ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ደቂ 3 ዓመትን ትሕቲኡን

ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዝናም ምስ ዘነመ፡

ሚካል በለት፦ “ኣብ ገዛ ተዓጽየ፡

ስለምንታይ እዩ ዘየቋርጽ፧

ኣነስ ክወጽእ ደልየ።”

ድሕሪኡ ግና ብሃንደበት

ጸሓይ ወጸት።

ዝናም ኣቋረጸ።

ሚካል ተሓጐሰት!

ሚካል እናጐየየት

ናብ ደገ ምስ ወጸት፡

ባህ ዜብል ዜገርም

ትርኢት ረኣየት።

ሚካል ድማ በለት፦

“ኣይነበረንን ፍልጠት፡

ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ዝናም

ከም ዜዕቢ ዕምባባታት።”

ንጥፈታት

ውሉድካ ናብዚ ዚስዕብ ነገራት ከም ዜመልክት ግበር፦

  • መስኰት

  • ሚካል

  • ዕምባባታት

  • ዑፍ

  • ኦም

ሕቡእ ነገራት ርኸብ።

  • ሕንዚዝ

  • ነፋሪት

ግብሪ ሃዋርያት 14:17 ኣንብብ። የሆዋ፡ ዝናም ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