ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

የሆዋ፡ ዝዓበየ ‘መምህርና’ እዩ። (ኢሳ. 30:20) ንኻልኦት ንኺምህርን ንኼሰልጥንን እትድርኾ ድማ ፍቕሪ እያ። ንኣብነት፡ ንየሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ “ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ” የርእዮ እዩ። (ዮሃ. 5:20) ንዓና ንመሰኻኽሩ እውን፡ ንዕኡ ንኸነኽብሮን ንሰባት ንኽንሕግዞምን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ “ናይ ምሁራት ልሳን” ዚህበና፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ።—ኢሳ. 50:4

ኮሚተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ንየሆዋ ብምምሳል፡ ነቶም ንኺምዝገቡ ባህጊ ዘለዎምን ኵነታቶም ዚፈቕደሎምን ሰባት ንምስልጣን፡ ዓሰርተ ዝዀና ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ይጥቀም ኣሎ። ነዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚአን፡ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዝዀና ጌርካ ዲኻ እትርእየን፧

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተኻየደ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርትን ገለ ኻብቶም ኣብኡ እተኻፈሉ ሰባት ዝሃብዎ ሓሳባትን ሓፈሻዊ ፍልጠት ክትረክብ ነተባብዓካ። ንርእስኻ ድማ፡ ‘ካብዚ መለኮታዊ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ እየ ኽጥቀም ዝኽእል፧’ ኢልካ ሕተታ።

ካብ ቲኦክራስያዊ ስልጠና ተጠቐም

የሆዋ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ብምዃኑ፡ ንህይወትና ትርጕም ዚውስኸሉ፡ ብድሆታት ንኽንሰግር ዜዳልወና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብዙሕ ሓጐስ ንኽንረክብ ድማ ዚሕግዘና ስልጠና ይህበና እዩ። (2 ቈረ. 13:11) ንሕና እውን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ንሰባት ንዅሉ እቲ እተኣዘዝናዮ ነገራት ‘ኪሕልዉ እናመሃርና’ ንኽንሕግዞም ተዓጢቕና ኢና።—ማቴ. 28:20

ኣብ ኵሉ እዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኽንካፈል ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ሓዲኡ ወይ ኣብ ገሊኡ፡ ብምክፋል ግና ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብኡ ዚውሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ፡ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ምስቶም ግቡእ ስልጠና ዝረኸቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓቢርና ብምዕያይ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና።

ስለዚ፡ ንርእስኻ፡ ‘ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ገለ ኻብዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ምእንቲ ኽካፈል ጻዕሪ ኽገብር ኵነታተይ ይፈቕደለይ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ነዚ ጠቓሚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ንኺድግፍዎን ኣብኡ ንኺመሃሩን ረኺቦምዎ ዘለዉ ኣጋጣሚ፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንዓኻ እውን፡ እቲ ኻብዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ እትረኽቦ ስልጠና ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኬቕርበካ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎካ ሓላፍነት፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተዋህበካ ተልእኾ ንኽትፍጽሞ ኼዕጥቐካ ንምነየልካ።

[ኣብ ገጽ 13-17 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ

ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት

ዕላማ፦ ኣስፋሕቲ፡ ውጽኢታውያን ሰበኽትን መምህራንን እቲ ብስራት ምእንቲ ኪዀኑ ንምስልጣን።

ንውሓት ግዜ፦ ቀጻሊ።

ቦታ፦ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።

ብቕዓት፦ ኵሎም እቶም ኣዘውቲሮም ኣብታ ጉባኤ ዚመጹ፡ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዑ፡ ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ከኣ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ሰባት።

ምዝገባ፦ ንሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ተዛረቦ።

አሚዮትሮፊክ ላተራል ስክለሮሲስ (ALS) ብዚብሃል ሕማም ዝለመሰት ሻሮን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ምርምር ንኽገብርን ብርትዓዊ መገዲ ሓበሬታ ንከቕርብን ሓጊዙኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ርእሰይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳውነት ካልኦት ሰባት ንኸተኵር ተማሂረ እየ።”

