ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ን60 ዓመት ዝጸንሐ፡ ንዘለኣለም ድማ ዚቕጽል ዕርክነት

ን60 ዓመት ዝጸንሐ፡ ንዘለኣለም ድማ ዚቕጽል ዕርክነት

ታሪኽ ህይወት

ን60 ዓመት ዝጸንሐ፡ ንዘለኣለም ድማ ዚቕጽል ዕርክነት

ብ1951፡ ሓደ ምሸት፡ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝዕድሚኦም ኣርባዕተ መንእሰያት ዜሕጕስ ብስራት ስለ ዝነበሮም ኣብ ኢታካ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ጎጆ ተሌፎን ደው ኢሎም፡ ናብ ሚሺጋን፡ ናብ ኣየዋ፡ ከምኡውን ናብ ካሊፎርንያ ደወሉ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ለካቲት፡ 122 ፈለምቲ ኣብ መበል 17 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምእንቲ ኺካፈሉ ናብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ፡ መጺኦም ነበሩ። ካብቶም ሚስዮናውያን ንኪዀኑ ዝሰልጠኑ ፈለምቲ፡ ሎወል ተርነር፡ ዊልያም (ቢል) ካስተን፡ ሪቻርድ ከልሲ፡ ከምኡውን ራሞን ቴምፕልቶን ይርከብዎም። ሎወልን ቢልን ካብ ሚሺጋን፡ ሪቻርድ ካብ ኣየዋ፡ ራሞን ከኣ ካብ ካሊፎርንያ ዚመጹ ነበሩ። ሽዑ ኣርባዕቲኦም ተዓራረኹ።

ሓሙሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ፡ ሓውና ናታን ኖር ነቶም ተመሃሮ ንኺዛረቦም ካብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከም ዚመጽእ ምልክታ ምስ ተነግረ፡ ዜሐጕስ ሃዋህው ሰፈነ። እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ፡ እንተ ተኻኢሉ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓቢሮም ኬገልግሉ ኸም ዚደልዩ ኣሚቶም ነበሩ። ኣበይ ከም ዚምደቡ ኸኣ ገና ኣይፈለጡን ነበሩ።

ሓውና ኖር ነቶም ተመሃሮ እተመደቡሉ ሃገራት ኪነግሮም ምስ ጀመረ፡ ኵሎም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። መጀመርታ ናብቲ መድረኽ እተጸውዑ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሆም ዝነበሩ፡ ብሓንሳእ ከም ዚነብሩ ምስ ፈለጡ ግና ዝቐሰኑ ኣርባዕተ መንእሰያት እዮም። ኣበይከ እዮም ተመዲቦም፧ ናብ ጀርመን ከም ዚኸዱ ምስ ተነግረ፡ እቶም ተመሃሮ እናገረሞም ኣጣቕዑሎም።

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ በቶም ካብ 1933 ንደሓር ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሂትለር ዝነበሩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይድነቑ ነበሩ። ሓያሎ ተመሃሮ ነቲ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ንኤውሮጳውያን ኣሕዋቶም ክዳውንትን ካልእ ነገራትን ኬር ብዚብሃል ውድብ ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ዚልእኹሉ ዝነበሩ እዋን ይዝክርዎ እዮም። ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እምነትን ቈራጽነትን ትብዓትን ብምርኣይ ኰነ ኣብ የሆዋ ብዝነበሮም ትውክልቲ ኣብነት ይዀኑ ነበሩ። ሎወል፡ ‘ሕጂ ነዞም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብብሕቲ ኽንፈልጦም ኢና’ ኢሎም ከም ዝሓሰቡ ይዝክር። ኵሎም ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ኸኣ እዮም ኣብታ ምሸት እቲኣ ተሌፎን ዝደወሉ።

