ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ . . . ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል።” —ዘጸ. 34:6, 7

ክትምልሶ ፈትን

ዳዊትን ምናሴን ምስ ሓጥኡ፡ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ስለምንታይከ፧

የሆዋ ንእስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ንሓጢኣቶም ይቕረ ዘይበለሎም ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ይቕረ ንኺብለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

1, 2. (ሀ) የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል እንታይ ዓይነት ኣምላኽ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነየናይ ሕቶ እያ ኽትምልሶ፧

 ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ጕጅለ ሌዋውያን ኣብ ዘቕረብዎ ህዝባዊ ጸሎት፡ ኣቦታቶም ብተደጋጋሚ ንትእዛዛት የሆዋ ‘ምስማዕ ከም ዝኣበዩ’ ገለጹ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ‘ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሓርን ንዅራ ደንጓዪን ብዓል ብዙሕ ምሕረትን’ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። ነቶም ብግዜ ነህምያ ናብ ሃገሮም እተመልሱ ምሩኻት ከኣ፡ ብቐጻሊ ጸጋኡ ሂብዎም እዩ።—ነህ. 9:16, 17

2 ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና፡ ‘የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓይ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧’ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ነዛ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ኣምላኽ ንንጉስ ዳዊትን ንንጉስ ምናሴን ብኸመይ ይቕረ ኸም ዝበለሎም፡ ንሳቶም ከኣ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ እስከ ንመርምር።

ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ

3-5. ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

3 ዳዊት ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ከቢድ ሓጢኣት ግና ፈጺሙ እዩ። ካብዚ እቲ ኽልተ፡ ምስቶም ኡርያን ባትሴባን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ሳዕቤን እቲ ሓጢኣት፡ ንዅላቶም ዜጕሂ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣምላኽ ንዳዊት ዝኣረመሉ መገዲ፡ የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ይምህረና እዩ። እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

4 ዳዊት ንሰራዊት እስራኤል፡ ነታ ርእሰ ኸተማ ዓሞን ዝነበረት ራባ ኪኸብብዋ ለኣኾም። ራባ ብሸነኽ ምብራቕ የሩሳሌም 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ፡ ኣብ ስግር ሩባ ዮርዳኖስ እትርከብ ከተማ እያ ነይራ። ዳዊት ግና ኣብ ናሕሲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መንግስቱ ኸሎ፡ ነታ ብዓልቲ ሓዳር ዝነበረት ባትሴባ ነብሳ ኽትሕጸብ ከላ ረኣያ። ሰብኣይ ባትሴባ ኣብ ቤቱ ኣይነበረን። ዳዊት ንባትሴባ ብምርኣይ ስምዒቱ ስለ እተለዓዓለ፡ ልኢኹ ናብኡ ኸም እትመጽእ ገበረ፣ ምስኣ ድማ ዘመወ።—2 ሳሙ. 11:1-4

5 ዳዊት፡ ባትሴባ ኸም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ፡ ንኡርያ ሰብኣያ ምስኣ ኸም ዚድቅስ ተስፋ ብምግባር፡ ካብ ዓውደ ዂናት ናብ የሩሳሌም ከም ዚምለስ ገበሮ። ኡርያ ግና፡ ዳዊት ዝጸዓረ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ናብ ቤቱ ፈጺሙ ኣይኣተወን። ስለዚ፡ ዳዊት ነቲ ኣዛዝ ሰራዊቱ ብምስጢር ደብዳበ ብምልኣኽ፡ ኡርያ “ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ” ከም ዚኣቱን እቶም ብጾቱ ወተሃደራት ንድሕሪት ከም ዚምለሱን ኪገብር ኣዘዞ። ሽዑ ኡርያ፡ ልክዕ ከምቲ ዳዊት ዝሓሰቦ ብቐሊሉ ኣብ ውግእ ሞተ። (2 ሳሙ. 11:12-17) ዳዊት ኣብ ርእሲ እቲ ዝፈጸሞ ዝሙት፡ ንጹህ ሰብ እውን ኣቕተለ።

ዳዊት ኣረኣእያኡ ለወጠ

6. ኣምላኽ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

6 የሆዋ ነቲ ዜጋጥም ዝነበረ ነገራት ርእይዎ እዩ። ካብኡ ዚሕባእ ነገር የልቦን። (ምሳ. 15:3) ዳዊት ኣብ መወዳእታኡ ንባትሴባ እኳ እንተ ተመርዓዋ፡ “እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእዮ።” (2 ሳሙ. 11:27) እሞኸ ኣምላኽ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ኸቢድ ሓጢኣት እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ንነብዪ ናታን ናብኡ ለኣኾ። ይቕረ በሃሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዳዊት ይቕረ ኺብለሉ ዜኽእሎ መሰረት የናዲ ነበረ። ከምኡ ምግባሩ፡ ልቢ ዚትንክፍ ደይኰነን፧ ንዳዊት ሓጢኣቱ ኺንሳሕ ኣየገደዶን፣ የግዳስ፡ ብናታን ኣቢሉ፡ ሓጢኣቱ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዜርኢ ምሳሌ ነገሮ። (2 ሳሙኤል 12:1-4 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ ተነቃፊ ጕዳይ እዚ ዝሓዘሉ መገዲ ብሓቂ ውጽኢታዊ እዩ ነይሩ።

