ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም

ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም

ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም

“ኣምላኽ . . . ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ . . . ብርእሱ መሐለ።” —እብ. 6:13

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይፈሽል ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ ኣምላኽ እንታይ መብጽዓ ኣተወ፧

ካብቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ብኸመይ ንጥቀም፧

1. ቃል የሆዋ ኻብ ቃል ሓጥኣን ሰባት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

 የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝ. 31:5) ንሓጥኣን ሰባት ኵሉ ሳዕ ክንኣምኖም ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ግና፡ ‘ኪሕሱ ኣይክእልን’ እዩ። (እብ. 6:18፣ ዘሁልቍ 23:19 ኣንብብ።) ንጥቕሚ ሰባት ዝገበሮ ዕላማ ወትሩ ይፍጸም እዩ። ንኣብነት፡ ኵሉ እቲ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፍጥረት ዘመን ኪገብሮ እተዛረቦ ነገራት፡ ከምቲ ዝበሎ ‘ዀይኑ’ እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ከም እተፈጸመ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ . . . ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል።—ዘፍ. 1:6, 7, 30, 31

2. እታ ኣምላኽ ዘዕረፈላ መዓልቲ እንታይ እያ፧ ስለምንታይከ እዩ ‘ዝቐደሳ’፧

2 የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ዝፈጸሞ ነገራት ምስ ረኣየ፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸም ዝጀመረት ሓበረ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ 24 ሰዓት መዓልቲ ዘይኰነትስ፡ ኣምላኽ ምድራዊ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ዘዕረፈላ ነዊሕ ግዜ ዝሓቘፈት መዓልቲ እያ። (ዘፍ. 2:2) እታ ኣምላኽ ዘዕረፈላ መዓልቲ ገና ኣይተወድአትን። (እብ. 4:9, 10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ መዓስ ከም ዝጀመረት ብልክዕ ኣይገልጽን እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣስታት 6,000 ዓመት ይገብር፡ ማለት ሄዋን ሰበይቲ ኣዳም ምስ ተፈጥረት ገለ ግዜያት ጸኒሓ እያ ጀሚራ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ኪጅምር እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። ዕላማ ኣምላኽ፡ ምድሪ ንዘለኣለም ገነት ክትከውንን ብፍጹማት ደቂ ሰብ ክትመልእን እዩ። (ዘፍ. 1:27, 28፣ ራእ. 20:6) ነዚ ዜሐጕስ መጻኢ ኸም እትረኽቦ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ዲኻ፧ እወ፡ ትኽእል ኢኻ! ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ . . . ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ብምባል ይነግረና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዘይተሓስበ ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ኸም ዚፍጸም እዩ ዜረጋግጽ።—ዘፍ. 2:3

3. (ሀ) እታ ኣምላኽ ዘዕረፈላ መዓልቲ ምስ ጀመረት፡ እንታይ ዕልወት እዩ ኣጋጢሙ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ዕልወት ኪጭፍልቖ ኸም ዚደሊ ብኸመይ ገለጸ፧

3 ይኹን እምበር፡ እታ ኣምላኽ ዘዕረፈላ መዓልቲ ምስ ጀመረት፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዓለዉ። እቲ መልኣኽ ዝነበረ ሰይጣን፡ ካልኦት ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንዕኡ ኸም ዜምልኽዎ ኺገብር ጸዓረ። ነቲ ናይ መጀመርታ ሓሶት ብምዝራብ፡ ንሄዋን ትእዛዝ የሆዋ ንኸተፍርስ ኣታለላ። (1 ጢሞ. 2:14) ሄዋን ከኣ ብግዲኣ ንሰብኣያ ምስኣ ኸም ዚዓሉ ገበረቶ። (ዘፍ. 3:1-6) እዚ ዕልወት እዚ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ዕልወት እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሽሕ እኳ ሰይጣን ንየሆዋ ሓቀኛ ኸም ዘይኰነ ገይሩ እንተ ጠቀኖ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብማሕላ ኼረጋግጾ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይተራእዮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ዜብርሆ መብጽዓ ኣተወ። እቲ ዕልወት ብኸመይ ከም ዚጭፍለቕ ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ኣብ መንጎኻን [ኣብ መንጎ ሰይጣንን] ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ [እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ] ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በለ።—ዘፍ. 3:15፣ ራእ. 12:9

ማሕላ—ጠቓሚ ዝዀነ ሕጋዊ መረጋገጺ

4, 5. ኣብርሃም ሓድሓደ ግዜ እንታይ ሕጋዊ መረጋገጺ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፧

