ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣይትተሓለል’

‘ኣይትተሓለል’

“ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።”​—ገላ. 6:9

1, 2. ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ምምርማርና፡ ዝያዳ ምትእምማን ዜሕድረልና ብኸመይ እዩ፧

ክፍሊ ሓደ ዓብዪ ውድብ ምዃንና ዜደንቕ እዩ። እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1ን ዳንኤል ምዕራፍ 7ን ተመዝጊቡ ዘሎ ራእያት፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብዜደንቕ መገዲ ይገልጽ። የሱስ ንምድራዊ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ናብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኼተኵር፡ ነቶም ነዚ ዕዮ ዚዓይዎ ሰባት ብመንፈስ ንኺሓልየሎም፡ ከምኡውን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ንኼደንፍዕ ይመርሖ ኣሎ። እዚ ኣብ ውድብ የሆዋ ኸም እንተኣማመን እዩ ዚገብረና።—ማቴ. 24:45

2 ብደረጃ ወልቀ ሰብ ምስዚ ዜደንቕ ውድብ እዚ ንስጕምዶ ኣሎና፧ ንሓቂ ዘላትና ፍቕሪ ትውስኽዶ ኣላ ወይስ ትንኪ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓስበሉ ኸለና፡ ክንሕለል ከም ዝጀመርና፡ ምናልባት እውን እቲ ዝነበረና ቕንኣት ከም ዝነከየ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት፡ ‘ምእንቲ ኸይደኽሙን ነፍሳቶም ምእንቲ ኸይሕለላን’ ንኣብነት እቲ ቕንኣት ዝነበሮ የሱስ ኪሓስቡሉ ምዒድዎም እዩ። (እብ. 12:3) ብተመሳሳሊ፡ ነታ ብዛዕባ እቲ ብውድብ የሆዋ ዚዕመም ዘሎ ነገራት እትገልጽ ቅድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ ብጥንቃቐ ምምርማርና፡ ቅንኣትናን ጽንዓትናን ንኽንዕቅብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

3. ምእንቲ ኸይንሕለል እንታይ ክንገብር የድሊ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ ምእንቲ ኸይንሕለል ካልእ ተወሳኺ ነገር ከም ዜድሊ እውን ጠቒሱ ኣሎ። “ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ” በለ። (ገላ. 6:9) ስለዚ፡ ብወገንና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና ማለት እዩ። ንኽንጸንዕን ምስ ውድብ የሆዋ ሓቢርና ንኽንጐዓዝን ኪሕግዘና ዚኽእል ሓሙሽተ ንጥፈታት ንመርምር። ሽዑ፡ ንሕና ወይ ስድራ ቤትና ዝያዳ ቘላሕታ ኽንገብረሉ ዜድሊ መዳያት እንተ ኣልዩ፡ ብብሕቲ ኽንውስን ንኽእል ኢና።

ንኽትተባባዕን ንኸተምልኽን ተኣከብ

4. ‘ኣኼባ ቐንዲ ኽፍሊ ኣምልኾና እዩ’ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ሓደ ኻብቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገብርዎ ቐንዲ ንጥፈታት፡ ኣኼባ እዩ። ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣብ ምዱብ ግዜያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐርቡ ተዓዲሞም እዮም። (1 ነገ. 22:19፣ እዮ. 1:6፣ 2:1፣ ዳን. 7:10) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቶም ህዝቢ “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን” ይእከቡ ነበሩ። (ዘዳ. 31:10-12) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኼንብቡ ናብ ምኵራብ ናይ ምኻድ ልማድ ነበሮም። (ሉቃ. 4:16፣ ግብ. 15:21) ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት ኣኼባታት ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾ ዀይኑ ቐጺሉ እዩ፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ . . . እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ዚብል ምዕዶ ተዋሂቡና ኣሎ።—እብ. 10:24, 25

5. ኣብ ኣኼባታትና ንሓድሕድና ኽንተባባዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ሓደ ኻብቲ ንሓድሕድና እንተባብዓሉ መገዲ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ብምሃብ እዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዚቐርብ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ሓሳባት ብምሃብ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሕላው ጥበባዊ ምዃኑ ዜብርህ ሕጽር ዝበለ ተመክሮ ብምሃብ፡ ወይ ብኻልእ መገድታት ብዛዕባ እምነትና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (መዝ. 22:22፣ 40:9) ኣብ ኣኼባታት ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም እተኣከብና ብዘየገድስ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልባዊ ዝዀነ ሓሳባት ኪህቡ ኽንሰምዖም ከለና ምንጪ ምትብባዕ ይዀነና እዩ።

