ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል ኣምላኽ ተጠቒምካ ንርእስኻን ንኻልኦትን ሓግዝ

ንቓል ኣምላኽ ተጠቒምካ ንርእስኻን ንኻልኦትን ሓግዝ

“ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ . . . አሎኹ።”​—መዝ. 119:128

1. ብቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሽማግለታት፡ ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺካፈል ይኽእል እንተ ዀይኑ ኺምርምሩ ኸለዉ፡ ‘እቲ ሰብ ዚዛረቦ ዘረባ: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ምዃኑ ኸም ዚኣምን የርኢ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ንገዛእ ርእሶም ይሓትቱ እዮም። * ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ፡ እንተላይ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚኣምንዎ ኼርእዩ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ብቓል ኣምላኽ ንተኣማመንን ኣብ ኣገልግሎት ብኽእለት ንጥቀመሉን እንተ ዄንና፡ ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎን ድሕነት ንኺረኽቡን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

2. ‘በቲ እተመሃርናዮ ኽንጸንዕ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቃል ኣምላኽ ገሊጹ ነበረ፣ “በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ” ድማ በሎ። እቲ ጢሞቴዎስ እተማህሮን ዝኣመነሉን ነገራት፡ እቲ ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺኣምን ዝደረኾ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። እዚ ሓቅታት እዚ፡ ሎሚ እውን ኣባና ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ፣ ‘ንድሕነት እውን ኬለብመና’ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ነተን ቀጺለን ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ዚርከባ ቓላት ጳውሎስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ንምሕባር ንጥቀመለን እኳ እንተ ዀንና፡ ንዓና እውን ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪጠቕማና ይኽእላ እየን። (ኣንብብ።) ነዛ ጥቕሲ እዚኣ እስከ ብዝርዝር ንመርምራ። ከምኡ ምግባርና፡ ኵሉ ትምህርትታት የሆዋ “ቕኑዕ” ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ኪገብረና እዩ።—መዝ. 119:128

‘ንትምህርቲ ይጠቅም’

3-5. (ሀ) እቶም ንጴጥሮስ ኣብ ጰንጠቈስጠ ኺምድር ከሎ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ሓቂ እተቐበሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ሐ) ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ምስ ኣገልግሎትና ብእተተሓሓዘ ዚማርኾም እንታይ እዩ፧

3 የሱስ ንእስራኤላውያን፡ “ነብያትን ጥበበኛታትን መምህራንን እልእከልኩም ኣለኹ” በሎም። (ማቴ. 23:34) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪጥቀሙ ዝመሃሮም ደቀ መዛሙርቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እቲ ሓደ ኻብቶም “መምህራን” ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት መደረ ኣቕረበሎም፣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ድማ ብተደጋጋሚ ጠቐሰ። ብዙሓት ካብቶም ሰማዕቲ፡ ጴጥሮስ ንኣወዓዕላ እቲ ቓላት ኪገልጽ ከሎ ምስ ሰምዑ፡ “ልቦም ተወግአ።” ካብ ሓጢኣቶም ድማ ተነስሑ። ሰለስተ ሽሕ ዚዀኑ ኸኣ፡ ምሕረት ኣምላኽ ብምልማን ክርስትያናት ኰኑ።—ግብ. 2:37-41

4 እቲ ኻልእ ካብቶም መምህራን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ፡ ነቶም ኣብ ምኵራብ ተኣኪቦም ዜምልኹ ዝነበሩ ሰባት ሰበኸሎም። ንሰለስተ ሰንበት ድማ “ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዘራረበ፣ ክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን . . . ነበረ።” ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ‘ገለ ኣይሁድን ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ኣመኑ።’—ግብ. 17:1-4

5 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙሉ መገዲ ንብዙሓት ሰባት ይማርኾም እዩ። ሓደ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብር ብዓል ቤት፡ ክልተ ኣሓትና ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበባሉ፡ “ሃይማኖትክን እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተን። ሓንቲ ኻባታተን ከኣ፡ “ኣነን እዛ ብጸይተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና” ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እውን ተረዲኡኒ ነይሩ እዩ። ናብ ቤተይ መጺኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብበለይ፡ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሊፉ እሞ መን ኪኸውን ይኽእል፧” በለ።

