ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’

ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’

“ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ።”​2 ቈረ. 1:24

1. ጳውሎስ በቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ዚሕጐስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

እዋኑ ብ55 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ወደባዊት ከተማ ጥሮኣስ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓሳቡ ግና ምስ ሰብ ቈረንቶስ እዩ ነይሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቶም ኣሕዋት ንሓድሕዶም ይቋየቑ ኸም ዝነበሩ ምስ ሰምዐ፡ ኣመና ጐሃየ። ስለዚ፡ ብኣባታዊ ሓልዮት ተደሪኹ፡ ንኺእረሙ እትሕግዞም መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (1 ቈረ. 1:11፣ 4:15) ብዘይካዚ፡ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ቲቶስ፡ ናባታቶም ንኪኸይድን ኣብ ጥሮኣስ ተራኺቦም ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ንኺሕብሮን ነገሮ። ብዛዕባ ሰብ ቈረንቶስ ኪሰምዕ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ንቲቶስ ኣብ ጥሮኣስ ተጸበዮ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ቲቶስ ኣይመጸን። እሞኸ ጳውሎስ እንታይ ኪገብር እዩ ዚኽእል ነይሩ፧ ብመርከብ ናብ መቄዶንያ ኸደ፣ እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ንሱን ቲቶስን ኣብኡ ተራኸቡ። ቲቶስ ድማ ንጳውሎስ፡ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዘለዉ ኣሕዋት ንመልእኽቱ ብጽቡቕ ከም እተቐበልዋ፡ ንዕኡ ኸኣ ከም ዝናፈቕዎ ነገሮ። ጳውሎስ ነቲ ጽቡቕ ጸብጻብ ምስ ሰምዐ፡ ‘ኣዝዩ ተሓጐሰ።’—2 ቈረ. 2:12, 13፣ 7:5-9

2. (ሀ) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ እምነትን ሓጐስን እንታይ ኢሉ እዩ ጽሒፉሎም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ካልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። “ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን” ድማ በሎም። (2 ቈረ. 1:24) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እተን ቃላት እቲአን፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ኪጸልዋኦም ዘለወንከ ብኸመይ እየን፧

እምነትናን ሓጐስናን

3. (ሀ) ጳውሎስ፡ “ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ሎሚ ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ዚስዕብዎ ብኸመይ እዮም፧

3 ጳውሎስ ክልተ ኣገደስቲ መዳያት ኣምልኾና ጠቒሱ ኣሎ፣ ንሳተን ከኣ እምነትን ሓጐስን እየን። ጳውሎስ ብዛዕባ እምነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ . . . ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ሳላኡ ወይ ሳላ ኻልእ ሰብ ዘይኰነስ፡ ሳላ እታ ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም እምነት ጸኒዖም ደው ኢሎም ከም ዘለዉ ገለጸ። ስለዚ፡ ንእምነት ኣሕዋቱ ኺቈጻጸራ ኸም ዘየድልዮ ይግንዘብ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ናይ ምግባር ድሌት እውን ኣይነበሮን። እቶም ኣሕዋቱ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ዚደልዩ እሙናት ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ይተኣማመን ነበረ። (2 ቈረ. 2:3) ሎሚ እውን ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ በቲ ኣሕዋቶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘለዎም እምነትን ድራኸን ይተኣማመኑ እዮም። (2 ተሰ. 3:4) ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተሪር ሕግታት ኬውጽኡላ ኣይጽዕሩን እዮም፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ኣብቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒታትን እዮም ዚምርኰሱ። ከመይሲ፡ ኣብ እምነት ኣሕዋቶም ኣይጕይተቱን እዮም።—1 ጴጥ. 5:2, 3

4. (ሀ) ጳውሎስ፡ “ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዚቐድሕዎ ብኸመይ እዮም፧

