ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ተዓቘብ

ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ተዓቘብ

“ሽዑ እግዚኣብሄር . . . ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፡ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ።”—ዘካ. 14:3

1, 2. እንታይ ውግእ እዩ ኣንጸላልዩ ዘሎ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዚ ውግእ እዚ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዘየድልዮም፧

ብ30 ጥቅምቲ 1938፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ምርኢት ዚገልጽ ህቡብ መደብ ረድዮ ይከታተሉ ነበሩ። እቲ ኣብታ ምሸት እቲኣ ዝቐረበ መደብ፡ ነቲ ዘ ዎር ኦቭ ዘ ዎርልድስ (ውግእ ዓለማት) ዘርእስቱ ስነ ፍልጠታዊ ልቢ ወለድ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብታ መደብ ዝቐረቡ ተዋሳእቲ፡ ካብ ማርስ ዚመጹ ፍጥረታት ንምድሪ ኸም ዚወርሩዋን ከም ዜጥፍእዋን ገለጹ። እቲ መደብ ረድዮ ልቢ ወለድ ከም ዝዀነ ብምልክታ ተነጊሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ሓቂ ስለ ዝመሰሎም፡ ፈርሁ። ገሊኣቶም ከኣ ርእሶም ንምዕቋብ ገለ ስጕምትታት ወሰዱ።

2 ሎሚ ናይ ሓቂ ውግእ ኣንጸላልዩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ነዚ ኣየቕልቡሉን እዮም ዘለዉ። እዚ ውግእ እዚ፡ ኣብ ዛንታ ስነ ፍልጠታዊ ልቢ ወለድ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ እዩ። ንሱ ኸኣ እቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ዚወርድ ውግእ ኣምላኽ እዩ። (ራእ. 16:14-16) ኣብዚ ውግእ እዚ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ካብ ካልእ ፕላነት ምስ ዚመጹ ጸላእቲ ኺዋግኡ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ብዜደንቕ መገዲ ንኼዕቍቦም ሓይሉ ኺጥቀም እዩ።

3. እንታይ ትንቢት ኢና ኽንምርምር፧ እዚ ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 እቲ ኣብ ዘካርያስ ምዕራፍ 14 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቐጥታ ምስ ውግእ ኣርማጌዶን እተተሓሓዘ እዩ። እዚ ትንቢት እዚ፡ 2,500 ዓመት ይገብር እተመዝገበ እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወትና ዚትንክፍ እዩ። (ሮሜ 15:4) መብዛሕትኡ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ካብ እትቐውም ኣትሒዙ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸልዎም ነገራትን ኣብዚ ቐረባ እዋን ዚፍጸም ነገራትን ዜምልክት እዩ። ኣብቲ ትንቢት እቲ፡ “ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮ” ኸም ዚቐውምን “ህያው ማያት” ከም ዚወጽእን ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘካ. 14:4, 8) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዚ ሽንጭሮ እዚ እንታይ ምዃኑን ንህዝቢ የሆዋ ብኸመይ ከም ዜዕቍቦምን ክንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ እቲ ህያው ማያት እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ካብኡ ኽንጥቀም ከም እንኽእልን እውን ክንምርምር ኢና። ሽዑ፡ ካብዚ ማያት እዚ ኽንሰቲ ኸም ዜድልየና ኽንግንዘብ ኢና፣ ንኽንሰቲ እውን ክንድረኽ ኢና። ስለዚ፡ ሓቢርና ናብዚ ትንቢት እዚ ነቕልብ።—2 ጴጥ. 1:19, 20

‘መዓልቲ የሆዋ’ ትጅምር

4. (ሀ) ‘መዓልቲ የሆዋ’ መዓስ እያ ጀሚራ፧ (ለ) ካብ 1914 ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ህዝቢ የሆዋ እንታይ እዮም ዚእውጁ ነይሮም፧ መራሕቲ ዓለምከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

4 ዘካርያስ ምዕራፍ 14፡ ‘እንሆ፡ መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ’ ብዚብል ሓረግ እያ እትጅምር። (ዘካርያስ 14:1, 2 ኣንብብ።) እዛ መዓልቲ እዚኣ እንታይ እያ፧ ንሳ፡ እታ “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን” ክትከውን ከላ ዝጀመረት “መዓልቲ ጐይታ” እያ። (ራእ. 1:10, 11፣ 11:15) “መዓልቲ ጐይታ፡” ብ1914 መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክትውለድ ከላ እያ ጀሚራ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1914 ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሞም፡ “ምዱብ እዋናት ኣህዛብ” ብ1914 ከም ዚውዳእ፡ ዓለም ከኣ ቅድሚኡ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ከቢድ ሽግር ከም እትኣቱ ይእውጁ ነይሮም እዮም። (ሉቃ. 21:24) ኣህዛብከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ መራሕቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ነቲ እዋናዊ መጠንቀቕታ ኣብ ክንዲ ዜቕልቡሉ፡ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ቐናኣት ቅቡኣት ወንጌላውያን የላግጹሎምን ይሰጕዎምን ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ እዞም መራሕቲ ዓለም እዚኦም፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዮም ዜላግጹሉ ነይሮም፣ ከመይሲ፡ ቅቡኣት ኣምባሳደራት መንግስቲ ኣምላኽ ን“ሰማያዊት የሩሳሌም” ዚውክሉ እዮም። ንሳቶም ኣባላት እዛ ንመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት ሰማያዊት የሩሳሌም እውን እዮም።—እብ. 12:22, 28

