ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ኣንበብትና

ሓጐስ ዚርከብ ካብ መውስቦ ጥራይ ድዩ፧

ሓጐስ ዚርከብ ካብ መውስቦ ጥራይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስን ዕጉብን ንኽትከውን ናይ ግድን ክትምርዖ ኸም ዘሎካ ይምህር ድዩ፧ ላዕሊ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ዚምህር እዩ ዚመስል። ብኸመይ፧

እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን” በለ። ስለዚ፡ ንኣዳም “ደጋፊት” ምእንቲ ኽትኰኖ፡ ንሄዋን ፈጠራ። (ዘፍጥረት 2:18) ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሓደ ሰብ እንተ ዘይተመርዕዩ፡ ደጋፊ ኺስእን፡ ብሰንኩ ኸኣ ጐደሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓያሎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመውስቦ ኸም ምንጪ በረኸትን ሓጐስን ገይሩ ይገልጾ እዩ። ዛንታ ሩት ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ጸብጻባት፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እንተ ዘይተመርዕዮምን እንተ ዘይወሊዶምን፡ ሕጉሳትን ዕጉባትን ምሉኣትን ከም ዘይኰኑ ድዩ ዚምህረና፧ ኣይፋሉን። ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት፡ ከም የሱስ ክርስቶስ ምሉእን ዕጉብን ሰብ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ንጽል እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ንላዕሊ ጥበበኛ እዩ ነይሩ፣ ፍጹም ነጸብራቕ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ እውን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11NW፣ ዮሃንስ 14:9) ንሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ሕጉስ ክትከውን ከም ዚከኣል ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:1-12) ኣብኡ ግና ንመውስቦ ኣይጠቐሶን።

እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይጋጮን እዩ። ንመውስቦ ምስ ዕላማ የሆዋ ብዚሰማማዕ መገዲ ኢና ኽንምርምሮ ዘሎና። የሆዋ ንመውስቦ፡ ምንጪ ሓጐስን ፍቕርን ምጽንናዕን ኪኸውን እኳ እንተ ኣሰናደዎ፡ ንገሊኡ መዳያት ፍቓዱ ኣብ ምፍጻም እውን ዓብዪ ኣበርክቶ ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ዕላማ ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን ‘ኪፋረዩን ኪባዝሑን ንምድሪ ኺመልእዋን’ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኣዳምን ሄዋንን በበይኖም ኰይኖም ግና ነቲ ዕላማ ኺፍጽምዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓባር ኰይኖም፡ ንሓድሕዶም እናተደጋገፉ እዮም ኪፍጽምዎ ዚኽእሉ ነይሮም።

የሆዋ ምስ ምድራውያን ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዝነበሮ ርክብ እውን፡ ንመውስቦን ንናብራ ስድራ ቤትን ዚምልከት ፍሉይ ዕላማ ነበሮ። ህዝቢ እስራኤል ብጸላእቶም ምእንቲ ኸይጥቅዑ፡ ብዙሓት ኪዀኑ ይደልዮም ነበረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንእሙናት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዜድሕኖም መሲሕ ካብ ነገድ ይሁዳ ንኺመጽእ መደበ። (ዘፍጥረት 49:10) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ እስራኤል ዝነበራ ኣንስቲ፡ ምምርዓውን ቈልዑ ምውላድን ከም ፍሉይ መሰል ገይረን ይርእያኦ ነበራ፣ ኪምርዓዋን ቈልዑ ኺወልዳን እንተ ዘይክኢለን ከኣ፡ ከም ውርደትን ከም ዜጕሂ ነገርን ገይረን ይርእያኦ ነበራ።

እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ እተዋህበ ‘ንምድሪ ምልእዋ’ ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ነቶም ሎሚ ኣብዛ ሓሰኽሰኽ እትብል ዘላ ፕላኔት ዘለዉ ክርስትያናት ንኺምርዓዉን ንኺራብሑን ዜገድድ ድዩ፧ ኣይፋሉን። (ማቴዎስ 19:10-12) ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ንመስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ኰነ ነቲ እቲ መድሓኒ ዚውለደሉ ህዝቢ ዜዕቍበሉ ምኽንያት የብሉን። ክርስትያናት ብዛዕባ መውስቦን ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

ክልቲኡ ኸም ውህበት ኣምላኽ ጌርካ ኺግለጽ ይኽእል እዩ። ከም እትፈልጦ፡ ንሓደ ሰብ ዚኸውን ውህበት ንኻልእ ከይኰኖ ይኽእል እዩ። መውስቦ፡ ፍቕርን ምሕዝነትን ንስድራ ቤት ዚኸውን ድልዱል መሰረትን ዚርከቦ ቕዱስ መሰናድዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም እዚኣ ዚምርዓዉ ሰባት፡ ጸገማት ወይ “ብስጋ መከራ” ኸም ዜጋጥሞም ይገልጽ እዩ። የሆዋ ነቲ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ፡ ከም ውርደት ወይ ከም ዜጕሂ ነገር ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። የግዳስ፡ ቃሉ፡ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ ኻብቲ ሓዳር ጌርካ ዚንበር ናብራ ዚበልጸሉ መገድታት ከም ዘሎ ይሕብር እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:28, 32-35

ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦን ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራን ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። እቲ መስራቲ መውስቦን ስድራ ቤትን ዝዀነ የሆዋ፡ ምርዑዋት ይኹኑ ንጽል ብዘየገድስ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ሕጉሳትን ዕጉባትን ኪዀኑ እዩ ዚደሊ።