4 ኣብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓደ ነገር ሓቂ ምዃኑ ብማሕላ ኸተረጋግጾ ኣገዳሲ ዝነበረ ኣይመስልን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዚመስልዎን ፍጹማት ሰባት ኪምሕሉ ኣየድልዮምን እዩ። ወትሩ ሓቂ እዮም ዚዛረቡ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ይተኣማመኑ እዮም። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ሓጢኦም፡ ዘይፍጹማት ምስ ኰኑ ግና ኵነታት ተቐየረ። ድሕሪኡ፡ ሓሶትን ምትላልን ኣብ ደቂ ሰብ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ ኣገዳሲ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ማሕላ ኣድለየ።

5 ማሕላ ሕጋዊ መረጋገጺ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ንጽቡቕ ተጠቒሙሉ እዩ። (ዘፍ. 21:22-24፣ 24:2-4, 9) ንኣብነት፡ ንንጉስ ዔላምን ንዅሎም ተሓባበርቱ ነገስታትን ስዒሩ ምስ ተመልሰ ምሒሉ እዩ። ንጉስ ሳሌምን ንጉስ ሶዶምን ንኣብርሃም ኪረኽብዎ ወጹ። መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም፡ “ካህን ልዑል ኣምላኽ” ስለ ዝነበረ፡ ንኣብርሃም ባረኾ፣ ነቲ ንኣብርሃም ንጸላእቱ ኺስዕር ዝሓገዞ ኣምላኽ እውን ወደሶ። (ዘፍ. 14:17-20) ድሕሪኡ፡ ንጉስ ሶዶም እውን ንህዝቡ ኻብ ጸላእቱ ስለ ዘድሓነሉ፡ ንኣብርሃም ህያብ ኪህቦ ደለየ። ሽዑ ኣብርሃም፡ “ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር፡ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ኣልዐልኩ፡ ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ . . . ፈትሊ ዀነ፡ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገለኳ ኣይወስድን” እናበለ ኢዱ ብምልዓል መሓለ።—ዘፍ. 14:21-24

የሆዋ ንኣብርሃም ብማሕላ ዝኣተወሉ መብጽዓ

6. (ሀ) ኣብርሃም እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧ (ለ) ካብ ተኣዛዝነት ኣብርሃም ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

6 የሆዋ ኣምላኽ እውን ንጥቕሚ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ኢሉ፡ “ኣነ ህያው እየ፡ ይብል ልዑላዊ ጐይታ የሆዋ” ብዚብል ቃላት ዝመሓለሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። (ህዝ. 17:16NW) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ልዕሊ 40 ግዜ ዚኸውን ከም ዝመሓለ ይነግረና እዩ። እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ እተፈለለየ ዓመታት ሓያሎ መብጽዓታት ኪዳን ይኣትወሉ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኣብርሃም እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ ብይስሃቅ ኣቢሉ ኻብ ወለዶኡ ኸም ዚመጽእ ፈለጠ። (ዘፍ. 12:1-3, 7፣ 13:14-17፣ 15:5, 18፣ 21:12) ሽዑ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ኺስውኣሉ ብምእዛዝ ከቢድ ፈተና ኣቕረበሉ። ኣብርሃም ብኡብኡ ተኣዘዘ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ምስ ተቐረበ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ኸልከሎ። ሽዑ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ብርእሰይ መሐልኩ፡ . . . እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን ካብ ዘይትኸልእ፡ ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ መሓለ።—ዘፍ. 22:1-3, 9-12, 15-18

7, 8. (ሀ) ኣምላኽ ንኣብርሃም ስለምንታይ እዩ ምሒሉሉ፧ (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” የሱስ ካብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

7 ኣምላኽ ንኣብርሃም መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጸም ዝመሓለሉ ስለምንታይ እዩ፧ ነቶም ካልኣይ ክፋል እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ “ዘርኢ” ዝዀኑ መዋርስቲ ክርስቶስ ንምትብባዕን እምነቶም ንምድልዳልን እዩ። (እብራውያን 6:13-18 ኣንብብ፣ ገላ. 3:29) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ የሆዋ “ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከአል ክልተ ዘይልወጣ ነገር [መብጽዓኡን ማሕላኡን] ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ . . . ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።”

8 ካብቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ዚጥቀሙ ቕቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ኣይኰኑን። የሆዋ፡ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ብ“ዘርኢ” ኣብርሃም “ኪባረኹ” ምዃኖም ምሒሉ እዩ። (ዘፍ. 22:18) እዞም ብሩኻት እዚኦም፡ ነቶም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እዙዛት ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ እውን የጠቓልሉ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ተስፋኻ ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ ወትሩ እዙዝ ብምዃን ንተስፋኻ ኣጽኒዕካ ሓዞ።—እብራውያን 6:11, 12 ኣንብብ።

