ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንፈሳዊ ውርሻና ተማስወሉ ዲኻ፧

ንመንፈሳዊ ውርሻና ተማስወሉ ዲኻ፧

‘ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ቘላሕታ ገበረሎም።’ —ግብ. 15:14

1, 2. (ሀ) “ድንኳን ዳዊት” እንታይ እዩ፧ እንደገና እተሃንጸኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ብሓባር ዜገልግሉ ዘለዉ መን እዮም፧

ብ49 ድ.ክ. ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝገበሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከምዚ በለ፦ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን [ጴጥሮስ] ኣዘንትዩ ኣሎ። ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ እዩ፦ ‘ድሕርዚ ተመሊሰ ነታ ዝወደቐት ቤት ዳዊት መሊሰ ኽሰርሓ፡ ነቲ ዑናኣ መሊሰ ኽሃንጾን ከም ብሓድሽ ከቕንዖን እየ፣ እዚ ድማ እቶም ዝተረፉ ሰባትን ብስመይ ዚጽውዑ ዅሎም ኣህዛብን ንየሆዋ ምእንቲ ኺደልይዎ እዩ፡ ይብል እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ፣ እዚ እውን ካብ ጥንቲ እተፈልጠ እዩ።’”—ግብ. 15:13-18

2 ንጉስ ጼዴቅያስ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ እቲ “ድንኳን [ወይ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ] ዳዊት” ወደቐ። (ኣሞ. 9:11) ይኹን እምበር፡ እቲ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ የሱስ ንጉስ ምስ ኰነ፡ እቲ “ድንኳን” እንደገና ተሃንጸ። (ህዝ. 21:27፣ ግብ. 2:29-36) ያእቆብ ኣብቲ ታሪኻዊ ኣኼባ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ኣሞጽ ዚርከብ ትንቢት፡ እቶም ኣይሁድን ኣህዛብን ዝዀኑ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ሰባት ኪእከቡ ኸለዉ እዩ ዚፍጸም። ሎሚ ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናትን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ይእውጁ ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16

ህዝቢ የሆዋ ብድሆ ኣጋጠሞ

3, 4. ህዝቢ የሆዋ ኣብ ባቢሎን ብመንፈሳዊ መዳይ እሙናት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣይሁድ ብምርኮ ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ፡ “ድንኳን ዳዊት” ከም ዝወደቐ ንጹር እዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ኻብ 607 ቅ.ክ. ክሳዕ 537 ቅ.ክ. ዝጸንሐ ናይ 70 ዓመት ምርኮ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እሙናት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ በቲ ሎሚ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እሙናት ዚዀኑሉ መገዲ እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እሙናት ንኪዀኑ ዚሕግዞም ክቡር መንፈሳዊ ውርሻ ኣለዎም።

4 ሓደ ኽፋል እቲ መንፈሳዊ ውርሻና፡ እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምሩኻት፡ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ንሕጊ ሙሴን ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛትን ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። “መዝሙር ጽዮን” ይፈልጡን ብዙሕ ምሳሌታት ይዝክሩን ነይሮም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ንትብዓት እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። እወ፡ እቶም ምሩኻት ንጽዮን ምስ ዘከሩ በኽዮም እዮም፣ ንየሆዋ እውን ኣይረስዕዎን። (መዝሙር 137:1-6 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ብብዙሕ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታትን ግብርታትን ባቢሎን ተኸቢቦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ህያዋን ኰይኖም ንኪቕጽሉ ሓጊዝዎም እዩ።

ስላሴ ሓድሽ ኣይኰነን

5. ኣብ ጥንታውያን ባቢሎንን ግብጽን፡ ስሉሳት ኣማልኽቲ ምምላኽ ልሙድ ምንባሩ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

