ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅሕለ ምሕሊ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅሕለ ምሕሊ

ብእምኒ ኖራ እተሰርሐ መዳወሲ ዅሕለ ምሕሊ፡ እስራኤል

ሓንቲ ሰበይቲ ነብሳ ምስ ተሓጽበት፡ ነቲ ልስሉስ ቈርበታ ቕብኢ ትለኽዮ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ካብ ጥርሙዝ፡ ስኒ ሓርማዝ፡ ዛዕጐል፡ ወይ እምኒ እተሰርሐ ብልቃጣትን ሳርማታትን ፍዮታትን ዝሓዘ ሕብራዊ ስልማት ዘለዎ መካተሻ ትኸፍት ነበረት። ኣብኡ ኸኣ ብቕዲትን ብቓርፋን ብዕጣንን ብመዓርን ብኸርበን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቐመማትን እተዳለወ እተፈላለየ ቕብእን ጥዑም ጨናን ተቐምጠሉ ነበረት።

እታ ሰበይቲ ኻብቲ መካተሻ ብውሕልነት እተቐረጸ እተፈላለየ ማንካታትን ብያትታትን ጭሔሎታትን ተውጽእ እሞ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ዝመረጸቶ ዅሕለ ምሕሊ ተቃምም፡ ናብ መስትያት እናረኣየት ከኣ፡ ትጸባበቕ ነበረት።

ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዘን ንጽባቐአን ኣዝየን ይግደሳ እየን። ጥንታዊ መቓብራት፡ ፍረስኮታት፡ ከምኡውን ሞዛይካት፡ ጥንቲ ኣብ መሶጶታምያን ግብጽን ኵሕለ ምሕሊ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዝነበረ ይሕብር። እቲ ውቁብ ኣዒንቲ ዝነበሮ ምስልታት ደቂ ኣንስትዮ ግብጻውያን፡ ኣዝዩ ዚድነቕ እዩ ነይሩ።

እስራኤላውያንከ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ኣንስቲ ዅሕለ ምሕሊ ይጥቀማ ነይረን ድየን፧ ዚጥቀማ እንተ ነይረን፡ እንታይ ዓይነት ኵሕለ ምሕሊ እየን ዚጥቀማ ነይረን፧ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነዚ ዚሕብር ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ መቓብራት ወይ ፍረስኮታት ኣይንረክብን ኢና። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ እተወሰነ ጸብጻባት ኰነ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ኣብ ዘለዋ ዓድታት ብስነ ጥንታዊ መጽናዕቲ ተዃዒቱ እተረኽበ ኢደ ስራሓት፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ዅሕለ ምሕሊ ይዝውተር ከም ዝነበረ ዚሕብር ኣንፈት ይህበና እዩ።

ዚጥቀማሉ ዝነበራ ናውቲ

ብካይላ እተሰርሐ መትሓዝ ጨና፡ እስራኤል

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እስራኤል፡ ምስ ኵሕለ ምሕልን ጥዑም ጨናታትን እተተሓሓዘ ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ረኺቦም እዮም። ገለ ኻብኡ፡ ኵሕለ ንምድቋስን ንምዃስን ዜገልግል ዝነበረ ብእምኒ እተሰርሐ ጭሔሎታት ወይ መዀስ፡ ጨና ዚቕመጠሉ ውጥውጥ ዝበለ ብልቃጣት፡ ቅብኢ ዚቕመጠሉ ሳርማ፡ ከምኡውን ብልሙጽ ብሮንዞ እተሰርሐ ብኢድ ዚተሓዝ መስትያት እዩ። ሓንቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐት ማንካ፡ ኣብ ሓደ ሸነኽ እቲ መትሓዚኣ እተቐርጸ ኣቝጽልቲ ስየ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ሸነኽ ከኣ ብረገቢት እተኸብበ ርእሲ ሰበይቲ ተቐሪጽዎ ኣሎ።

ሃብታማት ንዅሕለ ምሕሎም ብዛዕጐላት ኣብ እተሰርሐ ኣቕሓ የቐምጥዎ ነበሩ። ኣዋልድ ኪሕምብሳ ኸለዋ ዜርኢ ቕርጽን ካልእ እተፈላለየ ውሕሉል ንድፍታትን ዘለዎ ብስኒ ሓርማዝ ወይ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ናእሽቱ ማንካታት ኵሕለ ምሕሊ፡ ኣብ ግብጽን ኣብ ከነኣንን ተረኺቡ እዩ። ኵሉ እዚ ርኽበታት እዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኽሳዕ ክንደይ ኵሕለ ምሕሊ ይጥቀማ ኸም ዝነበራ ዚሕብር እዩ።

