ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ

ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ

“ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።”​—መዝ. 86:12

1, 2. ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ንስም ኣምላኽ ብኸመይ እየን ዚርእያኦ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ፧

ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ብሓፈሻ፡ ካብ ስም የሆዋ ርሒቐን እየን። ንኣብነት፡ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን ኣብ መእተዊኡ፡ “ነቲ ሓደን በይኑን ኣምላኽ . . . ናይ ብሕቲ ስም ምሃብ . . . ኣብቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት ቤተ ክርስትያን ፈጺሙ ዘይግቡእ እዩ” ይብል።

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ስም ኣምላኽ ኪጾሩን ኬኽብሩን የሐብኖም እዩ። (መዝሙር 86:12፣ ኢሳይያስ 43:10 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ንትርጕም እቲ ስምን ነቲ ምስ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ እተላዕለ ብድሆን ክንርድኦ ምኽኣልና እውን ከም ፍሉይ መሰል ኢና እንቘጽሮ። (ማቴ. 6:9) ብሓቂ ኸኣ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ፍሉይ መሰል እዩ። በዚ መሰረት እዚ ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ንርአ፦ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ብምውሳድ ንስሙ ዜኽብር ብኸመይ እዩ፧ ብስም የሆዋ ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ማለት እዩ፧

3. ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ነታ “የሆዋ” እትብል ቃል ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ የጠቓልል። ነቲ የሆዋ ዘለዎ ተፈላጥነትን ባህርያትን ዕላማን ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ፡ ብፍላይ ምስ ኣገልገልቱ ብእተተሓሓዘ ዝገበሮ ንጥፈታት ምፍላጥ እውን የጠቓልል። የሆዋ ነዚ ፍልጠት እዚ፡ ምስ ዕላማኡ ብምስምማዕ በብግዜኡ እዩ ገሊጹልና። (ምሳ. 4:18) ንሱ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ስሙ ገሊጹሎም ስለ ዝነበረ፡ ሄዋን ንቓየል ምስ ወለደት ነቲ ስም እቲ ጠቒሳቶ እያ። (ዘፍ. 4:1) እቶም እሙናት ኣበዋት ዝነበሩ ኖህን ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እውን ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኺባርኾም፡ ኪሓልየሎም፡ ንገሊኡ መዳያት ዕላማኡ ድማ ኪገልጸሎም ከሎ ብዛዕባ እቲ ስም እቲ ዝነበሮም ፍልጠት ወሲኹ እዩ። ሙሴ ኸኣ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ፍሉይ ፍልጠት ተዋሂብዎ ነበረ።

ሙሴ ትርጕም ስም ኣምላኽ ምፍላጡ፡ ንእምነቱ ኣድልዲሉሉ እዩ

4. ሙሴ ንኣምላኽ ብዛዕባ ስሙ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ምጭናቑ ዘየገርምከ ስለምንታይ እዩ፧

4 ዘጸኣት 3:10-15 ኣንብብ። ሙሴ ወዲ 80 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ፡ “ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም [ኢኻ]” ዚብል ከቢድ ትእዛዝ ሃቦ። ሙሴ ንኣምላኽ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ብኣኽብሮት፡ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዋ ሕቶ ሓተቶ። ‘እስራኤላውያን፡ ስምካ እንተ ሓቲቶምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧’ በሎ። ስም ኣምላኽ ቅድሚኡ ነዊሕ ይገብር ይፍለጥ ካብ ነበረ፡ ሙሴ ኸምኡ ኢሉ ኺሓትት ከሎ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዚደሊ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ኪፈልጥ ከም ዝደለየ ርዱእ እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ብሓቂ ኼድሕኖም ከም ዚኽእል ኬእምኖም እዩ ዚደሊ ነይሩ። እስራኤላውያን ንገለ ግዜያት ባሮት ስለ ዝነበሩ፡ ሙሴ ብዛዕባ እዚ እንተ ተጨነቐ ዜገርም ኣይኰነን። እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም ብሓቂ ኼድሕኖም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ንኣማልኽቲ ግብጺ የምልኹ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ህዝ. 20:7, 8