እተተሓሓዘ ማሕላታት ኣምላኽ

9. ዘርኢ ኣብርሃም ባሮት ግብጻውያን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣምላኽ እንታይ ኢሉ እዩ ምሒሉ፧

9 ዘመናት ጸኒሑ፡ የሆዋ ንሙሴ ናብቶም ሽዑ ባሮት ግብጻውያን ዝነበሩ ዘርኢ ኣብርሃም ኪልእኾ ኸሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መብጽዓታት ብዚምልከት እንደገና ምሒሉ እዩ። (ዘጸ. 6:6-8) ኣምላኽ ነቲ እዋን እቲ ብምጥቃስ፡ “በታ ንእስራኤል ዝሐሬኹላ መዓልቲ . . . ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፡ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ . . . ሃገር ከእትዎም፡ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም” ኢሉ መሓለ።—ህዝ. 20:5, 6

10. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ እንታይ መብጽዓ ኣተወሎም፧

10 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ እውን፡ የሆዋ ኸምዚ ዚብል ካልእ ማሕላ መሓለሎም፦ “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም።” (ዘጸ. 19:5, 6) እዝስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እዚ ኸኣ ኣባላት እቲ ህዝቢ ዝዀኑ ውልቀ ሰባት እዙዛት እንተ ዀይኖም፡ መንግስቲ ኻህናት ብምዃን ንደቂ ሰብ በረኸት ኪዀኑ ኣምላኽ ይጥቀመሎም ማለት እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ነዚ መብጽዓ እዚ ኣብ ዝኣተወሎም እዋን እንታይ ከም ዝገበረ ጸኒሑ ኺገልጽ ከሎ፡ “መሐልኩልኪ፡ ኪዳን አቶኹልኪ” በለ።—ህዝ. 16:8

11. እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ሕሩያት ህዝቡ ኪዀኑ ኺዳን ምስ ኣተወሎም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

11 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዚእዘዝዎ ንኺምሕሉሉ ዀነ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ንኪቕበልዎ ኣየገደዶምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ባዕላቶም ብፍታው፡ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” በሉ። (ዘጸ. 19:8) ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከም ሕሩያት ህዝቡ መጠን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዮም ነገሮም። መጀመርታ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሰምዑ፣ ቀጺሉ ኸኣ ሙሴ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 20:22 ክሳዕ ዘጸኣት 23:33 ተመዝጊቡ ዘሎ ትእዛዛት ነገሮም። እስራኤላውያንከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብር፡ ኢሎም መለሱ” ይብል። (ዘጸ. 24:3) ሽዑ ሙሴ፡ ነቲ ሕጋጋት ኣብ “መጽሓፍ ኪዳን” ጸሓፎ እሞ ዅሎም እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ ኸኣ ዓው ኢሉ ኣንበበሎም። ድሕሪኡ፡ እቶም ህዝቢ ንሳልሳይ ግዜ፡ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ንእዘዝ ድማ” ኢሎም መሓሉ።—ዘጸ. 24:4, 7, 8

12. የሆዋ ነቲ ምስ እስራኤላውያን ዝኣተዎ ኺዳን ብኸመይ ፈጸሞ፧ እስራኤላውያንከ እንታይ ገበሩ፧

12 የሆዋ ንኣምልኾ ዚኸውን ድንኳንን ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከም ዚቐርብዎ ዚገብር ክህነትን ብምድላው፡ ነቲ ሕጊ ኺዳን ብኡብኡ ኺፍጽሞ ጀመረ። እስራኤላውያን ግና ርእሶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ረስዕዎ፡ “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።” (መዝ. 78:41) ንኣብነት፡ ሙሴ ተወሳኺ መምርሒ ኪቕበል ኣብ ከረን ሲና ምስ ደንጐየ፡ እስራኤላውያን ሙሴ ዝጠንጠኖም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ዓቕሊ ስኢኖም ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት ኬጥፍኡ ጀመሩ። ስለዚ ድማ፡ ምራኽ ወርቂ ሰርሑ፡ “ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሉ። (ዘጸ. 32:1, 4) ቀጺሎም፡ “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ብምባል፡ ነቲ ዚሰርሕዎ ጣኦት ሰገዱሉን ሰውኡሉን። የሆዋ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሙሴ፡ “ካብቲ ዝአዘዝክዎም መገዲ ብኡብኡ ኣግለሱ” በሎ። (ዘጸ. 32:5, 6, 8) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እስራኤላውያን ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ማሕላኦም ብተደጋጋሚ ኣፍሪሶም እዮም።—ዘሁ. 30:2