6, 7. (ሀ) እቶም ኣብ ጉባኤ ዚምህሩ ኣሕዋት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንመርሓሉ እዋን፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ክንምህር ከለና ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ጉባኤ ኻብ መድረኽ ናይ ምምሃር ሓላፍነት እንተ ኣልዩካ፡ ንጹር ጥቕስታት ተጠቐም። ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ብናትካ ኣበሃህላ ጌርካ ኣብ ክንዲ እትገልጾ ወይ ከኣ ካብ ኮምፕዩተር ሓቲምካ ወይ ካብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ክንዲ እተንብቦ፡ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ፡ ካብኡ ኣንብብ፣ ነቶም ሰማዕቲ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባብዓዮም። ብዘይካዚ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ኣወዓዕላ እቲ ጥቕስታት ብምግላጽ፡ ንሰማዕትኻ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንኪቐርቡ ሓግዞም። ንኸተስሕቕ ኢልካ ጥራይ እተሓላለኸ ምሳሌታትን ተመክሮታትን ኣብ ክንዲ እትጥቀም፡ ነቲ ግዜኻ ንቓል ኣምላኽ ንምግላጽ ተጠቐመሉ።

7 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ ነቲ ኣብቲ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ክርስትያናዊ ጽሑፋትና እተጠቕሰ ጥቕስታት ከይንሓልፎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እቲ ተመሃራይ ነቲ ጥቕስታት ንኼንብቦ ኸነተባብዖን ትርጕሙ ንኺርድኦ ኽንሕግዞን ኣሎና። ብኸመይ፧ ብዙሕ ክንዛረብ ኣየድልየናን እዩ፣ የግዳስ፡ እቲ ተመሃራይ ሓሳቡ ንኺገልጽ ከነተባብዖ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኺኣምነሉን ኪትግብሮን ዘለዎ ነገራት ንሕና ኣብ ክንዲ እንነግሮ፡ ብግቡእ እተሓስበሉ ሕቶታት ተጠቒምና፡ ነቲ ተመሃራይ ኣብ ግቡእ መደምደምታ ንኺበጽሕ ክንሕግዞ ኣሎና። *

‘ንመግናሕቲ ይጠቅም’

8. ጳውሎስ ምስ እንታይ ዓይነት ውሽጣዊ ቓልሲ እዩ ዚቃለስ ነይሩ፧

8 መብዛሕትኡ እዋን፡ ‘ንመግናሕቲ’ ኸም ዕዮ ክርስትያን ሽማግለታት ጥራይ ጌርና ንርእዮ ንኸውን። ሓቂ እዩ፡ ሓለውቲ ‘ነቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ ናይ ምግናሕ’ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:20፣ ቲቶ. 1:13) ኰይኑ ግና፡ ንገዛእ ርእስና እውን ክንገንሕ ኣሎና። ጳውሎስ ንጹህ ሕልና ዝነበሮን ኣርኣያ ኪኸውን ዚኽእልን ክርስትያን እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 1:3) ይኹን እምበር፡ “ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ኣብ ከባቢ እዘን ቃላት እዚአን ንዘሎ ሓሳብ እንተ መርሚርናዮ፡ ጳውሎስ ንሓጥእ ዝንባለኡ ንምቍጽጻር ይቃለስ ከም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) ጳውሎስ ምስ ኣየናይ ድኽመት እዩ ዚቃለስ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ጳውሎስ ምስ ሓጢኣት ዚቃለስ ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

9 ጳውሎስ ነየናይ ድኽመታት እዩ ኺዋጽኣሉ ዚጽዕር ነይሩ፧ ብንጹር እኳ እንተ ዘይገለጾ፡ ንጢሞቴዎስ፡ ‘ነቓጽ ከም ዝነበረ’ ጽሒፉሉ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 1:13) ጳውሎስ ቅድሚ ምልዋጡ፡ ብክርስትያናት ነዲሩ ነበረ። ብዛዕባ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንዝነበሮ ስምዒት ኪገልጾ ኸሎ፡ “ኣዝየ ተሃንዲደዮም ስለ ዝነበርኩ” በለ። (ግብ. 26:11) ድሕሪኡ፡ ሓርቖቱ ኺቈጻጸር ከም ዘለዎ ተማሂሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንስምዒቱን ንቓላቱን ምቍጽጻር ይኸብዶ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 15:36-39) እሞኸ ንድኽመቱ ንኺዋጽኣሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