ንነዊሕ እዋን ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ኣርኒ ዝስሙ ሓው ከምዚ በለ፦ “ወታእ ኰይነ እየ ዓብየ፡ ንኻልኦት ሰባት ክጥምት ከኣ የሸግረኒ ነበረ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ምትእምማን ንኸጥርን ዋጋ ዘሎኒ ዀይኑ ንኺስምዓንን ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ በዚ ስልጠና እዚ ገይሩ ሳላ ዝሓገዘኒ፡ ኣተነፋፍሳይ ንኽቈጻጸርን ንኸተኵርን ዚሕግዘኒ ሜላታት ተማሂረ እየ። ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎተይን ንኣምላኽ ክውድሶ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘመስግን።”

ቤት ትምህርቲ ኣተውቲ ቤት-ኤል

ዕላማ፦ ንሓደስቲ ቤት-ኤላውያን፡ ኣብቲ ናይ ቤት-ኤል ኣገልግሎቶም ውጽኢታውያን ኪዀኑ ንኺሕግዞም። ንውሓት ግዜ፦ ኣብ ሰሙን 45 ደቒቕ፡ 16 ሰሙን።

ቦታ፦ ቤት-ኤል።

ብቕዓት፦ ነባሪ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ወይ ከኣ ንሓደ ወይ ንዝያዳ ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ንኼገልግል ተቐባልነት ዝረኸበ ግዜያዊ ወለንተኛ።

ምዝገባ፦ ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ብኡንብኡ ይምዝገቡ።

ብ1980ታት ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተኻፈለ ዲሚትሪስ ዝስሙ ሓው ከምዚ በለ፦ “እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ነቲ ናይ መጽናዕቲ ልምድታተይ ኣመሓይሹለይ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት-ኤል ንክቕጽል ከኣ ሓጊዙኒ እዩ። እቶም መምህራን፡ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ከምኡውን እቲ ግብራዊ ምኽሪ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረንን ኣብ ናይ ቤት-ኤል ኣገልግሎተይ ንኽዕወት ከኣ ኪሕግዘኒ ኸም ዚደልን ኣእሚኑኒ እዩ።”

ኬትሊን ከምዚ በለት፦ “ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፡ ማለት መንፈሳዊ ሰብ ኣብ ምዃን ንኸተኵር ሓጊዙኒ እዩ። ቤት ትምህርቲ ኣተወቲ ቤት-ኤል ንየሆዋን ንቤቱን ንውድቡን ዘሎኒ ሞሳ ንኸዕቢ ሓጊዙኒ እዩ።”

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ

ዕላማ፦ ንገየሽቲ ሓለውትን ንሽማግለታትን፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ መጓሰ ምእንቲ ኺሕልዉን ውድባዊ ሓላፍነቶም ምእንቲ ኺስከሙን ንምስልጣን። (ግብ. 20:28) ኣብ ጉባኤታት እተራእየ እዋናዊ ዅነታትን ኣንፈትን ብህጹጽ ዜድሊ ነገራትን ይጽናዕ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ወሰነ፡ ሒደት ዓመታት ጸጸኒሑ ይውሃብ።

ንውሓት ግዜ፦ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ንገየሽቲ ሓለውቲ ኻብ ክልተ መዓልቲ ኽሳዕ ክልተ መዓልትን ፈረቓን፡ ንሽማግለታት ሓደ መዓልትን ፈረቓን፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ኸኣ ሓደ መዓልቲ እዩ ተገይሩ።

ቦታ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ። ብቕዓት፦ ገያሺ ሓላዊ፡ ሽማግለ፡ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ።

ምዝገባ፦ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብሓላው ወረዳ ይዕደሙ። ገየሽቲ ሓለውቲ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

“እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሓበሬታ ዜመሓላልፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሽማግለታት ሓጐሶም ንኺዕቅቡን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ሰብኡት ንኪዀኑን’ ሓጊዝዎም እዩ። ሓደስቲ ይኹኑ ነባራት ሽማግለታት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺጓስዩን ‘ብሓደ ሓሳብ’ ተሰማሚዖም ንኺዓዩን ተማሂሮም እዮም።”ክዊን (ታሕቲ)።