5 ኣብ ባቢሎን፡ ስሉሳት ኣማልኽቲ ምምላኽ ቀንዲ ኽፍሊ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ነቲ ብሲን (ኣምላኽ ወርሒ)፡ ብሻማሽ (ኣምላኽ ጸሓይ)፡ ከምኡውን ብኢሽታር (ኣንስተይቲ ኣምላኽ መፍረን ውግእን) ዝቘመ ስሉስ ኣምላኽ ባቢሎን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ዝዀነት ሰበይቲ ኸም ዘላቶን ወዲ ኸም እትወልደሉን ጌርካ ይሕሰብ ነበረ፣ “በዚ ኸምዚ ኣብ ሓደ እተጠርነፈ ሰለስተ ኣምላኽ ይፍጠር፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ኣቦ ኸም ኣውራ ጌርካ ዚርአ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን፣ ኣብቲ እታ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ከም ቀንዲ ኣምላኽ ጌርካ እትርኣየሉ ቦታታት፡ ንሱ ኣብ ትሕቲኣ ኸም ዘሎ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ግና ዕጉብ እዩ።” (ኒው ላሩስ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ መቶሎጂ) ሓደ ኻብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ስሉስ ኣማልኽቲ፡ ብኦስሪስ ዚብሃል ኣምላኽን ብኢሲስ እትብሃል ኣንስተይቲ ኣምላኽን ብሆረስ ወዶምን ዝቘመ ነበረ።

6. ንስላሴ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ካብዚ ጌጋ ትምህርቲ እዚ እተዓቘብናኸ ብኸመይ ኢና፧

6 ህዝበ ክርስትያን እውን ስላሴ ትምህር እያ። መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ እዮም ዚዛረቡ። እዚ ግና ንልዑላውነት የሆዋ ዜነኣእስ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሓደ ኽፋል ስሉስ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚገብሮ። ህዝቢ የሆዋ ምስቲ፡ “ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ስለ ዚሰማምዑ፡ ካብቲ ጌጋታት ተዓቚቦም እዮም። (ዘዳ. 6:4NW) የሱስ እውን ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ጠቒስዋ ነይሩ እዩ፣ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድማ ነቲ የሱስ ዝበሎ ይኣምኑሉ እዮም።—ማር. 12:29

7. ኣብ ስላሴ ዚኣምን ሰብ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍዩ ኺጥመቕ ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

7 ሰረተ እምነት ስላሴ ምስቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ብምባል ዝሃቦም መዝነት ይጋጮ እዩ። (ማቴ. 28:19) ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ክርስትያንን ናይ የሆዋ ምስክርን ኰይኑ ኺጥመቕ እንተ ዀይኑ፡ ንልዑላውነት እቲ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኸምኡውን ነቲ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ኣፍልጦ ኺህበሉ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ንጡፍ ሓይሊ ደኣ እምበር፡ ክፍሊ ስላሴ ኸም ዘይኰነ ኺኣምን ኣለዎ። (ዘፍ. 1:2) ኣብ ስላሴ ዚኣምን ሰብ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍዩ ኺጥመቕ ኣይክእልን እዩ። መንፈሳዊ ውርሻና ነቲ ንኣምላኽ ዜሕስር ትምህርቲ ኻብ ምእማን ስለ ዘዕቈበና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን!

ሓተታ መናፍስቲ ነጸረ

8. ባቢሎናውያን ብዛዕባ ኣማልኽትን ኣጋንንትን እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧

8 ባቢሎናውያን ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነትን ኣማልኽትን ኣጋንንትን ሓተታ መናፍስትን ይኣምኑ ነበሩ። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ባቢሎን፡ እቶም ንሰባት ብብዙሕ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም ዜሳቕዩ ኣጋንንቲ፡ ካብ ኣማልኽቲ ቐጺሎም ኣዝዮም ይፍርሁ ነበሩ። መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ [ባቢሎናውያን ዚኣምኑሉ] ሃይማኖት፡ ምስዞም ኣጋንንቲ እዚኦም ኣብ ዚግበር መሪር ቃልሲ ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ሰባት ድማ ካብቶም ኣጋንንቲ ምእንቲ ኼዕቍብዎም፡ ናብ ኣማልኽቲ ይጽልዩ ነበሩ።”

