ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. የሱስ ብኣምላኽ ተላኢኹ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣበይ ነበረ፧

የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ፡ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። ንሱ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፣ ብቐጥታ ብኣምላኽ እተፈጥረ ኸኣ ንሱ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ምጥቃሱ ብቑዕ እዩ። ኣብ ሰማይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣምላኽ ወኪሉ ይዛረብ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ቓል እተባህለ። (ዮሃንስ 1:2, 3, 14) የሱስ ቅድሚ ፍጥረት ወዲ ሰብ፡ ማእለያ ንዘይብሉ ዓመታት ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ይነብር ነበረ።—ሚክያስ 5:2፣ ዮሃንስ 17:5 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ንወዱ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ንህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣመሓላለፎ። ስለዚ፡ የሱስ ብዘይ ሰብኣዊ ኣቦ እዩ ተወሊዱ። መላእኽቲ ድማ ንገለ ኻብቶም ብለይቲ ኣብ መሮር ኰይኖም መጓሰኦም ዚሕልዉ ዝነበሩ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ጓሶት፡ የሱስ ከም እተወልደ ኣበሰርዎም። (ሉቃስ 2:8-12) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ዝነበሮ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ተወሊዱ ኪኸውን ዚኽእል። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ፡ ማርያምን ዮሴፍ ሰብኣያን ንየሱስ ናብ ናዝሬት ዓዶም ወሲዶም ኣዕበይዎ። ዮሴፍ ንየሱስ ከም ኣቦ ዀይኑ ኣዕበዮ።—ማቴዎስ 1:18-23 ኣንብብ።

የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ተጠምቀ፣ ኣምላኽ ከኣ የሱስ ወዱ ኸም ዝዀነ ብጋህዲ ነገረ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽሞ ጀመረ።—ማቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ፡ ንሰባት ሓቂ ምእንቲ ኺምህሮም እዩ። የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰላም እተምጽእ ኣብ ሰማይ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ምሂሩ እዩ። ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡ እዩ። (ዮሃንስ 4:14፣ 18:36, 37) ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ዚገልጽ ብዙሕ ነገራት ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:3፣ 6:19-21) ኣርኣያ ብምዃን እውን ምሂሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ብኸመይ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ከም ዚከኣል ኣርእዩ እዩ። ምስ ኣጋፍዕዎ፡ ሕነ ኣይፈደየን።—1 ጴጥሮስ 2:21-24 ኣንብብ።

የሱስ ንሰዓብቱ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ኣርእይዎም እዩ። ኣብ ሰማይ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ረኺቡ ምስ ኣቦኡ ይነብር እኳ እንተ ነበሮ፡ ብትሕትና ንኣቦኡ ተኣዚዙ፡ ምስ ደቂ ሰብ ንኺነብር ናብ ምድሪ መጸ። ካብ የሱስ ንላዕሊ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣብነት ኪዀነና ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።—ዮሃንስ 15:12, 13፣ ፊልጲ 2:5-8 ኣንብብ።

4. የሱስ ብሙማቱ እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ፡ ስለ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺመውት እውን እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ኵላትና ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና እንሓምምን እንመውትን። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ግና ፍጹም እዩ ነይሩ። ሓጢኣት እንተ ዘይፍጽም ከኣ ኣይምሞተን፡ ከይሓመመ እውን ምነበረ ነይሩ። ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ግና ፍጽምናኡ ኣጥፍአ። ንሕና እውን ካብ ኣዳም ሓጢኣትን እቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ወረስና።—ሮሜ 5:12፣ 6:23 ኣንብብ።

እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ ኣይኰነን ሞይቱ። ምእንቲ ሓጢኣትና እዩ ሞይቱ። ብሞቱ ኣቢሉ ናይ ዘለኣለም ህይወትን በረኸት ኣምላኽን ንኽንረክብ መገዲ ኸፈተልና።—1 ጴጥሮስ 3:18 ኣንብብ።