7. ዳዊት ንምሳሌ ናታን እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧

7 ዳዊት፡ እቲ ኣብታ ናታን እተጠቕመላ ምሳሌ እተገብረ ነገራት ፍትሓዊ ኸም ዘይኰነ ገለጸ። በቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ ስለ ዝሓረቐ ድማ ንናታን፡ “እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” በሎ። ብዘይካዚ፡ እቲ እተበደለ ሰብኣይ ኪከሓስ ከም ዘለዎ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ናታን ንዳዊት፡ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” በሎ። ከም ሳዕቤን ሓጢኣቱ ድማ፡ ካብ ቤቱ “ሴፍ” ከም ዘየልግስን ኣብ ስድራ ቤቱ መከራ ኸም ዜጋጥምን ተነግሮ። በቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኸም ዚዋረድ እውን ተሓበሮ። ዳዊት ክብደት እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ስለ እተገንዘበ፡ ብጣዕሳ “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” በለ።—2 ሳሙ. 12:5-14

ዳዊት ጸለየ፡ ኣምላኽ ድማ ይቕረ በለሉ

8, 9. መዝሙር 51 ንውሽጣዊ ስምዒት ዳዊት እትገልጾ ብኸመይ እያ፧ ብዛዕባ የሆዋኸ እንታይ ትምህረና፧

8 እተን ኣብታ ዳዊት ድሕሪኡ ዝጸሓፋ መዝሙር ዚርከባ ቓላት፡ ንልባዊ ጣዕሳኡ ዜርእያ እየን። መዝሙር 51 ብዛዕባ እቲ ዳዊት ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ልቢ ዚትንክፍ ልመና ዝሓዘት እያ፣ ጌጋኡ ኻብ ምቕባል ንላዕሊ ኸም ዝገበረ፡ ማለት ካብ ሓጢኣቱ ኸም እተነስሐ ትሕብር እያ። ዳዊት ብቐንዱ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ እዩ ዜተሓሳስቦ ነይሩ። “ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ” በለ። ንየሆዋ ድማ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። . . . ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፡ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ” ኢሉ ለመኖ። (መዝ. 51:1-4, 7-12) ንስኻኸ ንየሆዋ ብዛዕባ ድኽመታትካ ኽትዛረቦ ኸለኻ፡ ካብ ልብኻን ብግልጽን ዲኻ እትዛረቦ፧

9 የሆዋ ንዳዊት ካብቲ ዜጕሂ ሳዕቤን ሓጢኣቱ ኣየዕቈቦን። ከመይሲ፡ ኣብ መላእ ህይወት ዳዊት ዚቕጽል ሳዕቤን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ስለ እተነስሐ፡ ማለት “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ስለ ዝነበሮ፡ ይቕረ በለሉ። (መዝሙር 32:5 ኣንብብ፣ መዝ. 51:17) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ነቲ ንሓደ ሰብ ከም ዚሓጥእ ዚገብሮ ናይ ሓቂ ኣረኣእያን ድራኸን ይፈልጦ እዩ። ንጕዳይ ዳዊትን ባትሴባን ብሰብኣውያን ፈረድቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ንኺርአ ብምፍቃድ ብሞት ከም ዚቕጽዑ ኣብ ክንዲ ዚገብር፡ ብምሕረት ተደሪኹ ጣልቃ ኣተወ፣ ነቲ ጕዳይ ከኣ ባዕሉ ሓዞ። (ዘሌ. 20:10) እቲ ኻብ ዳዊትን ባትሴባን እተወልደ ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ኰነ።—1 ዜና 22:9, 10

10. (ሀ) የሆዋ ንዳዊት በየናይ ረቛሒ እዩ ይቕረ ኺብለሉ ኽኢሉ ዚኸውን፧ (ለ) የሆዋ ይቕረ ንኺብል ዚድርኾ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