“እዚ ስልጠና እዚ፡ ብሚዛናዊ መገዲ መንፈሳውነትና ንኸነደልድል ሓጊዙና፡ ካብ ሓደገኛ ዅነታት ክንሕሎ ኣጠንቂቑና፡ ከምኡውን ነተን መጓሰ ንኽንኣሊ ዚሕግዝ ግብራዊ ርእይቶታት ሂቡና እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ ለውሃት የሆዋ ዜርኢ እዩ።”—ሚካኤል።

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ

ዕላማ፦ ንፈለምቲ፡ ‘ኣገልግሎቶም ኪምልኡ’ ንምሕጋዝ።—2 ጢሞ. 4:5

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ሰሙን።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።

ብቕዓት፦ ንሓደ ወይ ንዝያዳ ዓመት ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለ ኪኸውን ኣለዎ። *

ምዝገባ፦ ብቑዓት ፈለምቲ ብኡንብኡ ይምዝገቡ፡ ብሓላው ወረዳኦም ከኣ ይሕበሮም።

ሊሊ (የማን)፡ “እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎተይን ኣብ ህይወተይን ንዜጋጥመኒ ብድሆታት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ኣስዒባ እውን፡ “እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዓሉን ዝምህረሉን ዝጥቀመሉን መገዲ ኣጸቢቑ ተመሓይሹ እዩ። ንኻልኦት ንኽሕግዝ፡ ንሽማግለታት ንኽድግፍ፡ ንዕቤት እታ ጉባኤ ኸኣ እጃመይ ንኸበርክት ብዝሓሸ መገዲ ተዳልየ እየ” ብምባል ገለጸት።

ክልተ ግዜ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተኻፈለት ብሬንዳ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ምሉእ ብምሉእ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኽውሓጥ፡ ሕልናይ ንኸደልድል፡ ከምኡውን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ንኸተኵር ሓጊዙኒ እዩ። ብሓቂ፡ የሆዋ ለጋስ እዩ!”

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ኣብ ሓደ ኽፍሊ እኹላት ሓደስቲ ፈለምቲ እንተ ዘየልዮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዘይተኻፈሉ ፈለምቲ፡ እንደገና ንኺካፈሉ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።

ንሽማግለታት ጉባኤ ዚኸውን ቤት ትምህርቲ

ዕላማ፦ ንሽማግለታት ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ንኺዋጽኡሉን መንፈሳውነቶም ንኼደልድሉን ንምሕጋዝ።

ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ መዓልቲ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።

ብቕዓት፦ ሽማግለ ኪኸውን ኣለዎ።

ምዝገባ፦ ሽማግለታት ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተኻየደ መበል 92 ክፍሊ ኻብ እተኻፈሉ ሰባት እተዋህበ ሓሳባት፦

“እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንገዛእ ርእሰይ ንኽምርምርን ንኣባጊዕ የሆዋ ብኸመይ ክኣልየን ከም ዝኽእል ንኽግንዘብን ብምሕጋዝ፡ ኣጸቢቑ ጠቒሙኒ እዩ።”

“ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ቀንዲ ነጥብታት ብምጕላሕ፡ ንዅሉ ብዝያዳ ንኸተባብዕ ተዳልየ እየ።”

“ነዚ ስልጠና እዚ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ክጥቀመሉ እየ።”

ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ

ዕላማ፦ ሓለውቲ ወረዳን ሓለውቲ ኣውራጃን ንጉባኤታት ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑን ‘ብቓልን ብምህሮን ኪጽዕሩን’ ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ኪጓስዩን ንምሕጋዝ። —1 ጢሞ. 5:17፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን።

