ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ትሕትና ኣማዕብል

መንፈስ ትሕትና ኣማዕብል

መንፈስ ትሕትና ኣማዕብል

“እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ።”—ሉቃ. 9:48

መልሱ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧

መንፈስ ትሕትና ንኸነማዕብል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ሓደ ትሑት ሰብ “ዓብዪ” ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ሓዳርን ኣብ ጉባኤን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብን ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1, 2. የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ እዩ ምዒድዎም፧ ስለምንታይከ፧

 እዋኑ ብ32 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ምስ ሃዋርያቱ ነበረ፣ ሒደት ካብ ሃዋርያቱ ኸኣ ካብ መንጎኦም መን ከም ዚዓቢ ኺከራኸሩ ጀመሩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ፡ ብዛዕባ እዚ ኺጽብጽብ ከሎ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገለጸ፦ “ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ አተዎም። የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፤ ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ[ም]።” (ሉቃ. 9:46-48) የሱስ ንሃዋርያቱ ትሑታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ብትዕግስቲ ግናኸ ብጽንዓት መሃሮም።

2 እቲ የሱስ ብዛዕባ ትሕትና ዝሃቦ ማዕዳ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዚሰማማዕ ድዩ ነይሩ፡ ወይስ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ እተፈልየ እዩ ነይሩ፧ ቲሎኦጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕበራዊ ዅነታት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ፡ መን ከም ዚዓቢ ሕቶ ይብገስ ነበረ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘዚግብኦ ኽብሪ ምሃብ ከኣ ወትሩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ነይሩ” በለት። የሱስ ግና ንሃዋርያቱ ኻብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት እተፈልዩ ኪዀኑ እዩ ዚምዕዶም ነይሩ።

3. (ሀ) ትሑት ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ ነዛ ባህርይ እዚኣ ምንጽብራቕ በዳሂ ኪዀነና ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንፈስ ትሕትና ምስ ምምዕባል ዚተሓሓዝ እንታይ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል፧

3 እታ “ዚንእስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ዓቕሙ ዚፈልጥ፡ ትሑት፡ ኣብ ግምት ዘይኣቱ፡ ወይ ከኣ ንሓደ ተፈላጥነትን ዝናን ዘይብሉ ሰብ እያ እተመልክት። የሱስ ንሃዋርያቱ ትሑታትን ዓቕሞም ዚፈልጡን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ንምጕላሕ፡ ብሓደ ሕጻን እዩ ተጠቒሙ። እቲ ማዕዳኡ ኸኣ፡ ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ እውን ይውዕል እዩ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ትሑታት ክንከውን ኪኸብደና ይኽእል እዩ። እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና፡ ንኽንዕበን ተፈላጥነት ንምርካብ ንኽንጽዕርን ይድርኸና ይኸውን። እዛ እንነብረላ ዘለና ናይ ውድድር መንፈስ ዝሰፈና ዓለም እውን፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ከም እነተኵር ክትገብረና ወይ ከኣ ቍጡዓት ወይ ዓብለልቲ ንኽንከውን ጽልዋ ኸተሕድረልና ትኽእል እያ። መንፈስ ትሕትና ንኸነማዕብል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ‘እቲ ኣብ ማእከልና ዚንእስ፡ ንሱ ዓብዪ ዚኸውን’ ብኸመይ እዩ፧ ኣበየናይ መዳይ ህይወትና ኢና መንፈስ ትሕትና ኸነንጸባርቕ ዚግብኣና፧

“ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን”

4, 5. ትሕትና ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

4 ሓደ ኻብቲ ትሕትና ኸነማዕብል እንኽእለሉ መገድታት፡ የሆዋ ኻባና ኣዝዩ ኸም ዚዓቢ ምሕሳብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመር” ይሕብር እዩ። (ኢሳ. 40:28) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ገለ መዳያት ዕቤት የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” በለ። (ሮሜ 11:33) ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ቅድሚ 2,000 ዓመት ካብ ዚጽሕፈን ንነጀው፡ ፍልጠት ደቂ ሰብ ኣዝዩ እኳ እንተ ዓበየ፡ እቲ ንሱ ዝበሎ ሎሚ እውን ሓቂ እዩ። ፍልጠትና ኣዝዩ ይዕበ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ የሆዋን ዕዮታቱን መገድታቱን ኣዝዩ ብዙሕ እንመሃሮ ነገራት ከም ዘሎ ምፍላጥና፡ ትሑታት ከም እንኸውን ኪገብረና ይግባእ።