6. ኣኼባታትና ብመንፈስ ጥዑያት ኴንና ንኽንቅጽል ኪድግፈና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ክንእከብ ዚደልየና በየናይ ካልእ ምኽንያታት እዩ፧ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓመታዊ ኣኼባታትን ኣብ ክልና ብትብዓት ንኽንዛረብ፡ ንዜጋጥመና ተቓውሞ ወይ ዘይተገዳስነት ድማ ንኽንጻወሮ ይሕግዘና እዩ። (ግብ. 4:23, 31) እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ የበራትዓናን ብእምነት የጽንዓናን እዩ። (ግብ. 15:32፣ ሮሜ 1:11, 12) እቲ ንኣምልኾ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታት ዚቐርብ ትምህርትን ሓድሕዳዊ ምትብባዕን ናይ ሓቂ ሓጐስ ይህበና፡ ‘ካብ መዓልቲ መከራ ድማ የህድኣና።’ (መዝ. 94:12, 13) ኮሚተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንዅሉ እቲ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ የሆዋ መምርሒ ንምሃብ ዚዳሎ መንፈሳዊ መደባት ብሓላፍነት ይቈጻጸሮ እዩ። ስለቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ጥዑይ ትምህርቲ ንኽንቀስም ዚግበረልና መሰናድዎ፡ ኣዚና ኸነመስግን ዚግብኣናዶ ኸይኰነ!

7, 8. (ሀ) ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንኸደሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣኼባታት ብመንፈሳዊ መዳይ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

7 ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኣብ ኣኼባታት እንረኽቦ ብሕታዊ ረብሓታት ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ኻልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ናብ ኣኼባታት እንኸደሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ኸነምልኾ እዩ። (መዝሙር 95:6 ኣንብብ።) ነቲ ዜደንቕ ኣምላኽና እንውድሰሉ ኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ዘሎና! (ቈሎ. 3:16) ኣብዚ ቲኦክራስያዊ ኣኼባታት ብምእካብን ብምስታፍን ንየሆዋ ብስሩዕ ከነምልኾ ግቡእና እዩ። (ራእ. 4:11) ስለዚ፡ “ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ምዕዶ እንተ ተዋህበና እምበኣር ኣየገርምን እዩ።—እብ. 10:25

8 ንክርስትያናዊ ኣኼባታትና፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ንኽንጻወር ዚሕግዘና መሰናድዎ ጌርና ዲና እንርእዮ፧ ከምኡ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ናብራና ቐዳምነት እንህቦ “ዚሓይሽ” ነገራት ጌርና ሰሪዕናዮ ኣሎና ማለት እዩ። (ፊል. 1:10) ኣዝዩ ኸቢድ ጕዳይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ኣሕዋትና ንየሆዋ ብሓድነት ንኸይነምልኾ ዚዓግተና ነገር ኪህሉ የብሉን።

ነቶም ቅኑዓት ድለዮም

9. ዕዮ ስብከት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

9 ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ምክፋልና እውን ምስ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ንኽንስጕም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ነዚ ዕዮ እዚ ጀሚርዎ። (ማቴ. 28:19, 20) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቂ መዛሙርቲ ምግባርን ኣብ ውድብ የሆዋ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ንጥፈት ኰይኑ ቐጺሉ እዩ። መላእኽቲ ንዕዮና ኸም ዚድግፍዎን ናብቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኸም ዚመርሑናን ዚሕብር ሓያሎ ተመክሮታት ኣሎ። (ግብ. 13:48፣ ራእ. 14:6, 7) ሎሚ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብንጥፈት ይዓዪ ኣሎ፡ ነዚ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ንምድጋፍ ከኣ ተወዲቡ ኣሎ። ንሕናኸ ንኣገልግሎት ኣብ ናብራና ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርና ዲና እንርእዮ፧

10. (ሀ) ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ክንዕቅብ ከም እንኽእል ዚገልጽ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣገልግሎት ንኸይትሕለል ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ምግልጋልና ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ኽንዕቅብ ይሕግዘና እዩ። ንነዊሕ እዋን ሽማግለን ስሩዕ ፈላምን ኰይኑ ዘገልገለ ሚሸል ዝሃቦ ሓሳባት እሞ ንርአ። ከምዚ በለ፦ “ንሰባት ብዛዕባ ሓቂ ኽነግሮም ከለኹ ባህ እዩ ዚብለኒ። ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዝወጸት ሓዳስ ዓንቀጽ እሓስብ፡ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ዚንጸባረቕ ጥበብን ምስትውዓልን ሚዛናውነትን ከኣ እምሰጥ እየ። ሰባት እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡን ንተገዳስነቶም ብኸመይ ከለዓዕሎ ኸም ዝኽእልን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኣገልግሎት ክኸይድ እደሊ እየ። ኣገልግሎተይ ወለቕ ዘለቕ ንኸይብል ሓጊዙኒ እዩ። ንዅሉ ኻልእ ነገራት ቅድሚ ወይ ድሕሪ እቲ ንኣገልግሎት ዝመደብክዎ ግዜ እየ ዝገብሮ።” ንሕና እውን ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ዕዙዛት እንተ ዄንና፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ጽኑዓት ኴንና ኽንነብር ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።

