑዓት ሰብኡት ከም ዝመረጽካ ጌርካ ሕሰብ። ነቶም ሰብኡት ብዛዕባ መዝነቶም ምስ ነገርካዮም፡ ሰለስቲኦም ፍቓደኛታት ኰይኖም። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ እተወሰነ እዋን ምስ ተመለስካ፡ እቶም ክልተ ጥራይ ዕዮኦም ብግቡእ ከም ዝፈጸሙ ፈሊጥካ። እቲ ሳልሳዮም፡ ዕዮኡ ኣብ ርእሲ ዘይምፍጻሙ፡ ምኽኒት የብዝሕ። ብሱሩ እውን ነቲ ዕዮ ኺዓይዮ ኣይፈተነን። ሽዑ እንታይ ምተሰምዓካ፧

3 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ደናግልን መክሊትን ዝገለጾ ምሳሌ፡ ገሊኦም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚህልዉ ቕቡኣት ክርስትያናት እሙናትን ኣስተውዓልትን ዚዀኑሉ፡ ገሊኦም ሰባት ከኣ ዘይኰኑሉ ምኽንያት ንምግላጽ፡ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ዚመሳሰል ኣብነት ሃበ። * (ማቴ. 25:1-30) “እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ብምባል ከኣ ንነጥቡ ኣጕልሖ፣ እታ ኣብዚ “ሰዓት” ተባሂላ ዘላ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እዚኣ ፍርዲ ኣምላኽ ዚፍጽመሉ እዋን እያ እተመልክት። (ማቴ. 25:13) ሎሚ እውን ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንትግብሮ ንኽእል ኢና። ንማዕዳ የሱስ ብምስዓብ ንቑሓት ምዃንና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ ንድሕነት ድሉዋት ምዃኖም ዘርኣዩ መን እዮም፧ ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ንቑሕ ምዃን ዜምጽኦ ጥቕሚ

4. ንቑሕ ንምዃን፡ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ክትፈልጥ ዘየድሊ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ፋብሪካ ኸም ምስራሕ፡ ምስ ሓኪም ቈጸራ ኸም ምሓዝ፡ ወይ ከኣ መጐዓዝያ ኸም ምጽባይ ዝኣመሰለ ገሊኡ ንጥፈታት፡ ሰዓትና ምኽባር ይሓትት እዩ። ሓዊ ኸም ምጥፋእ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ድሕነት ዕዮ ኸም ምክፋል ኣብ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክትሰርሕ ከለኻ ግና፡ እናሻዕ ሰዓት ምርኣይ፡ ኣቓልቦኻ ኺሰርቕ ወይ ከኣ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ዅነታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሰዓት፡ ኣብቲ ዕዮ ኸተተኵር እዩ ዚግባእ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሰባት ንምድሓን ዝገበሮ መሰናድዎ ንሰባት ምንጋር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከም ክርስትያናት መጠን ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን፡ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ክንፈልጥ ኣየድልየናን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና ብሓሙሽተ መገዲ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ።

5. ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ንኸነርኢ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

5 ቀዳማይ፡ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ዘይምፍላጥና፡ ነቲ ብሓቂ ኣብ ልብና ዘሎ ንኸነርኢ የኽእለና እዩ። ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ንኽንጥቀመሉን ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ንኸነርእን እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኽንድሕን ንህንጠ እኳ እንተ ዀንና፡ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ደኣ እምበር፡ ህይወት ክንረክብ ኢልና ኣይኰንናን እነገልግሎ። (መዝሙር 37:4 ኣንብብ።) ፍቓዱ ብምግባር ንሕጐስ ኢና፣ ንሱ ዚጠቕመና ነገራት ከም ዚምህረና ኸኣ ንግንዘብ ኢና። (ኢሳ. 48:17) ትእዛዛቱ ድማ ኣይከቢድን እዩ።—1 ዮሃ. 5:3

6. ንኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነገልግሎ ኸለና፡ ንሱ እንታይ ይስምዖ፧ ስለምንታይከ፧

6 ካልኣይ፡ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ ንልቢ የሆዋ ንኸነሐጕሶ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኽና ደኣ እምበር፡ ዕለት ርኢና ወይ ምእንቲ ዓስቢ ጥራይ ኢልና ስለ ዘይነገልግሎ፡ የሆዋ ነቲ ጸላኢኡ ዝዀነ ሰይጣን ዘበገሶ መሰረት ዘይብሉ ጸርፊ ምላሽ ንኺህበሉ እጃምና ነበርክት ኢና። (እዮ. 2:4, 5፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።) ነቲ ብሰሪ ድያብሎስ ዝመጸ ስቓይን መከራን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተሓጒስና ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት የሆዋ ደው ንብልን ንእኩይ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ንነጽጎን ኢና።

7. ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ሳልሳይ፡ መወዳእታ ዚመጸሉ ዕለት ከይፈለጥና ንየሆዋ ምግልጋልና፡ ጥቕሚ ርእስና ንኽንስውእ ይድርኸና እዩ። ሎሚ ዘለዉ ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ገሊኦም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ይኣምኑ እዮም። በቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣመና ስለ ዚፈርሁ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” እዮም ዚብሉ። (1 ቈረ. 15:32) ንሕና ግና፡ ኣይንፈርህን ኢና። ብዛዕባ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ እውን ኣይኰንናን እንሓስብ። (ምሳ. 18:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ርእስና ቐቢጽና ኢና፣ ግዜናን ጕልበትናን ካልእ ንብረትናን እውን ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እነውዕሎ። (ማቴዎስ 16:24 ኣንብብ።) ንኣምላኽ ብምግልጋል፡ ብፍላይ ከኣ ካልኦት ሰባት ንኺፈልጥዎ ብምሕጋዝ ንሕጐስ ኢና።

8. ብዝያዳ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ክንውከል ከም ዘሎና ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለበሚ ኣየናይ እዩ፧

8 ራብዓይ፡ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽንውከልን ንቓሉ ኣብ ህይወትና ብትግሃት ንኽንትግብሮን ይሕግዘና እዩ። ሓደ ኻብቲ ዘሎና ሓጥእ ባህርይ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና እንውከል ምዃንና እዩ። ጳውሎስ ንዅሎም ክርስትያናት፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ኢሉ ምዒድዎም ኣሎ። እያሱ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ተስፋ ሒዝዎም ቀቅድሚ ምእታዉ፡ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝዀኑ እስራኤላውያን ስምረት ኣምላኽ ስኢኖም እዮም። ጳውሎስ፡ “እዚ ዅሉ . . . ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” በለ።—1 ቈረ. 10:8, 11, 12

9. ጸገማት ዜጽርየናን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ዜቕርበናን ብኸመይ እዩ፧

9 ሓምሻይ፡ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ እዋን ዘይምፍላጥና፡ በቲ ሕጂ ዜጋጥመና ጸገማት ንኽንጸሪ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። (መዝሙር 119:71 ኣንብብ።) ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ፡ ብሓቂ “ኽፉእ ዘመን” እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኣብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ስለ ዚጸልኡና፡ ብምኽንያት እምነትና መስጐጕቲ ይወርደና ይኸውን። (ዮሃ. 15:19፣ 16:2) ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ ብትሕትና መምርሒ ኣምላኽ እንተ ኣናዲና፡ እምነትና ኸምቲ ብሓዊ ዚሓልፍ ነገር ክትጸሪ እያ። ተስፋ ኸኣ ኣይክንቈርጽን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና።—ያእ. 1:2-4፣ 4:8

10. ግዜ ቐልጢፉ ዚሓልፍ ዚመስለና ብኸመይ እዩ፧

10 ግዜ ቐልጢፉ ወይ ከኣ ቀስ ኢሉ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ብስራሕ ትሑዛት እንተ ዄንና፡ ግዜ ቐልጢፉ ዚሓልፍ እዩ ዚመስለና። ብተመሳሳሊ፡ በቲ የሆዋ ዝሃበና ባህ ዜብል ዕዮ ትሑዛት እንተ ደኣ ዄንና፡ እቲ መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ከይሓሰብናዮ ደበኽ ኪብል ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። የሱስ ብ1914 ንጉስ ምስ ኰነ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ፣ ገሊኦም ቅቡኣት ድሉዋት ዝነበሩ፡ ገሊኦም ግና ድሉዋት ዘይነበሩ ብኸመይ ምዃኑ እውን ክንርኢ ኢና።

ቅቡኣት ድሉዋት እዮም ነይሮም

11. ድሕሪ 1914፡ ገሊኦም ቅቡኣት፡ ጐይታ ኸም ዝደንጐየ ገይሮም ዝደምደሙ ስለምንታይ እዮም፧

11 ነቲ ብዛዕባ እተን ደናግልን ብዛዕባ እቲ መክሊትን ዚገልጽ ምሳሌታት የሱስ እስከ እንደገና ንመርምሮ። እተን ኣብቲ ምሳሌታት ተጠቒሰን ዘለዋ ደናግል መርዓዊ መዓስ ከም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጣ ነይረን፡ እቶም ባሮት ከኣ ጐይታኦም መዓስ ከም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጡ ነይሮም፡ ወትሩ ንቑሓት ኪዀኑ ኣይመድለዮምን ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ መዓስ ከም ዚመጽእ ስለ ዘይፈልጡ፡ ኵሉ ግዜ ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም። ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሞም፡ 1914 ፍልይቲ ዓመት ከም እትኸውን እኳ እንተ ፈለጡ፡ እንታይ ከም ዜጋጥም ግና ንጹር ምርዳእ ኣይነበሮምን። ከምቲ ዝሓሰብዎ ኸይኰነ ምስ ተረፈ ድማ፡ መርዓዊ ዝደንጐየ መሰሎም። ሓደ ሓው ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ [1914]፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ሰሙን ናብ ሰማይ ከም እንኸይድ ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና” በለ።