5, 6. (ሀ) ኣህዛብ ኣብታ “ኸተማ”ን ኣብ ‘ዜጋታታ’ን እንታይ ስጕምቲ እዮም ወሲዶም፧ (ለ) “ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧

5 ዘካርያስ፡ “እታ ኸተማ [የሩሳሌም] ኽትተሓዝ እያ” ብምባል፡ ኣህዛብ እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ ሓቢሩ ኣሎ። “እታ ኸተማ” ንመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ተመልክት። ኣብ ምድሪ ኸኣ በቶም ‘ዜጋታታ’ ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት እያ እትውከል። (ፊል. 3:20) ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ፡ ‘ተማሪኾም’ ወይ ተታሒዞም ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። እዞም ንጹሃት ሰባት እዚኦም ስለ እተገፍዑ ድማ፡ ‘ኣባይቲ ተዘምተ’ ተባሂሉ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ጸላእቲ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዚሓትምዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ብምእጋድን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ብምቕያድን ንሃብቶም ዘሚቶምዎም እዮም።

6 ጸላእቲ ነቶም ብቝጽሪ ሒደት ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ የጸልምዎምን ይጻረርዎምን ይሰጕዎምን እኳ እንተ ነበሩ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኼጥፍእዎ ኣይከኣሉን። እቲ ትንቢት ቀጺሉ፡ “ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ” ይብል። እዚ ኸኣ፡ እቶም እሙናት ክፍሊ እቶም ቅቡኣት ከም ዘይጠፍኡ የመልክት።

7. ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እንታይ ኣብነት እዮም ገዲፎምሎም፧

7 እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት እውን ኣህዛብ ነቶም ቅቡኣትን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ብጾቶምን ዝያዳ መጥቃዕቲ ፈንዮምሎም እዮም። (ራእ. 12:17) ካልኣይ ውግእ ዓለም ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። እቶም ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት ቅቡኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገደፍዎ ኣብነት፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥሞም ብዘየገድስ፡ ንኺጽመሙ ዜተባብዖም እዩ። ገለ ኻብቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምኽንያት እምነቶም ዜጋጥሞም ፈተና፡ ካብ ዘይኣመንቲ ኣዝማዶም፡ ካብ መሳርሕቶም፡ ወይ ካብ መማህርቶም ዚወርዶም ላግጺ እዩ። (1 ጴጥ. 1:6, 7) እቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይንበሩ ብዘየገድስ፡ ‘ብተጻረርቶም ብገለ እኳ ኸይፈርሁ’ ‘ብሓደ መንፈስ ጸኒዖም ኪነብሩ’ ቘሪጾም እዮም። (ፊል. 1:27, 28) ይኹን እምበር፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዛ ጸላኢቶም ዝዀነት ዓለም እናነበሩ፡ ኣበይ እዮም ኪዕቈቡ ዚኽእሉ፧—ዮሃ. 15:17-19

የሆዋ “ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮ” የቕውም

8. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከረን ንምንታይ እዩ ኼመልክት ዚኽእል፧ (ለ) “ከረን ዘይቲ” ንምንታይ የመልክት፧

8 “ከተማ” የሩሳሌም፡ ንሰማያዊት የሩሳሌም ተመልክት ካብ ኰነት፡ እቲ “ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ” እውን ምሳልያዊ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ኸረን ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ‘ኣብ ማእከሉ ተሰንጢቑ’ ኽልተ ኸረን ዚኸውንከ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ንኽልቲኡ፡ “ኣኽራነይ” ዝበሎኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘካርያስ 14:3-5 ኣንብብ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኽራን ንመንግስትታት ኬመልክት ይኽእል እዩ። በረኸትን ዕቝባን እውን ምስ ከረን የሆዋ ተመሳሲሉ ኣሎ። (መዝ. 72:3፣ ኢሳ. 25:6, 7) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኣምላኽ ዚቘመሉ ኣብ ምብራቕ ምድራዊት የሩሳሌም ዚርከብ ከረን ዘይቲ፡ ንልዑላውነት የሆዋ እዩ ዜመልክት።