ናብ ጀርመን ኪኸዱ ኸለዉ

ብ27 ሓምለ 1951፡ እዞም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ በታ ኤስኤስ ሆምላንድ እትብሃል መርከብ ካብ ምብራቓዊ ፈለግ ኒው ዮርክ ተበጊሶም ናብ ጀርመን 11 መዓልቲ ተጓዕዙ። ሓደ ኻብቶም መምህራኖም ዝነበረ ጸኒሑ ኸኣ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓውና ኣልበርት ሽሮደር፡ ብጀርመንኛ ንመረዳድኢ ዚዀኖም ሓድሓደ ቓላት ምሂርዎም ነበረ። ኣብታ መርከብ ሓያሎ ጀርመናውያን ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣሕዋት ዝያዳ ኺምሃሩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ መብዛሕትኦም እቶም ተጓዓዝቲ እተፈላለየ ላህጃታት ጀርመን ስለ ዚዛረቡ፡ ነቶም ኣሕዋት ዜደናግር እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣጸጋሚ ጕዕዞ መርከብ ተጻዊሮም፡ ሰሉስ ንግሆ፡ 7 ነሓሰ ኣብ ሃምቡርግ፡ ጀርመን፡ በጽሑ። ኣብ ፈቐዶኡ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ሽዱሽተ ዓመት ኣቐዲሙ ዘቋረጸ ውግእ ዝዓነወ ቦታታት ይርእዩ ነበሩ። በቲ ዝረኣይዎ እናጐሃዩ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብለይቲ እትጓዓዝ ባቡር ደይቦም፡ ናብቲ ኣብ ቪስባደን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተጓዕዙ።

ረቡዕ ንግሆ ኣብ ጀርመን ንመጀመርታ ዝረኸብዎ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሓውና ሃንስ እዩ። እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ጀርመን ልሙድ እዩ። እቲ ሓው ካብ መደበር ባቡር ናብ ቤት-ኤል ብማኪና ኣብጽሖም። ኣብኡ ኸኣ ምስ ሓንቲ እንግሊዝኛ ዘይትኽእል ኣረጋዊት ሓብቲ ኣራኸቦም። እታ ሓብቲ፡ ዓው ኢላ እንተ ተዛሪባ ዚርድእዋ ዀይኑ ተሰምዓ። ዓው ኢላ እኳ እንተ ተዛረበት፡ ንሳን እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋትን ብዝያዳ ተስፋ ቘረጹ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣገልጋሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝነበረ ሓውና ኣሪክ ፍሮስት፡ ብእንግሊዝኛ ምዉቕ ኣቀባብላ ገበረሎም። ድሕሪኡ ዅነታት እናተመሓየሸ ኸደ።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት ንመጀመርታ ግዜኦም ብጀርመንኛ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከቡ። ኣርእስቲ እቲ ኣኼባ “ንጹህ ኣምልኾ” ዚብል ኰይኑ ኣብ ፍራንክፈርት ኣም መይን እተገብረ እዩ ነይሩ። ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ 47,432፡ ቍጽሪ ተጠመቕቲ ኸኣ 2,373 ምንባሩ፡ ነቶም ሚስዮናውያን ኣሕዋት ናይ ኣገልግሎት ቅንኣቶም ኣለዓዓለሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ ሓውና ኖር፡ ኣብ ቤት-ኤል ኪጸንሑ፡ ኣብኡ ድማ ኪሰርሑ ኸም ዘለዎም ሓበሮም።

ራሞን ሚስዮናዊ ዀይኑ ኼገልግል ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እዋን ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ንኼገልግል ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ሰሪዝዎ ነይሩ እዩ። ሪቻርድን ቢልን እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ቤት-ኤል ናይ ምግልጋል ሓሳብ ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ ብምኽንያት እቲ በብእዋኑ ዚረኽብዎ ዝነበሩ ሓጐስ፡ የሆዋ ወትሩ ዝያዳኦም ከም ዚፈልጥ ምሉእ ብምሉእ ኪኣምኑ ኸኣሉ። ስለዚ፡ ኣብ ድሌትካ ኣብ ክንዲ ምምርኳስ፡ ኣብ መምርሒ የሆዋ ምምርኳስ ጥበባዊ እዩ። ነዚ ዚፈልጥ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኸምኡውን ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ምስ ዚምደብ ባህ ኢልዎ ንየሆዋ ኼገልግሎ እዩ ዚድረኽ።

ፈርቦትን!

መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ጀርመን፡ ኣመሪካውያን ኣብ ማእከሎም ምህላዎም እንግሊዝኛ ኺለማመዱ ስለ ዜኽእሎም፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ይኹን እምበር፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ መኣዲ ኸለዉ፡ ተስፋኦም ሃንደበት ጸልመተ። ሓውና ፍሮስት፡ በቲ ውዕዉዕ ኣቀራርባኡ፡ ብዛዕባ ረዚን ጕዳይ ብጀርመንኛ ኺዛረብ ጀመረ። መብዛሕትኦም ከኣ ኣዒንቶም ኣብ በብቢያቶም ተኺሎም፡ ጸጥ ኢሎም ነበሩ። እቶም ኣርባዕተ ሓደስቲ ቤት-ኤላውያን፡ እንታይ ከም እተባህለ እኳ እንተ ዘይተረድኦም፡ ንዓታቶም ዚምልከት ጕዳይ ምዃኑ በብቝሩብ ኪግንዘቡ ጀመሩ። ስለዚ፡ ሓውና ፍሮስት ዓው ኢሉ “ፈርቦትን!” (“ክልኩል እዩ!”) ምስ በለ፡ ንኼጕልሕ ኢሉ ኸኣ ድምጹ ወሲኹ ምስ ደገሞ፡ ተሻቐሉ። እዚ ኺፍጠር ዝኸኣለ ብምንታይ ምኽንያት እዩ፧

እዋን መኣዲ ተዛዚሙ፡ ኵሎም ነናብ ክፍሎም ከዱ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሓው ከምዚ ብምባል ገለጸሎም፦ “ምእንቲ ኽትሕግዙና፡ ጀርመንኛ ኽትክእሉ ኣሎኩም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሓውና ፍሮስት፡ ጀርመንኛ ኽሳዕ እትኽእሉ ብእንግሊዝኛ ኸይንዛረበኩም፡ ፈርቦትን! ዝበለ።”

ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ነዚ መምርሒ እዚ ቐልጢፎም ተኣዘዝዎ። በዚ ኸምዚ እቶም ሓደስቲ ቤት-ኤላውያን ጀርመንኛ ኺዛረቡ ኸኣሉ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ፈቃር ሓው ዚህቦ ምኽሪ፡ መጀመርታ ዚኸብድ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ንጥቕምና ምዃኑ ኺግንዘቡ ኽኢሎም እዮም። እቲ ሓውና ፍሮስት ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንውድብ የሆዋ ኸም ዚሓልን ንኣሕዋቱ ኸም ዜፍቅርን ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። a እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት ከኣ ፈተውዎ።

ካብ ኣዕሩኽና ተመሃርና

ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣዕሩኽ ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ዕርክነት ከም ዚህልወና ዚገብር ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም እሙናት ጀርመናውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ንሓድሕዶም እውን ብዙሕ ተማሂሮም እዮም። ሪቻርድ፡ “ሎወል ጀርመንኛ ብመጠኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ኪመልኮ ኽኢሉ እዩ፣ ሰለስቴና ግና ንቃለስ ነበርና። ካብ ኵላትና ዝዓበየ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ንቛንቋ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ኰነ መራሒ ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት፡ ቀልጢፍና ንዕኡ ንውከሶ ነበርና” በለ። ራሞን ተዘክሮኡ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ጀርመን ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ስዊዘርላንድ ንዕረፍቲ ምስ ከድና፡ ሓደ ስዊዘርላንዳዊ ሓው ኣብ ቤቱ ኸነዕርፍ ስለ ዝፈቐደልና ኣዚና ተሓጐስና። ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ምስ ጀርመንኛ ምቅላስ ከየድለየና ኸም እነሕልፎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኰይኑ ግና፡ ንሎወል ኣብ ግምት ኣየእተኹዎን ነበርኩ። ሎወል፡ ንግሆ ንግሆ ጥቕሲ ዕለት ብጀርመንኛ ኸም እነንብብን ከም እንመያየጥን ገበረ። ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታዉ፡ ክሳዕ ዘንጸርጽር እዩ ገይሩኒ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ዘይንሰማምዓሉ እኳ እንተ ዀንና፡ እቶም ካብ ልቦም ዚሓልዩልና ሰባት ንዚህቡና መምርሒ ምስዓብ ጠቓሚ ምዃኑ ተማሂርና ኢና። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ፡ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ጠቒሙና፡ ንቲኦክራስያዊ መምርሒ ብቐሊሉ ኸም እንግዛእ ድማ ገይሩና እዩ።”

እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ብመሰረት እቲ፡ “ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ዚብል ኣብ ፊልጲ 2:3 ዚርከብ ጥቕሲ፡ ንሓድሕዶም ነቲ ኣወንታዊ ጐድኒ ብጻዮም ንኸማስዉሉ እውን ተማሂሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ እቶም ሰለስተ ንዜጋጥሞም ከቢድ ጕዳያት፡ ቢል ካባታቶም ብዝሓሸ መገዲ ኺሕዞ ኸም ዚኽእል ብምግንዛብ መብዛሕትኡ ግዜ ንቢል እዮም ሓላፍነት ዚህብዎ ነይሮም። ሎወል ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኪፍታሕ ዜድልዮ ኸቢድ ወይ ዜሸግር ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቢል ኢና እንውከሶ ኔርና። ኵላትና ኺፍታሕ ከም ዘለዎ እተሰማማዕናሉ ግድል ምስ ዜጋጥመና፡ ንምፍትሑ ግና ድፍረት ወይ ክእለት ምስ እንስእን፡ ቢል ነቲ ጕዳይ ብኽእለት ይሕዞ ነበረ” በለ።

ዜሐጕስ ሓዳር

በብሓደ ኣርባዕቲኦም ኪምርዓዉ ወሰኑ። ኣርባዕቲኦም ክተዓራረኹ ዝኸኣሉ፡ ኵሎም ንየሆዋን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም እዩ። ስለዚ ድማ ንየሆዋ ኣብ ህይወተን ቀዳምነት ዚህባኦ መጻምድቲ ኼናድዩ ወሲኖም ነበሩ። ምሃብ ካብ ምቕባል ብዝያዳ ኸም ዜሐጕስ፡ ውልቃዊ ድሌት ከኣ ትሕቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪስራዕ ከም ዘለዎ፡ ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተማሂሮም እዮም። ስለዚ፡ ብተበግሶአን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝኣተዋ ኣሓት መረጹ። ኣርባዕቲኦም ከኣ ድልዱልን ዜሐጕስን ሓዳር መስረቱ።

ዕርክነት ወይ ሓዳር ብሓቂ ድልዱል ንኪኸውን፡ የሆዋ ኣብቲ ርክብ ኪኣቱ ኣለዎ። (መክ. 4:12) ቢልን ራሞንን ድሕሪ ግዜ መጻምድቶም እኳ ብሞት እንተ ተፈልያኦም፡ ሓንቲ እምንቲ መጻምድቲ ሓጐስን ደገፍን ክትህብ ከም እትኽእል ተመኪሮምዎ እዮም። ሎወልን ሪቻርድን ካብ መጻምድቶም ከምዚ ዓይነት ደገፍ ኣይተፈልዮምን። እቲ ጸኒሑ እንደገና እተመርዓወ ቢል እውን፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኪቕጽል እተኽእሎ መጻምድቲ ብጥበብ መረጸ።

ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ኣብ እተፈለለየ ሃገራት ተመዲቦም፡ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ጀርመን፡ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ኦስትርያ፡ ላክሰምበርግ፡ ካናዳ፡ ከምኡውን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣገልጊሎም እዮም። ስለዚ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ከምቲ ዝደለይዎ ብሓንሳእ ግዜ ኼሕልፉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ብርሕቀት እኳ እንተ ተፈላለዩ፡ እናተጸሓሓፉ ወይ እናተደዋወሉ ብምርኻብ፡ በረኸት ኪረኽቡ ኸለዉ ሓቢሮም ይሕጐሱ፡ ጓሂ ኼጋጥሞም ከሎ ኸኣ ሓቢሮም ይበኽዩ ነበሩ። (ሮሜ 12:15) ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣዕሩኽ፡ ክቡራት ውህበት የሆዋ ስለ ዝዀኑ፡ ኣኽቢርካ ኺርኣዩ ደኣ እምበር፡ ዕሽሽ ኪብሃሉ የብሎምን። (ምሳ. 17:17) ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብርቂ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ግና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሓት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኪረክብ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዘለዉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽን ምስ የሱስ ክርስቶስን ዕርክነት ኣሎና።