10 ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንገዛእ ርእሱ ንምግናሕ እተጠቕመሉ ሜላ ገሊጹ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 9:26, 27 ኣንብብ።) ነቲ ዘይፍጹም ዝንባለኡ፡ ዕላማ ብዘለዎ መንፈሳዊ ጕስጢ ገይሩ የጕስጦ ነበረ። ምኽሪ ንምርካብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የናድን የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዞ ይጽልን ንኼመሓይሽ ይጽዕርን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። * ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ ምስቲ ዘይፍጹም ዝንባለና ተመሳሳሊ ቓልሲ ስለ ዘሎና፡ ካብቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

11. ኣብ መገዲ ሓቂ ንመላለስ እንተ ኣሊና ንምፍላጥ ‘ርእስና ኽንምርምር’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ምስ ኣምልኾና ኣብ ዚተሓሓዝ፡ ቅሱናት ክንከውን የብልናን። የግዳስ፡ ኣብ መገዲ ሓቂ ንመላለስ እንተ ኣሊና ንምፍላጥ፡ ‘ርእስና ኽንምርምር’ ኣሎና። (2 ቈረ. 13:5) ከም ቈሎሴ 3:5-10 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ከነንብብ ከለና፡ ‘ነቲ ሓጥእ ዝንባለታተይ ንምቕታል ድየ ዝጽዕር ዘለኹ ወይስ ብስነ ምግባራዊ መዳይ እደክም እየ ዘለኹ፧ ኢንተርነት እናተጠቐምኩ ኸለኹ፡ ርኽሰት ዘለዎ ወብ ሳይት ምስ ዚመጽእ፡ እዓጽዎ ድየ ወይስ ዘይግቡእ ወብ ሳይታት አናዲ እየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንተ ተግቢርናዮ፡ ‘ክንነቅሕን ክንጥንቀቕን ኢና።’—1 ተሰ. 5:6-8

‘ንምቕናዕ ይጠቅም’

12, 13. (ሀ) ንሓደ ዅነታት “ንምቕናዕ” ወይ ንምዕራይ ክንጽዕር ከለና፡ ሸቶና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ምስ ካልእ ሰብ ዘሎና ጕዳይ ኣብ ‘እነቕንዓሉ’ ወይ እነተዓራርየሉ እዋን፡ ከመይ ዝበለ ዘረባ ኢና ኽንጥቀም ዘይብልና፧

12 እታ “ምቕናዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ጽቡቕ ምግባር፡ ምእራም፡ ናብ ግቡእን ቅኑዕን ኵነታት ምምላስ” ማለት እያ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ሓደ ንዓና ወይ ንተግባርና ዘይተረድኦ ሰብ ምስ እንጋጮ፡ ነቲ ዅነታት ንምቕናዕ ወይ ንምዕራይ ስጕምቲ ንወስድ ንኸውን። ንኣብነት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ የሱስ ን“ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን” ከም ዚልውሃሎም ተዛረቡ። የሱስ ድማ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። ኪዱ እሞ፡ ‘ምሕረት እደሊ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃሩ” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 9:11-13) የሱስ ንዅሎም ሰባት ብትዕግስትን ብለውሃትን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ይገልጸሎም ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ትሑታት ሰባት፡ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ኸኣሉ። (ዘጸ. 34:6) ነቲ የሱስ ንነገራት ‘ንምቕናዕ’ ዝገበሮ ጻዕሪ ምላሽ ብምሃብ ድማ፡ ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣመኑ።

13 እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕግዞም ከም ዘሎና ይምህረና እዩ። ሓደ ሰብ፡ ‘ምሳኻ ዘሎኒ ጕዳይ ከቃንዕ ወይ ከተዓራሪ እደሊ እየ’ ኢሉ ብሓርቖት ይዛረብ ይኸውን። እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ዚርከብ ሓሳብ ግና፡ ከምኡ ኽንገብር ዜተባብዕ ኣይኰነን። “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ፡” ንስምዒት ካልኦት ብዚጐድእ መገዲ ኽንዛረብ ኣይፈቕደልናን እዩ። ንኻልኦት ሰባት፡ ስምዒቶም ብዚጐድእ መገዲ እንተ ነቒፍናዮም፡ ልክዕ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ” ኽንጐድኦም ንኽእል ኢና፣ ከምኡ ምግባር ዜምጽኦ ጥቕሚ የልቦን።—ምሳ. 12:18