5. የሆዋ ንሕቶ ሙሴ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ ትርጕም ስሙ ዝያዳ መብርሂ ዝሃበ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ንሙሴ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ ብኸፊሉ ኸምዚ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ [“እቲ ክኸውን፡” NW ] ናባኻትኩም ለአኸኒ በሎም።” * ኣስዒቡ ድማ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ . . . ናባኻትኩም ለአኸኒ” ኺብሎም ነገሮ። ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጽም ከምቲ ኪኸውን ዚደልዮ ኸም ዚኸውን፡ ማለት ወትሩ ቓሉ ኸም ዚሕሉ ገለጸሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ የሆዋ፡ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” ዝበለ። ብዛዕባ ስሙ ንሙሴ ኸምኡ ኢሉ ምስ ገለጸሉ፡ እምነት ሙሴ ኣዝያ ደልዲላ ኽትከውን ኣለዋ።

የሆዋ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ይወስድ

6, 7. የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ዓብዪ ስሙ ብምስምማዕ ስጕምቲ ዝወሰደ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ንሙሴ መዝነት ምስ ሃቦ፡ መድሓኒ እስራኤል ‘ብምዃን’ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ብምውራድ ንግብጺ ኣዋሪድዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣማልኽቲ ግብጺ፡ እንተላይ ንፈርኦን ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ኣቃሊዕዎም እዩ። (ዘጸ. 12:12) ድሕሪኡ የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ፡ ንእስራኤላውያን ብእኡ ኣሕለፎም፡ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ከኣ ኣጥሓሎም። (መዝ. 136:13-15) የሆዋ ኣብቲ “ዓብዪን ዜፍርህን በረኻ፡” ዓቃብ ህይወት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ከመይሲ፡ ነቶም ምናልባት ካብ ክልተ ኽሳዕ ሰለስተ ሚልዮን ወይ ዝያዳ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ህዝቡ ምግብን ማይን እናሃበ ኣንቢርዎም እዩ። ንኽዳውንቶምን ንኣሳእኖምን እውን ከይተረፈ፡ ከም ዘይበሊ ገይርዎ እዩ። (ዘዳ 1:19፣ 29:5) እወ፡ የሆዋ ምስቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስሙ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ንኸይወስድ ኪዓግቶ ዚኽእል ማንም የለን። የሆዋ ጸኒሑ ንኢሳይያስ፡ “ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን” በሎ።—ኢሳ. 43:11

7 እቲ ንሙሴ ዝተከኦ እያሱ እውን ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበሮ ዜፍርህ ተግባራት ርእይዎ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንብጾቱ እስራኤላውያን ካብ ልቡ ተደሪኹ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” ኢሉ ተዛረቦም። (እያ. 23:14) እወ፡ የሆዋ ብዘየማትእ መገዲ ቓሉ ሓልዩ፡ ወይ ከም ቃሉ ‘ዀይኑ’ እዩ።

8. የሆዋ ኣብዚ ግዜና ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ዚወስድ ብኸመይ እዩ፧

8 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኸም ቃሉ ‘ይኸውን’ እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ኵላ ዓለም” ኪስበኽ ምዃኑ፡ ብወዱ ኣቢሉ ነጊሩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:14) ብዛዕባ እዚ ዕዮ እዚ ኣቐዲሙ ኺነግርን ንሓያሎ “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ተጠቒሙ ኸም ዚፍጸም ኪገብርን ዚኽእል፡ ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓሊፉ እሞ መን እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ግብ. 4:13) ስለዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፍጸም እጃምና ነበርክት ኣሎና ማለት እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ነኽብሮ፡ ነቲ፡ “ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል እንጽልዮ ጸሎት ከኣ ከም እንኣምነሉ ነርኢ ኢና።—ማቴ. 6:9, 10

ስሙ ዓብዪ እዩ

ፈርኦን ንየሆዋ ኸም ኣምላኽ ኪፈልጦ ኣይደለየን

9, 10. የሆዋ ኣብቲ ምስ እስራኤላውያን ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ብዛዕባ ትርጕም ስሙ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