9. (ሀ) ብዙሓት ኣይሁድ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ፡ ግዳይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ምስ ኣጋንንቲ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንኸይህልወና ዜዕቍበና እንታይ እዩ፧

9 ብዙሓት ኣይሁድ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ፡ ግዳይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኰኑ። ጸኒሖም ድማ፡ ኣጋንንቲ ጥዑያት ወይ ክፉኣት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ኣተሓሳስባ ግሪኻውያን ተቐበሉ። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ባቢሎን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ሓተታ መናፍስቲ ኸም ዝዀነኖ ስለ እንፈልጥ፡ መንፈሳዊ ውርሻና ምስ ኣጋንንቲ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንኸይህልወና የዕቍበና እዩ። (ኢሳ. 47:1, 12-15) በቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸኣ ኢና እንምራሕ።—ዘዳግም 18:10-12፣ ራእይ 21:8 ኣንብብ።

10. ብዛዕባ ተግባራትን እምነታትን ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

10 ባቢሎናውያን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ደገፍቲ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን እውን፡ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ይሳተፉ እዮም። (ራእ. 18:21-24) ዘ ኢንተርፕሪተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ “[ዓባይ] ባቢሎን፡ ካብ ሓደ ሃጸያዊ ግዝኣት ወይ ባህሊ ንላዕሊ እያ እተጠቓልል። ብጂኦግራፍያዊ ወይ ብዓለማዊ ዶባት ዘይኰነስ፡ በቲ ዓብላሊ ዝዀነ ኣምልኾ ጣኦት እያ እትግለጽ” በለ። (1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 338) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ዓባይ ባቢሎን ብሓተታ መናፍስትን ብኣምልኾ ጣኦትን ብኻልእ ሓጢኣትን ተዋሒጣ እያ ዘላ፣ እዚ ግና ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ኣይኰነን።—ራእይ 18:1-5 ኣንብብ።

11. ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ተዋሂቡ ነይሩ፧

11 የሆዋ፡ “ንኣበሳ [“ንዘይባህርያዊ ሓይሊ፡” NW] . . . ኣይዕገሶን እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 1:13) እቲ መብዛሕትኡ እዋን መንፈሳውነት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሓተታ መናፍስቲ፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዛዮንስ ዎችታወር (ግምቢ ዘብዐኛ ጽዮን) ኣብ ግንቦት 1885፡ “ምዉታት ኣብ ካልእ ዓለም ወይ ኵነታት ብህይወት ከም ዚቕጽሉ ዚገልጽ እምነት ሓድሽ ኣይኰነን። ሓደ ኽፋል እቲ ጥንቲ ዝነበረ ሃይማኖትን ሱር ኵሉ ያታን እዩ” በለት። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ ኸም ዝገለጸቶ፡ እቲ ምዉታት ምስ ህያዋን ከም ዚዘራረቡ ዚገልጽ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ፡ “ነቲ ‘ኣጋንንቲ’ ንመንፈስ ሓደ ዝሞተ ሰብ መሲሎም ብምቕራብ ዚገብርዎ ምትላል፡ ጕልባብ ኰይንዎ እዩ። ኣጋንንቲ በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንመንነቶም ኣብ ምሕባእ ተዓዊቶም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእምሮን ህይወትን ብዙሓት ሰባት ጽልዋ የሕድሩ ኣለዉ።” እታ ሽዑ ዝወጸት ዋት ሰይ ዘ ስክሪፕቸርስ ኣባውት ስፒሪቲዝም (ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ይብል፧) እትብል ጽሕፍቲ እውን፡ ልክዕ ከምቲ ሎሚ ዘሎ ጽሑፋትና ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂባ ነበረት።

ነፍሳት ኣብ ካልኣይ ዓለም ይሳቐያ ድየን፧

12. ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ በለ፧

12 “ኵሎም እቶም ንሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ፡” ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይፈልጥዋ እዮም። (2 ዮሃ. 1) ምስ ቃላት ሰሎሞን ንሰማማዕ ኢና፣ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ . . . ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”—መክ. 9:4, 5, 10

