ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብልሽውና ኬኽትም እዩ

ብልሽውና ኬኽትም እዩ

“ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡ . . . ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።”​—መዝሙር 37:34

ንስኻኸ ኸም ብዙሓት ሰባት፡ ብልሽውና ዘይተርፍ ነገር ከም ዝዀነን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘየኽትምን ጌርካ ብምሕሳብ ትሰግእ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ተሰምዓካ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣብ መላእ ታሪኽ፡ ደቂ ሰብ እተፈላለየ ዓይነት መንግስቲ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ንብልሽውና ግና ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዎ ኣይከኣሉን። ኵሎም ሰባት ብሓቀኛነት ዚመላለሱሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

እቲ ዜሐጕስ፡ ከምኡ ዓይነት እዋን ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኻብ ብልሽውና ንምጽራይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ይሕብረና እዩ። ብኸመይ፧ በታ ንምድርና ምሉእ ብምሉእ እትቕይራ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ኺገብር። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ እያ። የሱስ ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ።—ማቴዎስ 6:10

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪንበ ኸሎ፡ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፡ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ” ይብል። (መዝሙር 72:12-14) የሱስ ነቶም ግዳይ ብልሽውና ዝዀኑ ሰባት ከም ዚሓዝነሎምን ነቲ ዜጋጥሞም ግፍዒ ኸም ዜወግዶን ኣስተብህል። እዝስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧

መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ርሕሩሕን ሓያልን ገዛኢ እናተመርሐት፡ ንብልሽውና ኻብ ምድሪ ኸተወግዶ እያ። ብኸመይ፧ ነቲ ሰለስተ ጠንቂ ብልሽውና ብምውጋድ።

ጽልዋ ሓጢኣት

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኵላትና ምስቲ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ኸም እነተኵር ዚገብረና ሓጥእ ዝንባለ ኽንቃለስ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-23) ይኹን እምበር፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ዚደልዩ ጥዑያት ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ኣብ ዘለዎ ናይ ምብጃው ዓቕሚ ኺኣምኑ ይኽእሉ እዮም፡ ሓጢኣቶም ይቕረ ኺብሃለሎም እውን ይኽእል እዩ። a (1 ዮሃንስ 1:7, 9) ካብቲ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ተጠቒሱ ዘሎ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እውን ጥቕሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም፣ እታ ጥቕሲ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ትብል።

ኣምላኽ ምእንቲ እቶም እሙናት ሰባት ኢሉ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገር ኪገብር እዩ። ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ንዅሉ ሓጢኣት ኬጥፍኦ፡ ቀስ ብቐስ ድማ ንእሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖምን ኣብ ቅድሚኡ ብጽድቂ ኸም ዚመላለሱ ኺገብሮምን እዩ። (ኢሳይያስ 26:9፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ድሕሪኡ፡ ብምኽንያት ጽልዋ ሓጢኣት ኣብ ብልሽውና ዚኣቱ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ። እሙናት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ‘ባሮት ብልሽውና’ ኣይኪዀኑን እዮም።—2 ጴጥሮስ 2:19NW።

ጽልዋ እዛ እንነብረላ ዘለና እክይቲ ዓለም

እቲ ዜሕዝን፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ደይመደይ ኢሎም ንኻልኦት የታልልዎም እዮም። ንድኻታትን ንመሳኺንን ይብለጹሎም፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ኣብ ብልሽውና ንኺኣትዉ ይጸልውዎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ ነቲ፡ “ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ” ዚብል ምሕጽንታ ኺሰምዕዎ እዩ ዚመኽሮም። እንተ ተነሲሖም፡ ኣምላኽ ‘ኣዝዩ ይቕረ ኸም ዚብለሎም’ መጽሓፍ ቅዱስ ይመባጻዕ እዩ።—ኢሳይያስ 55:7

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም መገዶም ዘይቅይሩ ነቓጻት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። እቲ፡ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡ . . . ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ዚብል መብጽዓ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኺፍጸም እዩ። (መዝሙር 37:34) እቶም ኪልወጡ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ እኩያት ሰባት ስለ ዚጠፍኡ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግዳይ ብልሽውና ኣይኪዀኑን እዮም።

ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስ

ካብቶም ኪልወጡ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ነቓጻት ሓጥኣን እቲ ቐንዲ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ የሆዋ b ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሰይጣን፡ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኸይጸልዎም፡ ኪቕይዶ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍኦ እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ጨካን ፍጡር ንሰባት፡ ኣብ ብልሽውና ንኺኣትዉ ኣይኪጸልዎምን እዩ።

ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቂ ብልሽውና ኸም ዜጥፍኦ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ትምኒት ጥራይ ኪመስል ይኽእል እዩ። ‘ኣምላኽ ብሓቂ ኸምዚ ዓይነት ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል ድዩ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዘይገበረ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዚ ጽቡቕ ሕቶታት እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዜዕግብ መልሲ ይህበሉ እዩ። c መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ብልሽውና ንዘለኣለም ዚጠፍኣሉ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል ክትምርምር ንዕድመካ።

a ብዛዕባ እቲ ሞት የሱስ ዘለዎ ናይ ምብጃው ዓቕሚ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።

b የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።

c ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