ንዓይኒ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ ኻብተን ደቂ እዮብ “ቄርን-ሃጱኽ” ዚብል ስም ነበራ። እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ቀርኒ ጸሊም (ዓይኒ) ቕብኣ” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኵሕለ ምሕሊ ዚቕመጠሉ መካተሻ ወይ ሙዳይ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮብ 42:14) እቲ ስም፡ እታ ጓል ምልክዕቲ ምዃና ዚሕብር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዅሕለ ምሕሊ ይዝውተር ከም ዝነበረ እውን ዚእምት ይመስል።

ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዅሓል ዓይኒ ወትሩ ምስ ነውራማት ኣንስቲ፡ ንኣብነት ምስታ ውዲት ዝኣለመት ንግስቲ ኢዛቤልን ምስታ ነብዪ ኤርምያስን ነብዪ ህዝቅኤልን ዝጠቐስዋ ብኣመንዝራ እተመሰለት ጠላም የሩሳሌምን እዩ ዜተሓሕዞ። (2 ነገስት 9:30፣ ኤርምያስ 4:30፣ ህዝቅኤል 23:40) ንመኰሓሓሊ ዚኸውን ንኣሽቱ ነገራት ዝሓዘ ብጥርሙዝ ወይ ብእምኒ እተሰርሐ ሓያሎ መትሓዚታት ምርካቡ፡ ኣብታ ኸሓዲት እስራኤል ዝነበራ ሓያሎ ኣንስቲ፡ ብፍላይ ከኣ እተን ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብን ሃብታማትን ዝነበራ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዅሕሊ ምሕሊ ይስለማ ኸም ዝነበራ ዚሕብር እዩ።

ቅዱይ ቅብኢ—ንቕዱስ ኣገልግሎት ወይ ንዓለማዊ ጕዳያት

ካብ ዘይቲ ኣውልዕ ዚስራሕ ጨና፡ ኣብ ታሪኽ ጥንታዊት እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ። እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዘጸኣት፡ እቲ ኻህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ኬገልግሉ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ ቕዱስ ቅዱይ ቅብኢ ብኸመይ ከም ዚዳሎ ትገልጽ እያ። ቃርፋን ከርበን ካልእ መኣዛ ዘለዎ ቐመማትን ተሓዋዊሱ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:22-25) ኣብ የሩሳሌም፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ንቤተ መቕደስ ዚኸውን ጥዑም ጨናን ዕጣንን ዚስርሓሉ ኽፍሊ ረኺቦም እዮም፣ እዚ ኽፍሊ እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቤት ዕዮ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑሉ። ሰባት ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎትን ኣብ መዓልታዊ ናብራን ቅዱይ ቅብኢ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ።—2 ዜና መዋእል 16:14፣ ሉቃስ 7:37-46፣ 23:56

ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ መትሓዝ ኵሕለ ምሕሊ፡ እስራኤል

ኣብ እስራኤል ሕጽረት ማይ ስለ ዝነበረ፡ ቅዱይ ቅብኢ ንጽሬት ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። ዘይቲ ኣብ እዋን ጸሓይ ንቘርበት ንምክልኻል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምምልካዕ ተባሂሉ እውን ይልከ ነይሩ እዩ። (ሩት 3:3፣ 2 ሳሙኤል 12:20) እታ ድንግል ዝነበረት ኣይሁዳዊት ኣስቴር፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቅድሚ ምቕራባ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ ወይ ብቕዲት ተለኽየት።—ኣስቴር 2:12

ጥዑም ጨና ወይ ቅዱይ ቅብኢ ልክዕ ከም ብሩርን ወርቅን እዩ ዚርአ ነይሩ። ንግስቲ ሳባ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዛ ንንጉስ ሰሎሞን ክትበጽሖ ኸላ፡ ወርቅን ክቡር እምንን ቀመማትን ወይ ቅዲትን ዚርከቦ ኽቡር ውህበት ተማሊኣትሉ እያ። (1 ነገስት 10:2, 10) ንጉስ ህዝቅያስ ንልኡኻት ባቢሎን፡ ሃብቲ ቤቱ ኼርእዮም ከሎ፡ ብሩርን ወርቅን ንዅሉ ቤት መሳርያኡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ቅዲትን ነቲ ኽቡር ዘይትታትን” እውን ብሓበን ኣርእይዎም እዩ።—ኢሳይያስ 39:1, 2