ብቕዓት፦ እቲ ሓው፡ ሓላው ወረዳ ወይ ሓላው ኣውራጃ ኪኸውን ኣለዎ።

ምዝገባ፦ ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።

“ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ዘለዎ ርእስነት፡ ብዝያዳ ኸም እንግንዘቦን ከም እነማስወሉን ገይሩና። ነቶም እነገልግሎም ኣሕዋት ከነተባብዖምን ንሓድነት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንኸነደልድልን ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ምኽሪ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን መኣረምታ ዚህብ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ሸቶኡ ነቶም ኣሕዋት የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ምእንቲ ኺግንዘቡ ንኺሕግዞም ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ኸም ዚቕረጽ ገይሩ እዩ።”—ጆኤል፡ 1ይ ክፍሊ፡ 1999።

ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዕላማ፦ ዘይተመርዓዉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ውድብ የሆዋ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኺስከሙ ንምድላው። መብዛሕትኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዚርከብ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ ይምደቡ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደኣ ኣፍሊጦም፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ግሉል ከባቢ ኸይዶም ዕዮ ኺጅምሩን ኬስፋሕፍሑን ግዜያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።

ብቕዓት፦ ካብ 23 ክሳዕ 62 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ቦታ ኸይዶም ንኣሕዋቶምን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ኬገልግሉ ዚደልዩ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ ንጽል ኣሕዋት። (ማር. 10:29, 30) እንተ ወሓደ ንኽልተ ዓመት ፈለምቲ፡ ከምኡውን እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ኪዀኑ ኣለዎም።

ምዝገባ፦ ነቶም ኪምዝገቡ ዚደልዩ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ፍሉይ ኣኼባ ይግበር እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ መበል 23 ክፍሊ እተኻፈለ ሪክ ዝስሙ ሓው፡ “ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ሳላ እተኻፈልኩ፡ መንፈስ የሆዋ ውሽጠይ ኪልውጠኒ ኽኢሉ እዩ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “የሆዋ ሓደ ዕዮ ኺህበካ ኸሎ፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ይድግፈካ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሰይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ኣተኲረ፡ የሆዋ ኸም ዚድገፈኒ ተማሂረ እየ” በለ።

ኣብ ጀርመን ዜገልግል ኣንድረያስ ዝስሙ ሓው፡ “ውድብ የሆዋ ዘመናዊ ተኣምር ከም ዝዀነ ንኽግንዘብ ተማሂረ እየ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “እቲ ዝረኸብክዎ ስልጠና፡ ነቲ ብሕጂ ዝዓዮ ዕዮ ንኽዳለወሉ ሓጊዙኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓያሎ ኣብነታት ንሓደ መሰረታዊ ሓቂ፡ ማለት ንኣሕዋተይን ንየሆዋን ምግልጋለይ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዝመርሕ ምሂሩኒ እዩ” በለ።

ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዕላማ፦ ሰብ ሓዳር፡ ንየሆዋን ንውድቡን ብዝበለጸ ንኼገልግሉ ዜኽእሎም ፍሉይ ስልጠና ንምሃብ። መብዛሕትኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዚርከብ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ እዮም ዚምደቡ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደኣ ኣፍሊጦም፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም። ተመረቕቲ፡ ኣብ ግሉል ከባቢ ኸይዶም ዕዮ ምእንቲ ኺጅምሩን ኬስፋሕፍሑን ግዜያውያን ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብ መስከረም 2012 ጀሚሩ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ እተመርጻ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ይካየድ።

ብቕዓት፦ ካብ 25 ክሳዕ 50 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ዚኽእሉ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ድማ ኪብሉ ዚኽእሉ ሰብ ሓዳር። (ኢሳ. 6:8) ብተወሳኺ፡ ካብ ዚምርዓዉ እንተ ወሓደ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እሞ ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝጸንሑ ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ሓው እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ሽማገለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገለግል ዘሎ ኪኸውን ይግባእ።

ምዝገባ፦ ነቶም ኪምዝገቡ ዚደልዩ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ፍሉይ ኣኼባ ይግበር እዩ። ኣብ ሃገርካ ኣብ ዚካየድ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እዚ ኣኼባ እዚ እንተ ዘይተገይሩ፡ ከተመልክት ከኣ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኽትረክብ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

