ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኻ እተርኢ፧

እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኻ እተርኢ፧

እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኻ እተርኢ፧

“ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።”​—ፊሞ. 25

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

ነቲ እነርእዮ መንፈስ ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ ብኸመይከ፧

ኣብ ጉባኤ ዚሃንጽ መንፈስ ምእንቲ ኺሰፍን፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

1. ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ተስፋኡ እንታይ ከም ዝነበረ እዩ ገሊጹ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ኣምላኽን ክርስቶስን ንመንፈስ እተን ጉባኤታት ኪሰምርዎ ይትስፎ ኸም ዝነበረ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰብ ገላትያ፡ “ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ገላ. 6:18) “መንፈስኩም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

2, 3. (ሀ) ጳውሎስ “መንፈስ” ዚብል ቃል ኪጥቀም ከሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ እነርእዮ መንፈስ ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ እንኽእል፧

2 ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “መንፈስ” ኪብል ከሎ፡ ነቲ ብሓደ መገዲ ንኽንዛረብ ወይ ንኽንዓዪ ዚድርኸና ነገር እዩ ዜመልክት ነይሩ። ሓደ ሰብ ሕያዋይ፡ ሓላዪ፡ ልኡም፡ ለጋስ፡ ወይ ይቕረ በሃሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ጽቡቕ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥ. 3:4፣ ምሳ. 17:27) ብኣንጻሩ ድማ፡ ሓደ ሰብ ሓጫጪ፡ ስጋዊ ነገራት ዜፍቅር፡ ብቐሊሉ ዚዅሪ፡ ወይ ብርእሱ ኺምራሕ ዚደሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ዝገደደ ኸኣ፡ መንፈስ ርኽሰት፡ መንፈስ ዘይተኣዛዝነት፡ ወይ መንፈስ ዓመጽ ዜርእዩ ሰባት ኣለዉ።

3 ስለዚ፡ ጳውሎስ፡ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን” ኪብል ከሎ፡ ኣሕዋቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽን ምስ ስብእና ክርስቶስን ዚሰማማዕ መንፈስ ኬርእዩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። (ፊል. 4:23፣ ቈሎሴ 3:9-12 ኣንብብ።) ሎሚ ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ይግባእ፦ ‘እንታይ ዓይነት መንፈስ እየ ዘርኢ፧ ንኣምላኽ ዜሐጕስ መንፈስ ብዝያዳ ኸርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ንኣባላት እታ ጉባኤ ሰናይ መንፈስ ብምርኣይ ዝመጸ ኸመሓይሽ እኽእልዶ፧’ ንኣብነት፡ ሱፍ ኣብ እተዘርኣሉ ግራት፡ ነፍሲ ወከፍ ዕምባባ ሱፍ ብምልእታ እታ ግራት ውቁብ ሕብሪ ኸም ዚህልዋ ይገብር። ንሕናኸ ሓደ ኻብቶም ንመልክዕ እታ ጉባኤ ዜወቅቡ “ዕምባባታት” ዲና፧ ሓደ ኻባታቶም ንምዃን ክንጽዕር ይግባእ። ንኣምላኽ ዜሐጕስ መንፈስ ንኸነንጸባርቕ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እምበኣር ንርአ።

ንመንፈስ ዓለም ንየው በሎ

4. “መንፈስ ዓለም” እንታይ እዩ፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን” ይብለና። (1 ቈረ. 2:12) “መንፈስ ዓለም” እንታይ እዩ፧ እዚ መንፈስ እዚ እንታይ ምዃኑ ኣብ ኤፌሶን 2:2 ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም።” እዚ “ኣየር” እዚ፡ መንፈስ ወይ ኣተሓሳስባ ዓለም ኪኸውን ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ እነስተንፍሶ ኣየር፡ ኣብ ከባቢና እዩ ዘሎ። ኣብ ፈቐዶኡ ድማ እዩ ዚርከብ። ንኣብነት፡ ሎሚ ሓያሎ ሰባት፡ ‘እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ዚነግረኒ ሰብ ኣየድልየንን እዩ!’ ወይ ከኣ፡ ‘ንመሰልካ ኽትቃለስ ኣሎካ!’ ዚብል ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ “ደቂ ዘይምእዛዝ” ምዃኖም የርእዩ ኣለዉ።

5. ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ እንታይ ሕማቕ መንፈስ ኣርኣዩ፧

5 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ሓድሽ ኣይኰነን። ብግዜ ሙሴ፡ ቆራሕ ካብቶም ኣብ እስራኤል ስልጣን እተዋህቦም ሰባት ዓልዩ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣንጻር እቶም ካህናት ኰይኖም ኬገልግሉ ፍሉይ መሰል ዝነበሮም ኣሮንን ደቁን እዩ ተላዒሉ። ምናልባት ዘይፍጽምናኦም እዩ ርእዩ ዚኸውን። ወይ ከኣ፡ ኣዝማድ ሙሴ ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ብዝምድና ኸም ዝዀነ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ዚዓሉ ዝገበሮ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ቆራሕ ሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብየሆዋ እተሸሙ ሰባት ሕማቕ ተዛረበ። ብንዕቀት ድማ፡ “እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር . . . ትዕበዩ አሎኹም” በሎም። (ዘሁ. 16:3) ብተመሳሳሊ፡ ዳታንን ኣቢራምን ንሙሴ፡ “ኣብ ልዕሌና ኽትሽየምዶ ንርእስኻ ትሸይም” ብምባል ኣጕረምሪሞምሉ እዮም። ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኪቐርቡ ምስ ተጸውዑ ኸኣ፡ ብትዕቢት “ኣይንድይብን” በሉ። (ዘሁ. 16:12-14) የሆዋ ብመንፈሶም ከም ዘይተሓጐሰ ፍሉጥ እዩ። ንዅሎም እቶም ዓለወኛታት ከኣ ቀዘፎም።—ዘሁ. 16:28-35

6. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ሕማቕ ኣመለኻኽታ ኸም ዝነበሮም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኸም ዜማዕብሉ ዝገበሮም ምኽንያትከ እንታይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት እውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ብምንቃፍ፡ “ንጕይትነት የቃልሉ” ነበሩ። (ይሁ. 8) እዞም ሰባት እዚኦም፡ በቲ እተዋህቦም ፍሉይ መሰል ስለ ዘይዓገቡ፡ ንኻልኦት ሰባት ነቶም ንእተዋህቦም ዕዮ ተጊሆም ዚፍጽሙ ብኣምላኽ እተሸሙ ሰባት ንኺንዕቅዎም ጽልዋ ኺገብሩሎም ይፍተኑ ነበሩ።—3 ዮሃንስ 9, 10 ኣንብብ።

7. ሎሚ ኣብ ጉባኤ እንታይ ዓይነት መንፈስ ከይነርኢ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

7 ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ ስለ ዘይብሉ፡ በዚ መዳይ እዚ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እቶም ብግዜ ሙሴ ዀነ ብግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝነበሩ ሽማግለታት ፍጹማት ኣይነበሩን፡ ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ጉባኤ እውን ፍጹማት ኣይኰኑን። ሽማግለታት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪጐድኣና ዚኽእል ጌጋ ኺፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ምስ ዜጋጥመና፡ “ፍትሒ ኽረክብ ኣሎኒ” ወይ ከኣ “ነዚ ሓው እዚ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ኣለዎ” ኽንብል የብልናን፣ ከመይሲ፡ እዚ መንፈስ ዓለም ዜንጸባርቕ ኣመለኻኽታ እዩ። የሆዋ ንገሊኡ ንኣሽቱ ጌጋታት ዕሽሽ ንኺብሎ ኺመርጽ ይኽእል እዩ። ንሕናኸ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልንዶ፧ ገሊኦም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት፡ ኣብቶም ኪሕግዝዎም እተመደቡ ሽማግለታት ባህ ዘየብሎም ነገራት ስለ ዝረኣዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ሽማግለታት ኪቐርቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። እዚ ምስ ሓደ ኣብ ዚሕግዞ ሓኪም ገለ ጕድለት ብምርኣዩ ኺሕከም ዘይደሊ ሕሙም ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።

8. ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑ ሰብኡት ግቡእ ኣመለኻኽታ ንኺህልወና ዚሕግዘና ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧

8 ከምዚ ዓይነት መንፈስ ምእንቲ ኸነርሕቕ፡ የሱስ “ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ኸም ዝሓዘ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ምህላዉ ኽንዝክር ይግባእ። “ከዋኽብቲ” ንቕቡኣት ሽማግለታት ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሎም ሽማግለታት ጉባኤ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። የሱስ ነቶም ኣብ ኢዱ ዘለዉ “ኸዋኽብቲ” ኸም ዝደለዮ ገይሩ ኺመርሖም ይኽእል እዩ። (ራእ. 1:16, 20) ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምዃኑ ድማ፡ ንዅሎም ኣካላት ሽማግለታት ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚቈጻጸሮም። ሓደ ኻብቶም ኣካል ሽማግለታት ብሓቂ መአረምታ ምስ ዜድልዮ፡ እቲ “ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን” እተባህለሉ የሱስ፡ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ብዝደለዮ መገድን እቲ ሽማግለ ኸም ዚእረም ይገብር እዩ። (ራእ. 1:14) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ሰብኡት ከነኽብሮም ይግባእ። ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—እብ. 13:17

9. (ሀ) ሓደ ክርስትያን መአረምታ ወይ ተግሳጽ ምስ ዚውሃቦ፡ ብኸመይ እዩ ኺፍተን ዚኽእል፧ (ለ) መግናሕቲ ምስ ዚውሃበና፡ ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧

9 ሓደ ክርስትያን መአረምታ ምስ ዚውሃቦ፡ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ መሰል ምስ ዚስእን፡ ኪፍተን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ንሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ዓመጽ ዜርኢ ጸወታታት ቪድዮ ብሜላ ምኽሪ ሃብዎ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነቲ ምኽሪ ኣይተቐበሎን። ኬማልኦ ዚግባእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ስለ ዘጕደለ ድማ፡ ከም ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝነበሮ መሰል ሰኣነ። (መዝ. 11:5፣ 1 ጢሞ. 3:8-10) ድሕሪዚ፡ እቲ ሓው ነቶም ሽማግለታት ዚወቅስ ደብዳበታት ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኸምኡ ኺገብሩ ጽልዋ ብምግባር፡ ነቲ ጕዳይ ከም ዘይተሰማምዓሉ ብሰፊሑ ኸም ዚፍለጥ ገበረ። ኰይኑ ግና፡ ንጕድለታትና ነመኻኒ እንተ ዄንና፡ ንመንፈስ እታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ኢና እነውድቖ፡ እዚ ኸኣ ንማንም ኣይጠቅምን እዩ። መግናሕቲ ምስ ዚውሃበና፡ ንዘየስተብሃልናሉ ድኽመታትና ኸነለሊ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ጌርና ብምርኣይ፡ ክንቅበሎ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!—ድጕዓ ኤርምያስ 3:28, 29 ኣንብብ።

10. (ሀ) ካብ ያእቆብ 3:16-18 ብዛዕባ ጽቡቕ መንፈስን ሕማቕ መንፈስን እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ግለጽ። (ለ) “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ምስ እነርኢ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧

10 ያእቆብ 3:16-18 ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ኸነርእዮ ዚግባእ መንፈስን ከነርእዮ ዘይግባእ መንፈስን ጽቡቕ መምርሒ ትህብ እያ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ . . . እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።” ምስታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ተሰማሚዕና ምስ እንዓዪ፡ እቲ ሰናይ ባህርያትና፡ ኣብ ኣሕዋትና ጽቡቕ መንፈስ ከም ዚህሉ ንኽንገብር ኪሕግዘና እዩ።

ኣብ ጉባኤ ኣኽብሮት ኣርኢ

11. (ሀ) ኣወንታዊ መንፈስ ምስ ዚህልወና፡ እንታይ ኢና እነርሕቕ፧ (ለ) ካብቲ ዳዊት ዝገደፈልና ኣብነት እንታይ ንመሃር፧

11 የሆዋ ንሽማግለታት ‘መጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ’ ሓላፍነት ከም ዝሃቦም ክንርስዕ የብልናን። (1 ጴጥ. 5:2፣ ግብ. 20:28) ስለዚ፡ ሽማግለታት ንኹን ወይ ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ንስርዓት ኣምላኽ ከነኽብር ጥበባዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ጥዑይ መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ ብዛዕባ ስልጣን ወይ ሓላፍነት ኣይንጭነቕን ኢና። እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል፡ ዳዊት ንንግስነቱ ኸም ዜስግኦ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።” (1 ሳሙ. 18:9) እቲ ንጉስ ክፉእ መንፈስ ኣሕደረ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንዳዊት ኪቐትሎ ይደሊ ነበረ። ከም ሳኦል ብዛዕባ ስልጣን እምብዛ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ፡ ከም ዳዊት ክንከውን ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ነቶም ብኣምላኽ እተሸሙ ሰባት ወትሩ የኽብሮም ነበረ።—1 ሳሙኤል 26:23 ኣንብብ።

12. ኣብ ጉባኤ ሓድነት ከም ዚህሉ ዚገብር እንታይ እዩ፧

12 ነፍሲ ወከፍና እተፈላለየ ርእይቶ ስለ ዘሎና፡ ንሓድሕድና ኽንተሓራረቕ ንኽእል ኢና። ኣብ ሽማግለታት እውን ከምኡ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡” “ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ” ብምባል ዚህበና ምኽሪ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:10, 16) ንሕና ጥራይ ቅኑዓት ከም ዝዀንና ብምሕሳብ ርእይቶና ተቐባልነት ኪረክብ ጸቕጢ ኣብ ክንዲ እንገብር፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር እተፈላለየ ቕቡል መገዲ ኸም ዘሎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ናይ ካልኦት ርእይቶ እውን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ሓድነት እታ ጉባኤ ኸም ዚዕቀብ ክንገብር ንኽእል ኢና።

13. ንርእይቶና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧ ነዚ ዜብርህከ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት እዩ ዘሎና፧

13 እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣብ ጉባኤ ምትዕርራይ ዜድልዮ ነገር ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ርእይቶና ኽንህብ ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብዙሕ ክትዕ እተገበረሉ ጕዳይ ተላዒሉ ነበረ። ሽዑ እቶም ኣሕዋት፡ “ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።” (ግብ. 15:2) እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እትን ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዘለዎን ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ርእይቶ ኸም ዝነበሮም ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፎም ሓሳባቶም ምስ ሃቡ፡ ብመንፈስ ተመሪሖም ከኣ ውሳነ ምስ ገበሩ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ብሕታዊ ርእይቶኦም ኣይተዛረቡን። እታ ውሳነ እተገብረላ ደብዳበ ናብ ጉባኤታት ምስ ተላእከት፡ እቶም ኣሕዋት “በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ፡” እተን ጉባኤታት ከኣ “ብእምነት ይጸንዓ” ነበራ። (ግብ. 15:31፣ 16:4, 5) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንሓደ ጕዳይ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ምስ ሓበርናዮም፡ ድሕሪኡ ብጸሎት ንኺሓስቡሉ፡ ናባታቶም ክንገድፎ ኣሎና።