9. “ከረን ዘይቲ” ኣብ ክልተ ምስንጣቑ እንታይ የመልክት፧

9 ከረን ዘይቲ ኣብ ክልተ ምስንጣቑ እንታይ የመልክት፧ እቲ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝነበረ ኸረን ኣብ ክልተ ምስንጣቑ፡ የሆዋ ኻልእ ተወሳኺ ግዝኣት ከም ዘቘመ የመልክት። እቲ ኻልኣይ ግዝኣት፡ ነታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ የመልክት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ነቲ “ኸረን ዘይቲ” ምስ ተሰንጠቐ ዝቘመ ኽልተ ኸረን፡ “ኣኽራነይ” ዝበሎ። (ዘካ. 14:4) እወ፡ ክልቲኡ ናቱ እዩ።

10. እቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣኽራን ዝቘመ “ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮ” እንታይ የመልክት፧

10 እቲ ምሳልያዊ ኸረን ኣብ ክልተ ተሰንጢቑ፡ ፍርቁ ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ ኸኣ ናብ ደቡብ ምስ ተመቕለ፡ ኣእጋር የሆዋ ኣብ ክልቲኡ ኸረን ቈመ። ኣብ ትሕቲ እግሪ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮ” ዀነ። እዚ ምሳልያዊ ሽንጭሮ እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚገብረሎም መለኮታዊ ዕቝባ የመልክት። ልክዕ ከምቲ ሰባት ኣብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኣብ ዘሎ ሽንጭሮ ዚዕቈቡ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት ኣምላኽን ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን ይዕቈቡ እዮም። የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸይጠፍእ ኪከላኸለሉ እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ መዓስ እዩ ተመቒሉ፧ ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 ምስ ተወድአ፡ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ግዝኣታ ምስ ጀመረት እዩ ተመቒሉ። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ናብቲ ምሳልያዊ ሽንጭሮ ኺሃድሙ ዝጀመሩኸ መዓስ እዮም፧

ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ ሽንጭሮ ኺሃድሙ ይጅምሩ

11, 12. (ሀ) ህዝቢ የሆዋ ናብቲ ምሳልያዊ ኸረን ኪሃድሙ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧ (ለ) የሆዋ ነታ ሓያል ቅልጽሙ ኻብ ህዝቡ ኸም ዘይፈልያ ዜረጋግጸልና እንታይ እዩ፧

11 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ማቴ. 24:9) እቲ ጽልኢ እቲ፡ ካብ 1914 ጀሚሩ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ብዝያዳ እናተጐሃሃረ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጸላእቲ ንተረፍ ቅቡኣት ከቢድ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ፈነዉሎም፡ እቶም እሙናት ኣባላት እቶም ቅቡኣት ኣይጸነቱን። ብ1919 ካብ ባርነት እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም እዮም። (ራእ. 11:11, 12) * ሽዑ ኸኣ እዮም ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሽንጭሮ ኸረን የሆዋ ኺሃድሙ ዝጀመሩ።

12 እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ 1919 ጀሚሮም ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ይዕቈቡ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እገዳታትን ቀይድታትን ኪግበር ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ገሊአን ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ቐይድታት ይርአ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣህዛብ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ፈጺሞም ኬጥፍእዎ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ነታ ሓያል ቅልጽሙ ኻብ ህዝቡ ኣይፈልያን እዩ።—ዘዳ. 11:2

13. ወትሩ ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ኽንዕቈብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ሎሚ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

13 ናብ የሆዋ እንተ ለጊብናን ኣብ ሓቂ እንተ ጸኒዕናን የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ኬዕቍቡና እዮም። ኣምላኽ ከኣ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ወይ ነገር ‘ካብ ኢዱ ኺምንዝዓና’ ኣይኪፈቕደሉን እዩ። (ዮሃ. 10:28, 29) የሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢና መጠን ምእንቲ ኽንእዘዞን ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እሙናት ኴንና ወትሩ ምእንቲ ኽንግዛኣን፡ ዜድሊ ደገፍ ንኺገብረልና ድልው እዩ። ኣብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ዓብዪ ጸበባ፡ ሓገዝ የሆዋ ብዝያዳ ኼድልየና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ወትሩ ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ኽንዕቈብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

“መዓልቲ ውግእ” ትመጽእ

14, 15. ኣብ “መዓልቲ ውግእ” ኣምላኽ፡ ነቶም ኣብቲ “ዓብዪ ሽንጭሮ” ዘየለዉ ሰባት እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧

14 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ እውን እናበርትዐ እዩ ዚኸይድ። ቀጺሉ፡ “መዓልቲ ውግእ” ኣምላኽ ኪጅምር እዩ። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንመወዳእታ ግዜ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ “ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ” ብዝያዳ፡ ሓያል ተዋጋኢ ምዃኑ ኼርኢ እዩ።—ዘካ. 14:3

15 ኣብ መዓልቲ ውግእ ኣምላኽ፡ ነቶም ኣብቲ “ዓብዪ ሽንጭሮ” ዘየለዉ ሰባት እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧ መለኮታዊ ሞገስ ከም ዝረኸቡ ዜመልክት ‘ነጸብራቕ ኣይኪበርሃሎምን’ እዩ። ኣብታ እትመጽእ መዓልቲ ውግእ፡ “ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን፡” “ድነ” ኺወርዶም እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ኣጽዋር ውግእ ከንቱ ኸም ዚኸውን የመልክት። የሆዋ ንጸላእቱ ብ“መዓት” ወይ ብፌራ እውን ኪወቕዖም እዩ። እቲ መዓት ቃል ብቓሉ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቶም ጸላእቲ ጸጥ ኬብሎም እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ “ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፡ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።” እዚ ኸኣ እቶም ጸላእቲ ብዕዉሮም ፈንጠርጠር ከም ዚብሉን ኣንጻር ኣምላኽ ከኣ ብሕም ከም ዘይብሉን የመልክት። (ዘካ. 14:6, 7, 12, 15) ሽዑ ኣብ ምልእቲ ምድሪ እዩ ጥፍኣት ኪወርድ። እቶም ብወገን ሰይጣን ዚስለፉ ሰራዊት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። (ራእ. 19:19-21) “በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም።”—ኤር. 25:32, 33

16. ነቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ውግእ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር ዘሎና፧ እንታይከ ኢና ኽንገብር ዚግባእ፧

16 ውግእ ወትሩ ስቓይ እዩ ዜምጽእ፣ እቶም ሰዓርቲ እውን ከይተረፉ ብእኡ ይጕድኡ እዮም። ሕጽረት ምግቢ ኼጋጥም፡ ንብረት ኪዓኑ፡ ናብራ ኪኸፍእ፡ መሰል ሰባት ከኣ ኪገሃስ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ብራዕዲ ኽንወሓጥ ዲና፧ እምነትና ኽንክሕድ ዲና፧ ተስፋ ቘሪጽና ኢድና ኽንህብ ዲና፧ ኣብቲ ዓብዪ ጸበባ ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ኣብኡ ኽንውከልን ኣብ ሽንጭሮኡ ኽንዕቈብን ይግባእ።—ኣንባቆም 3:17, 18 ኣንብብ።

‘ህያው ማያት’ ኪወጽእ እዩ

17, 18. (ሀ) “ህያው ማያት” እንታይ እዩ፧ (ለ) “ምብራቓዊ ባሕሪ” እንታይ የመልክት፧ “ምዕራባዊ ባሕሪ”ኸ እንታይ የመልክት፧ (ሐ) እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘሎኻ፧

17 ደድሕሪ ኣርማጌዶን፡ ካብ ዝፋን መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ “ህያው ማያት” ኪውሕዝ እዩ። እዚ “ህያው ማያት” እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንህይወት ሰባት ዚገብሮ መሰናድዎ የመልክት። እቲ “ምብራቓዊ ባሕሪ” ተባሂሉ ዘሎ ምዉት ባሕሪ ኪኸውን ከሎ፡ “ምዕራባዊ ባሕሪ” ኸኣ ባሕሪ መዲተራነያን እዩ። ክልቲኡ ድማ ንሰባት የመልክት። እቲ ምዉት ባሕሪ ንዅሎም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ሰባት ኬመልክት ከሎ፡ ባሕሪ መዲተራነያን ከኣ ብህይወት ስለ ዝመልአ፡ ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ “ብዙሓት ህዝቢ” የመልክት። (ዘካርያስ 14:8, 9 ኣንብብ፣ ራእ. 7:9-15) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ክልቲኦም ጕጅለታት ካብቲ ምሳልያዊ ማይ ወይ “ርባ ማይ ህይወት” እናሰተዩ ጽምኦም ብምርዋይ፡ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወርስዎ ሞት ሓራ ወጺኦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ራእ. 22:1, 2

ወትሩ ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ንኽትዕቈብ ቈራጽነት ግበር

18 የሆዋ ኻብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣድሒኑ ናብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኬእትወና እዩ። ብዅሎም ኣህዛብ ጽሉኣት እኳ እንተ ዀንና፡ ወትሩ እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንከውንን ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ንኽንዕቈብን ቈራጽነት ንግበር።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 169-170 ርአ