4 ጳውሎስ፡ “ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና” ኢሉ እውን ነበረ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንገዛእ ርእሱን ነቶም ናይ ቀረባ ብጾቱን እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ “እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ . . . የሱስ” ብምባል፡ ንኽልተ ብጾቱ ጠቐሶም። (2 ቈረ. 1:19) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ መልእኽትታቱ ነታ “መዓይይተይ” እትብል ቃል ኪጥቀመላ ኸሎ፡ ነቶም ከም እኒ ኣጵሎስን ኣኪላስን ጵርስኪላን ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዝኣመሰሉ ናይ ቀረባ ብጾቱ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ሮሜ 16:3, 21፣ 1 ቈረ. 3:6-9፣ 2 ቈረ. 8:23) ስለዚ፡ “ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና” ኺብል ከሎ፡ ንሱን ብጾቱን፡ ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ቈረንቶስ ሕጉሳት ንኪዀኑ ዚከኣሎም ከም ዚገብሩ እዩ መረጋገጺ ዚህብ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ተመሳሳሊ ባህጊ እዩ ዘለዎም። ኣሕዋቶም ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ኼገልግልዎ፡’ ዚከኣሎም ኪገብሩ እዮም ዚጽዕሩ።—መዝ. 100:2፣ ፊል. 1:25

5. መልሲ ኣየነይቲ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧ ብዛዕባ እንታይከ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

5 ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ንዚነብሩ ቐናኣት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ኣየናይ ቃላትን ተግባራትን ሓደ ሽማግለ እዩ ዜሐጕሰካ፧” እትብል ሕቶ ቐሪባትሎም ነበረት። ቀጺልና ብዛዕባ እቲ እዞም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት እዚኦም ዝሃብዎ ምላሽ ክንምርምር ከለና፡ ነቲ ምላሾም ምስቲ ንስኻ እትህቦ ምላሽ ኣነጻጽሮ። ብዘይካዚ፡ ኵላትና ኣብ ጉባኤና ሓጐስ ንኺሰፍን ብኸመይ ኣበርክቶ ኽንገብር ከም እንኽእል ክንሓስብ ኣሎና። *

“ፍቕርቲ ጰርሲስ”

6, 7. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ሽማግለታት ንየሱስን ንጳውሎስን ንኻልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኪቐድሕዎም ዚኽእሉሉ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንስም ኣሕዋትና ምዝካርና ንሓጐሶም ዚውስኾ ብኸመይ እዩ፧

6 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሽማግለታት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪግደሱሎም ከለዉ፡ ሓጐሶም ከም ዚውስኽ ገሊጾም እዮም። ሓደ ኻብቲ ሽማግለታት ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ መገዲ፡ ነቲ ዳዊትን ኤሊሁን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነት ብምስዓብ እዩ። (2 ሳሙኤል 9:6፣ እዮብ 33:1፣ ሉቃ. 19:5 ኣንብብ።) እዞም ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኦም፡ ንስም እቶም ዚዛረብዎም ዝነበሩ ሰባት ብምርቋሕ፡ ውልቃዊ ተገዳስነት ኣርኣዩ። ጳውሎስ እውን፡ ንስም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ምዝካርን ምጥቃምን ኣገዳሲ ምዃኑ ይግንዘብ ነበረ። ንሓንቲ ኻብተን ንሱ ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ን25 ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እንተላይ ን“ፍቕርቲ ጰርሲስ” ብስም ብምጥቃስ ዛዘማ።—ሮሜ 16:3-15

7 ገሊኦም ሽማግለታት፡ ስም ምዝካር የጸግሞም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዚከኣሎም ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም፡ ‘ንዓይ ተገድሰኒ ኢኻ’ ይብልዎም ከም ዘለዉ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። (ዘጸ. 33:17) ሽማግለታት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ካልእ ኣኼባ ኣብ ዚመርሑሉ እዋን፡ ነቶም ኢዶም ሓፍ ዜብሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብስሞም ኪጽውዕዎም ከለዉ፡ እቶም ኣሕዋት ኣዝዮም ይሕጐሱ እዮም።—ምስ ዮሃንስ 10:3 ኣረኣኢ።

“ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓረት”

8. ሓደ ኻብቲ ጳውሎስ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነት ዝሰዓበሉ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧

8 ጳውሎስ ንኻልኦት ብምንኣድ እውን ተገዳስነቱ የርኢ ነበረ፣ እዚ ኸኣ፡ ሽማግለታት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ሓጐሶም ከም ዚውስኽ ኪገብሩ ዚኽእሉሉ ኻልእ መገዲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ንሓጐሶም ከም ዚዓዪ ዝገለጸላ መልእኽቲ፡ “ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 7:4) እዘን ናእዳ ዝሓዘላ ቓላት እዚአን፡ ንልቢ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣሐጒሰናኦም ኪዀና ኣለወን። ጳውሎስ ንኻልኦት ጉባኤታት እውን ንኢድወን እዩ። (ሮሜ 1:8፣ ፊል. 1:3-5፣ 1 ተሰ. 1:8) ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ጰርሲስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓረት” በለ። (ሮሜ 16:12) እዚ ናእዳ እዝስ፡ ነታ እምንቲ ሓብቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣተባቢዕዋ ኪኸውን ዚኽእል! ጳውሎስ ንኻልኦት ኪንእድ ከሎ፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነት እዩ ዚስዕብ ነይሩ።—ማርቆስ 1:9-11፣ ዮሃንስ 1:47 ኣንብብ፣ ራእ. 2:2, 13, 19

