ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ንኽእል ዲና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ። ካብ ፈቃር ኣቦና ኸም እተላእከልና ደብዳበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ንዕኡ ኸነሐጕሶ ኸም እንኽእልን እከይ ኪቕጽል ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎምን ገሊጹልና ኣሎ። መምህራን ሃይማኖት ግና ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠውይዎ እዮም፣ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከቶ ኺርድእዎ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30

የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። ስለዚ ድማ፡ ክንርድኦ እንኽእል መጽሓፍ ሂቡና ኣሎ።1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና፣ ነቲ መጽሓፍ እቲ ንኽንርድኦ እውን ሓገዝ ሂቡና እዩ። ምእንቲ ኺምህረና ኢሉ፡ ንየሱስ ልኢኽዎ እዩ። (ሉቃስ 4:16-21) የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ብምምሃር፡ ንሰማዕቱ ኣረድኦም።ሉቃስ 24:27, 32, 45 ኣንብብ።

የሱስ እቲ ዝጀመሮ ዕዮ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቘመ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሎሚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህር ንሰባት የረድኡ እዮም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31 ኣንብብ።