ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ

የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ

የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ

“ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ።” —ዮሃ. 13:15

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ትሕትና ዜርኢ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

እቲ የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና እንታይ ጥቕሚ እዩ ኣምጺኡ፧

1, 2. የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ንሃዋርያቱ እንታይ መሃሮም፧

 የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ምስ ሃዋርያቱ ኣብ ሓንቲ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ደርቢ ነበረ። እናተደርሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ። ዓለባ ድማ ተዓጥቀ። ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ ኸኣ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ ተመሊሱ ምሳታቶም ኮፍ በለ። ከምዚ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ዕዮ ዝዓየየ ስለምንታይ እዩ፧—ዮሃ. 13:3-5

2 የሱስ፡ “እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ . . . ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:12-15) ትሕትና ዝመልኦ ዕዮ ንኺዓዪ ፍቓደኛ ምዃኑ ብምርኣይ፡ ንሃዋርያቱ ኣብ ኣእምሮኦም ንሓዋሩ ዚቕረጽን ትሑታት ንኪዀኑ ዜተባብዖምን ትምህርቲ መሃሮም።

3. (ሀ) የሱስ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ኣገዳስነት ትሕትና ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝሓጸበሉ እዋን ኣይኰነን ንፈለማ እዋን ኣገዳስነት ትሕትና ኣጕሊሑ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ገሊኦም ሃዋርያት ብናይ ውድድር መንፈስ ኪከራኸሩ ምስ ጀመሩ፡ የሱስ ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ “ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 9:46-48) ፈሪሳውያን ህቡባት ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ጸኒሑ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ “ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ” በለ። (ሉቃ. 14:11) ብንጹር እምበኣር፡ ንሰዓብቱ፡ ትሑታት ኪዀኑ፡ ማለት ካብ ትዕቢት ኪርሕቁ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። ንሕና እውን ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ፡ ነቲ ዘርኣዮ ኣብነት ትሕትና እስከ ንመርምሮ። ብዘይካዚ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ነቲ ዜንጸባርቓ ሰብ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንኻልኦት እውን ብኸመይ ከም እትጠቅም ክንርኢ ኢና።

“ኣየድሓርሓርኩን”

4. እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን እንተ ዀነ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

4 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን እንተ ዀነ፡ ትሑት እዩ ነይሩ። ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ማእለያ ንዘይብሉ ዓመታት ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ እዩ። እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ወዲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ክትገልጽ ከላ፡ “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይአቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን” ትብል። (ኢሳ. 50:4, 5) ወዲ ኣምላኽ ትሑት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ የሆዋ ዚምህሮ ዝነበረ ነገራት የቕልበሉ ነበረ። ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺምሃር ይህንጠን ይፈቱን ነበረ። ኣቦኡ የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ምሕረቱ ብምርኣይ ትሕትና ኼርኢ ኸሎ ብቐረባ ይዕዘብ ነበረ።

5. የሱስ ከም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን፡ ምስ ድያብሎስ ኣብ እተኸራኸረሉ እዋን ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ፍጡር፡ ከምቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። እቲ ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ፡ ብየሆዋ ኺመሃር ኣይደለየን፣ የግዳስ፡ በቲ ኣንጻር ትሕትና ዝዀነ ባህርያት ተጸልወ፣ ንገዛእ ርእሱ ኽብ ኣቢሉ ኺርእን ኪዕበን ስለ ዝጀመረ ድማ፡ ካብ የሆዋ ዓለወ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን ንላዕሊ ኺውሃቦ ኣይደለየን፣ ንስልጣኑ እውን ብዘይ ግቡእ ኪጥቀመሉ ኣይፈተነን። ከም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን፡ ምስ ‘ስጋ ሙሴ ብእተተሓሓዘ ምስ ድያብሎስ ኣብ እተኸራኸረሉ እዋን፡’ ቦታኡ ብምሕላው ትሕትና ኣርእዩ እዩ። እቲ ልዑል ፈራዲ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ዚፈትሖ ተጸበየ።—ይሁዳ 9 ኣንብብ።

6. የሱስ ነቲ መሲሕ ኪኸውን እተዋህቦ መዝነት ኪቕበሎ ኸሎ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ እተማህሮ ነገራት፡ ነቲ መሲሕ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዜሕልፎ ህይወት ዚገልጽ ትንቢታት ዜጠቓልል ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ፡ ዜሕዝን ነገራት ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኺነብርን መሲሕ ኰይኑ ኺመውትን እተዋህቦ መዝነት ተቐበሎ። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝነበሮ ትሕትና ኼጕልሕ ከሎ፡ “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 2:6, 7

ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ፡ ‘ርእሱ ኣትሓተ’