9 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ርእሱ ተወሳኺ ነገራት ገሊጹሎም እዩ። ብኺዳን ሕጊ ሙሴ ኣቢሉ፡ ‘ሰብኣዮም’ ኰይኑ እዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺሓልየላ ሓላፍነት ዘለዎ፡ ንዅሉ እቲ ኸምኡ ዝኣመሰለ ሓላፍነታቱ ኺስከም ፍቓደኛ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። እስራኤላውያን ከኣ ብምሳልያዊ መገዲ ንየሆዋ ኸም ሰበይቱ ዀይኖም ነበሩ፣ ብስሙ ድማ ይጽውዑ ነበሩ። (ኢሳ. 54:5, 6) ብፍታው ንዕኡ ኺግዝኡን ትእዛዛቱ ኺሕልዉን ከለዉ፡ ንሱ ድማ ፍጹም ‘ሰብኣዮም’ ይኸውን ነበረ። ይባርኾም፡ ይሕልዎም፡ ሰላም ድማ ይህቦም ነበረ። (ዘሁ. 6:22-27) በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣብ ኣህዛብ ይኸብር ነበረ። (ዘዳግም 4:5-8፣ መዝሙር 86:7-10 ኣንብብ።) እወ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ሓያሎ ጓኖት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተሳሒቦም እዮም። ከምቲ እታ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ዝበለት ሩት እታ ሞኣባዊት ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኸኣ እዮም ወሲዶም።—ሩት 1:16

10 የሆዋ ኣብቲ ንኣስታት 1,500 ዓመት ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ባህርያቱ ሓያሎ ሓድሽ ነገራት ገሊጹሎም እዩ። ሽሕ እኳ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ትእዛዛቱ የፍርሱ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ‘መሓርን ንዅራ ደንጓይን’ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ብዙሕ ትዕግስትን ዓቕልን ኣርእዩ እዩ። (ዘጸ. 34:5-7) ይኹን እምበር፡ ትዕግስቱ ደረት ኣለዋ፣ ህዝቢ ኣይሁድ ንወዱ ምስ ነጸግዎን ምስ ሰቐልዎን ድማ፡ ብስሙ ኺጽውዑ ኣይከኣሉን። (ማቴ. 23:37, 38) ልክዕ ከም ሓንቲ ዝነቐጸት ገረብ፡ ንሳቶም እውን ብመንፈስ ነቐጹ። (ሉቃ. 23:31) እዚኸ ነቲ ንመለኮታዊ ስም ዝነበሮም ኣረኣእያ ብኸመይ ጸለዎ፧

11. ስም ኣምላኽ ካብ ህዝቢ ኣይሁድ እናተፈልየ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

11 ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ኣይሁድ ድሕሪ ገለ ግዜ ብዛዕባ ስም የሆዋ ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሕደሩ፡ ነቲ ስም እቲ ኺድመጽ ከም ዘይብሉ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። (ዘጸ. 20:7) ስም ኣምላኽ ድማ በብቝሩብ ካብ ኣይሁድነት እናተፈልየ ኸደ። የሆዋ ስሙ ብንዕቀት ኪጽዋዕ ከሎ ኸም ዜጕህዮ ፍሉጥ እዩ። (መዝ. 78:40, 41) ይኹን እምበር፡ “እቲ ቐናእ ዝስሙ” ኣምላኽ፡ ነቶም ዝኸሓድዎ፡ ንሱ ኸኣ ዝጠንጠኖም ሰባት፡ ንዘለኣለም ብስሙ እናተጸውዑ ኺነብሩ ኸም ዘይፈቕደሎም ንጹር እዩ። (ዘጸ. 34:14) እዚ ታሪኽ እዚ፡ ንስም ፈጣሪና ብዓብዪ ኽብሪ ኽንሕዞ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ።