10 ምናልባት የሆዋ ንዳዊት ይቕረ ንኺብለሉ ዝደረኾ ኻልእ ረቛሒ፡ እቲ ዳዊት ንሳኦል ዘርኣዮ ምሕረት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙ. 24:4-7) ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ የሆዋ በቲ ንኻልኦት እንሕዘሉ መገዲ ገይሩ እዩ ዚሕዘና። የሱስ፡ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 7:1, 2) የሆዋ ንሓጢኣትና፡ እንተላይ ነቲ ኸም ዝሙት ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣትና ይቕረ ኸም ዚብለልና ምፍላጥናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! የሆዋ ይቕረ ዚብለልና፡ ንሕና እውን ይቕረ ንብል እንተ ዄንናን ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝናን ብዛዕባ ሕማቕ ተግባራት ዘሎና ኣረኣእያ እንተ ቐዪርናን ጥራይ እዩ። ሓጥኣን ካብ ልቦም ኪንስሑ ኸለዉ፡ ካብ የሆዋ “ዘመን ዕረፍቲ” ኺመጸሎም ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

ምናሴ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጸመ፡ ግናኸ ተነስሐ

11. ንጉስ ምናሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክፉእ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ይቕረ ንምባል ክሳዕ ክንደይ ፍቓደኛ ምዃኑ ዚሕብር ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ እስከ ንርአ። ካብቲ ዳዊት ንጉስ ዝዀነሉ እዋን ኣስታት 360 ዓመት ጸኒሑ፡ ምናሴ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። እቲ ን55 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣቱ፡ እከይ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ኸኣ ነቲ ምናሴ ዚገብሮ ዝነበረ ዜስካሕክሕ ተግባራት ኰነኖ። ካብቲ ምናሴ ዝገበሮ ዜስካሕክሕ ተግባራት፡ ንበዓል መሰውኢ ምስራሑ፡ “ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ” ምምላኹ፡ ንደቁ ብሓዊ ኸም ዚሓልፉ ምግባሩ፡ ከምኡውን ሓተታ መናፍስቲ ኸም ዜስፋሕፍሕ ምግባሩ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። እወ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።”—2 ዜና 33:1-6

12. ምናሴ ናብ የሆዋ እተመልሰ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብ መወዳእታኡ፡ ምናሴ ኻብ ዓዱ ተወሲዱ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበየ። ኣብኡ ዀይኑ ነቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን ዝነገሮም ቃላት ዘኪርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሙሴ፡ “ምስ ጸበበካ፡ እዚ ዅሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ” በለ። (ዘዳ. 4:30) ምናሴ ናብ የሆዋ ተመሊሱ እዩ። ብኸመይ፧ “ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ፣” ከምቲ ኣብ ገጽ 21 ዚርአ ዘሎ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ “ተማህለለ።” (2 ዜና 33:12, 13) እተን ኪጽሊ ኸሎ እተዛረበን ቃላት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተጠቕሳ፡ ምስተን ንጉስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 51 ዝበለን ቃላት ኪመሳሰላ ኸም ዚኽእላ ግና ኽንግምት ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምናሴ ምሉእ ብምሉእ ኣረኣእያኡ ቐዪሩ እዩ።

13. የሆዋ ንምናሴ ይቕረ ዝበለሉ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ነቲ ምናሴ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ “ራሕረሓሉ፡ ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ።” ምናሴ ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንርዝነት ሓጢኣቱ ተገንዚቡ ኻብ ልቡ ስለ እተነስሐ፡ ኣምላኽ ይቕረ በለሉ፣ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት መንግስቱ እውን መለሶ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ “ምናሴ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፈለጠ።” (2 ዜና 33:13) እቲ መሓሪ ኣምላኽና ነቶም ካብ ልቦም ዚንስሑ ይቕረ ኸም ዚብለሎም ዜርኢ ኸመይ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ኣብነት ኰን እዩ!

የሆዋ ይቕረ ዚብል ወትሩ ድዩ፧

14. የሆዋ ንሓጥኣን ይቕረ ኺብለሎም እንተ ዀይኑ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

14 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ ይቕረታ ዚሓትቱሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ዳዊትን ምናሴን ዝፈጸምዎ ዓይነት ከቢድ ሓጢኣት ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ክልተ ነገስታት ይቕረ ምባሉ፡ ሓደ ሓጥእ ካብ ልቡ እንተ ተነሲሑ፡ የሆዋ ይቕረ ንኺብለሉ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብረና።

15. የሆዋ ንዅሎም ሓጥኣን ደቂ ሰብ ይቕረ ዚብለሎም ወትሩ ኸም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