ክልተ ተወሳኺ ማሕላ

13. ኣምላኽ ንንጉስ ዳዊት እንታይ ኢሉ መሓለሉ፧ እዚ ምስቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ ዚተሓሓዝከ ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ኣብ ግዜ ንጉስ ዳዊት ምእንቲ ጥቕሚ ዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ሰባት፡ ክልተ ማሕላ መሓለ። ቀዳማይ፡ ንዳዊት ዝፋኑ ንዘለኣለም ከም ዜጽንዓሉ መሓለሉ። (መዝ. 89:35, 36፣ 132:11, 12) እዚ ድማ፡ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ “ወዲ ዳዊት” ከም ዚብሃል ይሕብር። (ማቴ. 1:1፣ 21:9) ዳዊት እቲ ኻብ ወለዶኡ ዚመጽእ ክርስቶስ ልዕል ዝበለ ቦታ ስለ ዚሕዝ፡ “ጐይታይ” ኢሉ ብትሕትና ተዛረበሉ።—ማቴ. 22:42-44

14. የሆዋ ብዛዕባ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ እንታይ ኢሉ መሓለ፧ ንሕናኸ ኻብዚ ብኸመይ ንጥቀም፧

14 ካልኣይ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ እዚ ፍሉይ ንጉስ እዚ ንደቂ ሰብ ሊቀ ኻህን ኰይኑ እውን ከም ዜገልግሎም ንኺንበ ብመንፈሱ መርሖ። ኣብ እስራኤል ንግስነትን ክህነትን ምሉእ ብምሉእ እተፈላለየ ነበረ። ካህናት ካብ ዓሌት ሌዊ፡ ነገስታት ከኣ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበሩ። ዳዊት ግና ብዛዕባ እቲ ኽቡር ወራሲኡ፡ “ጐይታ [“የሆዋ፡” NW] ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]፤ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ” ኢሉ ተነበየ። (መዝ. 110:1, 4) ብመሰረት እዚ ትንቢት እዚ፡ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ንእተነስሑ ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱ ብምሕጋዝ፡ ከም ሊቀ ኻህናት ደቂ ሰብ ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ።—እብራውያን 7:21, 25, 26 ኣንብብ።

ሓድሽ ናይ ኣምላኽ እስራኤል

15, 16. (ሀ) እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኽልተ እስራኤል እንታዎት እዮም፧ ሎሚ ኻብ ክልቲኦም በረኸት ኣምላኽ ዘለዎኸ መኖም እዩ፧ (ለ) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ማሕላ እንታይ ትእዛዝ ሃቦም፧

15 ህዝቢ እስራኤል ንየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝነጸግዎ፡ ሞገስ ኣምላኽ ሰኣኑ፣ “መንግስቲ ኻህናት” ኪዀኑ ዝነበሮም ተስፋ እውን ኣጥፍኡ። የሱስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” በሎም። (ማቴ. 21:43) ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ወረደ፡ እቲ ሓድሽ ህዝቢ ተወልደ። እቲ ሓድሽ ህዝቢ እቲ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባህለ። ኣባላቱ ድማ ኣብታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ካብ ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ተዋጺኦም፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዀኑ።—ገላ. 6:16

16 እዞም ሓድሽ መንፈሳውያን ህዝቢ ኣምላኽ ወትሩ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ጽቡቕ ፍረ ስለ ዚፈርዩ፡ ካብቶም ብስጋ እስራኤላውያን እተፈልዩ እዮም። ሓደ ኻብቲ ዝእዘዝዎ ትእዛዛት ከኣ ንማሕላ ዚምልከት እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰባት ማሕላ ኣየኽብሩን ነበሩ። ከመይሲ፡ ሽዑ ሰባት ሓደው ብሓሶት ሓደው ብጢጥ ቅሚጥ ይምሕሉ ነበሩ። (ማቴ. 23:16-22) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ከቶ ኣይትምሐሉ። . . . ነገርኩምሲ፤ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ [“‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ፡ ኣይኰነን፡” NW] ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” ኢሉ መሃሮም።—ማቴ. 5:35, 37

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መጽናዕቲ ነየኖት ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠለን፧

17 እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ምምሓል ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ድማ፡ ‘እወ’ ዝበልናዮ፡ እወ ኸም ዚኸውን ምግባር እንታይ የጠቓልል፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መጽናዕቲ ኽንመያየጠለን ኢና። ብቓል ኣምላኽ እናኣስተንተንና፡ ንየሆዋ ወትሩ ንተኣዘዞ። ንሱ ኸኣ፡ ብመሰረት እቲ ዝመሓሎ ኽቡር መብጽዓታቱ ተሓጒሱ ኺባርኸና እዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

መብጽዓታት የሆዋ ወትሩ ይፍጸም