ብስም ኣምላኽ እተጸውዐ ሓድሽ ህዝቢ

12. የሆዋ ነቲ ብትንቢት እተነግረ ብስሙ ዚጽዋዕ ህዝቢ ዘቘሞ ብኸመይ እዩ፧

12 የሆዋ ምስቶም ሓድሽ ህዝቢ ዝዀኑ መንፈሳውያን እስራኤል “ሓድሽ ኪዳን” ኪኣቱ ዕላማ ኸም ዘለዎ ብኤርምያስ ኣቢሉ ገሊጹ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኵሎም ኣባላት እዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ፡ “ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም” ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ምዃኖም ተነብዩ እዩ። (ኤር. 31:31, 33, 34) እዚ ትንቢት እዚ፡ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዘቘመሉ ዕለት፡ ማለት ካብ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ኺፍጸም ጀመረ። እቶም ንኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ንዘይኰኑን ዚሓቝፉ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀኑ ሓድሽ ህዝቢ፡ ‘ንስም ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ፡’ ወይ ከኣ እቶም የሆዋ “ብስመይ ዚጽውዑ” ዝበሎም ህዝቢ ዀኑ።—ገላ. 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14-17 ኣንብብ፣ ማቴ. 21:43

13. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ስም ኣምላኽ ይጥቀሙዶ ነይሮም እዮም፧ ግለጽ። (ለ) ነቲ ንስም የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ንኽትጥቀመሉ ረኺብካዮ ዘሎኻ መሰል ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

13 እቶም ቀዳሞት ኣባላት እቶም ‘ብስም ኣምላኽ ዚጽውዑ’ መንፈሳዊ ህዝቢ፡ ስም ኣምላኽ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቕሱ ኸለዉ፡ ስም ኣምላኽ ተጠቒሞም እዮም። * ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሓያሎ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ኪዛረቦም ከሎ፡ ብዙሕ ሳዕ ስም ኣምላኽ ተጠቒሙ እዩ። (ግብ. 2:14, 20, 21, 25, 34) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንየሆዋ ስለ ዘኽበርዎ፡ ንሱ እውን ብግዲኡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንዝገበርዎ ጻዕሪ ብምብራኽ ኣኽቢርዎም እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብሓበን ስሙ ኽንእውጅን ንተገደስቲ ሰባት ከኣ እንተ ተኻኢሉ ስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱሶም ከነርእዮም ከለናን ንኣገልግሎትና ይባርኾ እዩ። በዚ ኸምዚ ንሰባት ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከነላልዮም ንኽእል ኢና። እዝስ ንዓታቶም ኰነ ንዓና ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እዚ ኸኣ ምስ የሆዋ ንዘለኣለም እናደልደለ ዚኸይድ ርክብ ንኺምስርቱ መገዲ ኪኸፍተሎም ይኽእል እዩ።

14, 15. ሽሕ እኳ ኽሕደት እንተ ኣስፋሕፍሐ፡ የሆዋ ብዛዕባ ስሙ እንታይ እዩ ገይሩ፧

14 ብፍላይ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽሕደት ተኣታትዩ ነይሩ እዩ። (2 ተሰ. 2:3-7) መምህራን ሓሶት ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ስም ኣምላኽ ንኸይትጥቀም ዚኽልክል ልምዲ ኣይሁድ ተቐቢሎምዎ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ስሙ ኺሕከኽ ይፈቅድ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ! ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ልክዕ ኣደማምጻኡ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ስም እቲ ጸኒዑ ይነብር ኣሎ። ንኣማእታት ዓመታት ዚኣክል ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ብ1757 ቻርለስ ፒተርስ፡ እቲ “የሆዋ” ዚብል ስም፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መዓርጋት ኣምላኽ “ብዝያዳ ንባህርያቱ ዚገልጽ” ስም ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ሆፕተን ሃይነስ ከኣ ኣብታ ብ1797 ዝጸሓፋ ብዛዕባ ኣምልኾ ኣምላኽ እትገልጽ መጽሓፍ፡ ንምዕራፍ 7 ኸምዚ ኢሉ ይጅምራ፦ “የሆዋ፡ ኣብ ኣይሁድ ስም ተጸውዖ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ ኣይሁድ፡ ከምቲ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝገበርዎ፡ ንዕኡ ጥራይ እዮም ዜምልኽዎ ነይሮም።” ሄንሪ ግሪው (1781-1862) እውን ስም ኣምላኽ ተጠቒሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ስም እቲ ይጽረፍ ከም ዝነበረን ኪቕደስ ከም ዘለዎን እውን ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ መሳርሕቲ ቻርለስ ቲ. ራስል ዝነበረ ጆርጅ ስቶርስ (1796-1879)፡ ከም ራስል ስም ኣምላኽ ይጥቀም ነይሩ እዩ።