“እዘን ህይወት ዚቕይራ ሸሞንተ ሰሙን፡ ነቶም ዕዮኦም ኬስፍሑ ዚደልዩ ሰብ ሓዳር ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኣጋጣሚ ኰን እየን ዚኸፍታሎም! ንግዜና ብጥበብ ንኽንጥቀመሉ ዜኽእል ሚዛናዊ ናብራ ንኽንነብር ቈሪጽና ኢና።”—ኤሪክን ኮሪናን (ታሕቲ)፡ 1ይ ክፍሊ፡ 2011።

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ

ዕላማ፦ ንተመሃሮ ኣብቲ ብዙሓት ነበርቲ ዘለውዎ ኸባቢታት ከይዶም ንኸገልግሉ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ ኪዀኑ፡ ወይ ከኣ ቤት-ኤላውያን ኪዀኑ ንምስልጣን። እቲ ሸቶ፡ ምስ ኣገልግሎትን ጨንፈርን እተተሓሓዘ ኣወዳድባ ንምድልዳል እዩ።

ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ ወርሒ።

ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።

ብቕዓት፦ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ዘለዉ፡ ማለት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘይተኻፈሉ፡ ግናኸ ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ወይ ከኣ ቤት-ኤላውያን ሰብ ሓዳር። ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ ወሓደ ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ሓቢሮም ዘገልገሉ ኪዀኑ ኣለዎም። እቶም ዜመልክቱ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ ኪዀኑ ኣለዎም። እንግሊዝኛ ጽቡቕ ገይሮም ዚዛረቡን ዜንብቡን ዚጽሕፉን ኪዀኑ ኣለዎም።

ምዝገባ፦ ሰብ ሓዳር ንኸመልክቱ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዕደሙ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀኑ ላድያን ሞኒክን ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ የገልግሉ ኣለዉ። ላድያ፡“ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ እተመደብናዮ ዘበለ ሃገር ኬድና፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና፡ ምስቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ኽንዓዪ ኣዳልዩና እዩ” በለ።

ሞኒክ ከኣ፡ “ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸለኹ፡ ኣብቲ እተመደብኩሉ ዕዮ ዝያዳ ሕጕስቲ እየ ዝኸውን። ነዚ ሓጐስ እዚ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” በለት።

ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ

ዕላማ፦ ነቶም ኣብ ኮሚተታት ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ንኣባይቲ ቤት-ኤል ኰነ ንጉባኤታት ዚትንክፍ ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ጕዳያት፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ክሎም ዚርከብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን ናይ ምክትታል ሓላፍነቶም ብግቡእ ንኸካይዱ ንምሕጋዝ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ትርጕምን ሕትመትን ምጕዕዓዝ ጽሑፋትን እውን ይምሃሩ እዮም።

ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።

ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።

ብቕዓት፦ እቲ ሓው፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ወይ ኮሚተ ሃገር ወይ ከኣ ኣብ ዚመጽእ ኣባል ኮሚተ ኪኸውን እተመደበ።

ምዝገባ፦ ኣሕዋትን ኣንስቶምን ብኣማሓዳሪ ኣካል ይዕደሙ።

ኣብ መበል 25 ክፍሊ ዝሰልጠኑ፡ ኣብ ናይጀርያ ዜገልግሉ ዘለዉ ሎወልን ካራን። ሎወል፡ “ክሳዕ ክንደይ ትሑዝ እኹን ወይ እተዋህበኒ ዕዮ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ንኸሐጕሶ፡ መንፈሳውነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘኻኺረ እየ” በለ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ብዘይካዚ፡ እቲ ትምህርቲ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ነታ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘርኣዮም ፍቕሪ ኽንቀድሓ ኸም ዘሎና ኣጕሊሑ እዩ” በለ።

ካራ ኸኣ፡ “ሓደ ኻብቲ ዘስተንተንኩሉ ሓሳብ እዚ እዩ፦ ንሓደ ነጥቢ ብቐሊሉ ኽገልጾ እንተ ዘይክኢለ፡ ንኻልኦት ክምህር ቅድሚ ምፍታነይ፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ኸጽንዖ ኣሎኒ” በለት።