9. ናእዳ ምሃብን ምቕባልን ንሓጐስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውስኾ ስለምንታይ እዩ፧

9 ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ንኣሕዋቶም ሞሳኦም ኪገልጹሎም ኣገዳሲ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። (ምሳ. 3:27፣ 15:23) ሓደ ሽማግለ ኸምኡ ኺገብር ከሎ፡ ነቲ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዩ፡ ‘ነቲ ዝገበርካዮ ኣስተብሂለሉ እየ። ብዛዕባኻ ኸኣ እግደስ እየ’ ይብሎ ኸም ዘሎ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ብሓቂ ኸኣ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት፡ ከምዚ ዝበለ ዜጸናንዕ ቃላት ኪሰምዑ የድልዮም እዩ። ሓንቲ ኣብ መፋርቕ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ፡ “ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ብዙሕ ናእዳ ኣይረክብን እየ። እቲ ሃዋህው እውን እንተ ዀነ፡ ባህ ዘየብልን መንፈስ ውድድር ዝሰፈኖን እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ በቲ ኣብታ ጉባኤ ዝገበርክዎ ነገር ኪንእደኒ ኸሎ፡ መንፈሰይ ይሕደስን እበራታዕን እየ። ሰማያዊ ኣቦይ ዜፍቅረኒ ዀይኑ ድማ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ሓደ ንበይኑ ኽልተ ቘልዑ ዜዕቢ ሓው እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ሽማግለ ኻብ ልቡ ነኣዶ። እሞኸ እዚ ናእዳ እዚ ነቲ ሓው ብኸመይ ጸለዎ፧ “ቃላት እቲ ሽማግለ፡ ናይ ብሓቂ እዩ ኣበራቲዑኒ” በለ። ሓደ ሽማግለ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኻብ ልቡ ዚንእዶም እንተ ዀይኑ፡ ይተባብዑን ሓጐሶም ይዓምቝን እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ህይወት ንኺጐዓዙ ዜኽእሎም ብርታዐ እዩ ዚህቦም፣ ‘ኣይደኽሙን’ ድማ።—ኢሳ. 40:31

‘ጉባኤ ኣምላኽ ጓስዩ’

10, 11. (ሀ) ሽማግለታት ነቲ ነህምያ ዝሓደጎ ኣብነት ኪስዕብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኪገብር ከሎ መንፈሳዊ ውህበት ምእንቲ ኼማቕል፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

10 ሽማግለታት ውልቃዊ ተገዳስነት ኬርእዩሉን ንሓጐስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውስኹሉን ዚኽእሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧ ተበግሶ ወሲዶም ነቶም ምትብባዕ ዜድልዮም ክርስትያናት ብምሕጋዝ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28 ኣንብብ።) ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ መንፈሳውያን ጓሶት እዮም ዚመስልዎም። ንኣብነት፡ ነህምያ ገሊኦም ኣይሁዳውያን ኣሕዋቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዝደኸሙ ምስ ኣስተብሃለ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ውዓል ሕደር ከይበለ ኣተባብዖም። (ነህ. 4:14) ሎሚ እውን ሽማግለታት ከምኡ ኺገብሩ እዮም ዚደልዩ። እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ እምነት ምእንቲ ኺጸንዑ፡ ተበግሶ ወሲዶም ይሕግዝዎም እዮም። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምእንቲ ኼተባብዕዎም ድማ፡ ኵነታት ዚፈቅድ እንተ ዀይኑ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ናብ ቤቶም ከይዶም ይበጽሕዎም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕስነታዊ ምብጻሕ ድማ፡ ‘መንፈሳዊ ውህበት ኬማቕሉ’ እዮም ዚደልዩ። (ሮሜ 1:11) ከምኡ ንኺገብሩ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