5 ለዮ a ንመገድታት ኣምላኽ ምፍላጥ ልዕሊ ዓቕምና ኸም ዝዀነ ምግንዛቡ፡ ትሕት ከም ዚብል ገበሮ። መንእሰይ ከሎ፡ ስነ ፍልጠት ኣዝዩ ይፈቱ ነበረ። ብዛዕባ ግኡዝ ዩኒቨርስ ብዝያዳ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ቐመማውን ኣካላውን ኣቃውማ ኸዋኽብቲ ዚምህር ኣስትሮፊዚክስ ኬጽንዕ ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደምደመ፦ “ብመሰረት እቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስነ ፍልጠታዊ ኽልሰ ሓሳብ ንበይኑ፡ ደቂ ሰብ ንዩኒቨርስ ምሉእ ብምሉእ ንኺርድእዎ ኸም ዘይሕግዞም ተረዳእኩ። ስለዚ፡ ሕጊ ኸጽንዕ ጀመርኩ።” ድሕሪ ግዜ፡ ለዮ ዓቃብ ሕጊ ዀነ፣ ጸኒሑ ድማ፡ ዳኛ ዀነ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዖም ሓቂ ተቐበሉ፣ ርእሶም ወፍዮም ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰኑ። ለዮ ብዙሕ ትምህርቲ እኳ እንተ ተማህረ፡ ትሑት ንኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ባዕሉ ኺምልሳ ኸሎ፡ “ብዛዕባ የሆዋን ዩኒቨርስን ዝተመሃርና እኳ እንተ ተመሃርና፡ ገና ብዙሕ ከም ዚተርፈና ምፍላጠይ እዩ ሓጊዙኒ” በለ።

6, 7. (ሀ) ኣምላኽ ትሑት ከም ዝዀነ ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ትሕትና ኣምላኽ ንሓደ ሰብ “ዓብዪ” እትገብሮ ብኸመይ እያ፧

6 የሆዋ ባዕሉ ትሕትና ኸም ዜርኢ ምፍላጥና፡ ትሑታት ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል ካልእ ረቛሒ እዩ። ነቲ፡ “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ዚብል ሓሳብ ኣስተብህለሉ። (1 ቈረ. 3:9) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ብዕቤት መወዳድርቲ ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንዓና ኸም መዓይይቱ ገይሩ ብምቝጻር፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ንኸነገልግል ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ነቲ እንዘርኦን ማይ እነስትዮን ዘርኢ ዜዕብዮ የሆዋ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስኡ ናይ ምዕያይ ክቡር መሰል ሂቡና እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) እዝስ ኣምላኽ ትሑት ከም ዝዀነ ዚሕብር ብሉጽ ኣብነት ደይኰነን፧ ብርግጽ እምበኣር፡ ትሕትና የሆዋ፡ ንሕና እውን ትሑታት ንኽንከውን ክትድርኸና ኣለዋ።

7 ትሕትና ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲራትሉ እያ። ዳዊት ንየሆዋ ኣምላኽ ኪዝምረሉ ኸሎ፡ “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ፡ ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (2 ሳሙ. 22:36) ኣብ እስራኤል ዕቤት ኪረክብ ዝኸኣለ፡ የሆዋ ትሕት ኢሉ ብምውራድ ንዕኡ ኣቓልቦ ስለ ዝገበረሉ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (መዝ. 113:5-7) የሆዋ ንዓና እውን ከምኡ እዩ ገይሩልና። ምስ ባህርያትን ክእለታትን ፍሉይ መሰላትን ብዚተሓሓዝ፡ ካብ የሆዋ ‘ዘይተቐበልናዮ’ እሞ እንታይ ኣሎ፧ (1 ቈረ. 4:7) ሓደ ርእሱ ‘ዜንእስ’ ሰብ “ዓብዪ” ዚኸውን፡ ክቡር ኣገልጋሊ የሆዋ ብምዃን እዩ። (ሉቃ. 9:48) ነዚ ነጥቢ እዚ ዜብርህ ሓሳብ ቀጺልና ኽንርኢ ኢና።

‘ኣብ ማእከልኩም ዚንእስ፡ ንሱ ዓብዪ እዩ’

8. ትሕትና ነቲ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዘሎና ኣረኣእያ እትጸልዎ ብኸመይ እያ፧

8 ኣብ ቲኦክራስያዊ ውድብ የሆዋ ዕጉባት ንኽንከውንን ንመሰናድዎታት ጉባኤ ንኽንድግፎን፡ ትሕትና ኣገዳሲት እያ። ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ዘዕበይዋ ፒትራ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ፒትራ ብርእሳ ኽትምራሕ ስለ ዝደለየት፡ ካብ ጉባኤ ረሓቐት። ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ እንደገና ናብ ጉባኤ ኽትመጽእ ጀመረት። ሕጂ ተሓጒሳ ኣብ ውድብ የሆዋ ትመላለስን ንመሰናድዎታት ጉባኤ ትድግፎን ኣላ። ኣረኣእያኣ ንኽትቅይር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ነዚ ኽትምልሶ ኸላ፡ “ኣብ ውድብ የሆዋ ባህ ኢሉኒ ንኽነብር፡ ክልተ ባህርያት ከጥርን ከማዕብልን ነበረኒ፣ ንሳተን ከኣ ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን እየን ነይረን” በለት።