15 የሆዋ ንዅሎም ሓጥኣን ደቂ ሰብ ይቕረ ዚብለሎም ወትሩ እዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዳዊትን ምናሴን ዝነበሮም ኣረኣእያ ምስቲ እቶም ዘይእዙዛት ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮም ኣረኣእያ እስከ ነወዳድሮ። ዳዊት ምስ ሓጥአ፡ ኣምላኽ ንናታን ናብኡ ብምልኣኽ፡ ኣረኣእያኡ ኪቕይር ኣጋጣሚ ሃቦ። ዳዊት ድማ ነቲ እተዋህቦ ኣጋጣሚ ብሞሳ ተቐቢሉ ተነስሐ። ምናሴ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኪንሳሕ ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ብተደጋጋሚ ነብያቱ እናለኣኸ፡ ንህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን፡ ንዘይተኣዛዝነቶም ብኸመይ ከም ዚርእዮ እኳ እንተ ነገሮም፡ ንሳቶም ግና መብዛሕትኡ እዋን ኣይተነስሑን፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ይቕረ ኣይበለሎምን። (ነህምያ 9:30 ኣንብብ።) እቶም ብምርኮ ናብ ባቢሎን እተወስዱ ህዝቢ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንኸም እኒ እዝራ እቲ ኻህንን ነብዪ ሚልክያስን ዝኣመሰሉ እሙናት መልእኽተኛታት ኣተንሲኡሎም ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ምስ ፍቓድ የሆዋ ብዚሰማማዕ መገዲ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ ዓብዪ ሓጐስ ይረኽቡ ነበሩ።—ነህ. 12:43-47

16. (ሀ) እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ዘይምንሳሖም እንታይ ኣስዓበሎም፧ (ለ) ብስጋ እስራኤላውያን ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ካብ ኣየናይ ኣጋጣሚ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ፧

16 የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ፍጹም መስዋእታዊ በጃ ምስ ኣቕረበ፡ የሆዋ ነቲ እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ እንስሳ ኣቋረጾ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ እተመላለሰሉ እዋን፡ ነቲ ኣቦኡ ብዛዕባ የሩሳሌም ዝነበሮ ኣረኣእያ ብዜንጸባርቕ መገዲ ኸምዚ በለ፦ “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ።” (ማቴ. 23:37-39) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሓጥእን ዘይንሳሕን ህዝቢ፡ ብመንፈሳዊ እስራኤል ተተክአ። (ማቴ. 21:43፣ ገላ. 6:16) እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝዀኑ ውልቀ ሰባትከ ሓጢኣቶም ይቕረ ኺብሃለሎም ይኽእል ድዩ፧ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስን እምነት ብምሕዳር፡ ካብቲ የሆዋ ዚገብረሎም ይቕረታን ምሕረትን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እቶም ሓጢኣቶም ከይተነስሑ ዝሞቱ እሞ ኣብ ምድሪ ኻብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት እውን፡ ካብቲ ኣጋጣሚ ኺጥቀሙ እዮም።—ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15

ካብቲ የሆዋ ዚገብረልካ ይቕረታ ተጠቐም

17, 18. የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ንኺብለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ፍቓደኛ ኻብ ኰነ፡ ብወገንና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ከምቲ ዳዊትን ምናሴን ዝገበርዎ ኽንገብር ይግባእ። ሓጢኣትና ተኣሚንና ኽንንሳሕ፡ ከምኡውን የሆዋ ይቕረ ንኺብለልና ኽንልምኖን ጽሩይ ልቢ ንኺፈጥረልና ኽንሓትቶን ኣሎና። (መዝ. 51:10) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና፡ ካብ ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝ ከነናዲ ኣሎና። (ያእ. 5:14, 15) ኵነታትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንሙሴ ዝገለጸሉ ቓላት ምዝካርና ዜጸናንዕ እዩ። የሆዋ ንሙሴ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ምዃኑ ገለጸሉ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣይተለወጠን።—ዘጸ. 34:6, 7

18 የሆዋ ሓያል መነጻጸሪ ብምጥቃም፡ ነቶም እተነስሑ እስራኤላውያን፡ ነቲ ኸም “ጁዅ” ዝቔሔ ሓጢኣቶም ከም “በረድ” ኬጻዕድዎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብለሎም ተመባጽዓሎም። (ኢሳይያስ 1:18 ኣንብብ።) የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓናኸ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ነቲ የሆዋ ይቕረ ንኺብለልና ዝገበሮ መሰናድዎ ምስ እነማስወሉ፡ ሓጢኣትና ድማ ምስ እንንሳሕ፡ ኣበሳና ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኺብሃለልና ይኽእል እዩ።

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ዚብለልና ኻብ ኰነ፡ ንሕናኸ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንኣብነቱ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ እሞ ኻብ ልቦም እተነስሑ ሰባት፡ ይቕረ ብዘይምባል ምእንቲ ኸይንጭክነሎም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን” ዝዀነ ኣቦና የሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንመስሎ፡ ልብና ንኽንምርምር ክትሕግዘና እያ።—መዝ. 86:5

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ሕቶታት መጽናዕቲ]