ካብ እተፈላለየ ዕንባባታት፡ ፍረታት፡ ኣቝጽልቲ፡ ዕንዲዳ፡ ወይ ቅራፍ ኣዝዩ ሒደት ጨና ወይ ዘይቲ ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚኽእል። ሓያሎ ኻብዚ ቐመማት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ ዕረ፡ ቅዲት፡ ብዶላህ ወይ ዕንዲዳ፡ ቃንጫ ዶሪራ፡ ሶኖ፡ ቃርፋ፡ ዕጣን፡ ከርበ፡ ሳፍራን፡ ከምኡውን ናርዶስ። ገለ ኻብዚ ቐመማት እዚ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ከባቢ ስንጭሮ ዮርዳኖስ እዩ ዚበቍል ነይሩ። ገሊኡ ኸኣ፡ ካብ ህንድን ደቡብ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን እዩ ዚመጽእ ነይሩ።

ምስጢራዊ ቕዲት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥዑም ሽቱ ወይ ቅዲት ኣብቲ ብዛዕባ ንግስቲ ኣስቴርን ንግስቲ ሳባን ንጉስ ህዝቅያስን ዚገልጽ፡ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸብጻባት ይርከብ እዩ። ብ1988 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ምዉት ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኩምራን ኣብ ዚርከብ በዓቲ፡ ንእሽቶ መቐርሰሚቶ ተረኽበት። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ግምታዊ ሓሳባት ተዋሂቡ እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ መርኣያ እቲ ህቡብ ቅዲት ደዀን ነይሩ ይኸውን፧ ተመራመርቲ ብዛዕባ እዚ ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ ኣይከኣሉን። ክሳዕ እዚ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ ኣፍረይቲ ተኽሊ ነቲ ሓደ እዋን ህቡብ ዝነበረ ቕዲት ኬፍርይዎ ፈቲኖም እዮም።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ኣንስቲ ዚጥቀማሉ ዝነበራ ዅሕለ ምሕሊ፡ ንዓይንን ንገጽን ንቘርበትን ዚውዕል እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቕዲት፡ ኣብ ከባቢ ዔን-ገዲ ይፈሪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ምስቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ንመስርሒ ጥዑም ጨና ዚጥቀሙሉ ነገራት ዚመሳሰል፡ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እቶንን ሳርማታትን እተፈላለየ ብረትን ካብ ዓጽሚ እተሰርሐ ነገራትን ብዅዕታ ተረኺቡ እዩ። መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ተኽሊ ቕዲት፡ ፈለማ ኻብ ዓረብ ወይ ካብ ኣፍሪቃ ይመጽእ ከም ዝነበረ እዮም ዚኣምኑ። ዕጣን ካብ ፈሳሲ እቲ ተኽሊ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ቅዲት፡ እምብዛ ኣኽቢርካ ይርአ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዚትከለሉን ዚስርሓሉን ሜላታት ብምስጢር እዩ ዚተሓዝ ነይሩ።

ሰባት ንቕዲት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያቶም እውን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝነበረ ጆሰፈስ፡ ማርክ ኣንቶኒ ነዚ ኽቡር ተኽሊ ዝሓዘ ግራት ምስ ረኸበ፡ ንግብጻዊት ንግስቲ ክልዮፓትራ ኸም ዝሃባ ገሊጹ ኣሎ። ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፕሊኒ ድማ፡ ኣብ እዋን እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገብረ ውግእ ኣይሁድ፡ ተቓለስቲ ኣይሁድ ንዅሉ ተኽሊ ቕዲት፡ በቶም ወረርቲ ሮማውያን ምእንቲ ኸይዝመት ኢሎም ከም ዘብረስዎ ገሊጹ ኣሎ።

ብመሰረት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ዝረኸብዎ ርኽበታትን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ኵሕለ ምሕሊ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ኣንፈት ረኺብና ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ኵሕለ ምሕልን ስልማትን ንኸይንጥቀም ኣይክልክልን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን ክንጥቀመሉ እዩ ዜተባብዕ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ፡” “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ነዚ ሎሚ ዚርአ ዘሎ በብግዜኡ ዚቀያየር ቅድታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ንዅለን ንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያን ኣንስቲ ብሓቂ ጠቓሚ ምኽሪ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4