7, 8. የሱስ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ዀነ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ጳውሎስ፡ “[የሱስ] ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ ድማ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት፡ አረ ኽሳዕ ሞት ኣብ ጕንዲ ስቅያት እኳ ተኣዘዘ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 2:8NW) የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ ኣርኣያ ትሕትና ሂቡና እዩ። እቶም ዘይፍጹማት ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን እኳ እንተ ኣዕበይዎ፡ ንሱ ግና ብትሕትና “ይእዘዞም” ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ሉቃ. 2:51) እዝስ ነቶም ብፍታው ንወለዶም እንተ ተኣዚዞምዎም ብኣምላኽ ዚባረኹ መንእሰያት ዚኸውን ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

8 የሱስ በጽሒ ምስ ኰነ፡ ንፍቓዱ ዘይኰነስ ንፍቓድ ኣቦኡ የሆዋ ቐዳምነት ብምሃብ ትሕትና ኣርኣየ። (ዮሃ. 4:34) ኣብ ኣገልግሎቱ ንስም ኣምላኽ ይጥቀመሉ፡ ቅኑዓት ሰባት ብዛዕባ ባህርያት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ቅኑዕ ፍልጠት ንኺረኽቡ ድማ ይሕግዞም ነበረ። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርትታት ተሰማሚዑ ይነብር ነበረ። ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት ብመጀመርታ ዝጠቐሶ፡ ነቲ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ዚብል እዩ። (ማቴ. 6:9) በዚ ኸምዚ፡ ንሰዓብቱ ንቕድስና ስም ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህብዎ ኣዘዞም። ንሱ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ “[ንሃዋርያት] ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” ኢሉ ኺጽሊ ኸኣለ። (ዮሃ. 17:26) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መላእ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝዓመሞ ነገራት፡ ሳላ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ ነበረ።—ዮሃ. 5:19

9. ዘካርያስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ እንታይ ኢሉ ተነበየ፧ እዚኸ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

9 ዘካርያስ ብዛዕባ መሲሕ ኪንበ ኸሎ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (ዘካ. 9:9) የሱስ ቅድሚ በዓል ፋስጋ 33 ድ.ክ. ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ እቲ ትንቢት ተፈጸመ። እቶም ህዝቢ ኽዳውንቶምን ጨናፍርን ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ምልእቲ ኸተማ ተናወጸት። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ከም ንጉሶም ገይሮም እኳ እንተ ወደስዎ፡ ንሱ ግና ትሑት እዩ ነይሩ።—ማቴ. 21:4-11

10. የሱስ ክሳዕ ሞት ኪእዘዝ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ እንታይ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ፧

10 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዘርኣዮ ትሕትናን ተኣዛዝነትን፡ ክሳዕ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ዚመውት ቀጺሉ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ብዘየዳግም መገዲ ኣርኣየ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሰይጣን፡ ደቂ ሰብ ንየሆዋ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዜገልግልዎ ዘቕረቦ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ኣርኣየ። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4) ክርስቶስ ዘርኣዮ ፍጹም ንጽህና፡ ንቕንዕናን ጽድቅን ልዑላውነት የሆዋ ኽብ ዜብል እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ነቕ ዘይብል ተኣማንነት ትሑት ወዱ ኺርኢ ኸሎ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

11. መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ደቂ ሰብ እንታይ ተስፋ እዩ ኸፊቱሎም፧

11 ብዘይካዚ፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሳላ ዝሞተ፡ ንደቂ ሰብ በጃ ተኸፍለሎም። (ማቴ. 20:28) እዚ ኸኣ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ኸፈተሎም፣ ጽድቃዊ ስርዓታት ከም ዚፍጸም ከኣ ገበረ። ጳውሎስ፡ “ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:18) ሞት የሱስ፡ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዘይትመውት ህይወት ረኺቦም ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ፡ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ድማ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ዜኽእሎም ተስፋ ኸፈተሎም።—ዮሃ. 10:16፣ ሮሜ 8:16, 17

“ልበይውን ትሑት”

12. የሱስ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ለውሃትን ትሕትናን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ንዅሎም እቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ሰባት ናብኡ ኺመጹ ዓደሞም። ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ . . . ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴ. 11:28, 29) ብትሕትናን ብለውሃትን ተደሪኹ፡ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ሕያውነትን ፍትሕን ኣርኣየ። ኣብቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት፡ ሚዛናዊ ነበረ። ይንእዶምን የተባብዖምን ድማ ነበረ። ዘይብቑዓት ወይ ዘይጠቕሙ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኣይገበረን። ጨካን ወይ ጨቋኒ እውን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ኣርዑቱ ፈኲስ፡ ጾሩ እውን ቀሊል ስለ ዝነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብኡ ምቕራብን ንትምህርትታቱ ምትግባርን ዕረፍቲ ኸም ዜምጽኣሎም ኣረጋገጸሎም። ጾታኦምን ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ ኵሎም ሰባት ምስኡ ኪዀኑ ኸለዉ ባህ ይብሎም ነበረ።—ማቴ. 11:30