14-16. (ሀ) ሽማግለታት ንኻልኦት ሰባት፡ ጸገማቶም ‘ንኬቕንዑ’ ወይ ንኺፈትሑ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ውሉዳት ኣብ ምዕባይ፡ ንነገራት ብቕዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ‘ምቕናዕ’ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ንሓደ ዅነታት “ንምቕናዕ” ወይ ንምዕራይ ክንጽዕር ከለና፡ ትዕግስትን ለውሃትን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓደ ሽማግለ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዜጋጥሞም ቈየቛ ደው ኬብልዎ ንኺሕግዞም ሓቲቶምዎ ንበል። እቲ ሽማግለ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ነቲ ኣብታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 3 ዚርከብ ሓሳብ ብምጥቃም፡ ምስ ሓዲኦም ከይወገነ፡ ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸሎም ይኸውን። እቶም ሰብ ሓዳር ምስቲ ሽማግለ እናተመያየጡ ኸለዉ፡ ክልቲኦም ብዝያዳ ኺዓይዩሉ ዘለዎም ነጥብታት ይረኽቡ ይዀኑ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እቲ ሽማግለ ነቶም ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ ሓዳሮምን ተወሳኺ ሓገዝ ዜድልዮም እንተ ዀይኑን ኪሓትቶም ኣለዎ።

 15 ወለዲ ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንኪዀኑ ‘ኬቕንዕዎም’ ወይ ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ነታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ፡ ብኸመይ ካብ ሕማቕ ምሕዝነት ክትርሕቕ ከም እትኽእል ክትምህራ ደሊኻ ንበል። ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክትፈልጥ ጽዓር። ድሕሪኡ፡ እቲ ጕዳይ ዜተሓሳስብ ኰይኑ እንተ ረኺብካዮ፡ ምናልባት ነቲ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ክትዘራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ሽዑ ኣብቲ ስዒቡ ዘሎ መዓልትታት፡ ምስ ጓልካ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ጓልካ ኣብ ኣገልግሎት ከተገልግል ከላ ወይ ከኣ ብስድራ ቤት ኴንኩም ክትዘናግዑ ኸለኹም ከመይ ከም ዚስምዓ ተዓዘብ። ትዕግስትን ለውሃትን እንተ ኣርኢኻ፡ ጓልካ ነቲ ፍቕራዊ ተገዳስነትካ ኽትርድኦ እያ። ነቲ እትህባ ምኽሪ ንኽትትግብሮን ካብ ሕማቕ ንኽትርሕቕን ድማ ክትድረኽ እያ።

ወለዲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብለውሃት ብምጥቃም ነቲ ምስ ደቆም ዜጋጥሞም ጕዳያት እንተ ‘ኣቕኒዖምዎ፡’ ንደቆም ካብ ጓሂ ይሰትርዎም ( ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16 ነቶም ብዛዕባ ጥዕናኦም ዚሻቐሉ፡ ነቶም ካብ ስራሕ ብምውጻኦም ተስፋ ዝቘረጹ፡ ወይ ከኣ ነቶም ገሊኡ ትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋት ምርዳእ ዝኸበዶም ሰባት፡ ብትዕግስትን ብለውሃትን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ህዝቢ የሆዋ ንቓል ኣምላኽ “ንምቕናዕ” ኪጥቀሙሉ ኸለዉ፡ ብዙሕ ጥቕሚ እዮም ዚረኽቡ።

‘ብጽድቂ ንምግሳጽ ይጠቅም’

17. ነቲ ዚውሃበና ተግሳጽ ብሞሳ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 “ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ።” (እብ. 12:11) መብዛሕትኦም ክርስትያን ኣባጽሕ፡ እቲ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ወለዶም ዚህብዎም ዝነበሩ ተግሳጽ ከም ዝሓገዞም ይሰማምዑሉ እዮም። እቲ የሆዋ ብክርስትያን ሽማግለታት ኣቢሉ ዚህበና ተግሳጽ ድማ፡ ኣብ መገዲ ህይወት ንኽንመላለስ ይሕግዘና እዩ።—ምሳ. 4:13

18, 19. (ሀ) ‘ብጽድቂ ኽትግስጽ’ ከለኻ ነቲ ኣብ ምሳሌ 18:13 ዚርከብ ምኽሪ ምስዓብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ምስ ኣበስቲ ኺዘራረቡ ኸለዉ ልእመትን ፍቕርን እንተ ኣርእዮም፡ መብዛሕትኡ እዋን ውጽኢቱ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