9. ትሑት ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምግቢ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧ እዚኸ ኽቡር ኣገልጋሊ የሆዋ ዚገብሮ ስለምንታይ እዩ፧

9 ትሑት ሰብ ንመሰናድዎታት የሆዋ፡ እንተላይ ንመንፈሳዊ ምግቢ ኻብ ልቡ እዩ ዜማስወሉ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጊሁ የጽንዖ፡ ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ድማ ብህንጥዮት የንብቦ እዩ። ልክዕ ከም ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ሓድሽ ንዝወጸ ጽሑፋት ኣብ ብሕታዊ ቤተ መጻሕፍቱ ቕድሚ ምቕማጡ የንብቦ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብምንባብን ብምጽናዕን ትሕትና ነርኢ እንተ ዄንና፡ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ኢና፣ የሆዋ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝያዳ ኺጥቀመልና እዩ።—እብ. 5:13, 14

10. ኣብ ጉባኤና መንፈስ ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 መንፈስ ትሕትና ዜርኢ ሰብ፡ ብኻልእ መገዲ እውን “ዓብዪ” ይኸውን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ብመንፈስ የሆዋ እተቐብኡ ብቑዓት ሽማግለታት ኣለዉ። እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ንኣኼባታት ጉባኤን ንኣኼባ ኣገልግሎትን ንጕስነትን ዚምልከት መንፈሳዊ መደባት ይገብሩ እዮም። ነዚ መደባት እዚ ብፍታው ብምድጋፍ ትሕትና ነርኢ እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓጐስን ሰላምን ሓድነትን ጉባኤና ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ነዚ ኽቡር መሰል ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበካ ብትሕትና ኸተማስወሉ ኣይግብኣካንዶ፧

11, 12. ኣብ ውድብ የሆዋ ብዝያዳ ኽቡራት ዚገብረና እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

11 መንፈስ ትሕትና ዜርኢ ሰብ፡ ትሕትናኡ ተፈታውን ጠቓምን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ስለ ዚገብሮ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ “ዓብዪ” ወይ ብዝያዳ ኽቡር እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ትሑታት ኪዀኑ ዝመዓዶም፡ ገሊኣቶም በቲ ሽዑ ሰፊኑ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ተጸልዮም ስለ ዝነበሩ እዩ። ሉቃስ 9:46፡ “ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ አተዎም” ትብል። ንሕናኸ ኻብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ወይ ካብ ካልኦት ሰባት ዝሓሽና ኸም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ዲና፧ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብትዕቢትን ብስስዐን እዮም ዚምርሑ። ትሑታት ብምዃን ካባታቶም ክንርሕቕ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርናን ፍቓድ የሆዋ እንተ ኣቐዲምናን፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ኸነተባብዖም ኢና።

12 እቲ የሱስ ትሑታት ክንከውን ዝሃበና ማዕዳ፡ ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና መንፈስ ትሕትና ንኸነንጸባርቕ ኽንጽዕር ኣይግብኣናንዶ፧ ትሕትና እነርእየሉ ሰለስተ መዳያት እስከ ንርአ።

ትሑት ክትከውን ጽዓር

13, 14. ሰብ ሓዳር ትሕትና ኼርእዩ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ ንሓዳሮም ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ሓዳር። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ መሰሎም ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ መሰል ካልኦት ኣይግድሶምን እዩ። ትሑት ሰብ ግና፡ በቲ ጳውሎስ ዝሃበና ምኽሪ እዩ ዚምራሕ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 14:19) ሓደ ትሑት ሰብ ምስ ኵሉ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ መጻምድቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ኣስኣሰር ሰላም እዩ ዚስዕብ።

14 ንመዘናግዒ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሰብ ሓዳር ንመዘናግዒ ብዚምልከት እተፈላለየ ምርጫ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ገዛ ኾፍ ኢልካ መጽሓፍ ምንባብ ይፈቱ ይኸውን። ሰበይቱ ኸኣ፡ ካብ ገዛ ወጺእካ ኣብ ቤት ምግቢ ምብላዕ ወይ ፈተውቲ ምብጻሕ ትመርጽ ትኸውን። እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ምርጫኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ሰበይቱ እትፈትዎን እትጸልኦን ነገራት እውን ከም ዚግደስ ብምርኣይ ትሕትና ኼንጸባርቕ ከሎ፡ ሰበይቱ ንኸተኽብሮ ኣይትድረኽንዶ፧ ንሳ እውን እንተ ዀነት፡ ምርጫኣ ኺግበረላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምርጫ ሰብኣያ እውን ኣብ ግምት ከተእትዎ ኸላ፡ ሰብኣያ ብዝያዳ ደይኰነን ዜፍቅራን ኣኽቢሩ ዚርእያን፧ ሰብ ሓዳር ነፍሲ ወከፎም ትሕትና ምስ ዜርእዩ፡ ሓዳሮም ከም ዚድልድል ፍሉጥ እዩ።—ፊልጲ 2:1-4 ኣንብብ።