13. ኣይሁድ ብባህልን ብሃይማኖትን ግሪኻውያን እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧

13 ኣይሁድ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ግሪኽ ኣብ መንጎ ጀነራላት እስክንድር ምስ ተመቓቐለት፡ ንይሁዳ ብሃይማኖትን ብባህልን ግሪኽ ምስ ሶርያ ንምሕባር ጻዕሪ ተገብረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣይሁድ ነቲ ነፍሲ ሰብ ከም ዘይትመውትን ነፍሳት ዚሳቐያሉ ኻልኣይ ዓለም ከም ዘሎን ዚገልጽ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተቐበልዎ። ብዚሳቐያ ነፍሳት ዝመልአ ኻልኣይ ዓለም ከም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ግሪኻውያን ዘመንጨውዎ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ባቢሎናውያን “ብዛዕባ እቲ ዜፍርህ ነገራት ዝመልአ፡ . . . ብሓያላትን ጨካናትን ኣማልኽትን ኣጋንንትን ድማ ዚምራሕ . . . ታሕተዋይ ዓለም” ይኣምኑ ነይሮም እዮም። (ዘ ረሊጅን ኦቭ ባቢሎንያ ኤንድ ኣሲርያ) እወ፡ ባቢሎናውያን ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ይኣምኑ ነይሮም እዮም።

14. እዮብን ኣብርሃምን ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን እንታይ እዮም ዚፈልጡ ነይሮም፧

14 እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ይፈልጥ ነበረ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑን ካብ ሞት ኬተንስኦ ኸም ዚናፍቕን ይርዳእ ነበረ። (እዮ. 14:13-15) ኣብርሃም እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ነይሩ እዩ። (እብራውያን 11:17-19 ኣንብብ።) ንሓደ ኺመውት ዘይክእል ሰብ ካብ ሞት ከተተንስኦ ስለ ዘይከኣል፡ እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት፡ ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። መንፈስ ኣምላኽ ንእዮብን ንኣብርሃምን ንዅነታት ምዉታት ንኺርድእዎን ኣብ ትንሳኤ ንኺኣምኑን ከም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ሓቅታት እዚ፡ ክፋል መንፈሳዊ ውርሻና እዩ።

“በጃ” ኣገዳሲ እዩ

15, 16. ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ዝወጻእና ብኸመይ ኢና፧

15 ኣምላኽ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ናጻ ኸም ዜውጽኣና እቲ ሓቂ ስለ ዝገለጸልና፡ ከነመስግኖ ኣሎና። (ሮሜ 5:12) የሱስ፡ ‘ኬገልግልን ነፍሱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኸም ዘይመጸ’ ንፈልጥ ኢና። (ማር. 10:45) ብዛዕባ እቲ “ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ” ምፍላጥና ጠቓሚ እዩ።—ሮሜ 3:22-24

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን ካብ ሓጢኣቶም ኪንስሑን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ኬሕድሩን ነበሮም። ከምኡ እንተ ዘይገብሩ፡ ይቕረ ኣይምተባህለሎምን ነይሩ። ሎሚ እውን እቲ ዅነታት ተመሳሳሊ እዩ። (ዮሃ. 3:16, 36) ሓደ ሰብ ኣብቲ ኸም ስላሴን ዘይትመውት ነፍስን ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት ዚኣምን እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ በጃ ጥቕሚ ኺረክብ ኣይክእልን እዩ። ንሕና ግና ካብኡ ንጥቀም ኢና። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ብእኡ ኣቢሉ በጃ እተኸፍለልና፡ ማለት ሓጢኣትና እተሓድገልና ፍቑር ወዲ ኣምላኽ’ እቲ ሓቂ ንፈልጥ ኢና።—ቈሎ. 1:13, 14

ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን ንቕድሚት ንሰጕም

17, 18. ብዛዕባ ታሪኽና ጠቓሚ ሓበሬታ ኽንረክብ እንኽእል ካበይ ኢና፧ ብዛዕባኡ ምፍላጥና ዚጠቕመናኸ ብኸመይ እዩ፧

17 ብዛዕባ እቲ እንኣምነሉ ናይ ሓቂ ትምህርትታትን ብዛዕባ እቲ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ዘሕለፍናዮ ተመክሮን ብዛዕባ እቲ ዘሎና መንፈሳውን ስጋውን በረኸትን ብዙሕ ኪብሃል ይከኣል እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ንጥፈታትና ዚገልጽ ዜደንቕ ጸብጻባት ኪወጽእ ጸኒሑ እዩ። ታሪኽና ኣብተን ፈይዝ ኢን ኣክሽን (እምነት ብግብሪ) ዘርእስተን 1ይን 2ይን ክፋል ዘለወን ቪድዮታት ከምኡውን ኣብቲ ኸም ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዝኣመሰለ ጽሑፋት ወጺኡ እዩ። መጽሔታትና እውን መብዛሕትኡ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ፍቑራት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ታሪኽ ህይወት ሒዘን ይወጻ እየን።

18 ህዝቢ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ብኸመይ ከም ዘውጽኦም ኬስተንትኑ ኸለዉ ይጥቀሙ ነበሩ፣ ንሕና እውን ብዛዕባ ታሪኽ ውድብ የሆዋ ምስትንታንና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 12:26, 27) ሙሴ ኣብ እዋን እርጋኑ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ኪምስክር ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ንእስራኤላውያን ድማ፡ “እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፡ ዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፡ ነቦኻ ጠይቆ፡ ንሱ ኸኣ ኬግህደልካ እዩ፡ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም” በሎም። (ዘዳ. 32:7) ንሕና እውን ‘ህዝብን መጓሰን የሆዋ’ ኸም ምዃንና መጠን፡ ተሓጒስና ንውድሶን ንኻልኦት ብዛዕባ ሓያል ግብርታቱ ንነግሮምን ኢና። (መዝ. 79:13) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንታሪኽና ኽንምርምሮ፡ ካብኡ ተማሂርና ድማ ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸነገልግሎ ኣሎና።

19. ብመንፈሳዊ ብርሃን ስለ እንመላለስ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 ብጸልማት ዘይኰነስ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ መንፈሳዊ ብርሃን ክንመላለስ ብምኽኣልና ኸነመስግን ኣሎና። (ምሳ. 4:18, 19) ስለዚ፡ ተጊህና ቓል ኣምላኽ ነጽንዕ፣ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ምንጋር ድማ ብቕንኣት ንካፈል፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ዝወደሶ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ ኪህልወና እዩ፣ ንሱ፡ “ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፡ ጽድቅኻ፡ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ። ዎ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፡ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ። ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፡ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ” በለ።—መዝ. 71:16-18

20. እንታይ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ጕዳያት እዩ ዘሎ፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ ይስምዓካ፧

20 ርእስና ዝወፈና ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ልዑላውነት ኣምላኽን ንጽህና ደቂ ሰብን ከም ዚተሓሓዝ ንግንዘብ ኢና። የሆዋ ብምሉእ ልብና ውፉያት ክንኰነሉ ዚግባእ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዘይከሓድ ሓቂ ንእውጅ ኢና። (ራእ. 4:11) ብመንፈሱ ስለ ዝቐብኣና፡ ንትሑታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነበስሮም፡ ንስቡራት ልቢ ንዝንኖም፡ ንሕዙናት ከኣ ነጸናንዖም ኢና። (ኢሳ. 61:1, 2) እቲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽን ንዅሎም ደቂ ሰብን ኪገዝኦም ዝገበሮ ጻዕሪ ፈሺሉ እዩ፣ ንሕና ግና ንመንፈሳዊ ውርሻና ነማስወሉ ኢና፣ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉን ነቲ ልዑል ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ሕጅን ንዘለኣለምን ክንውድሶን ቈሪጽና ኢና።መዝሙር 26:11፣ 86:12 ኣንብብ።