18 ውጽኢታዊ ተግሳጽ ምሃብ፡ ክእለት ይሓትት እዩ። የሆዋ ንክርስትያናት፡ “ብጽድቂ” ኺግስጹ እዩ ነጊርዎም። (2 ጢሞ. 3:16) ስለዚ፡ ተግሳጽ ክንህብ ከለና፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ኣሎና። ሓደ ኻብቲ ስርዓታት፡ እቲ ኣብ ምሳሌ 18:13 ዚርከብ፡ “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ” ዚብል እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ምስ ሓደ ብሓጢኣት እተኸስሰ ሰብ ኪዘራረቡ ኸለዉ፡ ነቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ብጥንቃቐ ኺምርምሩ ኣለዎም። (ዘዳ. 13:14) ድሕሪኡ እዮም “ብጽድቂ” ኺግስጹ ዚኽእሉ።

19 ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ ንክርስትያን ሽማግለታት፡ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን “ብልእመት” ኪእርምዎም ይእዝዞም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24-26 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኼጽርፎን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባትን ጕድኣት ኬውርድን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሽማግለ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ኪመኽሮ ኸሎ ዚቝጣዕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰብ ኣይጥቀምን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሽማግለታት ‘ንለውሃት ኣምላኽ’ እንተ ቐዲሖምዎ፡ ነቲ እተጋገየ ሰብ ንኺንሳሕ ኪሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 2:4

20. ወለዲ ንደቆም ኪግስጽዎም ከለዉ፡ ነየናይ ስርዓታት እዮም ኪትግብርዎ ዘለዎም፧

20 ወለዲ ንደቆም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኼዕብይዎም ከለዉ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) ሓደ ኣቦ፡ ብዛዕባ ጠባይ ወዱ ኻብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ድሕሪ ምስማዕ ኪቐጽዖ የብሉን። ከመይሲ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ስድራ ቤት፡ ቍጥዓ ቦታ የብሉን። “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን ርሕሩሕን” ስለ ዝዀነ፡ እቶም ንደቆም ናይ ምግሳጽ ሓላፍነት ዘለዎም ወለዲ፡ ልክዕ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ባህርይ ንኼርእዩ ኺጽዕሩ ኣለዎም።—ያእ. 5:11

ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት የሆዋ

21, 22. ካብቲ ኣብ መዝሙር 119:97-104 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ ብዛዕባ ቓል የሆዋ ዘሎካ ስምዒት ዚገልጾ ኣየናይ እዩ፧

21 ሓደ እዋን፡ ሓደ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ፡ ንሕጊ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዜፍቅሮ ገሊጹ ነበረ። (መዝሙር 119:97-104 ኣንብብ።) ንቓል ኣምላኽ ስለ ዘጽንዖ፡ ጥበብን ምስትውዓልን ረኸበ። ንምኽሪ ቓል ኣምላኽ ስለ ዝሰዓቦ ኸኣ፡ ካብቲ ንኻልኦት ዜጕሂ ሕማቕ መገዲ ተሰትረ። እቲ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ የሐጕሶን የዕግቦን ነበረ። ነቲ ኣብ ህይወቱ ዚጠቕሞ መምርሒታት ዝሃቦ ኣምላኽ ኪእዘዞ ኸኣ ወሰነ።

22 ንስኻኸ ን“ዅሉ ቕዱስ ጽሑፍ” ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ብእኡ ኣቢልካ ነታ ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ዘላትካ እምነት ክትሃንጻ ትኽእል ኢኻ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሩ ድማ፡ ካብቲ ጐዳኢ ሳዕቤን ዘለዎ ሓጢኣት ኬዕቍበካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባኡ ብኽእለት ንኻልኦት እንተ ገሊጽካሎም ከኣ፡ ናብ መገዲ ህይወት ንኺመጹን ኣብኡ ንኺመላለሱን ክትሕግዞም ኢኻ። ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ጥበበኛን ፈቃርን ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ እናኣገልገልና፡ ን“ዅሉ ቕዱስ ጽሑፍ” ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ።

^ ሕ.ጽ. 1 ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 79 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 7 የሱስ ኪምህር ከሎ፡ “እንታይ ይመስለኩም፧” ኢሉ ይሓትትን መልሲ ኽሳዕ ዚውሃቦ ይጽበን ነበረ።—ማቴ. 18:12፣ 21:28፣ 22:42

^ ሕ.ጽ. 10 እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን ደብዳበታት፡ ንሓጥእ ዝንባለ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ኸም እትኽእል ዚገልጽ ሓሳባት ዝሓዛ እየን። (ሮሜ 6:12፣ ገላ. 5:16-18) ጳውሎስ ነቲ ንኻልኦት ዝሃቦ ምኽሪ ይዓይየሉ ኸም ዝነበረ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 2:21