12. ቅቡኣት ክርስትያናት፡ እሙናትን ኣስተውዓልትን ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

12 ግዜ መወዳእታ ኣብቲ እተጸበኻዮ ግዜ ኸይመጸ ኺተርፍ ከሎ፡ ክሳዕ ክንደይ ተስፋ ዜቝርጽ ኪኸውን ኸም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ እቶም ቅቡኣት ብምኽንያት ቀዳማይ ውግእ ዓለም መስጐጕቲ ኣጋጠሞም። ንእተወሰነ እዋን ድማ፡ ልክዕ ከም ዝደቀሰ ሰብ፡ ንጥፈታቶም ኣቋረጸ። ብ1919 ግና፡ እንደገና ተበራበሩ። የሱስ ናብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምስ መጸ፡ እዋን መርመራ ጀመረ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ቅቡኣት ነቲ መርመራ ስለ ዘይሓለፍዎ፡ ምስቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ‘ኪነግዱ’ ወይ ኪዓዩ ተዋሂብዎም ዝነበረ ፍሉይ መሰሎም ሰኣኑ። (ማቴ. 25:16) ልክዕ ከምተን ዓያሹ ደናግል፡ እኹል መንፈሳዊ ዘይቲ ስለ ዘይነበሮም፡ ንቑሓት ኣይነበሩን። ልክዕ ከምቲ ሃካይ ባርያ ድማ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ጥቕሚ ርእሶም ኪስውኡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም ቅቡኣት ግና፡ ኣብቲ ውግእ ዚካየደሉ ዝነበረ ኣጸጋሚ እዋናት እውን እንተ ዀነ፡ እሙናት ምዃኖምን ንጐይታኦም ኬገልግሉ ኸም ዚብህጉን ኣርኣዩ።

13. ድሕሪ 1914፡ እቶም ቅቡኣት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧ ሎሚኸ፧

13 ድሕሪ 1914፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣገዳሲ ሓሳብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት፦ “ኣሕዋት፡ እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣረኣእያ ዘሎና ዘበልና፡ ብዝዀነ ይኹን መሰናድዎታት ኣምላኽ ኣይጐሃናን። ፍቓድና ኺፍጸም ኣይኰንናን እንደሊ፣ ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 1914 ኪፍጸም እንጽበዮ ዝነበርና ነገራት ጌጋ ኸም ዝነበረ ምስ ፈለጥና፡ ጐይታ ንዓና ንኼሐጕስ ኢሉ መደቡ ዘይምቕያሩ ኣሐጒሱና እዩ። ከምኡ ኺገብር እውን ኣይንደልን ኢና። ንመደባቱን ንዕላማኡን ክንርድኦ ጥራይ ኢና እንደሊ።” ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ተመሳሳሊ ትሕትናን ተወፋይነትን የንጸባርቑ እዮም። መንፈስ ከም ዝነፈሶም ገይሮም ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኺዓይይዎ ዝሃቦም ዕዮ ኺፍጽምዎ ግና ይደልዩ እዮም። ሕጂ ኸኣ እቶም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ክፍሊ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ፡” ንንቕሓትን ንቕንኣትን እቶም ቅቡኣት ይቐድሕዎ ኣለዉ።—ራእ. 7:9፣ ዮሃ. 10:16

ድሉዋት ንኹን

14. ምስቲ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህበሉ መትረብ ጠቢቕና ምምልላስና ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧

14 ንቑሓት ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ እውን ኣሰር እቶም ቅቡኣት ብምስዓብ፡ ምስቲ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህበሉ መትረብ ጠቢቖም ይመላለሱ ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቶም ቅቡኣት፡ ብቓል ኣምላኽን ብመንፈስ ቅዱስን ኣቢሎም መንፈሳዊ ዘይቶም ይመልኡ ኣለዉ። (መዝሙር 119:130፣ ዮሃንስ 16:13 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ብርታዐ ስለ ዚረኽቡ፡ ከቢድ ፈተና እናኣጋጠሞም እውን እንተ ዀነ ኣብ ዕዮኦም ንጡፋት ብምዃን፡ ንምምላስ ክርስቶስ ድሉዋት ኰይኖም ይጸንሑ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መዳጐኒ ደምበ ናዚ፡ እቶም እተኣስሩ ኣሕዋት ሓንቲ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ስለ ዝነበረቶም፡ ተወሳኺ መንፈሳዊ ምግቢ ንኺረኽቡ ጸለዩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ኻብ ዚእሰር ነዊሕ ዘይገበረ ሓው፡ ኣብ ውሽጢ እታ ባምቡላ እግሩ፡ ሒደት ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ሒዙ ኸም ዝመጸ ሰምዑ። ሓደ ኻብቶም ብህይወት ዝተረፉ አርነስት ቫወር ዝስሙ ቅቡእ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ ነቲ ኣብተን ዓንቀጻት ዝነበረ ዜበራትዕ ሓሳባት ምእንቲ ኽንዝክሮ፡ ብዜደንቕ መገዲ ሓጊዙና እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሎሚ መንፈሳዊ ምግቢ ምርካብ ቀሊል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ወትሩ ነማስወሉ ዲና፧ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉን ንዕኡ እሙናት ዝዀኑን ካብ መኣዱ ዚምገቡን ሰባት ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም እተኣማመን እየ” በለ።

