ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ

ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”​ያእ. 4:8

1, 2. (ሀ) ውዲት ሰይጣን እንታይ እዩ፧ (ለ) ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪፈጥሮም ከሎ፡ ናብኡ ኪቐርቡ ኸም ዜድልዮም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ሰይጣን ግና ከምቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል፡ ማለት የሆዋ ኸም ዘየድልየና ጌርና ኽንሓስብ እዩ ዚደልየና። ነዚ ሓሶት እዚ፡ ካብቲ ንሄዋን ኣብ ገነት ኤድን ዘታለለሉ ግዜ ኣትሒዙ ኼስፋሕፍሖ ጸኒሑ እዩ። (ዘፍ. 3:4-6) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ድማ፡ ሓያሎ ደቂ ሰብ ነዚ ጌጋ እዚ ኺደግምዎ ጸኒሖም እዮም።

2 ንሕና ግና፡ ኣብ መፈንጠራ ሰይጣን ክንወድቕ የብልናን። “ምኽንያቱ፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።” (2 ቈረ. 2:11) ሰይጣን ግጉይ ምርጫታት ክንገብር ብምድራኽ ካብ የሆዋ ኼርሕቐና እዩ ዚጽዕር። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ ግና፡ ብዛዕባ ስራሕ፡ መዘናግዒ፡ ከምኡውን ርክብ ስድራ ቤት ቅኑዕ ምርጫ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ድማ፡ ብዛዕባ ተክኖሎጅን ጥዕናን ገንዘብን ሓበንን ቅኑዕ ምርጫ እንተ ጌርና፡ ‘ንኣምላኽ ክንቀርቦ’ ኸም እንኽእል ክትሕብረና እያ።—ያእ. 4:8

ተክኖሎጂ

3. ተክኖሎጂ ብኸመይ ኪጠቅም ወይ ኪጐድእ ከም ዚኽእል ግለጽ።

3 ሎሚ፡ ምዕቡል ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣብ ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ። ነዚ መሳርሒታት እዚ ብግቡእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ንረብሓና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምናሉ ግና፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኼባእሰና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኮምፕዩተር እሞ ንሕሰብ። እዛ እተንብባ ዘሎኻ መጽሔት ክትጽሓፍን ክትሕተምን ዝኸኣለት፡ ብኮምፕዩተር እያ። ኮምፕዩተር ምርምር ንምግባርን ንምርድዳእን እትሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ንምዝንጋዕ ክትጠቅም ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ወልፊ ኮምፕዩተር ኪሕዘና ይኽእል እዩ። ነጋዶ ንሰባት ሓድሽ ፍርያት ኬጥርዩ ኸም ዘለዎም ኬእምንዎም ይጽዕሩ እዮም። ሓደ መንእሰይ ሓንቲ ፍልይቲ ዓይነት ኮምፕዩተር ኬጥሪ ሃረር ስለ ዝበለ፡ ብሕቡእ ንሓንቲ ዅሊቱ ሸይጡ ነታ ኮምፕዩተር ዓደጋ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ!

4. ሓደ ብዘይመጠን ኮምፕዩተር ዚጥቀም ዝነበረ ክርስትያን፡ ነቲ ልማዱ ንኺቈጻጸሮ እንታይ እዩ ገይሩ፧

4 ንተክኖሎጂ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኬበላሽዎ ምስ እትፈቕደሉ እሞ ኸኣ፡ ዝያዳ ዜሕዝን እዩ። ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ዮን፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳዊ ነገራት ዚኸውን ‘ግዜ ዓድጉ’ ኸም ዚብለና እፈልጥ እየ” በለ። * ኣስዒቡ እውን፡ “ብኮምፕዩተር ዝመጸ ግና፡ ሕሱም ጸላእ ርእሰይ እየ” በለ። ዮን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክሳዕ ለይቲ ኣብ ኮምፕዩተር ተተኺሉ እዩ ዜምሲ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ የዘንቱ፦ “እናደኸምኩ ምስ ከድኩ፡ ነቲ ብኢንተርነት ዝገብሮ ዕላል ወይ ከኣ ነቲ ዝርእዮ ሓጸርቲ ቪድዮታት ከቋርጾ ይኸብደኒ ነበረ። ገሊኡ እሞ ኸኣ፡ ጥዑይ ዓይነት ቪድዮ ኣይነበረን።” ዮን ነዚ ሕማቕ ልማድ እዚ ንኼቋርጾ ኢሉ፡ ዚድቅሰሉ ሰዓት ኪኣክል ከሎ፡ ኮምፕዩተሩ ባዕላ ኸም እትዕጾ ገበረ።—ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።

ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንተክኖሎጂ ብጥበብ ኪጥቀሙሉ ሓግዝዎም

5, 6. (ሀ) ወለዲ ብዛዕባ ደቆም እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ወለዲ ደቆም ጥዑይ ምሕዝነት ንኺረኽቡ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

5 ኣቱም ወለዲ፡ ንዅሉ ምንቅስቓሳት ደቅኹም ክትቈጻጸርዎ ዘየድልየኩም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኮምፕዩተሮም ዚጥቀሙሉ መገዲ ግና ክትቈጻጸርዎ ይግባእ። ንደቅኹም ምእንቲ ኸይርብሽኹም ኢልኩም ብኢንተርነት ብዕሉግ ነገራት ኬዕልሉ፡ ዓመጽ ዚንጸባረቐሉ ጸወታታት ኪጻወቱ፡ ምስ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ነገራት ኪርእዩ፡ ወይ ከኣ ሕማቕ ዕርክነት ኬማዕብሉ ኣይትሕደግዎም። ከምዚ እንተ ጌርኩም፡ ‘ባባን ማማን ዘይግድሶም ካብ ኰነ፡ እዚ ነገር እዚ፡ ደሓን ኪኸውን ኣለዎ’ ኢሎም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ከም ወለዲ መጠን፡ ንደቅኹም፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ዕድመ ዀተቴ ዚርከቡ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ካብ የሆዋ ዜርሕቖም ነገራት ክትከላኸሉሎም ኣሎኩም። እንስሳታት እውን ከይተረፉ፡ ንደቆም ካብ ሓደጋ የዕቝብዎም እዮም። ሓንቲ ድቢ ንዀራዅራ ዜስግእ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ እንታይ ከም እትገብር እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።—ምስ ሆሴእ 13:8 ኣረኣኢ።

6 ንደቅኹም ምስቶም ኣብነት ዝዀኑ ንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያናት ጥዑይ ምሕዝነት ኪገብሩ ሓግዝዎም። ንደቅኹም ብሓቂ ኸም እተድልይዎም ኣይትረስዑ። ስለዚ፡ ሓቢርኩም ንኽትስሕቑ፡ ንኽትጻወቱ፡ ንኽትሰርሑ፡ ከምኡውን ‘ንኣምላኽ ንኽትቀርብዎ’ ግዜ መድቡ። *

ጥዕና

7. ኵላትና ወትሩ ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወና እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

7 “ከመይ ኣለኻ፧” እዚ ልሙድ ኣበሃህላ እዚ፡ ሓደ ነገር ዚሕብር እዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ንሰይጣን ካብ የሆዋ ኼርሕቖም ስለ ዝፈቐዱሉ፡ ኵላትና ንሓምም ኢና። ሰይጣን፡ እንተ ሓሚምና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸም ዚኸብደና ስለ ዚፈልጥ፡ ክንሓምም ከሎና ይሕጐስ እዩ። እንተ ሞይትና ኸኣ፡ ከነገልግል ኣይንኽእልን ኢና። (መዝ. 115:17) ስለዚ፡ ወትሩ ጽቡቕ ጥዕና ምእንቲ ኺህልወና፡ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ንደሊ ኢና። * ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ጥዕናን ድሕንነትን ኣሕዋትና ኽንግደስ ይግብኣና እዩ።

8, 9. (ሀ) ብዛዕባ ጥዕናና ጥራይ ብምሕሳብ ንኻልእ ኣገዳሲ ነገራት ምእንቲ ኸይንርስዕ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ወትሩ ሕጕስ ምዃን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