15 ዓመተ 1931 ንህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዓመት እያ ነይራ። ከመይሲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ ኣህጉራውያን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ ነይሮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ ግና፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመሰረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ተቐበልዎ። (ኢሳ. 43:10-12) ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬገልግልዎን ‘ብስሙ ኺጽውዑን’ ንስሙ ኺውድስዎን ከም ዜሐብኖም ድማ ንዓለም ኣፍለጡ። (ግብ. 15:14) እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ነቲ፡ “ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ” ዚብል ኣብ ሚልክያስ 1:11 ዚርከብ ቃላት የሆዋ እዩ ዜዘኻኽረና።

ብስም የሆዋ ተመላለስ

16. ብስም የሆዋ ምምልላስ ከም ክቡር መሰል ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ነብዪ ሚክያስ፡ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክ. 4:5) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብስም ኣምላኽ ምጽውዖም፡ ብሓቂ ኽቡር መሰል እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸቡ ዚሕብር መርትዖ ዀይንዎም እዩ። (ሚልክያስ 3:16-18 ኣንብብ።) ንስኻኸ፡ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ‘ብስም የሆዋ ንኽትመላለስ’ ትጽዕርዶ ኣለኻ፧ ብስም ኣምላኽ ምምልላስ እንታይ ማለት ምዃኑ ተገንዚብካ ዲኻ፧

17. ብስም ኣምላኽ ምምልላስ፡ እንታይ የጠቓልል፧

17 ብስም ኣምላኽ ምምልላስ፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል። ቀዳማይ፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ” ጥራይ ከም ‘ዚድሕን’ ብምግንዛብ፡ ነቲ ስም እቲ ንኻልኦት ሰባት ክንእውጀሎም ኣሎና። (ሮሜ 10:13) ካልኣይ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ ንፍቕሩ ኸነንጸባርቕ ኣሎና። ሳልሳይ፡ ነቲ ቕዱስ ስም ኣቦና ምእንቲ ኸይነጽርፍ፡ ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሓጒስና ብምሕላው ብስም ኣምላኽ ንመላለስ ኢና። (1 ዮሃ. 4:8፣ 5:3) ንስኻኸ፡ ‘ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንኽትመላለስ’ ቈሪጽካ ዲኻ፧

18. ኵሎም እቶም ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ዜኽብሩ ሰባት ተኣማሚኖም ብተስፋ ዚጽበዩ ስለምንታይ እዮም፧

18 ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዚነጽግዎ ወይ ዚቃወምዎ ሰባት ከይፈተዉ ኺፈልጥዎ እዮም። (ህዝ. 38:23) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ከምቲ፡ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰድዶስ፡ የሆዋ መን እዩ፧” ዝበለ ፈርኦን እዮም። ፈርኦን፡ የሆዋ ሓያል ኣምላኽ ምዃኑ ከይፈተወ ርእዩ እዩ። (ዘጸ. 5:1, 2: NW፣ 9:16፣ 12:29) ንሕና ግና ፈቲና ኢና ንየሆዋ ፈሊጥናዮ። ክንእዘዞን ስሙ ኽንጸውርን የሐብነና እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መዝሙር 9:10 ዚርከብ፡ “ዎ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፡ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” ዚብል መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ብምትእምማን ብተስፋ ንጽበ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ስም ኣምላኽ ብእብራይስጢ ‘ምዃን’ ዚብል ትርጕም ዘለዎ ግሲ እዩ። ስለዚ፡ “የሆዋ” ኺብሃል ከሎ፡ “ዚኸውን” ማለት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 እቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ነቲ ቴትራግራማተን ዚብሃል ኣርባዕተ ፊደላት ስም ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ቕዳሓት እቲ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ዚብሃል ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ስም ኣምላኽ ከም ዚርከቦ ዚሕብር መርትዖታት ኣሎ።