ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’

‘ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’

ካብ መዛግብትና

‘ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’

ጆርጅ ናሽ ናብቲ ኣብ ሳስከቱን፡ ሳስካችዋን፡ ካናዳ፡ ኣብ እንዳ ኣጽዋር ተዀሚሩ ዝነበረ 18 ሜተር ዝምንዋሑ ኣጕናድ እናኣመልከተ፡ “እዚ ንምንታይ ኪኸውን እዩ ተዀሚሩ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ኣጕናድ ብግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ንምልክት ዚኸውን ግምብታት ኣብ ምስራሕ ይውዕል ነበረ። ሓው ናሽ ጸኒሑ ኸም ዝገለጾ፡ “ነቲ ኣጕናድ፡ ግምብታት ሬድዮ ንምስራሕ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ሓሰብኩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ቲኦክራስያዊ መደበር ሬድዮ ተጀመረ” በለ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ማለት ብ1924 ሲ.ኤች.ዩ.ሲ. ስራሑ ጀመረ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ካናዳ ዝነበረ ንሃይማኖት ዚምልከት ርእሰ ነገራት ዚስምዓሉ መደበር ሬድዮ ድማ ኰነ።

እታ ዳርጋ ኽንዲ ኤውሮጳ እትኸውን ካናዳ፡ ብሬድዮ ንምምስካር እትምሽእ ሃገር እያ ነይራ። ኣብቲ ኣብ ሳስከቱን ዚርከብ መደበር ሬድዮ እትሰርሕ ዝነበረት ፍሎረንስ ጆንሰን፡ “ሳላ ፈነወ ሬድዮና፡ ብውልቂ ኽንረኽቦም ንዘይንኽእል ብዙሓት ሰባት፡ ሓቂ ኺበጽሖም ክኢሉ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ ሬድዮ ሓድሽ ነገር ስለ ዝነበረ፡ ሰባት ንዝዀነ ይኹን ፈነወ ሬድዮ ተሃንጥዮም እዮም ዚሰምዕዎ ነይሮም” በለት። ብ1926 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበሩ እዩ)፡ ኣብ ኣርባዕተ ኸተማታት ካናዳ ናይ ገዛእ ርእሶም መደበር ሬድዮ የካይዱ ነበሩ። a

ኣብቲ ፈነወ ሬድዮ እንታይ መደባት እዩ ዚስማዕ ነይሩ፧ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዚርከባ ጉባኤታት ዝመጹ ዘመርቲ፡ ብሙዚቀኛታትን ብንእሽቶ ኦርኬስትራን ተሰንዮም ይዝምሩ ነበሩ። ኣሕዋት ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስብከት የቕርቡ ነበሩ፣ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ይግበር ነበረ። ኣብቲ ምይይጥ እትካፈል ዝነበረት ኤሚ ጆንስ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንገዛእ ርእሰይ ነቶም ሰብ ቤት ከፋልጥ ከለኹ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ‘ኣሃ፡ ንዓኺ እሞ ኣብ ሬድዮ ሰሚዕናኪ ንፈልጥ ኢና’ ይብሉኒ ነበሩ” በለት።

ኣብ ሃሊፋክስ፡ ኖቫ ስኮሸ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ሓድሽ ነገር መሃዙ፣ ሰባት ተሌፎን ብምድዋል ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓትቱ ዚኽእሉሉ መደብ ጀመሩ። ሓደ ሓው፡ “ሰባት ነዚ መደብ እዚ ዝሃብዎ ምላሽ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ሳዕ ይድወል ስለ ዝነበረ፡ እቲ መደበር ሬድዮ ሃታሃታ ዝመልኦ እዩ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጋጠሞ፡ ንዓታቶም እውን እተፈላለየ ምላሽ ኣጋጠሞም። (ግብ. 17:1-5) ገሊኦም ሰማዕቲ ነቲ መልእኽቲ ፈተውዎ። ንኣብነት፡ ሄክተር ማርሻል፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሬድዮ ብዛዕባ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ኪዛረቡ ኸለዉ ምስ ሰምዐ፡ ሽዱሽተ ጥራዛት ኣዘዘ። ጸኒሑ ድማ፡ “እተን መጻሕፍቲ ኣብቲ ዝምህረሉ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዚሕግዛኒ መሰለኒ” ኢሉ ጸሓፈ። ነታ ናይ መጀመርታ ጥራዝ ምስ ኣንበባ ግና፡ ካብ ቤተ ክርስትያኑ ኺወጽእ ወሰነ። ቀናእ ወንጌላዊ ድማ ኰነ፣ ብ1998 ክሳዕ ዚመውት ድማ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊልዎ እዩ። ኣብ ምብራቓዊ ኖቫ ስኮሸ፡ እቲ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ—ተስፋ ዓለም” ዘርእስቱ መደረ ብሬድዮ ምስ ቀረበ ንጽብሒቱ፡ ኮሎነል ጆን ማክዶናልድ ንሓደ ሓው፡ “ትማሊ ተቐማጦ ኬፕ ብሬትን፡ ኣብዚ ኽፋል ዓለም እዚ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ ሰሚዖም” በሎ።

ይኹን እምበር፡ ኣቕሽሽቲ ኣዝዮም ተቘጥዑ። ገሊኦም ኣብ ሃሊፋክስ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ነቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መደበር ሬድዮ ኸም ዜዕንውዎ ፈከሩ። ብ1928 መንግስቲ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተደፋፊኡ፡ ንፍቓድ ፈነወ ሬድዮ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሕድሶ ገለጸ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ፡ ንውሳነ እቲ መንግስቲ ዚቃወም፡ ወናኒ ኣየር መን እዩ፧ ዘርእስቱ ጽሑፍ ዘርግሑ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መንግስቲ ንፍቓድ ፈነወ ሬድዮ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሓደሶን።

እዚ ተግባር እዚ፡ ንመንፈስ እታ ኣብ ካናዳ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ኣገልገልቲ የሆዋ ደቚስዎዶ፧ ኢዛቤል ወይንራይት፡ “ኣብ ፈለማ፡ ጸላኢ ዓብዪ ዓወት ዝረኸበ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዓወት ምስ ዕላማ የሆዋ ዚጋጮ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ የሆዋ ደው ኬብሎ ይኽእል ከም ዝነበረ እፈልጥ እየ። የሆዋ [ፈነወ ሬድዮ] ኼቋርጽ ምፍቃዱ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኻልእ ዜደንቕ መገዲ ኽንሰብኮ ኸም ዝደለየና ዚሕብር እዩ ነይሩ” በለት። እቶም ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፈነወ ሬድዮ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚምስክሩ፡ ናብ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት እናኸዱ ኺሰብኩ ጀመሩ። ይኹን እምበር፡ ፈነወ ሬድዮ ኣብ ግዜኡ፡ ነቲ ‘ቕድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’ ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ።—ኣብ ካናዳ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

a ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንንግዳዊ መደበራት ሬድዮ ኸፊሎም ናይ ኣየር ግዜ ብምዕዳግ፡ ብመደባቶም ኣቢሎም ይምስክሩ ነበሩ።