15, 16. ጆንን ሰበይቱን በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት እተባረኹ ብኸመይ እዮም፧ ካብ ተመክሮኦምከ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

15 ብዘይካዚ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ ብምድጋፍ ኣብ ዕዮ ጐይታ ብትግሃት ይዓይዩ እዮም። (ማቴ. 25:40) ከምቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሃካይ ባርያ ስለ ዘይኰኑ፡ መስዋእትታት ኪገብሩን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ኪጽዕሩን ፍቓደኛታት እዮም። ንኣብነት፡ ጆንን ማሳኮን ነቶም ኣብ ኬንያ ዚነብሩ ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት ኪሰብኩሎም ጻውዒት ምስ ቀረበሎም፡ ኣብ ፈለማ ሰጋእ መጋእ ኢሎም ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ንዅነታቶም ብጸሎት ምስ ሓሰቡሉ፡ ናብ ኬንያ ኺግዕዙ ወሰኑ።

16 የሆዋ ኸኣ ኣብዚሑ ባረኾም። ጆንን ማሳኮን፡ “ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ” በሉ። ሸውዓተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ካልእ ብዙሕ ባህ ዜብል ተመክሮታት እውን ረኸቡ። “ናብዚ ኽንመጽእ ስለ ዝፈቐደልና፡ ንየሆዋ በብመዓልቱ ኢና እነመስግኖ” ድማ በሉ። መወዳእታ ኣብ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዛት ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ብውሳነኦም ዘርኣዩ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ብዛዕባ እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቖም ሚስዮናውያን ዝዀኑ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት እሞ ሕሰብ። ነታ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና!” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብምንባብ፡ እቲ ፍሉይ ኣገልግሎት እንታይ ከም ዚመስል ንምንታይ ዘይትርኢ፧ ነቲ ብዛዕባ ሚስዮናውያን በብመዓልቱ ዜሕልፍዎ ነገራት ዚገልጽ ዜደንቕ ጸብጻብ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ንኣምላኽ ውዳሰ፡ ንዓኻ ኸኣ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ኣገልግሎት ብኸመይ ከተዕብዮ ኸም እትኽእል ሕሰብ።

ንስኻ እውን ወትሩ ንቑሕ ኩን

17. ነታ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

17 እዚ ስርዓት እዚ ዚጠፍኣሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና ጠቒሙና እዩ። እዚ ኸኣ ተስፋ ዜቝርጽ ወይ ዜጕሂ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ እቲ ፈቃር ኣቦና ዝዀነ የሆዋ እናገበርና ብዝያዳ ናብኡ ኸም እንቐርብ እዩ ዚገብረና። ብምሳልያዊ መገዲ፡ ዕርፊ ሒዝና ስለ ዘለና፡ ኬስግለና ኻብ ዚኽእል ነገራት ብምርሓቕ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ብዙሕ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 9:62

18. ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እሙናት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ናብ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኣዚና ንቐርብ ኢና ዘለና። ንየሆዋን ንየሱስን ከነጕህዮም እውን ኣይንደልን ኢና። ንሳቶም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንዓይዮ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ብሓደራ ሂቦምና ኣለዉ። ነቲ ኣባና ዘለዎም ምትእምማን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና እንርእዮ!—1 ጢሞቴዎስ 1:12 ኣንብብ።

19. ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ተስፋና ናብ ሰማይ ክንከይድ ይኹን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኽንነብር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነት ብተኣማንነት ንኽንፍጽሞ ቘራጽነት ንግበር። ነታ መዓልቲ የሆዋ እትመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይንፈልጣን ኢና፣ ብሱሩኸ ኽንፈልጣ የድልየና ድዩ፧ ድሉዋት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከምኡ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና። (ማቴ. 24:36, 44) ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና ኸምኡውን ንመንግስቱ ቐዳምነት እንተ ሂብናያ፡ ንሱ ኸም ዘየሕፍረና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 10:11

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ናይ 1 መጋቢት 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 14-18 ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]