መንፈሳዊ ምግቢ ተመገብ

11. ነቲ የሆዋ ዚህበና መንፈሳዊ ምግቢ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 የሆዋ ንኼበርትዓና ኢሉ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና እዩ። ሓንቲ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብካ፡ ‘ንዓይ ዜድልየኒ ዝነበረ እዚ እዩ! የሆዋ ንዓይ ኢሉ ዝጸሓፎ እዩ ዚመስል’ ዝበልካሉ እዋን ትዝ ይብለካ ይኸውን። እዚ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኣይኰነን። የሆዋ በዚ መሰናድዎ እዚ ኣቢሉ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ። ንሱ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ” በለ። (መዝ. 32:8) ንዅሉ እቲ ዚውሃበና መንፈሳዊ ምግቢ ንኽንምገቦን ንኸነስተንትነሉን ንጽዕር ዲና፧ ከምዚ ምግባርና፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብቐጻሊ ፍረ ንኽንፈርን ብመንፈሳዊ መዳይ ንኸይንማስንን ኪሕግዘና እዩ።—መዝሙር 1:1-3፣ 35:28፣ 119:97 ኣንብብ።

12. ንመንፈሳዊ መሰናድዎና ዕሽሽ ንኸይንብሎ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

12 ነዚ ብስሩዕ ዚውሕዝ ጥዑይ መንፈሳዊ መሰናድዎ ንምድላው እንታይ ጻዕሪ ኸም ዚግበር እንተ ሓሲብናሉ ብዝያዳ ኸነማስወሉ ኢና። ኵሉ እቲ ዚሕተም ወይ ኣብ ወብ ሳይት ዚኣቱ ጽሑፋትና፡ ምርምር ይግበረሉ፡ ይጸሓፍ፡ ሰዋስው ንምሕላው ይንበብ፡ ስእላዊ መግለጺ ይግበረሉ፡ ከምኡውን ናብ ካልእ ቋንቋታት ይትርጐም እዩ። ነቲ ዕዮ ዚቈጻጸሮ ድማ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ። እተን ጽሑፋትና ዚሓትማ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ነቲ ጽሑፋት ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ይልእኻኦ። እዚ ዅሉ ዕዮ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ህዝቢ የሆዋ ብመንፈስ ብግቡእ ምእንቲ ኺምገቡ እዩ። (ኢሳ. 65:13) ሃየ እምበኣር፡ ንዅሉ እቲ ብውድብ የሆዋ ዚዳለወልና መንፈሳዊ ምግቢ ብትግሃት ንመገቦ።—መዝ. 119:27

ንስርዓታት ውድብ ደግፎ

13, 14. ኣብ ሰማይ ንውድብ የሆዋ ዚድግፉ መን እዮም፧ ኣብ ምድሪኸ ኣብነቶም ብምስዓብ ደገፍና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሱስ ነቶም ካብ የሆዋ ዝዓለዉ ሰባት ንኺስዕሮም ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተወጢሑ ኺጋልብ ከሎ ተራእዩ እዩ። (ራእ. 19:11-15) እሙናት መላእኽቲ ብድሕሪ የሱስ ከም ዘለዉ፡ እቶም ካብ ምድሪ ዝኸዱ፡ ሰማያዊ ዓስቦም እውን እተቐበሉ ቕቡኣት ሰዓርቲ ድማ ኣብ ጐድኑ ምህላዎም ምፍላጥና፡ ንእምነትና ዜደልድል እዩ። (ራእ. 2:26, 27) እዝስ ንውድብ የሆዋ ኽንድግፍ ከም ዘሎና ዘርኢ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ!

14 ብተመሳሳሊ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እውን ንዕዮ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ኸኣ መሪሕ ግደ ዘለዎም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ይድግፍዎ እዮም። (ዘካርያስ 8:23 ኣንብብ።) ነቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም እንድግፎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ፈለማ፡ ነቶም ዚመርሑና ኽንግዝኦም ኣሎና። (እብ. 13:7, 17) እዚ ኸኣ ኣብታ እተመደብናላ ጉባኤ እዩ ዚጅምር። እቲ ብዛዕባ ሽማግለታት እንህቦ ሓሳባት ከም እነኽብሮም ዜንጸባርቕ ድዩ፧ ንደቅናኸ ነዞም እሙናት ሰብኡት ንኬኽብርዎምን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺህብዎም ከለዉ ኪቕበልዎምን ነተባብዖም ዲና፧ ብዘይካዚ፡ ብወፈያ ኣቢልና ንዓለምለኻዊ ዕዮ ምእንቲ ኽንድግፍ ንገንዘብና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ብደረጃ ስድራ ቤት ንመያየጥ ዲና፧ (ምሳ. 3:9፣ 1 ቈረ. 16:2፣ 2 ቈረ. 8:12) ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽራይን ንምሕዳስን እተዋህበና መሰል ኣገዳሲ ጌርና ንርእዮ ዲና፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮትን ሓድነትን እንተ ኣልዩ፡ መንፈስ የሆዋ ይውሕዝ እዩ። እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኸይንሕለል ይሕግዘና እዩ።—ኢሳ. 40:29-31