13. የሱስ ንእተጸገሙ ሰባት ዚርሕርሓሎም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ ምስ ተራ ተቐማጦ እስራኤል ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ብምኽንያት ጸገማቶም ይርሕርሓሎምን ዜድልዮም ነገራት ብፍቕሪ ተደሪኹ ይገብረሎምን ነበረ። ኣብ ጥቓ ያሪኮ ምስ በርጢሜዎስ ዝስሙ ዕዉር ለማንን ምስ ሓደ ስሙ ዘይፍለጥ ዕዉር ብጻይ እቲ ለማንን ተራኸበ። እዞም ለመንቲ እዚኦም፡ ሓገዙ ደልዮም ብተደጋጋሚ ሓተቱ፣ እቶም ህዝቢ ግና ስቕ ኪብሉ ነገርዎም። የሱስ ብቐሊሉ ንልመና እቶም ዕዉራት ሸለል ኪብሎ ይኽእል ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ናብኡ ኼምጽእዎም ኣዘዘ፣ ደንጊጹሎም ድማ ኣሕወዮም። እወ፡ የሱስ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ብምምሓርን ትሕትና ብምርኣይን ንኣቦኡ የሆዋ መሰሎ።—ማቴ. 20:29-34፣ ማር. 10:46-52

“ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ”

14. ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና እንታይ ጥቕሚ እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ፧

14 የሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ትሕትና፡ ዜሐጕስን ኣዝዩ ጠቓምን እዩ። የሆዋ በቲ ብትሕትና ንመለኮታዊ ፍቓድ ዚግዛእ ዚፈትዎ ወዱ ተሓጒሱ እዩ። ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን እውን፡ ብልእመትን ትሕትናን የሱስ፡ ዕረፍቲ ረኺቦም እዮም። ኣብነቱን ትምህርትታቱን እቲ ባህ ዜብል ናእዳኡን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺዓብዩ ኣለዓዒልዎም እዩ። ተራ ሰባት እውን፡ ንሱ ስለ ዝሓገዞምን ስለ ዝመሃሮምን ስለ ዘተባብዖምን፡ ካብ ትሕትናኡ ተጠቒሞም እዮም። ብምሉኦም እቶም በጃ እተኸፍለሎም ደቂ ሰብ፡ ካብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ነባሪ ጥቕሚ ኺረኽቡ እዮም።

15. የሱስ ትሑት ብምዃኑ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙ፧

15 የሱስከ ኻብቲ ባዕሉ ዘርኣዮ ትሕትና ተጠቒሙዶ፧ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” ስለ ዝበሎም፡ እወ ረኺቡ እዩ። (ማቴዎስ 23:12) እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብኡ ተፈጺመን እየን። ጳውሎስ፡ “ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ [ንየሱስ] ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ” በለ። የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ብምኽንያት እቲ ኣብ ምድሪ ዘርኣዮ ትሕትናን ተኣማንነትን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ፍጡራት ስልጣን ሃቦ።—ፊልጲ 2:9-11

የሱስ ‘ምእንቲ ሓቅን ትሕትናን ኪወጽእ እዩ’

16. ትሕትና ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ንጥፈታት እውን ዚርአ ብኸመይ እዩ፧

16 ትሕትና ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ንጥፈታት እውን ኪርአ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ የሱስ ኣብቲ ኽብ ዝበለ ሰማያዊ ቦታኡ ዀይኑ ብኸመይ ንጸላእቱ ስጕምቲ ኸም ዚወስደሎም ብትንቢት ኪገልጽ ከሎ፡ “ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን [“ትሕትናን፡” NW] ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 45:4) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣርማጌዶን ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ትሕትናን ኪወጽእ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ን“ዅሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዐረ፡” እንታይ ኪገብር እዩ፧ ትሕትና ኼርኢ ድዩ፧ ‘ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ንኣቦኡን መሊሱ ስለ ዜረክባ፡’ ብርግጽ ትሕትና ኼርኢ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:24-28 ኣንብብ።

17, 18. (ሀ) ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ የሱስ ዝሃቦም ኣርኣያ ትሕትና ኺስዕቡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

17 ንሕናኸ ነቲ የሱስ ዝሃበና ኣርኣያ ብምስዓብ ትሕትና ኸነርኢ ዲና፧ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ፍርዲ ኺፍጽም ኣብ ኣርማጌዶን ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን፡ ክንድሕን ዲና፧ የሱስ ምእንቲ ጽድቅን ትሕትናን ዚወጽእ ምዃኑ፡ ንትሑታትን ንጻድቃንን ጥራይ ከም ዜድሕኖም ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ትሕትና ኸነማዕብል ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወቱ ትሕትና ብምርኣይ ንዕኡን ንኻልኦትን ዝጠቐመ፡ ንሕና እውን ትሕትና ብምርኣይ፡ ንዓና ዀነ ንኻልኦት ብእተፈላለየ መገዲ ኽንጠቅም ንኽእል ኢና።

18 ነቲ የሱስ ዝሃበና ኣርኣያ ትሕትና ንኽንስዕብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብድሆታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ትሕትና ንኸነርኢ ኽንጽዕር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኽንመያየጠለን ኢና።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]