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ሰናይ መንፈስ ኣርኢ

14. ብደረጃ ውልቀ ሰብ ሰናይ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ብደረጃ ውልቀ ሰብ፡ ሰናይ መንፈስ እነርእየሉ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ኽንብደል ከለና ይቕረ ምስ እንብል፡ ጽቡቕ መንፈስ ከም ዚህሉ ኢና እንገብር። ቃል ኣምላኽ፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ” ይብለና። (ቈሎ. 3:13NW) እታ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ” እትብል ሓረግ፡ ብኻልኦት ንኽንሓርቕ ብቑዕ ምኽንያት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ትሕብር። ይኹን እምበር፡ ጕድለት ካልኦት እናኣረና፡ ንሰላም ጉባኤ ኣብ ክንዲ እንዘርግ፡ ብናጻ ይቕረ ብምባል ንየሆዋ ኽንመስሎ ንጽዓር፡ ሓቢርና ኸኣ ኣገልግሎትና ንቐጽል።

15. (ሀ) ብዛዕባ ይቕረ ምባል ካብ እዮብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ጸሎት ባህ ዜብል መንፈስ ንኸነርኢ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ብዛዕባ ይቕረ ምባል ካብ እዮብ ክንመሃር ንኽእል ኢና። እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ፡ ንዕኡ ብብዙሕ ጐዳኢ ቓላት በዲሎምዎ እዮም። እዮብ ግና ይቕረ በሃሊ እዩ ነይሩ። ይቕረ ንኺብል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምእንቲ ፈተውቱ . . . ጸለየ” ይብለና። (እዮ. 16:2፣ 42:10) ምእንቲ ኻልኦት እንተ ጸሊና፡ ብዛዕባኦም ዘሎና ኣረኣእያ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ምእንቲ ዅሎም ክርስትያን ኣሕዋትና ምጽላይና፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነቱ መንፈስ ከነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ምእንቲ ኣሕዋትና ኣብ ርእሲ ምጽላይና፡ መንፈስ ቅዱስ ንኺውሃበና እውን ክንጽሊ ይግባእ። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነርኢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ።

ኣብ ውድብ የሆዋ ጥዑይ መንፈስ ከም ዚሰፍን ግበር

16, 17. ብዛዕባ እቲ ‘እነርእዮ መንፈስ፡’ ብወገንካ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

16 ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ጉባኤ ጥዑይ መንፈስ ከም ዚሰፍን ንምግባር እንተ ጽዒሩ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ባህ ዜብል ውጽኢት ኰን እዩ ዚርከብ! ነዚ ጕዳይ እዚ ድሕሪ ምምርማርና፡ ዚሃንጽ መንፈስ ከም ዚሰፍን ኣብ ምግባር፡ ብውልቅና ንኸነመሓይሽ ንውስን ንኸውን። እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽ ንኺሕግዘና ነፍቅደሉ። (እብ. 4:12) እቲ ንጉባኤታት ሰናይ ኣብነት ኪኸውን ዚጽዕር ዝነበረ ጳውሎስ፡ “ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ” በለ።—1 ቈረ. 4:4

17 ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ስልጣን ወይ ሓላፍነት እምብዛ ብዘይምጭናቕ ምስታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና፡ ኣብ ጉባኤ ጥዑይ መንፈስ ከም ዚሰፍን ክንገብር ኢና። ካልኦት ምስ ዚብድሉና ይቕረ ንብል፡ ብዛዕባኦም ከኣ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ነሕድር እንተ ዄንና፡ ምስ ክርስትያን ብጾትና ባህ ዜብል ርክብ ኪህልወና እዩ። (ፊል. 4:8) ሽዑ፡ የሆዋን የሱስን በቲ እነርእዮ “መንፈስ” ከም ዚሕጐሱ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ፊሞ. 25

[ሕቶታት መጽናዕቲ]