8 ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ጥዕናና ጥራይ ብምሕሳብ ነቲ ኻልእ ኣገዳሲ ነገራት ክንርስዖ የብልናን። ገሊኣቶም ንመብዛሕትኡ ግዜኦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ሕክምና፡ ወይ ፍርያት ብምዝርራብ እዮም ዜሕልፍዎ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንኻልኦት ዚሕግዝዎም ዘለዉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ምስ ጥዕና ወይ ምስ ጽባቐ እተተሓሓዘ ፍርያትን ተግባራትን ከነዋዓውዕ ግቡእ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧

9 ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክንመያየጥን ነታ ሓንቲ ኻብተን መዳያት ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሓጐስ ንኽንረኽባን ኢና እንእከብ። (ገላ. 5:22) ካልኦት ይሕተቱና ኣይሕተቱና ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሕክምና ወይ ብዛዕባ ምስ ጥዕና እተተሓሓዘ ፍርያት እንገብሮ ዕላል፡ መንፈሳዊ ዕላማና ኼስሕት ንኻልኦት ከኣ ሓጐሶም ከም ዚስረቕ ኪገብር ይኽእል እዩ። (ሮሜ 14:17) ሰባት ንጥዕናኦም ብዚምልከት ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። ንዅሉ ሕማም ኪፍውስ ዚኽእል ከኣ የለን። እቶም ብሉጻት ሓካይም እውን ከይተረፉ፡ ይኣርጉን ይሓሙን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ይሞቱ እዮም። ብዛዕባ ጥዕናና እምብዛ ብምጭናቕ ንህይወትና ኸነናውሓ ኣይንኽእልን ኢና። (ሉቃ. 12:25) ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” ይብል።—ምሳ. 17:22

10. (ሀ) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ዝዀነ ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ምሉእ ጥዕና ዚህልወና መዓስ እዩ፧

10 ብዛዕባ ትርኢትና ምሕሳብ እውን ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ምልክታት እርጋን ክንሓኮ ኢልና ኽንቃለስ የብልናን። እዚ ምልክታት እዚ፡ ምልክት ብስለትን ግርማን ውሽጣዊ ጽባቐን እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳ. 16:31) የሆዋ ኸምኡ ገይሩ እዩ ዚርእየና፡ ንርእስና ኸኣ ከምቲ ንሱ ዚርእየና ጌርና ኽንርእያ ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኺጽብቕ ኢሉ፡ ሓደገኛ ዝዀነ መጥባሕቲ ወይ ሕክምና ኺገብርሲ፡ ጥበባዊ ድዩ፧ ዕድመና ወይ ጥዕናና ብዘየገድስ፡ “ሓጐስ የሆዋ፡” ምንጪ እቲ ኻብ ልቢ ዚንጸባርቕ ናይ ሓቂ ጽባቐ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ነህ. 8:10NW) ምሉእ ጥዕናን ጽባቐን ኪህልወና ዚኽእል ኣብ ሓዳስ ዓለም ጥራይ እዩ። (እዮ. 33:25፣ ኢሳ. 33:24) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቲ ህሉው ኵነታትና ብዝበለጸ እናተጠቐምና ግብራዊ ጥበብን እምነትን ምስ እነርኢ፡ ወትሩ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኢና።—1 ጢሞ. 4:8

ገንዘብ

11. ገንዘብ መፈንጠራ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ገንዘብ ምጥራይ ወይ ከተጥሪ ምጽዓር ጌጋ ኣይኰነን። (መክ. 7:12፣ ሉቃ. 19:12, 13) “ፍቕሪ ገንዘብ” እንተ ኣሕዲርና ግና፡ ካብ የሆዋ ኼርሕቐና እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) “ጭንቀት እዚ ስርዓት ዓለም፡” ማለት ብዛዕባ እቲ ንናብራና ዜድልየና ነገራት እምብዛ ምሽቓል፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓንቀና ይኽእል እዩ። “ምትላል ሃብቲ፡” ማለት ሃብቲ ነባሪ ሓጐስን ቅሳነትን ከም ዜምጽእ ጌርካ ብጌጋ ምሕሳብ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ውጽኢት እዩ ዘለዎ። (ማቴ. 13:22) የሱስ፡ ንኣምላኽን ንገንዘብን ኬገልግል ዚኽእል “ሓደ እኳ” ኸም ዘየልቦ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ።—ማቴ. 6:24