ከምቲ ንዅላትና ዜጋጥመና፡ ነዞም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ እውን ኣብ ህይወቶም እተፈላለየ ጸገማት ኣጋጢምዎም እዩ። ገለ ኻብቲ ዘጋጠሞም ጸገማት ከኣ፡ ብሞት ዜፍቅርዎ መጻምድቲ ምሕዛን፡ ምስ ከቢድ ሕማም ምቅላስ፡ ብዕድመ ንዚደፍኡ ኣረጋውያን ወለዲ ምእላይ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኴንካ ውሉድ ምዕባይ፡ ሓድሽ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነት ኪውሃበካ ኸሎ ምሽቓል፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ብእርጋን ንዚመጽእ ሳዕቤን ምጽዋር እዩ። ኰይኑ ግና እዞም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ እዚኦም፡ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ኣዕሩኽ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ንዅሉ ዜጋጥሞም ጸገማት ብዓወት ንኺወጹሉ ኸም ዚድግፍዎም ተመኪሮምዎ እዮም።

ንዘለኣለም ዚቕጽል ዕርክነት

ሎወል ኣብ 18፡ ራሞን ኣብ 12፡ ቢል ኣብ 11፡ ሪቻርድ ከኣ ኣብ 10 ዓመት ዕድሚኦም ርእሶም ንየሆዋ ምውፋዮም፡ ካብ 17 ኽሳዕ 21 ኣብ ዘሎ ዓመት ዕድሚኦም ከኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእታዎም፡ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ኣርባዕቲኦም ነቲ ኣብ መክብብ 12:1፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል እተዋህቦም መተባብዒ ዓይዮምሉ እዮም።

ክርስትያን መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትኣቱ ንዚቐርበልካ ዕደመ ተቐበሎ። ብጸጋ የሆዋ ኸኣ ልክዕ ከምቲ እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ዝገበርዎ፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ፡ ኣብ ዕዮ ኣውራጃ፡ ኣብ ዕዮ ዞባ፡ ኣብ ቤት-ኤል፡ እንተላይ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ብምግልጋል፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ብምስትምሃር፡ ኣብ ዓበይትን ናእሽቱን ኣኼባታት ኣውራጃ መደረ ብምቕራብ ክትባረኽ ትኽእል ኢኻ። እዞም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ንጥፈታቶም ከም እተጠቕሙ ምፍላጦም፡ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! እዚ ዅሉ በረኸት እዚ ኺረኽቡ ዚኸኣሉ ኸኣ፡ ነቲ የሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ንኼገልግልዎ ዘቕረበሎም ፍቕራዊ ዕደመ ስለ እተቐበልዎ እዩ።—ቈሎ. 3:23

ሎሚ እውን ሎወልን ሪቻርድን ራሞንን፡ ኣብ ሰልተርስ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጀርመን እንደገና ሓቢሮም የገልግሉ ኣለዉ። ቢል ግና ብ2010 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ እናኣገልገለ ኸሎ ሞተ። እቲ ዳርጋ ን60 ዓመት ዚኣክል ዝቐጸለ ናይ ኣርባዕተ ሰባት ዕርክነት ብሞት ሓደ ኻባታቶም ምዅላፉ ዜሕዘን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽና የሆዋ ንኣዕሩኹ ኣይርስዖምን እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኵሉ እቲ ንግዜኡ ብሞት እተዀልፈ ክርስትያናዊ ዕርክነት እንደገና ኸም ዚቕጽል ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ቢል ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “ኣብ ኵሉ እቲ ን60 ዓመት ዝቐጸለ ዕርክነትና፡ ኣብ መንጎና እተፈጥረ ሕማቕ ኵነታት ትዝ ኣይብለንን እዩ። ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ርክብ ወትሩ ኣኽቢረ እየ ዚርእዮ” በለ። እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹ ድማ፡ ዕርክነቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ከም ዚቕጽል ሓበሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታሪኽ ህይወት ሓውና ፍሮስት ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1961 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 244-249 ወጺኡ ኣሎ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝረኸብዎ ሓጐስ፡ የሆዋ ወትሩ ዝያዳኦም ከም ዚፈልጥ ምሉእ ብምሉእ ኪኣምኑ ኸኣሉ

“ኣብ ኵሉ እቲ ን60 ዓመት ዝቐጸለ ዕርክነትና፡ ኣብ መንጎና እተፈጥረ ሕማቕ ኵነታት ትዝ ኣይብለንን እዩ”