11 ሓደ ሽማግለ ጕስነታዊ ምብጻሕ ቅድሚ ምግባሩ፡ ብዛዕባ እቲ ዚበጽሖ ውልቀ ሰብ ኪሓስብ ኣለዎ። ነቲ ሰብ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ፧ ኣየናይ ሓሳባት እዩ ኼተባብዖ ዚኽእል፧ ኣየናይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ከኣ ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ እዩ ምስ ኵነታቱ ዚሰማማዕ፧ ሓደ ሽማግለ በዚ ኸምዚ ኣቐዲሙ ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዘይኰነስ፡ ትርጕም ዘለዎ ምይይጥ ኪገብር ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ጕስነታዊ ምብጻሕ ድማ፡ እቶም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ንኺዛረቡ ኼተባብዖምን ጽን ኢሉ ኺሰምዖምን ኣለዎ። (ያእ. 1:19) ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሓደ ሽማግለ ጽን ኢሉ ኺሰምዕ ከሎ፡ ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዕ” በለት።—ሉቃ. 8:18

ሓደ ሽማግለ ቕድሚ ጕስነታዊ ምብጻሕ ዚገብሮ ምድላው፡ ‘መንፈሳዊ ውህበት ንኼማቕል’ ይሕግዞ

12. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምትብባዕ ዜድልዮም መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

12 ካብ ጕስነታዊ ምብጻሕ ጥቕሚ ዚረክብ መን እዩ፧ ጳውሎስ ንክርስትያን ሽማግለታት፡ “ንዅሉ እቲ . . . መጓሰ ተጠንቀቑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ እንተላይ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ እሙናት ኣስፋሕትን ፈለምትን እውን እንተ ዀኑ፡ ምትብባዕ የድልዮም እዩ። ስለምንታይ እዩ ደገፍ መንፈሳውያን ጓሶት ዜድልዮም፧ ከምዚኣቶም ዝበሉ ብመንፈስ ድልዱላት ዝዀኑ ሰባት፡ ሓድሓደ ግዜ በቲ እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እትገብረሎም ጸቕጢ ኺድቈሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ብመንፈስ ድልዱል ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ሓድሓደ እዋን ሓገዝ ብጻዩ ዜድልዮ ስለምንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ንሓደ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ዘጋጠመ ፍጻመ እስከ ንርአ።

“ኣቢሻይ . . . ረድኦ”

13. (ሀ) ይሽቢ-ብኖብ ንዳዊት ኬጥቅዖ ዝፈተነ መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣቢሻይ ንዳዊት ዘድሓኖ ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚቕባእ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስቲ ኻብ ወገን ራፋ ዝዀነ ጎልያድ ዝስሙ ዓርሞሸሽ ተፋጠጠ። ብትብዓት ድማ ቀተሎ። (1 ሳሙ. 17:4, 48-51፣ 1 ዜና 20:5, 8) ዓመታት ጸኒሑ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ከሎ ኸኣ፡ እንደገና ምስ ሓደ ዓርሞሸሽ ተራኸበ። ስም እቲ ዓርሞሸሽ፡ ይሽቢ-ብኖብ ኰይኑ፡ ንሱ እውን ካብ ወገን ራፋ እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 21:16) ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ እቲ ዓርሞሸሽ ንዳዊት ዳርጋ ቐቲልዎ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ዳዊት ስለ ዝፈርሀ ዘይኰነስ፡ ሓይሉ ስለ እተጸንቀቐ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ “ዳዊት ድማ ደኸመ” ይብል። ይሽቢ-ብኖብ ንድኻም ዳዊት ምስ ረኣየ፡ “ኪቐትሎ ሐሰበ።” “ኣቢሻይ ወዲ ጹርያ ግና [ንዳዊት] ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ።” (2 ሳሙ. 21:15-17) ዳዊት ንስክላ እዩ ኣምሊጡ። ኣቢሻይ ስለ ዘስተብሃለሉን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ስለ ዝሓገዞን፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣመስጊንዎ ኪኸውን ዚኽእል! ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14. (ሀ) ነቲ ምስ ጎልያድ ኪመሳሰል ዚኽእል ብድሆታት ክንሰግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሽማግለታት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም፡ ብርታዐን ሓጐስን ንኺረኽቡ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብነት ሃብ።