ምስ መልእኽትና ተሰማሚዕና ንመላለስ

15. ምስቲ ልዑል ዕላማ የሆዋ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ወትሩ ኽንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ብተወሳኺ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ወትሩ ብማዕረ ምእንቲ ኽንስጕም፡ ‘ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብምምርማር፡’ ምስቲ ዝጾርናዮ መልእኽቲ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። (ኤፌ. 5:10, 11) ብምኽንያት ዘይፍጽምናናን ብሰንኪ እቲ ኻብ ሰይጣንን እዛ እክይቲ ዓለምን ዚወርደና ጸቕጥን፡ ወትሩ ብኣሉታዊ ጽልዋታት ምእንቲ ኸይንስነፍ ንቃለስ ኢና። ኣቱም ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ገለ ኻባኻትኩም ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኩም ርክብ ንኽትዕቅቡ መዓልቲ መዓልቲ ትቃለሱ ኢኹም። የሆዋ ነዚ እትገብርዎ ቓልሲ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። እምበኣር፡ ኣይትተሓለሉ! ምስ ዕላማ የሆዋ ተሰማሚዕና ምምልላስና፡ ብዙሕ ዕግበት የምጽኣልና፡ ኣምልኾና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ኸኣ የረጋግጸልና እዩ።—1 ቈረ. 9:24-27

16, 17. (ሀ) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ካብ ኣብነት ኣና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

16 ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና ግና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ውዓል ሕደር ከይበልና ሓገዝ ኪውሃበና ንሕተት። ነቲ ጕዳይ ምሕባእ፡ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። ዳዊት ነቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኪሓብኦ ምስ ፈተነ፡ ‘ምሉእ መዓልቲ ብምግዓሩ ኣዕጽምቱ ዘርጋሕጋሕ በለ።’ (መዝ. 32:3) እወ፡ ነቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት እንተ ሓቢእናዮ፡ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን ከም እንሕለል እዩ ዚገብረና፣ “እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።”—ምሳ. 28:13

17 ኣብነት ኣና ንርአ። * ኣና ኣብ መወዳእታ ዕድመ ኰተቴ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። ኰይኑ ግና ክልተ ዓይነት ናብራ ኽትነብር ጀመረት። እዚ ኸኣ ከቢድ ነገር ኣስዓበላ። “ብሕልናይ ብስምዒት ጸጸት እሳቐ ነበርኩ። ወትሩ ጕህይትን ቅዝንትን ነበርኩ” ድማ በለት። እንታይከ ገበረት፧ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣኼባ፡ ያእቆብ 5:14, 15 ምይይጥ ተገብረላ። ኣና ሓገዝ ከም ዜድልያ ተገንዚባ ናብ ሽማግለታት ቀረበት። ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸት፦ “እቲ ጥቕስታት፡ የሆዋ ብመንፈስ ንኺፍውሰና ኢሉ ዝጸሓፎ መድሃኒት እዩ። ነቲ መድሃኒት ክትውሕጦ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሓቂ ዚፍውስ እዩ። ነቲ ኣብቲ ጥቕስታት ዘሎ ምኽሪ ስዒበዮ እየ፡ ዓይዩ ኸኣ እዩ።” ሕጂ ኣና ንየሆዋ ብጽሩይ ሕልናን ብቕንኣትን ተገልግሎ ኣላ።

18. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

18 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክፍሊ ውድብ የሆዋ ዄንና ኽንነብርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን እዩ! ነቲ ዘሎና ዕሽሽ ንኸይንብሎ ቘራጻት ንኹን። ኣብ ጉባኤና ኣዘውቲርና ንኣምልኾ ንኽንእከብ፡ ኣብ ክልና ንዘለዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ብትግሃት ንኸነናዲ፡ ነቲ ብስሩዕ ዚውሃበና መንፈሳዊ ምግቢ ኸኣ ኣኽቢርና ንኽንርእዮ፡ ብስድራ ቤት ሓቢርና ንዕየ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ዚመርሑና ንደግፎም፡ ምስቲ ዝጾርናዮ መልእኽቲ ኸኣ ተሰማሚዕና ንንበር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምስ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ንስጕም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይክንስልክን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 17 ስም ተቐዪሩ እዩ።