12. ሎሚ ኸመይ ዝበለ መፈንጠራታት ገንዘብ እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧ ንኸይንፍንጠርከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

12 ብዛዕባ ገንዘብ ግጉይ ኣመለኻኽታ ምሓዝ፡ ናብ ግጉይ ተግባራት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 28:20) ገሊኣቶም ብሓንሳእ ብዙሕ ገንዘብ ኬጥርዩ ስለ ዝደለዩ፡ ሎተሪ ዓዲጎም እዮም። ገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ብሓንሳእ ገንዘብ ንኺረኽቡ ኢሎም፡ ኣብ ገሊኡ ዓይነት ንግዲ ተዋፊሮም እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ንገሊኦም ኣባላት ጉባኤ እውን፡ ኣብቲ ንግዲ እቲ ኺዋፈሩ ኣተባቢዖምዎም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብዙሕ ገንዘብ ንኺረኽቡ ብምጽባይ ገንዘቦም ብኸንቱ ኣዋፊሮም እዮም። ከም እንታለል ኪገብረና ዚኽእል ስስዐ ስለ ዝዀነ፡ ንስስዐ ንየው ንበሎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሓንሳእ ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ ዘይከውን እዩ።

13. እቲ የሆዋ ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብ ኣረኣእያ ዓለም ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

13 “መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” እንተ ኣቐዲምና፡ የሆዋ ነቲ ንህይወት ዜድልየና ነገራት ንኽንረክብ ኢልና እንገብሮ ሚዛናዊ ጻዕሪ ይባርኾ እዩ። (ማቴ. 6:33፣ ኤፌ. 4:28) ንሱ፡ ብስራሕ ደኺምና ኣብ ኣኼባታት ክንታኸስ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ኾፍ ኢልና ብዛዕባ ገንዘብ ክንሓስብ ኣይደልየናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መጻኢ ብህይወት ቀሲኖም ኪነብሩ ዚኽእሉ፡ ርእሶም ወፍዮም ገንዘብ ብምምእራር ጥራይ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ንደቆም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ስጋዊ ሸቶ ንኺገብሩ እዮም ዚደፋፍእዎም። የሱስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ቕኑዕ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃስ 12:15-21 ኣንብብ።) እዚ ነጥቢ እዚ፡ ንገሓዚ እዩ ዜዘክረና። ገሓዚ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ከየበላሸወ፡ ስሱዕ ኰይኑ ኺነብር ዚኽእል ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ።—2 ነገ. 5:20-27

14, 15. ዜተኣማምን ናብራ ንኺህልወና፡ ኣብ ገንዘብ ክንውከል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

14 ገሊኦም ዓይነት ንስሪ ነቲ ብኣጽፋሮም ዝሓዝዎ ኸቢድ ዓሳ ኺፍንውዎ ብዘይምድላዮም፡ ከም ዝጠሓሉ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣሎ። ንሓደ ክርስትያንከ ምስዚ ዚመሳሰል ኵነታት ኬጋጥሞ ይኽእልዶ፧ ኣሌክስ ዝስሙ ሓደ ሽማግለ፡ “ብተፈጥሮይ ቈጣቢ እየ። ሻምፖ ቝሩብ ኣብዝሕ ኣቢለ እንተ ኣፍሲሰ፡ ካብቲ ዘፍሰስክዎ እተወሰነ ናብቲ ኣቕሓ እመልሶ እየ” በለ። ይኹን እምበር፡ ገለ ተወሳኺ ገንዘብ እንተ ረኺቡ፡ ስራሑ ኣቋሪጹ ፈላሚ ኪኸውን ዚኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። ስለዚ፡ ብኸመይ ኣክስዮን ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዚኽእል መጽናዕቲ ገበረ እሞ፡ ንዅሉ ገንዘቡ ወፍዩ ዓደጎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ተወሳኺ ኣክስዮን ንኺዕድግ ኢሉ ገንዘብ ተለቅሐ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ እቲ ዝዓደጎ ኣክስዮን ከንቱ ዀነ። ኣሌክስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ገንዘበይ ኬምልስ ቈሪጸ ነበርኩ። እንተ ተጸሚመ ድማ፡ እቲ ኣክስዮን ኪትንስእ ከም ዚኽእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነበረ” በለ።