14 ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ካብ ሰይጣንን ካብ ተወከልቱን ዕንቅፋታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎትና ንፍጽም ኢና። ገሌና ምስ ዓርሞሸሽ ኪመሳሰል ዚኽእል ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ስለ እንተኣማመን፡ ነቲ ኸም “ጎልያድ” ዝዀነ ብድሆታት ክንሰግሮ ኽኢልና ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ምስዛ ዓለም እዚኣ እንገብሮ ቐጻሊ ቓልሲ፡ ኬድክመናን ተስፋ ኬቝርጸናን ይኽእል እዩ። ብመንፈስ ኣብ እንደኽመሉ እዋን ድማ፡ ተነቀፍቲ ኽንከውንን በቲ ቕድሚኡ ብዓወት እንሰግሮ ዝነበርና ጸቕጥታት ክንወድቕን ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት፡ ሓደ ሽማግለ ዚህበና ሓገዝ፡ ከምቲ ብዙሓት እተመከርዎ፡ ሓጐስናን ብርታዐናን ንኺምለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓንቲ ፈላሚት፡ “ቅድሚ እተወሰነ እዋናት፡ ጽቡቕ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ፣ ኣገልግሎት ከኣ የድክመኒ ነበረ። ሓደ ሽማግለ ኸም ቀደመይ ከም ዘይኰንኩ ስለ ዘስተብሃለ፡ ኣዘራረበኒ። ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዜተባብዕ ምይይጥ ድማ ገበርና። ነቲ ዝሃበኒ ርእይቶ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልክዎ ኸኣ ጥቕሚ ረኸብኩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “እቲ ሽማግለ ንድኻመይ ኣስተብሂሉ ስለ ዝሓገዘኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ” በለት። ብፍቕሪ ዚከታተሉናን ልክዕ ከም ኣቢሻይ ‘ኪረድኡና’ ድሉዋት ዝዀኑን ሽማግለታት ምህላዎምሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

‘ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ፍለጡ’

15, 16. (ሀ) ጳውሎስ ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣዝዩ ዚፍቀር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቶም ሓለይቲ ሽማግለታት ጉባኤ እነፍቅሮም ስለምንታይ ኢና፧

15 ጓሳ ምዃን ከቢድ ዕዮ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ብዛዕባ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ስለ ዚጭነቑ፡ ንኺጽልዩሎም ወይ ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺሕግዝዎም ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ ይሓድሩ እዮም። (2 ቈረ. 11:27, 28) ኰይኑ ግና፡ ሽማግለታት ንሓላፍነቶም፡ ልክዕ ከም ጳውሎስ ምሉእ ብምሉእን ብታሕጓስን እዮም ዚፍጽምዎ። ንሱ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ኣነስ ምእንቲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ ገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረ. 12:15) ብሓቂ ኸኣ፡ ንኣሕዋቱ የፍቅሮም ስለ ዝነበረ፡ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ብምውፋይ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:4 ኣንብብ፣ ፊል. 2:17፣ 1 ተሰ. 2:8) እቶም ኣሕዋት ኣዝዮም እንተ ኣፍቀርዎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ግብ. 20:31-38

16 ሎሚ ዘለና ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ነቶም ሓለይቲ ክርስትያን ሽማግለታት ነፍቅሮምን ንዓታቶም ስለ ዝሃበና ንየሆዋ ብጸሎት ነመስግኖን ኢና። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ስለ ዚግደሱልና፡ ኣዚና ንሕጐስ ኢና። በቲ ዚገብሩልና ጕስነታዊ ምብጻሕ እውን ንበራታዕ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብጸቕጥታት እዛ ዓለም እዚኣ እንድቈሰሉ እዋን፡ ንኺሕግዙና ድሉዋት ምዃኖም ነማስወሉ ኢና። እወ፡ ከምዚኣቶም ዝበሉ ንቑሓት ክርስትያን ሽማግለታት፡ ‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ እዮም።’

^ ሕ.ጽ. 5 ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ሓደ ሽማግለ እንታይ ዓይነት ባህርይ ኪህልዎ ኢኻ እትደሊ፧” እትብል ሕቶ እውን ቀሪባትሎም ነበረት። መብዛሕትኦም ድማ፡ “ተቐራቢ” ዚብል መልሲ ሃቡ። ነዛ ኣገዳሲት ባህርይ እዚኣ፡ ኣብ እትቕጽል ሕታም ክንርእያ ኢና።