15, 16. ዳዊት ኣብ መዝሙር 131 እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ ኣተባቢዑና ዘሎ፧ እዚኸ ነቲ ኣብ ጉባኤ እነርእዮ ጠባይ ብኸመይ እዩ ኺጸልዎ ዘለዎ፧

15 ኣብ ጉባኤ። ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ዚደልይዎ ነገራት ብኡብኡ ኺረኽብዎ እዮም ዚደልዩ። ትዕግስቲ ስለ ዘይብሎም፡ ምጽባይ ኣመና እዩ ዚኸብዶም። መንፈስ ትሕትና ምምዕባልና፡ ንየሆዋ ንኽንጽበዮ ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 131:1-3 ኣንብብ።) ትሑታት እንተ ዄንናን ንየሆዋ እንተ ተጸቢናዮን፡ ድሕንነትን በረኸትን ምጽንናዕን ዕግበትን ክንረክብ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ዳዊት ንእስራኤላውያን ብጾቱ ብኣምላኾም ተስፋ ኺገብሩ ወይ ንኣምላኽ ኪጽበይዎ ዘተባብዖም።

16 ንስኻ እውን ብትሕትና ንየሆዋ ብምጽባይ፡ ተመሳሳሊ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 42:5) ምናልባት ‘ሰናይ ግብሪ ስለ እትምነ፡’ ‘መዓርግ ኤጲስቆጶስ ትደሊ’ ወይ ‘ሓላዊ ንምዃን ትመጣጠር’ (NW) ትህሉ ትኸውን። (1 ጢሞ. 3:1-7) ሓቂ እዩ፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓደ ሓላዊ ዜድልዮ ባህርያት ምእንቲ ኸተማዕብል፡ ብዚከኣለካ ኽትጽዕር ኣሎካ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ ነዊሕ ግዜ እንተ ወሰደኸ፧ ንፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ብትዕግስቲ ዚጽበ ትሑት ሰብ፡ ነቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ተሓጒሱ ይቕጽሎ፡ ንእተዋህቦ መዝነት ከኣ ባህ ኢልዎ ይቕበሎ እዩ።

17, 18. (ሀ) ይቕረታ ኽንሓትትን ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎምን ከለና፡ እንታይ ረብሓታት እዩ ዚርከብ፧ (ለ) ኣብ ምሳሌ 6:1-5 እንታይ ምኽሪ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

17 ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ። ብዙሓት ሰባት፡ ይቕረታ ምሕታት ይኸብዶም እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግና፡ ንጌጋኦም ብምቕባልን ይቕረታ ብምሕታትን መንፈስ ትሕትና የማዕብሉ እዮም። ንዝበደልዎም ይቕረ ንኺብሉሎም እውን ድሉዋት እዮም። ትዕቢት ናብ ባእስን ምክፍፋልን እዩ ዚመርሕ፣ ይቕረ ምባል ግና ኣብ ጉባኤ ሰላም ከም ዚሰፍን እዩ ዚገብር።

18 ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ብዝዀነ ምኽንያት ቃልና ምስ ዘይንሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልእ ሰብ ‘ተደፊእና’ ብትሕትና ኻብ ልቢ ይቕረታ ኽንሓትት ዜገድድ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓደ ትሑት ክርስትያን በቲ ጌጋ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ ኸይከውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጌጋኡ ንምእማን ግና ድሕር ኣይብልን እዩ።—ምሳሌ 6:1-5 ኣንብብ።

19. ነፍሲ ወከፍና ነቲ ትሑታት ንኽንከውን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና ምኽሪ ኸነማስወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ነቲ መንፈስ ትሕትና ንኸነማዕብል እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዕ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዚግብኣና! ሓድሓደ ግዜ ትሑታት ክንከውን ኪኸብደና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዕቤት ፈጣሪናን ንትሕትናኡን ምዝካርና፡ መንፈስ ትሕትና ንኸነማዕብል ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ትሑታት እንተ ዄንና፡ ክቡራት ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃንና ኸነርኢ ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና መንፈስ ትሕትና ነማዕብል።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]