15 ኣሌክስ ንኣዋርሕ ዚኣክል ብዛዕባ እቲ ኣክስዮን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ኻልእ ኪሓስብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከተኵር የጸግሞ፡ ድቃስ እውን ይኣብዮ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣክስዮን ፈጺሙ ኺትንስእ ኣይከኣለን። ኣሌክስ ኵሉ እቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ከሰረ፡ ቤቱ ኺሸይጥ ከኣ ተገደደ። “ንስድራ ቤተይ ዓብዪ ስቓይ እየ ኣምጺአሎም” ብምባል ከኣ ይእመን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማሂሩ እዩ። ንሱ፡ “ኣብዚ ስርዓት ሰይጣን እዚ ዚእመን ዘበለ ዅሉ፡ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ከም ዜጋጥሞ ኺግንዘብ ክኢለ እየ” በለ። (ምሳ. 11:28) እወ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዘዋህለልናዮን ዘዋፈርናዮን ገንዘብ፡ ወይ ከኣ ገንዘብ ንምእካብ ኣብ ዘሎና ኽእለት ተስፋ ንገብር እንተ ዄንና፡ ኣብቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ዝዀነ ሰይጣን ተስፋ ኸም ዝገበርና እዩ ዚቝጸር። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ጢሞ. 6:17) ኣሌክስ ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ “ምእንቲ ብስራት” ኢሉ ናብራኡ ኣቕለለ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ሓጐስ ረኸቡ፡ ንየሆዋ ኸኣ ብዝያዳ ኪቐርብዎ ኸኣሉ።—ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።

ሓበን

16. ጽቡቕ ዓይነት ሓበን ካብቲ ሕማቕ ዓይነት ሓበን ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

16 ብቕኑዕ ነገራት ምሕባን ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና ወትሩ ኽንሕበን ይግብኣና። (ኤር. 9:24) እዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብርን ነቲ እንኽተሎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ንኸይንብሎን ይሕግዘና። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ርእስና እምብዛ ኽብ ኣቢልና ንሓስብ እንተ ዄንና፡ እዚ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐና ይኽእል እዩ።—መዝ. 138:6፣ ሮሜ 12:3

ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪውሃበካ ሃርር ኣብ ክንዲ እትብል፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እተዋህበካ ዕዮ ኣስተማቕሮ

17, 18. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ትሑታትን ዕቡያትን ሰባት ዚገልጽ ኣብነት ሃብ። (ለ) ሓደ ሓው፡ ትዕቢት ካብ የሆዋ ንኸየርሕቖ እንታይ እዩ ገይሩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕቡያትን ትሑታትን ዚገልጽ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ብትሕትና መምርሒ የሆዋ ስለ ዝደለየ፡ ተባሪኹ እዩ። (መዝ. 131:1-3) ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ነቶም ዕቡያት ነገስታት ዝነበሩ ነቡካድነጻርን ቤልሻጽርን፡ ትሕት ኣቢልዎም እዩ። (ዳን. 4:30-37፣ 5:22-30) ሎሚ እውን ንትሕትናና ዚፍትን ኵነታት የጋጥመና እዩ። ወዲ 32 ዓመት ዝዀነ ርያን ዝስሙ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ናብ ሓንቲ ሓዳስ ጉባኤ ገዓዘ። ርያን፡ “ቀልጢፎም ሽማግለ ኺገብሩኒ እኳ እንተ ተጸበኹ፡ ሽማግለ ኸይኰንኩ ዓመት ኰነ” በለ። ርያን፡ እቶም ሽማግለታት እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኸም ዘይሃብዎ ብምሕሳብ ሓሪቑ ወይ ተመሪሩ ድዩ፧ ትዕቢት ካብ የሆዋን ካብ ህዝቡን ከተርሕቖ ብምፍቃድ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ገዲፍዎ ድዩ፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧

18 ርያን፡ “ንዅሉ እቲ ኽረኽቦ ዝኽእል ብዛዕባ ነዊሕ ትጽቢት ዚገልጽ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ሓሳባት ኣንቢበዮ እየ” በለ። (ምሳ. 13:12) ኣስዒቡ እውን፡ “ትዕግስትን ትሕትናን ክመሃር ከም ዘሎኒ ኽግንዘብ ጀመርኩ። የሆዋ ንኼሰልጥነኒ ኽጽበዮ ኣድልዩኒ እዩ” በለ። ርያን ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእሱ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤን ኣብ ወፍርን ዘለዉ ሰባት ኣብ ምግልጋል ከተኵር ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ጀመረ። ከምዚ ብምባል ከኣ ይገልጽ፦ “ድሕሪኡ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሐ፡ ከይተጸበኽዎ ሽማግለ ክኸውን ተሸምኩ። ንኣገልግሎተይ ኣጸቢቐ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባኡ ምጭናቕ ገዲፈዮ እየ ነይረ።”—መዝሙር 37:3, 4 ኣንብብ።

ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ

19, 20. (ሀ) ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን እተመሃርናዮ ነገራት ካብ የሆዋ ንኸየርሕቐና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ለ) ወትሩ ንየሆዋ ዝቐረብዎ ኣብነት ኪዀኑና ዚኽእሉ እኒ መን እዮም፧

19 ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽን እተገልጸ ነጥብታት፡ ኣብ ህይወትና ነናቱ ቦታ ኣለዎ። ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃንና ንሕበን ኢና። ሕጕስቲ ስድራ ቤትን ጽቡቕ ጥዕናን ገለ ኻብቲ የሆዋ ዝሃበና ዓበይቲ ነገራት እዩ። ዓለማዊ ስራሕን ገንዘብን ነቲ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ኬማልኣልና ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። መዘናግዒ ባህ ኬብለና፡ ተክኖሎጂ እውን ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል ንግንዘብ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ነገራት እዚ፡ ኣብ ግጉይ እዋን፡ ብዘይ መጠን፡ ወይ ምስ ኣምልኾና ብዚጻረር መገዲ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ይኽእል እዩ።

ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ!

20 ሰይጣን ከምኡ ኼጋጥመካ እዩ ዚደሊ። ምስናይዚ ግና፡ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ንኸየጋጥመካ ኽትከላኸል ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 22:3) ንየሆዋ ቕረቦ፡ ካብኡ ድማ ፈጺምካ ኣይትፈለ። በዚ መዳይ እዚ፡ ንትምህርቲ ዚዀነና ብዙሕ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ሄኖክን ኖህን ‘ምስ ኣምላኽ ተመላሊሶም’ እዮም። (ዘፍ. 5:22፣ 6:9) ሙሴ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።” (እብ. 11:27) የሱስ ወትሩ ንሰማያዊ ኣቦኡ ባህ ዜብሎ ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ደገፍ ኣቦኡ ኣይተፈለዮን። (ዮሃ. 8:29) ነዚ ኣብነታት እዚ ቕድሓዮ። ነቲ፡ “ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ። ከየቋረጽኩም ጸልዩ። ብዅሉ ኣመስግኑ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። (1 ተሰ. 5:16-18) ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ድማ ኣይትፍቀድ!

^ ሕ.ጽ. 4 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብታ፡ “መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት—ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ምዕባይ” ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ ናይ ግንቦት 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብታ፡ “ጽቡቕ ጥዕና ንኺህልወና ዚሕግዝ ሓሙሽተ ነጥብታት” ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ ናይ መጋቢት 2011 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።