ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እተን ኣብ ማቴዎስ 19:10-12 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ እቶም ንጽል ኪዀኑ ዝወሰኑ ሰባት፡ ብተኣምራዊ መገዲ ንጽል ናይ ምዃን ውህበት ከም እተዋህቦም ድየን ዚሕብራ፧

▪ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ንጽል ምዃን እተዛረበሉ ዅነታት እስከ ንመርምሮ። ፈሪሳውያን ናብ የሱስ መጺኦም ብዛዕባ ፍትሕ ምስ ኣዘራረብዎ፡ የሱስ ነቲ ንሓዳር ዚምልከት ስርዓታት የሆዋ ብንጹር ገለጾ። ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ “ዜሕፍር ነገር” እንተ ረኺቡላ፡ መጽሓፍ መፍቲሒኣ ሂቡ ኺፈትሓ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ፈለማ ግና ኸምኡ ኣይነበረን። (ዘዳ. 24:1, 2) የሱስ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምግላጹ፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ።—ማቴ. 19:3-9

ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን” በሉ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም።—ማቴ. 19:10-12

ብምኽንያት ናይ ውልደት ጸገም፡ ወይ ከኣ ብምኽንያት ሓደጋ ወይ ምጕዳል ኣካል ቃል ብቓሉ ስሉባት ዚዀኑ ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ብምርጫኦም ከም ስሉባት ኰይኖም ዚነብሩ እውን ኣለዉ። ኪምርዓዉ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ‘ምእንቲ መንግስተ ሰማያት’ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ብምቍጽጻር፡ ንጽል ኰይኖም ይነብሩ። ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብተወፋይነት ምእንቲ ኺዓይዩ፡ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ መሪጾም እዮም። እዚ ውህበት እዚ፡ ኪውለዱ ኸለዉ ወይ ጸኒሑ እተዋህቦም ዘይኰነስ፡ እተቐበልዎ ወይ ብፍላጥ ዝመረጽዎ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ዝበሎ ንምጕላሕ፡ ንጽል ወይ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ዅሎም ክርስትያናት ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኼገልግልዎ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ‘ብልቦም ዝወድእዎ’ ንጽል ግና ‘ዝሓሸ’ ኸም ዚገብሩ ገሊጹ እዩ። እቶም ንጽል ዝዀኑ ዝሓሸ ዚገብሩ ብኸመይ እዮም፧ ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም ንምሕጓስን ንምክንኻንን ግዜኦም ኪኸፋፍልዎ ኣለዎም። ንጽል ዝዀኑ ክርስትያናት ግና፡ ከምዚ ዓይነት ግዴታ ስለ ዘይብሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ኼውዕልዋ ይኽእሉ እዮም። ንዅነታቶም ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ‘ውህበት’ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።—1 ቈረ. 7:7, 32-38

ስለዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓደ ክርስትያን ብተኣምራዊ መገዲ ንጽል ናይ ምዃን ውህበት ከም ዚውሃቦ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ኸይተመርዓወ ብምንባር፡ ሓሳቡ ኸይተኸፋፈለ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ኸም ዚመርጽ እዩ ዚገልጽ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ብልቦም ወዲኦምዎ እዮም፣ ካልኦት ከኣ ኬተባብዕዎም ይግባእ።