ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሙሴ—ናይ እምነት ሰብ

ሙሴ—ናይ እምነት ሰብ

እምነት እንታይ እያ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “እምነት” እትብል ቃል፡ ኣብ ድልዱል መርትዖ ተመርኲስካ ብጽኑዕ ምእማን ማለት እያ። ብኣምላኽ ዚኣምን ሰብ፡ ኣምላኽ ንዅሉ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽሞ ይተኣማመን እዩ።

ሙሴ እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ሙሴ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ከም ዝነበሮ፡ ብናብራኡ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍጥረት 22:15-18) ኣብ ግብጺ ብምሾት ኪነብር ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበሮ፡ “ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሓረየ።” (እብራውያን 11:25) እዝስ፡ ጸኒሑ እተጣዕሰሉ፡ ብስምዒት ተደፊኡ ዝገበሮ ውሳነ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፡ ከመይሲ፡ ብዛዕባኡ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ጸንዐ” እዩ ዚብል። (እብራውያን 11:27) ሙሴ ነቲ ብእምነት ዝገበሮ ምርጫታት ፈጺሙ ኣይተጣዕሰሉን።

ሙሴ ንኻልኦት ሰባት እውን እምነቶም ከም ዜደልድሉ ኺገብሮም ይጽዕር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጽን ቀይሕ ባሕርን ከም እተቐርቀሩ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ንርአ። እስራኤላውያን ብኡብኡ ዚጠፍኡ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ብራዕዲ ናብ የሆዋን ናብ ሙሴን ኣእወዩ። ሙሴኸ እንታይ ኢሉ መለሰ፧

ሙሴ፡ ኣምላኽ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ፡ ንእስራኤላውያን ዜምልጡሉ መገዲ ኸም ዚኸፍተሎም ምናልባት ኣይፈልጥን ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምድሓን ገለ ነገር ከም ዚገብር፡ ሙሴ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንእስራኤላውያን ብጾቱ ኸምኡ ዝኣመሰለ ምትእምማን ኬሕድሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሙሴ “ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርአዩ” ኸም ዝበሎም ይገልጽ። (ዘጸኣት 14:13) እሞኸ፡ ሙሴ ንብጾቱ እስራኤላውያን ድልዱል እምነት ንኼሕድሩ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ሰሊጥዎ ድዩ፧ እወ፡ ሰሊጥዎ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዅሎም እስራኤላውያን፡ “ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳገርዎ፣ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሕጡ” እዩ ዚብል። (እብራውያን 11:29) እታ ሙሴ ዘርኣያ እምነት፡ ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ካብኡ እተማህሩ ሰባት እውን ጠቒማቶም እያ።

ካብዚ እንታይ ንመሃር፧

ንሕና እውን ከም ሙሴ፡ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎና፡ ብናብራና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ኣብ ናብራና ንኣምልኾኡ እንተ ኣቐዲምና፡ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ከም ዚህበና ተመባጺዑልና እዩ። (ማቴዎስ 6:33) ኣብዚ ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ስጋዊ ነገራት ዜተኵሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ንስጋዊ ነገራት ካልኣይ ቦታ ምሃብ ኬጸግመና ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናብራና ቐሊል ንምግባር ዚከኣልና ብምጽዓር ኣብ ኣምልኾና እንተ ኣተኲርና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ዚብል ውሕስነት ሂቡና ኣሎ።—እብራውያን 13:5

ካልኦት ሰባት ብእምነት ንኺዓብዩ እውን ክንሕግዞም ንጽዕር ኢና። ንኣብነት፡ መስተውዓልቲ ወለዲ ንደቆም እምነት ንኼሕድሩሎም ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም ይግንዘቡ እዮም። ቈልዑ እናዓበዩ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎን ጽቡቕን ክፉእን ዚፈሊ ስርዓታት ከም ዝሃበናን ኪፈልጡ የድልዮም እዩ። ብዘይካዚ፡ ስርዓታቱ ምስዓብ ንጥቕምና ኸም ዝዀነ ኺኣምኑሉ የድልዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ወለዲ ንደቆም፡ ኣምላኽ “ከም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ንኺኣምኑ እንተ ሓጊዞምዎም፡ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት ከም ዝሃብዎም እዩ ዚቝጸር።—እብራውያን 11:6